×

Warning

JUser: :_load: Unable to load user with ID: 17

ሰፊሕ በዓል ኤርትራ 2014 ኣብ ፍራንክፎርት ጀርመን ብሙውቕ ትሕዝቶን ኣድማዒ ዓውደ ልዝብን ተጀሚሩ

2014-08-26 10:48:24 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 47912 times

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ብሓልዮት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ጨናፍር ሰልፊ ህዝቢ ዲሞክራሲ ኤርትራን ዝዳሎ ስፊሕ በዓል ኤርትራ 2014 ሎሚ 08 ነሓሰ 2014 ኣብ ፍራንክፎርት ጀርመን ብወግዒ ተኸፊቱ።

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ነቲ ብዝሰሮዓቶ መሰረት ኣጋይሽ ድሕሪ ምቕባል ናይ ፈስቲቫል ሰዓት 15.00 ብኣቆጻጽራ በርሊን፡ ናይ'ቲ መኽፈቲ ዕለት መደብ ሰሚናር ጀመረ። ሓው ኣሰፋው በርሀ ንኣዋሃሃዲት ሽማግለ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ ወኪሉ ናይ መእተዊ ቃልን ኣጀንዳ ሰሚናርን ድሕሪ ምቕራቡ ድማ እቲ ሰሚናር ኤርትራውያን ዉድባት፡ ሰልፍታት፡ ሲቪክ ማሕበራትን፡ ግዱሳት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያንን ብዝተሳተፍዎ መሰረት ሓሙሽተ ሰዓታት ዝወሰደ ልዙብን ዓሚቅን መግለጽታትን ክትዕን ኣሰንይዎ ተካይደ።

ቀንዲ ትሕዝቶ ናይዚ ሰፊሕ ሰሚናር እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ግንቦት 2014 ዝተካየደ ኣገዳሲ ዓውደ ክትዕን ዉሳኔታቱን ንምብራህን ካብ መድረኽ ፈስቲቫል ኤርትራ ደጋፊን ተሳታፊን መርገጻት ንምውሳድን ዝሓለነ ከይኑ፡ መደርቲን ኣማእክለትን ሰሚናር፡ ኣብ ውዕሎ ፕረቶርያ ዝነበሩን፡ ኣብ ምዕዋቱ ዝተሳአፉን ነጠፍቲ፡ ሓው ዓ/ራሕማን ሰይድ፡ ሓው ተስፋኣለም ኣርኣያን፡ ሓው ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስን እዮም። እዞም መደርቲ ነቲ ሒዞም ዝቐረቡ ጉዳያት ብዕምቆአትን ብስፍሃትን፡ ን ተሳአፍቲ ብዝምስጥ ኣገባብ ከቕርቡን ናይ ስራሕ ተግባራዊ መደባት ክገልጹን በቒዖም። ድሕሪ'ዚ ንተሳተፍቲ ዕድል ተዋሂቡ፡ ሕቶታትን ርእይቶታትን ዘሰነዮ ነዊሕ ልዙብ ክትዓት ብኣደናቂ ተቀባልነትን ለበዋታትን ተካይዱ። ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ተራ መንእሰይ ኤርትራን ኩነታት ስደተኛታት ኤርትራውያንን ናይ ሕጂን መጻእን ዕማማት ደምበ ደለይቲ ፍትሕን፡ ብዝርዝር ተዘሪቡሉን፡ ኣብ ትግባረ ዘተኰረ ለበዋታት ተመሓላሊፉሉ።

ኣብዚ ከይጠቕሰ ክሃልፍ ዘይክእል ድማ፡ ኣቶ ሓምዲ ኣልዓዛዚ ዘቕረቦ ስእላዊ ምርኢትን ብዛዕባ ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ ዝገጥሞም ሽግራትን ኣምልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንተራኣኡ ዘሞግስ ርእይቶ ካብቲ ሰሚናር ጨብጨባ ብዝሰንዮ ናይ ቃልሲ ኣድናቆት ምንባሩ ናይዚ ቀዳማይ መዓልቲ ምርኡይ ተረኽቦ እዩ። ኣብ መደምደምታ ሰሚናር ድማ እተን፡ ክቆማ ጀሚረንስ ድሮ ስርሐን ኣብ ምክያድ ዝርከባ ዘሎዋ ሓያሎ ዝተፋላለያ ሽማገለታት መጽናዕትን ዓውደ ስራሓትን ብዝያዳ ንምሕያለንን ንምዕባየንን ከምኡ'ውን ኩሉ'ቲ ኣብ ኤርትራ ዲሞራስያዊ ፍትሓዊ ለውጢ ከመዝግብ ዝደሊ ሓይልታትን ምትእኽኻባትን፡ ኮታ ኩሎም ደልይቲ ፍትሒ በብክእለቶም ክሳተፉ ንጹርን ተሪር ጸዊዒት ቀሪቡ ሰሚናር ብተግባኣዊ ለወባታት ተዛዚሙ።

ድሕሪ ምድምዳም ሰሚናር ከኣ፡ ነዚ ፈስቲቫል'ዚ ብድምቀት ክዕዝዝዎ ዝመጹ ክኢላታት ሙዚቐኛታት፡ ንተሳተፍቲ፡ ብድሙቕ ባህላዊ ምሸት ኣሰተናጊዶም፡ እቲ ቀንዲ ክእለቶም ንቀዳም ዓቂሮምሉ ከም ዘለው ብምብሳር፡ ነቲ ናይ ዕለት ዓርቢ መደብ ኣብ መዛዘሚኡ ስዓታት ኣብጽሕዎ።

Last modified on Tuesday, 26 August 2014 12:53