ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ  ምስ ክልተ ምክትላት ተመሪጾም

2022-03-14 19:46:54 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 740 times

(እዞም ኣብ ቅድሚት ደው ኢሎም ዘለዉ፡ ካብ ጸጋ ናብ የማን፡ ደመቀ መኮነን: ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣደም ፋራሕ)

ሰልፊ ልጽግና ካብ 11 ክሳብ 13 መጋቢት 2022 ኣብ ዘካየዶ ቀዳማይ ጉባአኡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ፕረሲደንት (ኦሮሞ)፡ ኣቶ ኣደም  ፋራሕ (ሱማሌ)ን ኣቶ ደመቀ መኮነን ሓሰን (ኣምሓራ)ን፡ ከም ምክትል ፕረሲደንታት ብቐጥታ ከም ዝመረጸ ናይቲ ሰልፊ ልሳናት ሓቢረን።  ኣብዚ ጉበአኡ 225 ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ መሪጹ። እዚ ማእከላይ ኮሚተ ከኣ ካብ ውሽጡ 45 ዝኣባላቱ ፈጻሚ ሽማግለ ከም ዝመረጸን ከምኡ እውን 11 ዝኣባላቱ ናይ ኢንስፐክሺን ኮሚተ  ከም ዝተመረጸ ናይቲ ሰልፊ ተሓቢሩ። ቅድሚ ምርጫ ኣብይ ኣሕመድ ናይቲ ሰልፊ ኣቦመንበር፡ ኣቶ ደመቀ መኮነን ምክትል ኣቦመንበር ኣቶ ኣደም ፋራሕ ከኣ ናይቲ ሰልፊ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ እዮም ነይሮም። ካብቶም 45 ኣባላት ፈጻሚ 8፡ ካብቶም 11 ኣባላት ኢንስፐክሽን ከኣ 1 ደቂ ኣንስትዮ እየን። እዚ ሰልፊ ብልጽግና ንሰፊሕ ተሳተፎ ደቂ ኣንስትዮ በቲ ዝጀመሮ ከምዘይቀጸሎ ከም ዘመልክት ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ ርኢቶ እዩ። ናይቲ ሰልፊ መራሒ “ፕረሲደንት” ምባሉ ኣብ መጻኢ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ፓርላሜንታዊ ናብ ፕረሲደንታዊ ናይ ምቕያሩ መደብ ከም ዘሎ ዘመላኽት እዩ ዝብሉ ብዙሓት እዮም።

ካብቶም ኣብ ፈጻሚት ተጠቒሶም ዘለዉ እሞ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝግበር መንግስታዊ ናይ ሓላፍነት ምቅይያራት ዝለዓለ ጽፍሒ ክሕዙ እዮም ዝበሃሉ፡ መብዛሕቶም ቅድሚ ጉባአ እውን ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ዝነበሩ እዮም። እቶም ቅድሚ ጉባአ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ነይሮም ኣብዚ ሓድሽ መሪሕነት ዘይኣተዉ መብዛሕትኦም ካብ ኣምሓራ እዮም።  ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው፡ ኣቶ ኣብርሃም ቧያለውን ኣቶ ላቀ ኣያለውን ከኣ ካብቶም ዝተገለፉ ኣምሓሩ እዮም።

እዚ ጉባአ ኣብ ርእሲቲ ናይ ሰልፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን ምጽዳቑ ብዛዕባቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ውግእ ኩነታት ኣብ ዘካየዶ ምይይጥ፡ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስትን ክልል ትግራይን ንዘሎ ውግእ ብዝምልከት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ዘርዚሩ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሑ ኩሉ  ዕድላት ክጥቀም እቲ ጉባአ ከም ዝወሰነ፡ ናይቲ ሰልፊ ናይ ህዝባውን  ወጻኢን ርክባት ሓላፊ  ዶ/ር ቢቂላ ሁሬሳ  ኣፍሊጦም።  ምስ ኤርትራ ንዘለዎም ዝምድና ኣብ ዝምልከት ከኣ ኣብቲ ድሕሪ ጉባአ ዝወጸ ደምዳሚ መግለጺ “ምስ ኤርትራ ዘለና ዝምድና ከነሕይሎ ኢና ዝብል ሓሳብ ኣለና”  ዝብል ሓረግ ካብ ምስፋር ሓሊፉ፡ እቲ ዝምድና ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ዘለዎ ደረጃ ኣይጠቐሰን።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ንመስርሕን ውጽኢትን እቲ ጉባአ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ብትሪ ይነቕፍዎ ኣለዉ። ካብቶም ዝተመርጹ ካብ ብሄር ኦሮሞ ወይ ኦሮሞ ዝተሰማምዓሎም ኣባላት ካልእ ብሄራት ምዃኖም፡ ብልጽግና ጉባአ ከየካየደ ተመሪጸ ኢሉ ክሳብ ሎሚ ክመርሕ ምጽንሑ፡ እቲ መስርሕ ምርጫ እቶም ፕረሲደንትን ምክትላትን ኮይኖም ዝተመርጹ ባዕላቶም ዝመርሕዎ ምንባሩ፡ ከምኡ ከኣ ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ምርጫ ንከምዚ ዝኣመሰለ ዘይሕጋዊ ኣካይዳ ኣፍልጦ ምሃቡ ካብቶም ዝለዓሉ ዘለዉ ነቐፈታታት እዮም። ብሓፈሻ በዚ ጉባአዚ ኣቢልካ ዝመጽእ መሰረታዊ መፍትሒ የለን ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ብዙሓት እዮም።

Last modified on Monday, 14 March 2022 21:24