ህዝቢ ኤርትራ ጉዳይካ ግበር

2023-09-05 06:36:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 909 times

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ስሙ ከይተጸውዐ ኣብ ዘይውዕለሉ መድረኽ ንርከብ ኣለና። ብዓብይኡ ኣብቲ ምእንቲ ናጽነት ንሰላሳ ዓመታት ዝተኻየደ ቃልሲ ዝኸፈሎ ዋጋ ብኣውንታዊ ኣብነትን ጽንዓትን ዝጥቀስ ተመኩሮ ዘለዎ እዩ። ኣብ ናይ ድሕሪ ናጽነት ዓመታት ብኣንጻሩ ብደቁ ናይ ዝተጠልመ፡ ኩሉ መሰላት ዝተነፍገን ብዝምእዘዞ ዘይኮነ፡ ኣፈራሪሑን ኣርዒዱን ብዝገዝኦ ዓመጸኛ ጉጅለ ይሳቐ  ምህላዉ ናይ ኣሉታ ኣብነትን ዕለታዊ መዛረቢ ኣጀንዳ ብዙሓትን ኮይኑ ኣሎ።

“ጽንዓት፡ ይኽእል እየ በሃልነት፡ ብቐጻሊ ማሕበረ ቁጠባዊ ጸገም ዘይምድሃል፡ ብምንዋሕን ምምራርን ቃልሲ ዘይምርብራብን ምእንቲ ሃገር ህይወትን ንብረትን ክትከፍል ሰጋእ ዘይምባልን መለለይ ህዝቢ ኤርትራ እዮም። እዞም ናይ ጽንዓት መለለይታት ኣብ ልቦና ህዝቢ ኤርትራ ዝሰፈሩ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ዓለምና እውን ከም መግለጺ ጽንዓቱ ዝተቐበለቶም መወከሲ ውርሻታት እዮም። ስም ህዝቢ ኤርትራ ብኸምዚ ደረጃ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ምንጽብራቑ ከኣ፡ ነቲ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን”  ዝብል ቁምነገር ኣረጋጊጽዎ እዩ።

ህዝብና  ከምቲ “ንወሃብ ጸባዶ ትኸልኦ ማይጭባ” ዝበሃል፡ ኣብ ክንዲ ሞሳን ኣበርክቶን ቃልሱ ብዝርደኣሉን ኣብ በሪኽ ቦታ ዘንብሮን፡ ካብ ግዜ መግዛእቲ ብዝኸፈአ ኩሉ መሰላቱ ግሂሱ፡ “ነዚ ድየ ደኣ ዝተቓለስኩ” ንኽብል ኣብ ትሕቲ ዝድርኾ ስርዓት ምውዳቑ እቲ ካልእ ህዝቢ ኤርትራ ዝግለጸሉ ዘሎ ዘሕዝን ተረኽቦ እዩ። እንተኾነ ተቓሊስካ ምዕዋት ከምዝከኣል ካብ ተመኩሮኡ ዝርዳእ ኤርትራዊ ተግባራት ህግደፍ ዘነድሮ እምበር ተስፋ ዘቑርጾ ኣይኮነን። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ቃልሲ ሓድነትን ብርታዐን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ወጻዒኡ ጸብለል ኣብ ምባል፡ ከምቲ ናይ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዘይምህላዉ  ዘየሰክፍ ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ንክቱርን መወዳድርቲ ዘየብሉን ወጽዓ ህግደፍ  “ሓንጐፋይ ኢሉ እንተዘይቅበሎ ምስቲ ዘለዎ ተመኩሮን ዝወርዶ ዘሎ ምረትን፡ ምውጋዱ ህግደፍ ኣይመጸገሞን” ዝብል ተረድኦ ዝሓደሮም ወገናት፡  ንሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ” ክልተሻብ ዝተራእየ ህዝቢ” ክብልዎ ይስምዑ እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ብዘይሕገ-መንግስትን ብዘይመረጾም ውልቀ ሰባትን ይምራሕ ከም ዘሎ፡ ዝኽተለን እምነታት ተቖጺረን ከም ዝወሃብኦ፡  ብናይ ሓንቲ ጋዜጣ፡ ሓንቲ ሬድዮን ሓንቲ ተለቪዥንን ጥራይ ብዝዝርጋሕ ሓበሬታ ዝተሻበበ፡ ከምኡ እውን ኩሉ ብኩራት መሰል ከምዘለዎ ርኡይ እዩ። እቶም ክሳብ ሬሳ ዜጋታት  ኣብ ሃገሩ ናይ ምቕባር መሰል ዝተነፍጎ ምዃኑ ዝርድኡ ወገናት ግና “ህዝቢ ኤርትራ ጸጊምዎ እንተዘይኮይኑ፡ ንምምሕዳር ህግደፍ ኣሚኑ ልቡ ከምዘይህቦ ይርድኡ እዮም። እቲ ሓይሊ መግዛእቲ ኣብ ምምካት ንነዊሕ ግዜ ክምህ ዘይበለ ዓቕምን ተመኩሮ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ደኣ ናበይ ከይዱ?”  ዝብል ሕቶ፡ ምስዚ ህልዊ ስቕታኡ ተዛሚዱ ክለዓል እትጽበዮ እዩ። “ህዝቢ ኤርትራ ጉዳይካ ግበር” ክንብል እንከለና ከኣ ነዚ መሰረታዊ ሕቶዚ ግቡእ መልሲ ሃበሉ ማለትና እዩ።

ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ኣይኮነንዶ ንህዝባ ንዓለም ዘጨንቕን ዘሻቕልን ዘሎ እዩ። ኣንጻር’ቲ ጸዋዒት ህዝቢ ከይሰምዕ ዘጽቀጠ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብደረጃ ዓለም ዓገብ ዝብሉን ገበናቱ ዘቃልዑን ኣካላትን መዲያታትን ሎሚ ይበዝሑ ኣለዉ። ኣብ ገዛእ ሃገሮም ተወዲብካ ናይ ምቅዋምን መማረጺ ሓሳብ ናይ ምቕራብን መሰል ዝተነፍጎም ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ለውጢ ቃልስን ዘስምዕዎ ዘለዉ ድምጽን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብምዃኑ መቓልሑ ቀልቢ ብዙሓት ይስሕብ ኣሎ። ጐኒንጐኑ ብዛዕባ ኣረመንያዊ ምምሕዳር ህግደፍ ዝሓትት፡ ዝመራመርን መዋጸኦ ዝእምትን መስርሕ ይብርኽ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን ብኸምዚ ንዕዘቦ ዘለና ደረጃ ፊትንፊት ተጻረርቲ ኣካላት ምዃኖም ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ዘሕድሮ ስንባደ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ፈቐዶ መድረኻት ዘስመዕም ዘሎ፡ ኣብ ኤርትራዊ ባይታ ብዘሎ ሓቂ ዘይኮነ፡ ብስምዒት፡ ቂምን ዓቕሊ ጽበትን ዝተደረኹ ውግእ ዝናፍቑ መደረታት  ናይዚ መርኣያ እዮም።

ኣብ ወጻኢ ብኤርትራውያን ዝግበር ዘሎ ቃልስን ዝተፈላለዩ ናይ ግዳም ሓይልታት ዘሕድርዎ ተጽዕኖን ዘይሩዘይሩ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ኮይኑ ዘካይዶ  ቃልሲ፡  ዘሰውድን ዘራጉድን  እምበር ዝትክእ ከምዘይኮነ ህዝብና ክግንዘቦ ዝግባእ መሰረታዊ ዛዕባ እዩ። ህዝቢ ክንድቲ ናይቲ ወጽዓ ቀዳማይ ተጠቃዒ ግዳይ ኮይኑ ዘሎ፡ ናይቲ ምእንቲ ሰላም፡ ሓድነትን ዲሞክራስን ኤርትራ ዝግበር ቃልሲ ቀንዲ ቀላስን ወሳንን እውን ባዕሉ እዩ። ስለዚ ግዜን ዓቕምን ከይበቐቐ፡ ካብ ካልኦት ከይተጸበየን ንጽባሕ ከይበለን ክለዓለሉ ዝግባእ ዕማሙ እዩ።  ንሱ ብቕምጡ ብስም “ድምጺ ህዝቢ ንኸውን ኣለና”  ኣብቲ ብመሪር ቓልሱን ብኽቡር ዋጋን ዘረጋገጾ ናጽነቱን ልኡላውነቱን ንዝወራዘዩ ወገናት፡ ተንኮሎምን ውዲቶምን ክሳብ ዝስዕርር ዕድል ከይህቦም ክጥንቀቕ ይግበኦ። እዚ ቀንዲ ገጽ ናይቲ “ጉዳይካ ባዕልኻ ምውጋን”  እዩ። ኢሳያስ ዘርእዮ ዘሎ ዓቕሊ ጽበታዊ ሸበድበድ ከምቲ ደገፍቱ ዝብልዎ፡ ተሰማዕነቱን ተቐባልነቱን ዘዛይድ ዘይኮነ፡  ብህዝባዊ ማዕበል ከይጐሓፍ ናይ ምስግኡ ምልክት እዩ።

ህግደፍ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ውዳበታቱን ዝስስን ርክብ ስለ ዘስገኦ፡ ንምርሕሓቖም ካብ ምስራሕ ዓዲ ኣይውዕልን እዩ።  ከም 5ይ መስርዕ፡ የሚን፡ ወያነን ዝኣመሰሉን ገጸ-ባህርያት  ይስእል እሞ፡ ብህዝቢ ከም ዝጽልኡ ይገብር። ድሕሪኡ ካብ ህዝቢ ክንጸል ንዝደልዮ በዚ ቅጽላት ከም ዝጽዋዕ ይገብር። ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ንኹሎም ሓይልታት ለውጢ፡ ብፍላይ ከኣ ነቲ ብብሪገድ ንሓመዱ ዝጽዋዕ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ናይዚ ግዳይ ክገብሮ ይጽዕር ኣሎ። እንተኾነ እዚ ተንኮልዚ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድባትን ባእታታትን ተፈቲኑ ዝኸሰረ እዩ።

ብኻልእ ወገን ድማ  ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ህግደፍ ዝነዝሖ ሓሶት  ዝተፈልየ ሓበሬታ ከም ዘይረክብ ምግባሩ ካልእ ተንኮል ህግደፍ ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ። ሎሚ ግና ሳላ ዘመናዊ ምዕባለ ተክኖሎጂ መራኸቢ፡ መዲያታት ሓጹር ህግደፍ ጥሒሰን ኣብ  ህዝቢ ኤርትራ ይበጽሓ ስለ ዘለዋ፡ ህዝብና ኣብቲ ጉዳዩ ንምርኣይ ዝገብሮ ቃልሲ ዝሕግዞ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ዕድሉ ይሰፍሕ ኣሎ። እዚ ድማ ሓደ ካብቲ ንመራሒ ህግደፍ ጸላዕላዕ  ዝብሎ ዘሎ እዩ።

 

Last modified on Tuesday, 05 September 2023 08:41