ሓደ ሕብረተሰብ ሓታትን መላስን ክሳብ ዘይኮነ፡ ክብሪ መሰሉ ዘይፈልጥ’ዩ

2024-01-18 09:54:09 Written by  ክፍላይ ተኪአ  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 587 times

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት ኣርእስተይ ተኸቲለ ሓሳባተይ ናብ ሕብረተሰበይ ከመሓላልፍ እንከለኹ፡ ኣብ ሕልናይ ወትሩ ዕረፍቲ ይስመዓኒ። ምኽንያቱ ከም ሰብ ክሓስብ ስለ ዝኸኣልኩ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡ ወዲ ሰብ 5 ሕዋሳት ኣለዎ። እዚ ካኣ ብኣምላኽ ዝተዋህበካ ኮይኑ፡ ንዘሎ ኩነታትካ ሓታትን መላስን ኴንካ እሂን ምሂን ተበሃሂልካ ሽግርካ ፈቲሕካ፡ ብሓፈሻ ኣብዛ እንነብረላ ዓለም ምስ ኣህዛብ ዓለም እንካን ሃባን ተበሃሂልካ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊን ቅዋማዊ ሕጊ ዓንዲ ሕቖን ጌርካ ምንባር ኮይኑ፡ ግን ከኣ ንሕና ኤርትራውያን ሃገርን ህዝብን ሕብረተሰብን ስለ ዝኾንና፡ ብነጻ ኣእምሮ ንክብሪ መሰልና ንኩነታትና  ሓተትን መለስትን  ብዘይምዃንና፡ እሞ ከኣ ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን፤ እንሆ ውጽኢት 32 ዓመት: ኣብ ከርፋሕ ናብራ ስደትን ጸገማትን ንነብር ኣሎና። ሕሰብ ኤርትራዊ ህዝብኻ ኣበይ ደረጃ ኣሎ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት ካብ 91 ክሳብ ሕጂ በቲ ስርዓት መንበሪ ዝተኸላእካ ክንስኻ፡ ኣነ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ጸልማት እናነበርካ ስቕታኻ ይገርመኒ’ዩ። ሕሰብ ኤርትራዊ ወዲ ሰብ መወዳእታ ኣለዎ። ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት ኣብ ጉዕዞ ሂወትካ ናብራን ሕስረትን ሞትን ስደትን መቕዘፍቲ ሰሃራን ባሕርን ብሰንኪ እቲ ስርዓት፡ ንሕና ኤርትራውያን እናሰማዕናን እናረኣናን ስለምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ወዲቑ ክንብል ዘይከኣልና? መንእሰይ ወለዶ ጽባሕ ንግሆ እንታ’ዩ ክብለኒ ወይ ክብለና ዘይምባልና፡ ኣነ ከም ሓሳብ ኣቕራቢ ብዙሕ የተሓሳስበኒ።

ኣንታ ክቡር ህዝቢ አረ እንታይ ኢና ኴንና ዘሎና ንሕሰብ ኤርትራውያን። ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት እዚ ስርዓት ን32 ዓመት ዓድን ህዝብን ዘድመየን ጨካን ስርዓት እንድ’ዩ። ሕጂ ኩሉ ወጺኡ ካብ ስድራቤት ሓሊፉ ካብታ ጥንታዊ መንነቱ ዝሓዘለት ህድሞኡ ጸጊቡን ጠምዩን ዘጽልለላን ዘዕርፈላን ዝድቅሰላን ኣውጺኡ ኣብ ቍርን ኣሳሕይታን ንፋስን ማይን ኣሳጢሑዎም ይርከብ። እቲ ዘገርም ድማ ኣነ ከም ሰብ ዘተሓሳስበኒ ጥኑሳት ኣብ በረኻ ዝሓርሳሉ ክትርኢ ናይ ትማሊ ተዘክሮ’ዩ። እዚ ንኩሉ ኤርትራዊ/ት ሞት እዩ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት እዚ ስርዓት’ዚ ከይሓፈረ ነቶም ን30 ዓመት ደምዮምን መስዋእቲ ከፊሎምን ንስርዓት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ ሃገሮም ዘውጽኡዎም፡ ተመሊሱ ንኢትዮጵያ ከይትበታተን ክንስዋኣላ ኢና ክብለና ከሎ፤ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ እምቢ ድቅና ኣይንህብን ኢልና ሓተትን መለስትን ስለ ዘይኮንና፡ ዕንባባ መንእሰያት ደቅና መንእሰይ ወሎዶ ኤርትራዊ/ት ኣብ ዘይምልከተና ኵናት ኣትዮም ብኣሽሓት ሞይቶም ኣለዉ። እዚ ዘይወጽእ መሪር ሓዘን ንኩለን ስድራቤታት፡ ብሓፈሻ ድማ ንኩሉ ሕብረተሰብና ኣጽኒቱዎን ኣብ ዓሚቝ ሓዘን የንብሮን ኣሎ።

ዝኸበርካ/ኪ መንእሰይ ወሎዶ ሽግር ህዝብኻ ንስኻ ኢኻ ሓቢርካ ትፈትሖ። እዚ ድማ ሓታትን መላስን ምስ እትኸውን እዩ። ኮይኑ ግን ኣነ ከም ሓሳብ ኣቕራቢ ሓደ ነገር ኣሎ ዝገርመኒ፡ ንሱ ድማ ፖሊስ ሓልወኒ ኣነ ድማ ክስዕስዕ ምባል ግን ኣየጥዕመልካን እዩ። ሓውኻ ፍትሒ እናበለ ንስኻ ኣብ ዓዲ ፍትሒ ተቐሚጥካ ጸረ ፍትሒ ምዃንካ ስርዓት ሓላፊ’ዩ፡ ሕብረተሰብ ግን ነባሪ’ዩ ክብለካ እደሊ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት ኣብ መወዳእታ ጽሑፈይ ሓሳበይ ክገልጸልካ ዝደሊ - ኣነ ነጊረ’የ ሕማቕ ታሪኽ ከይትገድፍ፡ ደቅኻ ተመሊሶም ክሓቱኻ’ዮም መልሲ’ውን ትረኽበሉ ኣይመስለንን። ወዲሰብ ኣብዛ ገዲፉዋ ዝኸይድ ዓለም ትዕበ ትንኣስ ጽቡቕ ታሪኽ ሓዲጉ ክኸይድ ከሎ ክብሪ ንእኡ ክብሪ ንቤተሰቡ ክብሪ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰቡን ሃገሩን ዓቢ ክብሪ ክህልዎ ከሎ ወትሩ ብጽቡቕ እናተዘከረ ይነብር። እዚ ድማ ሂወታዊ ዝኾነ ሞት እዩ ክብል እደፍር። ከም ሓሳብ ኣቕራቢ ድማ እዚ ብሓቂ ሂወታዊ ዝኾነ ኣበሃህላ’ዩ።

ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ

ሰላም ንህዝቢ ዓለም

ቅዋማዊ ሕግና መሰረት ምዕባለና

ብክፍላይ ተኪአ  ጀርመን

Last modified on Thursday, 18 January 2024 10:58