ዶ/ር ኣብዪ ኣብ ዝተሳተፈሉ ዘተ ተቓወምቲ ውድባት ዝተላዕሉ ኣርባዕተ ነጥብታት

2020-10-18 10:02:20 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1450 times

17 ጥቅምቲ 2020

ኣብዪን ተቓወምቲ ውድባትን

ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድን ኣብ ዝተረኸበሉ፡ ብቕድሚ ትማሊ ንሳልሳይ ግዘ ተዛትዮም።

ካብቶም ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ዝነበረ መራሒ ተቓዋሚ ውድብ፡ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ኣብቲ ዘተ ኣርባዕተ ቀንዲ ነጥቢታት ከምዝተልዓሉ ይዛረብ።

ሕገ መንግስቲ

ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብቶም ዘተ ዝተገበረሎም ዛዕባታት ሓደ ከምዝነበረ ዝገልጽ ፕ/ር በየነ፡ ኣብቲ ኣብ ስራሕ ዘሎ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ዘለዉ ምምሕያሽ ዘድልዮም ዓንቀጻት ከምዝተመያየጡ ሓቢሩ።

እቶም ክመሓየሹ ኣለዎም ዝተብሃሉ ዓንቀጻት ቀጻሊ ልዝብ ዘድልዮም ኮይኑ፡ ብሓፈሻ ግን እቲ ሕገ መንግስቲ ምምሕያሽ ከምዘድልዮ ብኣብዝሓ ከምዝተሰማምዑ ገሊጹ።

መዓዝ ይመሓየሽ ንዝብል ድማ፡ ተኣማንን ፍትሓውን መረጻ ምስተኻየደ፡ ብመሰረት እቲ ሕገ መንግስቲ ክፍጸም ተሰማሚዕና ኢሉ።

መዋቕር ፖለቲካዊ ሰልፊታት

እቲ ካልኣይ ሰፊሕ ዘተ ዝተገበረሉ ጉዳይ፡ ኣወዳድባ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ኢትዮጵያ እንታይ ክመስል ኣለዎ ዝብል ከምዝኾነ ዝገልጽ ፕ/ር በየነ፡ ኣብዚ እዋን እንታይ ይመስል? ኣብ ዝቕጽልከ እንታይ ክመስል ኣለዎ? ኣብ ዝብሉ ነጥቢታት ከምዝተዘራረቡ ሓቢሩ።

ኣብ ሓደ ክልል ጥራሕ ዝንቀሳቐሱ ውድባት ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎም እንተኾይኖም ብሓደ እንተዝወሃሃዱ ዝብል ሓሳብ 'ውን ቀሪቡ ኢሉ።

ፖለቲካዊ ዕላማ ዘይብሎም፡ ኣብ ሓደ ብሄር ዝበጽሕ ጭቆና ደው ንምባል ወይ መንነት ብሄሮም ክፍለጠሎም ኢሎም ዝተጣየሹ ውድባት ከምዘለዉ ኣብቲ መድረኽ ዝተልዓለ ኮይኑ፡ መሰል ውድባት ንጹር ፖለቲካዊ ዕላማ ሒዞም ክውደቡ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ እኡ።

ጎንጺ

ጉዳይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝኽሰቱ ዘለዉ ጎንጺታት፡ ካልእ ዛዕባ እቲ መድረኽ ዝነበረ ነጥቢ እዩ።

መልዐሊ እቶም ጎንጺታት እንታይ እዮም? ኣብ ዝብል ዘተ ከምዝተገበረ ዝልጽ ፕ/ር በየነ ጴጥሮስ፡ ስእነት ሰናይ ምሕደራን ልዕልነት ሕጊ ዘይምኽባርን ከም ቀንዲ ምኽንያታት ጎንጺ ከምዝተልዓሉ ተዛሪቡ።

ብደረጃ ሃገር ዘሎ ዘይምርድዳእ እንታይ እዩ? ፍታሕ ዘድልዮም ኣየኖት እዮም? ክፍትሑ ዘይኽእሉኸ? ዝብሉ ጉዳያት ክፍለዩ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ እውን ቀሪቡ ኢሉ።

መረጻ

መረጻ ኣካል እቲ ዘተ ዝነበረ ኮይኑ፡ ካብ ዘነበ ንጉስ ሃ/ስላሰ ጀሚሩ ዝተኻየዱ መረጻታት ዲሞክራስያዊ ከምዘይነበሩ ተጠቒሱ።

ኣብ ቀጻሊ ዝክየድ መረጻ መዓዝን ከመይን ይካየድ ኣብ ዝብል ከምዝተዘራረቡ ዝገልጽ ፕ/ር በየነ፡ ኣብታ ሃገር ሰላም ከይተረጋገጸን ሃገራዊ ምርድዳእ ከይተገበረን መረጻ ምክያድ ከቢድ እዩ ዝብል ሓሳብ ከምዝተልዓለ ገሊጹ።

ብኻሊእ ገጽ ገለ ኣካላት፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ስልጣን ዘሎ ምምሕዳር እታ ሃገር ዘይሕጋዊ እዩ ይብሉ ስለዘለዉ፡ ጸገም ከይፍጠር መረጻ ምክያድ ግድን እዩ ዝብል ሓሳብ እውን ከምዝተልዓለ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ካብቶም ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ውድባት ዝበዝሑ መረጻ ክካየድ ኣለዎ ዝብል ቅዋም ከምዘለዎም ፕ/ር በየነ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብግዲኡ፡ ዘተ እቶም ውድባት ከምዘሐጎሶን ንምዕባለ እታ ሃገር ከምዝጠቅምን ኣብ ፌስቡኩ ገሊጹ።

ካሊእ ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፈ ፕ/ር መረራ ጉዲና ድማ ኣብቲ መድረኽ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ተላዒሎም እምበር መዕለቢ ከምዘይተገበረሎም እኡ ዝገልጽ።

"መንግስቲ ከምዚ ግበር፤ ተቓወምቲ ድማ ከምዚ ግበሩ ዝብል ነገር የብሉን። ስቕ ኢልካ ሓሳብ ምሃብ ጥራሕ እዩ ነይሩ" ዝብል ፕ/ር መረራ፡ " መንግስቲ ኣብዞም ዘተታት ዝለዓሉ ነጥቢታት ሃገራዊ ረብሓ ኣለዎም እኡ ኢሉ ዝኣምን እንተኾይኑን እንተተግቢሩዎምን ጽቡቕ ውጽኢት ክርከቦ እዩ። እንተዘይኮይኑ ግን ግዘ ካብ ምጥፋእ ካሊእ ትርጉም የብሉን" ኢሉ።

ብተወሳኺ መረጻ ሰላም፥ ሰናይ ምምሕዳርን ዕብየትን ከምዘምጽእ ዝገልጽ ፕ/ር መረራ፡ ነዚ ንምፍጻም ሃገራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ቀዳምነት ክወሃቦ ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ሓቀኛ ምርጫ ንምክያድ ኣብ መንጎ መንግስትን ተቓወምትን ምትእምማን ኣሎዶ? ነቲ መረጻ ከፈጽም ዝተጠየሰ ቦርድኸ ዘይሻራዊ ድዩ? ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ጥርጣረ ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ "ንሕና ኣብ ልዕሊ ቦርድ መረጻ ጥርጣረ ኣለና ንብል፤ መንግስቲ ድማ ቦርድ መረጻ ዘይሻራዊ እዩ ይብል። ኣብዚ ጉዳይ ኣይተረዳዳእናን" ኢሉ።

እቲ ጉዳይ ኣብቲ መድረኽ ከምዝተልዓለ ዝገልጽ ፕ/ር መረራ ጉዲና፡ መንግስቲ " እዚ መረጻ በቲ ኢለ በዚ ኢለ ከሕልፎ እየ" ዝብል ቅዋም ዝሓዘ ከምዝመስል ተዛሪቡ።

 

Last modified on Sunday, 18 October 2020 12:14