‘‘ ቁጠባ ባዶ“፡ “መን ባዶ ገይርዎ ?“ መስደምም !

2021-03-28 16:54:48 Written by  ክፍላይ ተኪአ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1184 times

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ቁጠባ ባዶ“: “መን ባዶ ገይሩዎ?“ ዝብል ኣርእስቲ ተመርኲሰ፡ ነቲ መስደመም ኣበሃህላ ንኣርእስተይ ተኸቲለ ሓሳባተይ ብጽሑፍ ኣስፊረ፡ ናብ ሕብረተ-ሰበይ ከመሓላልፍ እንከለኹ፡ ከም ሰብ ከም ኤርትራዊ ታሪኻዊ ሓላፍነት ንነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ/ት ሕቶኡ/ኣ ብዓውታ ናቱ ናይ ባዕሉን ክሓትት መሰሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናይ መነባብሮኡ ናይ ሂወት ግዴታኡ እዩ። ብካልእ ኣዘራርባ፡ ሓደ ሕብረተሰብን ህዝብን ሃገርን ቁጠባ ሃገሩን ሃብቱን፡ ኣታዊኡን ወጻኢኡን ገምጋም ዕብየት ቁጠባኡን ክፈልጥን ክቆጻጸርን፡ መጀመርያ ምዕራፍ  ናይ ሓደ ሃገርን ሕብረተ-ሰብን እዩ። ንሕና ኤርትራውያን እዚ ዘይምግባርና ፡ ን30 ዓመታት ኣብ “መዋእል እምኒ“ ከም ዘሎኻ ኴንካ፡ ክሳብ ሕጂ ባጀትካ ከይፈለጥካ ትቕጽል ኣሎኻ፥ እሞ ከኣ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን፡ ብጣዕሚ ዘሕፍር‘ዩ።

ኣነ ከም ሓሳብ ኣቕራቢ፡ እቲ ጨካን ዲያብሎስ ስርዓት፡ ሰብ ዝመስል፡ ባህሪ ናይ ሰብ ዘየብሉ፡ ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ኤርትራ ከይዓቢ፡ ንቁጠባኡን ንማሕበራዊ ናብርኡን ንፖለቲካውን፡ ብሓፈሻ ንኩሉ ጸጋታትና ዓትዒቱ ዘምከነ፡ ኣብ ዓለማዊ ንግዲ ከይዋሳእ ዓፊኑ፡ ንኣውፈርቲ ዓጽዩ፡ እቲ ናይ መጀመርያ ዕላምኡ እዩ። እዚ ከኣ ንኤርትራዊ ኩሉ፡ ኣብ ኢድካ ከሎ ክልተ ሞት ክብል እንከለኹ፡ ንህዝቢ ሰማዒ ዓለም መስደምም ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ ደጋጊመ ክብሎ ዝደሊ፡ ንሕና ኤርትራውያን ደቂ ሰባት ክንስና፡ እኩባት ኣህዛብ ሃገርን መንነትን ዝወነንና፡ ታሪኻዊ ነጻነት ዘመስከርና፡ ከም ሰባት ከምቲ ካልእ ህዝቢ ዓለም 5 ሕዋሳት ዘሎና፡ ካብ እንስሳ ዝተፈልየ ኣእምሮ ስለ ዝተዓደልና፡ ንዝኾነ ነገር ካብ ግዜ-ንግዜ እናኣስተብሃልናን እናጠመትናን ክንከይድ፡ ንመሪሕ ሂወትና ዝግበኣና ክንሱ፥ እዚ ብዘይምግባርና ን30 ዓመታት ብዘይሕግን-ስርዓትን፡ መሕድሮ ዘይብልናን እናበረስናን ሰለይ ንብል ኣሎና፡ ዘሕፍር‘ዩ። መንእሰይ ወሎዶ እንታይኮን ክብለና‘ዩ ፡ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ዓለምን ሃገርን ዘሕፍር ምዕራፍ ሒዙ‘ሎ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ “ቁጠባ ባዶ“ ተባሂልካ፡ ምስ‘ዚ ኩሉ ጸጋታትካ እንከሎኻ፡ ንእኡ ከኣ በቲ ዝፈልጦ ሓደ-ብሓደ ክጠቕሶም እንከለኹ፡ -

1 - እቲ ግዙፍ ቀይሕ ባሕርና ናይ 1000 ኪ.ሜ. ውነና ዘሎካ፤

2 - ክልተ ወደብ ምስ መርሳታት ኣፍደገ ዘሎካ፤

3 - ምቁራት በብዓይነቶም ዓሳታት ዘሎካ፤

4 - ዳህሳስ ልዕሊ ምድርን ትሕቲ መርየትን ፡ ዝተርኽበን ዘይተረኽበን ማዕድናት ጋዛት ዘሎካ፤

5 - ጸሓያውን ንፋሳውን ጸዓት ንምትካል ባህርያዊ ጸጋ ዘሎካ፤

6 - ስሕበት ቱሪዝም ብዙሓት ደሴታት ዘሎካ፤

7 - ክሊማ ሃገርካ ደጋን - ወይነዳጋን - ቆላን ዘሎካ፤

8 - ፍርያም ሕርሻ ሃገርካ ባርካ ጻዕዳን ካልኦት ኩርነዓት ሃገርካን ዘሎካ፤

9 - ዝተፈላለየ ፍርያም ፍረታት ብምሉኡ ኩርንዓት ሃገርካ ዘሎካ፤

10 - ሃብቲ እንስሳ ዘቤት ምሉእ ዘይጉዱል ባርካ ጻዕዳ ምስ ኩርነዓት ሃገርና ዘሎካ፤

11 - እንስሳ ዘገዳም ብመጠኑ ዘሎካ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ እዚ ኩሉ ጸጋታት ስለ ዘሎካ፡ ንርእስኻ ጸጊብካ ሰደድን ቀረብን እናኣመዓራረኻ፡ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ብምቍጽጻርን ብምዕቡል ቍጠባዊ ኣሰራርሓ ብምልዮን ዘይኮነስ ብምልያርድ ኣታዊና ጌርና፡ እቲ መጀመርያ ምዕራፍ መነባብሮ ህዝብና ኣወሃሂድና፡ ጥዑይ ሕብረተሰብን ቅልጡፍ ግስገሳን ሃኒጽና፡ ትምህርትን ተክኖሎጅን ኣተኣታቲና፡ ኣብ ዝሓጸረ ዓመታት ኤርትራ ተወዳዳሪት ከም ትኸውን ብፍጹም ጥርጥር የብለይን። ነዚ ኩሉ ሓቚፉ ዝኣልን ዘመዓራርን፡ ሕግን ስርዓትን ማሕድሮን እዩ። 

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ ኣብ መወዳእታ ጽሑፈይ ክብሎ ዝደሊ፡ ለባም ሓሳባት ምሃብ፡ ኣብ ትሕቲ ሕግን ሓቅን ምሃብ መሰላት ርእሰ-ተኣማንነት ሃገሩን ሕብረተ-ሰቡን ዝፈቱን ዘኽብርን፡ ኣብ ጉዕዞ ሂወቱ ሕልናዊ ዕረፍቲ ዝህብ ኮይኑ፡ ወትሩ ከኣ ክብሪ ኣለዎ። ጸሓፍትን ደረስትን ልቦና ዘለዎም ደቂ ሰባትን ከም ዝብሉዎ፡ “ ሕልና ናይ ዕግበት ዘይብሉ፡ ሕልናኡ ዘይተቐበሎ ሕዋሳቱ ኣምኪኑ ዝጐዓዝ እሞ ከኣ ከም ህዝብን ሃገርን፡ መሰሉ ዘይፈልጥ‘ዩ“። ወትሩ ድማ ኣብ ቁጠባዊ-ማሕበራዊ-ፖለቲካዊ፡ ኣብ ከርፋሕ ሂወት ይነብር። እዚ ንከይከውን ወዲ-ሰብ ኣነ ክብል ክኽእል ኣለዎ። ኣነ ማለት ከኣ መሰለይ-ክብረተይ-መንነተይ ማለት እዩ።

ብክፍላይ ተኪአ

22.03.2021

ጀርመን

Last modified on Sunday, 28 March 2021 18:57