ሓጺር ሌላ ምስ ሶማሊላንድ

2024-01-10 21:17:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 579 times

ሶማሊላንድ፡ ድሕር’ቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ፡ ምክራይ መሬት ካብ ገማግም ባሕራ ንኢትዮጵያ ከምኡ ድማ ካብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተወሰነ ብርኪ ምውሳድ ዝምልከት መረዳድኢ ሰነድ ምኽታማ ኣዛራቢት ኣጀንዳ ኮይና ኣላ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ “መን እያ ሶማሊላንድ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ባህርያዊ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ሕቶ ኣብ ምምላስ እንተሓገዘ ብዝብል፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መድያታን ኣብዚ ቅንያት ካብ ዝተዋህቡ ቃለ መጠይቓትን ዝነቕል ብውሱን ምስኣ ከነላልየኩም።

ሶማሊላንድ “ረፑብሊክ ሶማሊላንድ” እናተባህለት እትጽዋዕ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ  እትርከብ ባዕላ ናጽነት ዝኣወጀት፡ እንተኾነ ብኻለኦት ኣፍልጦ ዘይረኸበት ነብሳ ክኢላ እተመሓድርን ዝምድናታት እትፈጥርን ዘላ እያ። ሶማሊላንድ ኣብ ደቡባዊ ወሽመጥ ባሕሪ ዓደን እትርከብ፡ ብሰሜናዊ ምዕራብ ምስ ጅቡቲ፡ ብደቡብን ምዕራብን ምስ ኢትዮጵያን ብምብራቕ ድማ ምስ ሃገረ ሶማሊያ ባዕላ እትዳወብ እያ።

ስፍሓት መሬታ 177 ሺሕ ትርብዒት ኪ/ሜ ኮይኑ ብዝሒ ህዝባ ድማ 5 ሚልዮን ይግመት። ጻዕቂ ዝርጋሐ ህዝባ  28.27 ኣብ ሓደ ትርብዒት ኪ/ሜት እዩ። ኣብ 6 ኣውራጃታትን 22 ወረዳዳትን ድማ ትኽፈል። ዋና ከተማኣ ሃርገሳ ክትከው እንከላ፡ በርበራ ድማ ኣብ ገማግም ባሕሪ  እትርከብ ወደባዊትን ዋና ከተማ ኣብራጃ ሳሂልን እያ።  ከምኡ እውን ኣብ ግዜ ምምሕዳር ዓባይ ብሪታንታ ዋና ከተማ ሶማሊላንድ ዝነበረት እያ። ኣብ መንጎ ክልቲአን ከተማታት ዘሎ ርሕቀት 160 ኪ/ሜት እዩ። ርሕቀት ወደብ በርበራ ካብ መቃድሾ 1408.72 ኪ/ሜት ክኸውን እንከሎ፡  ካብ ኣዲስ ኣበባ ድማ 705 ኪ/ሜት እዩ።

ሶማሊላንድ ካብ 1800ታት ጀሚራ ውሱን ቅርጺ ሒዛ ሓንቲ ካብ ኣውራጃታት ሶማልያ ዝነበረት፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኤውሮጳ ከኣ እቲ ካልእ ልፍሊ ሶማሊያ ኣብ ትሕቲ ኢጣልያ ክመሓደር እንከሎ  ክሳብ 1960 ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ዓባይ ብሪታንያ ዝነበረት እያ። ኣብ 1960 ድማ ን5 መዓልታት ጥራይ ዝጸንሐ ናጽነት ዝኣወጅትን ድሕሪኡ ግና ክሳብ 1991 ኣካል ሶማሊያ ኮይና ዝቐጸለት እያ።

እዛ ሰፊሕ ካብ መሬታ ሓውሲ-ምድረበደ ዝኾነ ሶማሊላንድ ኣብ 1991 ነቲ ናይ ምፍልላይ ቃልሲ ዘስዓበ ውድቀት ሰርዓት ዘይድ ባረ ተኸቲላ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ገዛእ ርእሳ ናጽነት ኣውጃ። እንተኾነ “ርእሰ-ምምሕዳር” ተባሂላ ካብ ምጽዋዕ ሓሊፋ ክሳብ ሎሚ ብዝኾነ ኣካል ከም ሃገር ኣፍልጦ ኣይረኸበት።

ሶማሊላንድ ብ2001 ብህዝባዊ ረፈረንዶም ብዘጽደቐቶ ሕገ-መንግስቲ እያ እትመሓደር። በዚ እናተመሓደረት ከኣ ካብ 2002 ጀሚራ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 5 ዓመት ምርጫ ተካይድ ኣላ። በዚ ምርጫታት ዝተመስረቱ  ቤት ምኽሪ  ተወከልቲ (ሓጋጊ ኣካል)፡ ባይቶ ዓበይቲ ዓድን ከምኡ’ውን  ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ኣለዉዋ። እቲ ዘሎ ምምሕዳራ ኣሃዳዊ ኮይኑ ኣብዘሓ ሰልፍታት ዘሳትፍ ክኸውን ግን ክፉት እዩ። እቲ ቤት ምኽሪ ተወከልትን ባይቶ ዓበይቲ ዓድን ነፍሲ ወከፎም 82 ወናብር ኣለዉዎም።

ቁጠባዊ ፖሊሲኣ ናጻ ወፍሪ እንተላይ ንወጻእተኛታት ስለ ዘፍቅድ ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተረጋግአ ቁጠባ ዘለዋ ምዃና ይንገረላ። እቲ ከም ሃገር ኣፍልጦ ዘይምርካባ ገዲፍካ፡ ነታ ብ1991 ናጻ ዝወጸት፡ ብ1993 ድማ ልኡላዊት ዝኾነ ኤርትራ ኣብ ኩሉ ፖለቲካዊ፡  ቁጠባውን ማሕበራውን መዳያት ኣዝያ እትበልጻ ምዃና ብዙሓት ክኢላታት ዝምስክርዎ ዘለዉ እዩ። ኣብዛ ርእሰ-ምምሕዳር ቋንቋታት፡ ማልኛ፡ ዓረብኛን እንግሊዝኛን ይዝረብ።

 

 

Last modified on Wednesday, 10 January 2024 22:40