×

Warning

JUser: :_load: Unable to load user with ID: 17

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመድረኽ ኣብ ኢትዮጵያ ከእትዎ??? ዶ ከኣ ተባህለ!!!!!!!

2014-08-26 10:47:02 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 33726 times

 ብድራር መንታይ

 ‘ጸላኢ ጸሎሎ ቀባኢ’ ዝብሃል ምስላ ኣበው ብሓቂ ነት ነዘን ዝስዕባ ሕቶታት ኣብ መርበብ ሓበረታ መስከረም ነት ኣብ ናይ ዕለት 07-08-2014 ዘቕረበ ዝምልከት ኣንቢበ። እተን ሕቶታት ዋነአን መን ምዃኑ እኳ እንተዘይተገልጸ፡ መስከረም ነት ዝሕተተሉ ኢዩ ክኸውን። ብዝኾነ ኣብተን ሕቶታት ክወስደኩም እሞ ነፍሲ ወከፍ ኣንባባይ ነናቱ ትዕዝብትን ሚዛንን ከንብርን ንሃገርናን ህዝብናን ዝድሕነሉ እውን ሓሳብ ከሕድር ይኽእል ይኸውን። እተን ሕቶታት ብኸምዚ ዝስዕብ ኢየን ተር ኢለን ተጠቒሰን ዘለዋ።’’ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመድረኽ ናብ ኢትዮጵያ ንምእታው ዲዩ? እዚ ኹሉ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ? ነዚ ኣስደማሚ መፈንጥራ ባይታ ንምፍጣር? ዓቢ ትጽቢት ተገይሩሉ ዘሎ ቦሎኛ 2014 ንምምካን? ሎምስ መን ኢዩ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኢልካ ምሕታት ግዚኡ ዝኣኸለ ይመስል፡ ብማለት ‘መን ኢዩ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዝብል ኢዩ ሕቶኡ ደምዲሙ።

መጀመርያ መን ኢዩ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምፍላጥ ብዙሕ ዘጸግም ኣይኮነን ምኽንያቱ እቲ ኩሉ ግዜ ንዓመታት ዝኣክል ክጽለመን፡ ክጥቀንን፡ ክውንጀልን፡ ክኽሰስን፡ ብዘይገበሮን ዘይወዓሎን ዝድወን ዝነበረን ጌና እውን ኣብ ልዕሊ እዚ ሰልፊ እዚ ሃገራውነቱ ዘይተዋሕጠሎም ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ሓይልታት ዝዝምርዎ መዝሙር ዘይሰምዐን ዘይዘመረን ስለዘየለ መንነት እዚ ሰልፊ እዚ ዘይፈልጥ የለን። ፈሊጡ እዝኑ ንኸይሰምዕ ዝዓጸወን፡ ዓይኑ እውን ንኸይርእያ ዝሸፈነን ንሓንጎሉ እውን ጽቡቕ ፍርዲ ንኸይህብ ዝጎልበበን እንተዘይኮይኑ።

ስለዚ መን ኢዩ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንዝብል ኣሕጽር ኣቢለ ክጠቕሶ ኢየ። መንነት እዚ ሰልፊ እዚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሰልፊ ኮይኑ ንኣብዝሃ ሰልፍታትን፡ ንነጻ ሲቪላዊ ማሕበራትን፡ ስልጣን ዋንኡ ህዝቢ ምዃኑን፡ ኤርትራ ብዘይምእኩል ምሕደራ ክትመሓደርን፡ ዲሞክራሲያዊ ዳግመ ህንጻን ፍትሓዊ ዝኾነ ሕብረተሰብ ምህናጽን፡ ናብዚ ንምብጻሕ ድማ ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ኣገባብ ኣቀላልሳ ምኽታል ዝኣምን ኢዩ። ከምኡ እውን ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ኣብ ቃሕ ዝበሎን ዝኣምነሉን ክስለፍን፡ መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት፣ ሃይማኖት ኣብ መንግስቲ ዘይተኣታቶ፡ ምልክን ምልካዊ ኣተሓሳስባ ካብ ሱሩ ምሒኻ መንግስቲ ናይ ህዝቢ ዝኾነ ስርዓት ምትካል ዝኣምን ሰልፊ ኢዩ። ስለዚ ካብዚ ዝተባህለ እምበኣር እቲ ሰልፊ ንማንም ወጢጡ ኣብ ዘይደልዮ ክእቱ ፈጺሙ ዘተግብሮ ኣይኮነን።

ቀጺሉ እታ ናብዚ ኩሉ ሃበቀደስ ዘብጸሐት ምዕራፍ፡’’ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ፡ ስልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካልኦት ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ዘይኣተወ ኩሉ ውድባትን፡ ሲቪላዊ ማሕበራትን ዝርከብዎ፣ ንህልዊ ኩነታትን ሃለዋት ደምበ ተቓውሞን ንምፍታሽን መፍትሒታት ምቕራብን ዝዓለመ ሰሚናር ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክግበር ዕዙዝ ምዃኑ ርእዩ።’’ ዝብል ካብቲ ናይ ራብዓይ ምዱብ ኣኼባ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕለት 29-07-2014 ዝወጸ ኣዋጅ ኢዩ። እዚ ነቲ ኹሉ ኤርትራዊ ዘመዛዝን ሓንጎል ወይ ፍልጠት የብሉን ክብለና ብማለት ኢዩ ከደናግር ዝጽዕር ዘሎ። ምኽንያቱ እቲ ዝወጸ ኣዋጅ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ደርዲርዎ ዘሎ ሕቶታት ፈጺሙ ዘራኽብን ዘተኣሳስርን የብሉን።

እዚ ሰሚናር እዚ ናይ ኩልኻ ብሓባር ተዛቲኻ ንረብሓ ኩልኻ ዝውዕል ሓሳብ ዝምንጭወሉ ደኣ እምበር ሓደ ወጢጡ ወይ ጎቲቱ ናብ ድላዩ ዘእተወካ ኣይኮነን። እዚ ነዘን ሕቶታት ዝሓተተ ሰብሲ እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ፈጺሙ ኣይኣመተን ጥራሕ እዞም ዝተጠቕሱ እንድሕሪ ተራኺቦም ንመድረኽ ኣብ ኢትዮጵያ ከኣቱ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ከቐልቅል ስለዝደለየ ኢዩ ዝመስል። ወረ እቲ ሓሳቡ ከነ ኢሉ ፈጠራ ዝፈጥር ኢዩ ዘሎ። ያኢ መድረኽ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተሻሒጡ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ዝብልሲ፡ እቲ ንመድረኽ ዘቖመ ሓይልታት ኣእምሮን ቀልብን የብሉን ኢኳ ኢዩ ዝብለና ዘሎ።

ምልስ ኢሉ ድማ መድረኽን ባይቶን ብሓባር ክስረሕ ንምንታይ ንባይቶን ንመድረኽን ከራኽብ ይህቅን ኣሎ።? ዝብላ ሕቶታት እውን ከይሓፈረ የቐልቅለን ኣሎ። እንታይ ኮን ክሃርም ደልዩ ኢዩ ንዝብል ሕቶ ኣንባባይ ባዕልኻ ተዓዘቦ። እዚ ሓታታይ ብጣዕሚ ስክፍታ ከምዘለዎ ኢዩ ዝሕብር። ከመይሲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብኢትዮጵያ ነዚ ተግባር እዚ ክትግብር ኢሉ ከም ዝተላእከ ከምስል ኢሉ ዘቕርቦ ዘሎ ኢዩ። ምልስ ኢሉ ድማ ንመድረኽ ሸተት ኣቢሉ ናብ ኢትዮጵያ ምውሳድ እንታይ ረብሓ ኣለዎ? ንሰልፊ ኢዩ ክምኡ ዝብል ዘሎ። ኣብዚ ንሰልፊ ከም ደላላይ ገይሩ ኢዩ ዘቕርቦ ዘሎ። ከይሓፈረ ድማ ሓላይ ክመስል ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ምዕንይናይን ምምካንን ከይኣክል እናበለ ነዚ ተስፋ ተነቢሩሉ ዘሎ መድረኽ ጸብሪ ኢትዮጵያ ምልካይ ንምንታይ ኣድለየ? ዝብል ሕቶ የቐልቅል። ወይ! ጉድ ኣንቱም ሰባት ኣበይ ኣሎ ጠቐነን ፈጠራን ሓዋዊስካ ንሰብዶ ከተእምን ይከኣል ኢዩ። እዝስ ንቀልቢ የዋሃት ክምስጥ ዝብሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ሰልፍን መድርኽን ካልኦት ሓይልታትን ርክባትን ስምምዓትን ከይብጻሕን ከይርከብን ብማለት ዝፍንዎ ዘሎ መናፍሕ ኢዩ። ኩሉ እቲ ዝሓቶ ሕቶታት ሓደ ምስቲ ሓደ ዘየራኽብ ከተኣሳስሮ ኢዩ ህርዲግ ዝብል ዘሎ። ናይ ቦሎኛ 2014 ምስ ናይ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ዘተኣሳስር የብሉን። ኩሎም ሃገራውያን ብጉዳይ ሃገሮምን ህዝቦምን ክዛተዩን ፍታሕ ክረኽቡን ናይ ግድን ኢዩ። ባይቶ ይኹን ካብ ባይቶ ወጻኢ ዘለዉ ሓይልታት እንተስ ብሓባር እንተስ ብተናጸል ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ይምልከቶም ስለዝኾነ ከኣ ናይ ግድን ክራኸቡ ኣለዎም። ቦሎኛ ይኹን ፍራንክፈርት ኩሉ ንጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን ዝዓለመ መራኺብን መፋለጥን እምበር መፈላለይን ኣግላልን ኣይኮነን። ቦሎኛን ፈራንክፈርትን፡ ፕሪቶርያን እንድሕሪ ተራኺበን እሞ ብሓባር ኮይነን ከኣ ምስ ባይቶ እንተተዛተያን እንተሰማማዓንሲ እንታይ ጉዳኣት ኣለዎ። ኣብ ኢዮጵያ ሃሊኻን ኣይሃሊኻን ዘይኮነ፣ ክሳብ ክንደይናይ ኢዩ ንጉዳይ ሃገርን ህዝብን ዝሓልን ፍታሕ ክረክብ ዝጽዕርን ኢዩ እቲ ወሳኒ።

 

Last modified on Tuesday, 26 August 2014 12:48