ጋዜጣዊ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ሰዲህኤ

2022-03-09 21:09:37 Written by  ማሕበራዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1422 times

ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት (ሰ.ደ.ህ.ኤ.) ብ5 መጋቢት 2022 ኣብ ዘሰላሰሎ ኣኼባ ንኣተሃላልዋን ምዕብልናታትን ክፍልታት ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ብዝርዝርን ዕምቆትን ተመያይጡን ገምጊሙን። ጽማቝ ነጥብታት ገምጋሙን ውሳኔታቱን እነሆ ከምዚ ዝስዕብ:

 ን37 ዓመቱ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ቆልዑ ኣገልግሎቱ፣ ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ኣብ ዓመት ክሳብ 800 ዝበጽሑ ተመሃሮ ዘምህር፡ ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይ-ከሰላ ዝምልከት ጉዳያት ብዝርዝር ገምጊሙ። ናይዚ ዓመት’ዚ ኣካዳምያዊ ዕማማቱ ብግቡእ ይቕጽል ከምዘሎ፣ ንመካየዲኡ ዘድሊ ባጀትን ዘጋጥም ሕጽረታትን ካብ ዝቐረበሉ ጽብጻብ ድሕሪ ምግንዛብ፡ ነቶም ክምውሉዎ ዝጸንሑ ግብረሰናይ ማሕበራትን ለጋሳት ኤርትራውያንን ብምምስጋን፣ ወፈያኦም ክብ ከብሉ ጸዊዑ። ምምሕዳር’ውን ንጥፈታቱ ከዛይድ ተሰማሚዑ።

ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ንንጥፈታት መደብ ማዕዶ-ወላዲ፣ ምዕብልናታቱን ዘጋጥሞ ሕጽረታትን ተመልኪቱን መፍትሒታት ኣሚቱን። ከምኡ’ውን ንመደበር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ንምሕጋዝ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ምስ ኣካያዲ ቦርድ ናይ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ብምትሕብባር ኣበርክቶታቱ ከቕጽል ኣገንዚቡ።  

  1. ብሃንደበት ኣብ ምሉእ ዓለም ዝተላብዐ ሕማም ኮሮናቫይሩስ፤ መንግስታትን ኣህጉራዊ ትካላትን ብቐዳምነት ድሕነት ህዝቦም ንምርግጋጽ፡ ኣብ ሓበሬታ፣ ምንቕቓሕን መምርሕታትን ምሃብ ኣትኵሮም ብምንጣፍ፣ ንምቁጽጻሩን ንምጥፍኡን፣ መድሃኒት ክታበት (ቫክሲን) ምሂዞም ካብ ምልባዕ ክዓግትዎን ህዝቢ ናብ ንቡር ሂወቱን ንጥፈታቱን ከም ዝምለስ ጌሮሞን ኣለዉ። እተን ድኻታት ሃገራት ንዝተለገሰለን መድሃኒትን መከላኸልን ተቐቢለን ክነጥፋ ከለዋ፡ እታ እንኮ ንዝተለገሰላ ክትባት ዘይትቕበልን ኣብ ድሕነት ህዝባ ዘይትነጥፍን መንግስቲ ኤርትራ ብምዃና ከምዘሕዘኖ ብምግላጽ: ህዝቢ ኤርትራን ዝምልከቶም ኣህጉራዊ ትካላትን ዓለምን፣ ኤርትራ ኣካል ማሕበረሰብ ዓለም ብምዃና፡ ግቡእ ኣገልግሎት እትረኽበሉ ዕድል ንምፍጣር ክጽዕቱ፣ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ጸዊዑን ተማሕጺኑን።
  2. ምምሕዳር ሽማግለ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምሉእ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝጸንሐን ዝቕጽል ዘሎን ኣስካሕካሒ ግፍዕታት ብዝርዝር ተመያይጡን ገምጊሙን እዚ ዝስዕብ ትዕዝብቲ ኣስፊሩ።

1)  ድሕሪ ኣብ ትግራይ ውግእ ምጅማሩ ካብተን ኣብ ትግራይ ዝነበራ መደበር ስደተኛታት እተን ክልተ ማለት ሽመልባን ሕንጻጽን ምሉእ ብምሉእ ፈሪሰን ኣብኣተን ዝነበሩ ስደተኛታት ከም ዝተበታተኑ ዝዝከር እዩ። እተን ዝተረፋ ክልተ መደበራት ማይዓይኒን ዓዲ ዓርሽን እውን ኣብቲ ውግእ ዝካየደሉ ቦታ ዝርከባ ብምዃነን ዘይውሑሳት ካብ ዝኾና ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ኣብዘን መደበራት ብውግእ ብጥሜትን ሕማምን ምማት ስደተኛታት ንቡር ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ።

2) ነዞም ኣብ ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ዘለዉ ውሑስ ተባሂሉ ኣብ ከባቢ ዳባት (ኣስታት 90 ኪሎሜትር ካብ ጎንደር) ናብ ዝተኸፍተ ሓድሽ መደበር ምሉእ ብምሉእ ምስጋሮም ኣይሰለጠን። ዝተጀመረ ግና ኣሎ። ምኽንያቱ እቲ መሰጋገሪ መንገዲ ቦታ ውግእ ስለ ዝኾነን ብሰንኪ ናይ መራኸብን መጐዓዝን ጸገማት ሰራሕተኛታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ክንቀሳቐሱ ስለ ዘይከኣሉ። እቲ ውግእ እንዳሰፈሐ ስለ ዝኸደ እቲ ሓድሽ መደበር እውን ቦታ ውግእ ከይከውን ስግኣት ኣሎ ።

3) ኣብ ክልል ዓፋር ዝነበሩ መደበራት ኣብዓላን ኣስሓይታን እዮም። እዞም መደበራት ድሒሩ ኣብ መንጎ ሰራዊት ህውሓትን ናይ ዓፋር መልሻን ውግእ ዝካየደሎም ምስ ኮኑ ፈሪሶም እዮም። ኣብዘን መደበራት ዝነበሩ ኤርትራውያን ዓፋር ስደተኛታት ተበታቲኖም ናብ ከባቢ ዋና ከተማ ክልል ዓፋር ሰመራ ገጾም ፋሕ ኢሎም ኣብ ትሕቲ ሓያል ጸገም ኣለዉ። ኣብቲ መስርሕ ዝሞቱ፡ ዝጠፍኡን ዝተዓመጻን ኣለዉ። እቲ ዘጋጠሞም ጉድኣት ምስቲ ናይ ትግራይ መደበራት ዝመሳሰል እዩ። ነቲ ምብትታንን ቅትለትን መን ከም ዝፈጸሞ ህወሓትን ኣብ ጐኒ ዓፋር ኮይኑ ዝዋጋእ ዘሎ ሰራዊት ህግደፍን ዝካሰስሉ ዘለዉ እዩ።

4) ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ካብ ኩሉቲ ዝፈርስ ዘሎ መደበራት ዝሃደሙ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለዉ። ናይዞም ዝደተኛታት ሕቶታት ክምልስ ዝግብኦ “እንዳ ኣራ” ዝበሃል ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብተግባር ይሰርሕ የለን። በዚ ምኽንያት ነዞም ስደተኛታት ሓድሽ  መንበሪ ፈቓድ ዝህቦምን ነቲ ነባር ዘሕድሰሎምን ኣካል የለን። ብዙሓት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ክኸዱ ወዲኦም ካብቲ ስደተኛታት ዘመሓድር ኣካል ወረቐት ስኢኖም ቀንፈዘው ዝብሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለዉ። ብዛዕባ መግቦም፡ መጽለልን ካልእ መሰረታዊ ነገራትን ዝሓስበሎም የለን።

5) መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እዞም ስደተኛታት ዝረኽብዎ ኣገልግሎት ዓጺኻ ምጽቃጥ እሞ ተስፋ ቆሪጾም ከም ዝበታተኑ ወይ ዓቕሎም ምስ ጸበቦም ናብ ኤርትራ ከም ዝምለሱ ምግባሮም ዝወሰኑ እዮም ዝመስሉ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ መጀመርያ ዘድልይዎ ምስ ኣሰረን ሰወረን ሎሚ ንስደተኛታት ብዙሕ ዝግደሰሎም ኣይመስልን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 80 ሺሕ ኤርትራዊ ስደተኛ  ከም ዘሎ ይግመት።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዝምልከቶም ሰብኣውያን ማሕበራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ነዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት ክሳብ ሕጂ ዝግባእ ኣቓልቦን ረድአትን ይገብርሎም ከምዘየለዉ፡ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ገምጊሙን ተገንዚቡን።  ስለዚ ብመሰረት ንስደተኛታት ዝምልከት ኣህጉራዊ ሕግታት ዝግባእ ኣቓልቦን ሓገዝን ክግበረሎም ይጽውዕን ይምሕጸንን።

መሰል ስደተኛታት ይተሓሎ !!

ማሕበራዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሰዲህኤ

5 መጋቢት 2022

Last modified on Wednesday, 09 March 2022 22:15