ግጥሚ ንዝኽሪ ሓደ መስከረም 1961

2023-09-02 21:53:15 Written by  ፍስሃየ ሓጎስ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 653 times

መጀመርያ ንዅሉኹም ሰላምታይ የቕርበልኩም። ቀጺለ፣ ነዚ ክቡር በዓል ምጅማር ዕጥቃዊ ሰውራ ኤርትራ ዘበሰረ ዕለት ሓደ መስከረም 1961 ብሓባር ከነኽብር በቓዕና። እምበኣር ቀሪበያ ዘለኹ ግጥሚ ነጸብራቕ ናይ ተሞክሮይ፡ ማለት ከም መብዛሕትና ኣብ ሜዳ ክንቃለስ ከለና፡  ምስ ህዝቢ ኤርትራ እንዳተዋሳእና ዘጥረናዮ ፍልጠት፣ ተሞክሮ፣ ንቕሓትን ፍቕርን ኣብ ኣእምሮና ዝነብር ተዘክሮታት ዝምንጩ እዩ። ኣነ’ውን በቲ ተዋሂቡኒ ዝነበረ መደባት ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት /ዓድታት ናይ ከበሳ፣ ሰምሃር፣ ባርካ፣ ኣውራ ድማ ጋሽ ተንቀሳቒሰ ዘጥረቕዎ ትሕዝቶ ምዃኑ ኣብቲ ግጥሚ ዝበርህ እዩ።

እዛ ግጥሚ፡ ተሳትፎ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ሰውራኦም፣ በብማሕበራዊ ክፍልታቶምን ደርብታቶምን እንዳጠቐሰት፡ ብሃገራዊ ስምዒታት፡ ሓቦ-ኒሕ፡ ታሪኽ ቆራጽነትን ተወፋይነትን ናጽነቱ ከምዝመንዝዐ እትዝክር እያ። ግፍዕታት ምልካዊ ስርዓትን ክጐሓፍ ከምዘለዎን’ውን ትጽውዕ እያ።

ሓበን ሓደ መስከረም

ኤርትራ ሃገረይ ሓበንና መበቆልና

ብጋህዲ ብሕልሚ ወትሩ ምሳና

ኣብ ዓዲ ኣብ ስደት፣ ኣብ ዘለና ሃሊና

ትጕዓዚ ምሳና ሰፊርኪ ኣብ ልብና

ንሕና ናትኪ ንስኺ`ውን ናትና

ናጽነትኪ ተጓናጺፍኪ ብደም ጀጋኑና

ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና።

ኣንጊሁ ንሃገራዊ ናጽነት ዝኸተተ

መኣዝኑ ንጹር ጐደና መኸተ

ኣብ ጎቦታት ኣዳል ተኲሱ ዘመልከተ

እዋኑ 1961 ሓደ መስከረም ዕፉን ምስ ሸወተ

ክዝክሮ መጀመርያ ተጋዳላይ ሓምድ ዓዋተ

ጅግና ተሰዊኡ`ምበር ነይሞተ።

ሰብ ቁምጣ ስረ ጎታናት፣ ሚዶ ኣብ ርእሶም

ሽዳ ሳእኖም፣ ጋምባለ ኣብ እግሮም

ካዝና ጠያይቲ ምስ ነታጒ ኣብ ዕጥቆም

ብረት ኣብ መንኩቦም ተሓንጊጦም

ሕቡናት ኤርትራውያን ጉዳይ ሃገር ዝዓጦም

ንናጽነት ሃገር ወፍዮም ክቡር ሂወቶም።

ብፈኲስ ብረት ብኸቢድ ሓቦ

ውፉይ ንሃገር ንዓደቦ

መደበራትካ ኣብ ስንጭሮ ኣብ ጎቦ

ንሰራዊት መግዛእቲ ከተኽብቦ

ብዝናብ ጠያይትኻ ዓቕሉ ኽጸቦ

ሬሳኡ ስገር ንዝሃድም ሓዞ ኣርክቦ

ዕጥቁ ሰሊብካ ማሪኽካ ትእክቦ

ብስድሪ ብእመት መሬትካ ሓራ ኣውጺእካ ትዕቅቦ

ህዝብና ኣብ ጎንኻ ኔሩ፣ ዓለም`ውን ዝተገንዘቦ።

ታ`ደይ ታ`ሓብተይ ሸጥ ኣቢላ ቅናታ

ተጋደልቲ ዝቐለበት ሰንኪታ ግዒታ

ታ`ዋዕሮ ተሰሊፋ ኣብ ጎኒ ኣሕዋታ

ግቡኣ ዝፈጸመት ንመግዛእቲ መኪታ

ክብርን ዝኽርን ብማዕረ ይምልከታ።

እቶም ጓሶት ኣሕኦም ገዲፎም

እቶም ሓረስቶት ራሕሪሖም ማሕረሶም

እቶም ሰራሕተኛታት ደሞዞም ጠንጢኖም

እቶም ተመሃሮ ኣቐሚጦም ማህደሮም

እቶም መማህራን ኩርሾም ደርብዮም

ደቀንስትዮ`ውን ኣብ ጐኖም ኣብ ኣሰሮም

ክቡር መስዋእቲ ከፊሎም

ኤርትራ ሓራ ኰይና ሳላ ኵሎም

ብኽብሪ ንዘልኣለም ንዘክሮም።

32 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት

ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት

ኣብ ክንዲ ህንጻ ልምዓት

ዘይምኽኑይ ዘየድሊ ኲናት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት

 ርኹስ ሜላ ስልጣን ንምብሓት

ንህዝቢ ኤርትራ ኣውሪድካሉ መዓት

ዕድኡ ከቢድ`ዩ ኣስተውዕል ኣይትስሓት

ትመጸካ’ላ ታ’ዘይትተርፍ ዕጫ ዲክታቶራት።

ብሓደ መስከረም 1961 ነቒልና

ን30 ዓመታት መስዋእቲ ከፊልና

ብ1991 ሃገራዊ ናጽነትና መንዚዕና

ደጊም የለን ዝደፍሮ ልዑላውነትና

ተዓቂቡ ዝቕጽል ንውሉድ ወለዶና

እዚ እዩ ቃልና፣ ንሱ እዩ ታሪኽና።

ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላትና

ናይ ኵሎም ውልቀ-ዜጋታትና

ብልዕልና ሕጊ ብቕዋምና

ፍትሕን ሰላምን ምስ ብልጽግና

ብሓደ መስከረም ዝተበገሰ ትልምና

ትጽቢትና ሕልምና ክገሃድ`ዩ ብቓልስና።

 ትጽቢትና ሕልምና ክገሃድ`ዩ ብቓልስና።

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና

ሓደ መስከረም ንዘልኣለም ትዘከር

ናጻን ልዑላዊትን ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር።

 

Last modified on Sunday, 03 September 2023 00:00