×

Warning

JUser: :_load: Unable to load user with ID: 17

ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ንምንታይ

2014-08-26 10:42:12 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 50480 times

ብዓንደጽዮን ግርማይ

ፈስቲቫል ፍራንክፎርት እንታይ‘ዩ ዕላምኡ

ህዝብና ዘራኽብ ካበየ ቦታኡ

ንመንፈስ ዘሐድስ ሓድነት ቃንኡ

ባይቶ ልዝብ ዘተ ህዝቢ ዝዋንኡ

ናይ ለውጢ ሓይልታት ዕዱማት‘ዮም ኣብኡ።

             ሃገር ተረሚሳ ህዝብና ርዒዱ

             ብስርዓት ህግደፍ ንስቓይ ተፈሪዱ

             መንእሰይ ወሎዶ ኩሉ ተሰዲዱ

             ናትና ዝበልናዮ ካብ ባዕዲ ገዲዱ

             ኣባላት ፈስቲቫል ንሓቂ ፍረዱ።

ፈስቲቫል ንምድላው ክንውስን ከሎና

ክንስዕስዕ ኣይኮንናን ትልሂት ደስ ኢሉና

ክንበልዕ‘ውን ኣይኮንናን ክንመልእ ከብድና

መልክዑ ቀይሩ ትርጉም ነጻነትና

ሃገር ንምድሓን‘ዩ ክንዝቲ ሓቢርና።

             እስከ ንሕሰብ ሃዲእና ንመራመር

             ብኣሽሓት ሰማእታት ዝተረኽበት ሃገር

             ዓድ‘ዞም ጀጋኑ ብከድዓት ክትሽበር

             መንእሰይ ኣረጊት በልማማ ክእሰር

             ታሪኽ ከይሓተና ንድሕነታ ንምከር።

እዛ ሃብታም ሃገር ዓዲ መዓር ጸባ

ኣኺሉ ዝተርፍ ኩሉ ዝርከባ

ዓዲ‘ዞም ወራዙት ዓዲ ሕጊ እንዳባ

ንኹሉ ትጸውር ደስታ ምስ ጸበባ

ብሰንኪ ህግደፍ ሳዕሪሩ ዓጸባ።

             መሰልና ክንመልስ ቃልሲ ዝወሰንና

             መዘና ዘየብሎም ሰማእታት ከፊልና

             ከም ወርቂ ብሓውን ባሩድን ተፈቲንና

             ሓያላት ስዒርና ነጻነት ዘምጻእና

             ንህግደፍ ንምእላይ እንታይ‘ዩ ዓዚሙና።

ሕጂ ግን ይኣክል በዚሑ ዓዘፍዘፍ

ቅልጽሙ ሓቢጡ ንኹሉ ዝጻረፍ

ጉዳዩ ሓቢኡ ብኻልእ ዝፈላሰፍ

ዓቕሙ ዘይፈልጥ ትዕቢተኛ ሰነፍ

ተበራበር ጭቁን ካብ ስቓይ ክትናገፍ።

             ናይ ሕሉፍ ይጽናሕ ናይ ሎሚ ንግበር

            ህዝብና ክትንስእ ዳግማይ ክበራበር

             ስርዓት ህግደፍ ሕቘኡ ክስበር

             ዲክታቶር ዓሊና ኣብ ራህዋ ክንሰግር

             ፍልልይ ወጊድና ሓቢርና ንማኸር።

ሰብኡትን ኣንስትን ኩልና ወለዲ

በለጽ ሳዕሪሩና ከይነጥፍእ ዓዲ

ብታሪኽ ከይንሕተት ኣብ መጻኢ ትውልዲ

ሃገርና ከይባደመት ብህግደፍ ስዲ

ቆሪጽካ ምቅላስ‘ያ እታ እንኮ መገዲ።

             ሓይልታት ናይ ለውጢ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ

             ምንኻስ ገዲፍና ንዘይረብሕ ቅርሕንቲ

             ህዝቢ ዓሲሉና ክንጉልብት ምእንቲ

             ዲክታቶር ቀቢርና ጽሩይ ማይ ክንሰቲ

             ጠንበርበር ገዲፍና ንጠርነፍ ኣብ ሓንቲ።

መንእሰይ ወሎዶ ትሰምዑ‘ዶ ኣለኹም

እስከ ሓብሩኒ ኣበየላ አዴኹም

ኣበየሎ‘ኸ እቲ ጐብለል ኣቦኹም

ህይወቶም ዝበጀዉ ምእንቲ ራህዋኹም

ሕድሮም ተቐበሉ ዓጽሞም ከይወግኣኩም።

             ተበጅዮም እወ ሓደራ እናበሉ

             መጻኢ ወለዶ መታን ክሓልፈሉ

             ሓሪሱ ከፍሪ ክበልዕ ተኻፊሉ

             ሃገሩ ክሃንጽ ፋሕቲሩ ፈንቂሉ

             ህግደፍ ጠላማት ግን አላጊጾሙሉ።

ዓለም ተገሪማ ብናትና ነጻነት

ቅዋም ዘይተፍቅድ ደምበ ሽርሒ ህውከት

ሰላም ዝሓረማ ኣብነት ናይ ድሕረት

ህዝባ ተሳቕዩ ብሕሉፍ ባርነት

ንለውጢ ንበገስ ክንበጽሕ ኣብ ዓወት።

             ሃገር ሲኦል ኮይና ሓሲሙኩም

             ተረከብቲ ሕድሪ ንስደት መሪጽኩም

             እንታይ ከም ዘጋጥም ምንም ከይሓሰብኩም

             ኣብ ጸምጸም በረኻ ከትሪ ገጢሙኩም

             ሰማእታት ላምባዱሳ ህያው ምስክርኩም።

ክንደይ‘ለ ክገልጾ ዘጋጠመ ውርደት

ኣዲኡ ትቝጸሮ ዝተቐዝፈ ህይወት

ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ዝተሸጠ ኲሊት

ኣይፍታሕን ሽግር ብምውሓዝ ንስደት

ሓቢርና ነድሕና ሃገር ከይባደመት።

             እዚ ኩሉ መከራ እዚ ኩሉ ጭቆና

             ብጓና ከይከውን ብደቂ ዓድና

             ኣብ ገዛእ ሃገርና መሰል ተሓሪሙና

             ኣይተሰቆረናንዶ‘ዩ ረጒዱ ቆርበትና

             ርዒድና ዲና ወይስ ልቢ ኣዕቢና።

ፈሪሕናስ ኣይኮንናን ካልእ‘ዩ እቲ ጸገም

እዛ ነጻነትና ውጽኢት ብዙሕ ደም

ስምዒት ዘንቀሎ ጌጋ ከይንደግም

ክንዕገስ መሪጽና ከየበልና ሰለም

ሕጂ ግን ይኣክል ክንደይሳብ ክንጽመም።

             ሕቶ ግን ኣሎና ኣብ ኩለን ውድባት

             ስነን ዝወድኣ ብዙሓት ጥምዙሓት

             መድሕን ዘይኮና መሳሰይቲ ጥፍኣት

             ደምበ ምፍንጫል ሃዋርያት ናይ ክፍኣት

             ነብስኽን መርምራ ከይወርደክን መዓት።

እንተደኣ ሓቢርክን ኣብ ሓደ ሰሚርክን

ዝባኸነ ግዜ ብግቡእ መዚንክን

ብዓሌት ሃይማኖት ከይተፈላለኽን

ዓቕምኽን ወዲብክን ክትሰርሓ ጀሚርክን

ብዘይ ውዓል ሕደር ኣሎና ኣብ ጐንኽን።

             ኣቱም ስሕዋት ልቢ ኣብ ስደት ዘሎኹም

             ናይ መንእሰይ ህልቂት ምንም ዘይዓጅበኩም

             ሬሳ ከይተቐብረ ሳዕስዒት መሪጽኩም

             ህዝቢ ገሪሙዎ ፍጹም ቀቢጹኩም

             ጽባሕ ከይትሓፍሩ ቀይሩ ሓሳብኩም።

መከራ ክሓልፍ‘ዩ ዋላ እንተመረረ

ኣይነብርን ዲክታቶር መን‘ከ ምስ ነበረ

ኩሉ ክገሃድ‘ዩ ሕቡእ ምስ ተፋሕረ

መድረኽ ተቐይሩ ህግደፍ ምስ ተሳዕረ

ሽዑ ክመጽእ‘ዩ ህይወት ዝመቀረ።

             ሃገር ናይ ሓባር‘ያ ሃይማኖት ናይ ግሊ

             ኣስላማይ ክስታናይ ክረክብ መጽለሊ

             ፈታውን ጸላእን ፈሊና ነለሊ

             ተጠንቂቕና ንሕሰብ ከይንጐድእ ቍስሊ

             ብቅዋም ምስራሕ‘ዩ ንኹሉ ዝኣሊ።

ሕማም ምፍልላይ እንተዘይ ፈዊስና

ብቛንቋ ህዝብና እንተ ዘይተዛሪብና

ተንኮል ጸላእትና እንተ ዘይፈሊጥና

ስርዓት ህግደፍ እንተ ዘይኣፍሪስና

ዋሕስነት የብሉን መጻኢ ህይወትና።

             ስቓይና ከብቅዕ ታሪኽና ክሕደስ

           ዝማደወ መልክዕ ኣብ ንቡር ክምለስ

           ጸጋታት ሃገርና ብግቡእ ክድህሰስ

           ኣብዛ ሓላል መሬት ዘሪእና ክንሓፍስ

           ህግደፍ ይዕኖ ደሞክራሲ ይንገስ።

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና

ውደቀት ንጸላእቲ ህዝብና

ዘለኣለማዋ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና።

ዓንደጽዮን ግርማይ

     ጀርመን

Last modified on Tuesday, 26 August 2014 12:46