መርገጽ ህግደፍ፡ ኣሉታዊ መርኣያ ከም ልማዱ

2022-03-11 13:03:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 840 times

ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን እንታይን ምንታይን ምዃኖም ካብ ዝበርህ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እዚ ክንብል እንከለና ከምቲ ገለ ኣባላት ህግደፍ ከሽኻዕልሉ ከለዉ፡ “ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና”  ዝብልዎ ዝምድና ኣለዎም ማለትና ዘይኮነ “ዓይንን ሓመድን ወይ ሕቖን ከብድን”  ምዃኖም ንምብራህ እዩ። እቲ ኣብ ኤርትራዊ ባይታ ዘሎ ኩነታት እተዳህሰስካ”ውን ነዚ እዩ ዘነጽር። ናይዚ ኣበሃህላ መጥመሪ ከኣ “ህግደፍ ብጉጃላዊ ባህታኡ እምበር፡ ብህዝባዊ ውድዕነት ዘይምእዘዝ ጉጅለ እዩ” ኢልካ ዝጠቓለል እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ሕሱምን ዘይሓላፍነታውን ምምሕዳር ህግደፍ ዘሓልፎ ዘሎ ህይወት ክንድቲ ዝግብኦ ኣቓልቦ ሕብረተሰብ ዓለም ከም ዘይረኸበ ብግብሪ ክረአ ዝጸንሐ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ብፍላይ ኣብቲ መወዳድርቲ ዘየብሉ ግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ሓሓሊፉ ዝረአ  ዘይዕቱብ ድምጽታት ይስማዕ እዩ። ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሉያት ተኸታተልቲ ኮሚሽነራት መዚዙ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ክከታተል ምጽንሑ ውሱን ተገዳስነት ከምዘሎ ዘርኢ እዩ። እንተኾነ እዞም ተኸታተልቲ  ኣካላት በብግዜኡ ከቕርብዎ ንዝጸንሑ ለበዋታትን መፍትሒ ሓሳባትን ዘይምትግባሮም ናይቲ ዘይምግዳስ ምልክት እዩ። እዚ ዘይምግዳስ ሓደ ንህግደፍ ካብ ዘሻህረትዎ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ወጻዒ ተግባራቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ መሊኡ፡ ብፍላይ ናብ ጐረባብቲ ክፈስስ እንከሎ ግና ዓለምና ክትዛረበሉ ግድነት እዩ። ንሕና ግና ከምቲ “ላምሲ ፍርቂ ጐና ኣይትሰብሕን’ያ” ዝበሃል፡ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ገበናት ስለ እንፈልጦን ዘቐንዝወናን ህግደፍ፡ “ኣብ ከምዚ ዓይነት ዛዕባ ዘይሓላፍነታዊ መርገጽ ወሲዱ” ክበሃል እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ “ህዝበይ” ዝብሎ ዝጨከነ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክልውህ ስለ ዘይንጽበዮ፡ እንተ  ንምግራም ወትሩ ንግረም ኢና፡ ግና ኣይሕደሰናን እዩ። ቅድም ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ-ትግራይ ኢድ ምእታዉ፡ ሎሚ ኣብ ጉዳይ ዩከርይን-ሩሲያ ዝወስዶ ዘሎ ዓለም ዘስደመመ ዘይሓላፍነታዊ መርገጻት ከኣ ብኸምዚ ዓይኒ ኢና እንርእዮ።

ኣጀማምራን ኣተሓሕዛን ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን1998-2000፡ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ-ትግራይ 2020፡ ሎሚ መርገጽ ህግደፍ ኣብ ውግእ ዩክረይን-ሩሲያ ኩሎም ኣብነታውያን መርኣያታት ኣሉታዊ ተግባራት ህግደፍ እዮም። ኣብዚ እዋንዚ በብኩርናዑ ዝውገዝ ዘሎ ኣሉታዊ መርገጽ ህግደፍ ክረአ እንከሎ “እዚ ደኣ ዘይ  ልሙድ ተግባሩ እዩ” ኢልካ እትሓልፎ እምበር፡ ከም ሓድሽ ተረኽቦ እትወስዶ ኣይኮነን። ምናልባት፡ ምስሊ ኤርትራን ክብሪ ህዝባን ናብ ንቡር ዝመልስ፡ ንጥዑይ ጉርብትናን፡ ዲፕሎማስያዊ ውሕልነትን፡ ኣብ ግምት ዘእቱን ኣህጉራዊ ሕግታት ዘኽብርን ስጉምቲ እንተዝነብር ግና “ሓድሽ ተርእዮ” ተባሂሉ ዝዝረበሉን ዝነኣድን መኾነ። እዚ ብህግደፍ ክመጽእ ግና ሕልሚ እዩ።

ምምሕዳር ህግደፍ ኤርትራዊ ጉዳይ ኣጀንዳኡ ካብ ዘይከውን ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ምናልባት ናይቲ ጉጅለ መራሒ ሓሓሊፉ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ክቐርብ እንከሎ ቀንዲ ቆላሕታ ዝህቦ ኢትዮጵያዊ ዛዕባ እዩ። ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት፡ ሃገር ንድሕሪት ተመሊሳ ከም ዘላ ዘረድኡ ባዕሉ ክዓሞም ዝነበሮ ብኩራታት እዩ ዝዝርዝር። እቲ ብኩራታት ብመን፡ መዓስን ብኸመይን ይምላእ ግና ከም ንዓኡ ዝምልከት ኣይወስዶን እዩ። እዚ ንጉዳይ ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ ዘዋደቖ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ቀረባን ርሑቕን ኣብ ዝእጐድ ህውከት ለኪሙ ንምጥፋእ  ኣብ ምእታው ግና ዝቕድሞ የለን። ኣብዚ ኩነታትዚ ከኣ ናይ ኣሉታ ኣጀንዳ ኮይኑ መዛረቢ ይኸውን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ውግእ ብሰላም ከይፍታሕ እሞ ህውከተኛ ኣጀንዳ ከይስእን የዕለብጥ ኣብ ዘለወሉ፡ ውግእ ዩክረይን-ሩሲያ ኣጋጢሙ። ህግደፍ ኣብዚ ፖለቲካዊ መጋርያ ክጥበስ ግዜ ኣይወሰደሉን። በይኑ ዝውስን እምበር፡  ዘላዝቦ መንግስቲ፡ ባይቶ ኮነ ካቢነ ስለ ዘየብሉ ከኣ ንቕልጣፈኡ ዘብዘብ ወሲኽሉ። እቶም ኣብ ከምዚ ኩነታት ድምጾም ከስምዑ ዝግበኦም “ኣባላት መሪሕነት ህግደፍ፡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ኣባላት ካቢነን” ዝብል ስማዊ መጸውዒ ዝሓዙ ኤርትራውያን ባእታታት ምስቲ ናይ ክሳብ ሕጂ “ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ” ናይ ምዃን ተመኩሮም ተደሚሩ ኣይመሰሎምን እምበር ጽባሕ ከም ዘሕትቶም ርዱእ እዩ።

ትርጉም ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ተደጋጋሚ ስለ ዝኾነ፡ ኣብዚ ናይ ዩክረይን-ሩሲያ በጺሑ ሓድሽ ክኸውን እምብዛ ትጽበዮ ኣይነበረን። ኣብቲ ካብ 193 ሃገራት 141 ዝደገፋሉን 35 ዝተዓቀባሉን  ወራር ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩኩረይን ዘውግዝ ውሳነ፡  ሩሲያ ባዕላ ምስ እትርከበን 5ተ ሃገራት ምቅዋሙ፡ ኣብቲ ካብ 47 ሃገራት 34 ሃገራት ዝደገፋሉን 11 ድምጸን ዝዓቀባሉን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዩክረይ ዘውገዘ ውሳነ ባይቶ’ውን ንሩሲያ ኣሰንዩ ምቅዋሙ ኣዝዩ ኣገራሚ ኣሉታዊ መርኣያ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። እዚ ከምዚ ዓይነት ጽሉል መርገጽ ዝወሰደ ጉጅለ፡ ነታ ን30 ዓመታት ኣንጻር መግዛእትን ግህሰት ኩሉ መሰላትን ተቓሊሳ ዝተዓወተትን ጋና ፍረ ጻምኣ መሊኣ ዘየስተማቐረትን ሓዳስ ሃገር ኤርትራ ዝውክል ምዃኑ ከኣ ነቲ ኣሉታዊ ኣዛራብነቱ ፍሉይ ይገብሮ።

እቲ ዘገርም እዚ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ዩክረይን-ሩሲያ ዝወሰዶ ኣቕጣጫ፡ ምስቲ ንኤርትራ ዝበዝሑ ስደተኛታት ዘመዝገበት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ሰሜን ኮርያ ምስሊ ዝሓዘት፡ ብምዕጻው ናጻ ሚድያን ምእሳር ጋዜጠኛታተንን ተወዳዳሪ ዘይረኸብት፡ እንኮ ንዜጋታታ ክታበት ኮሮና ቫይረስ ዝኸለአት፡ እናተባህለት ብናይ ኣሉታ ኣብነት ክትግለጽ ንዝጸንሐት፡ ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና ውግእ እውን ወራርን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ደጊፋ ዘድመጸት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር እናተባህለት ብሕማቕ ትለዓል ኣላ።

ህግደፍ ነዚ ኩሉ ኣሉታዊ ስጉምትታት ብእኩይ ሕሳብ እዩ ዝወስዶ። ኣብቲ ሕሳቡ ነቲ ንሱ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰታትን ኣብ ዘይጉዳዩ ኣትዩ ዝዋግኦ ዘሎን ቅኑዕ ንምምሳል ዝዓለመን እዩ። እቲ ዘሕዝን ግና ከምቲ፡ “ካብ ጸጊበን ዝዕንድራስ፡ ዝዕንዳራ ርእየን ዝዕንድራ ይበዝሓ” ዝበሃል፡ ደድሕሪዚ ጉጅለ ዝዓብዱ ኤርትራውያን ምህላዎም እዩ። ቀንዲ መልእኽትና ከኣ ናብዚኣቶም ኮይኑ፡ “ዳሕራይ ካብ ትጠዓሱ፡ ሎሚ ናብ ልብኹም ተመሊስኩም ዓገብ በሉ”  ዝብል መልእኽትና ንምትሕልላፍ እዩ።

Last modified on Friday, 11 March 2022 14:06