ስለምንታይ’ዩ ኤርትራዊ እገለ፡ ይምረሓና ዘይበለ?

2020-10-20 09:10:09 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1516 times

ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ (ዶ/ር)ን ናይ “ሰላም ስምምዕ” ተኸቲሙ ካብ ዝበሃል ድሮ ክልተ ዓመታት ሓሊፉ። እዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብዙሕ ኢሳያስ  ሓቢእዎ ዝጸንሐ ዘይቅዱስ ስምዒታት ገንፊሉ ዝተጋህደሉ  ነይሩ። ካብቲ ብዙሓት ክትርሰዖ እንተበልካ እውን ዘይርሳዕን ዘገርምን ስምዒታቱ እታ “ድሕሪ ሕጂ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ እዩ ዝመርሓና” ዝበላ ወትሩ ካብ ኣእምሮ ኩልና ዘይትወጽእ እያ። “ከምዚ ዝብል ዘለኹ ብስምዒት ከይመስለኩም ብልበይ እየ። ኣነ እውን ምስኡ ኣለኹ” ብዝብል ምደማቑ ከኣ  “እዚ ከኣ ዝገደደ” ዘብል ነይሩን እዩን።  ኣስማት ከተማታት ኤርትራ እንዳጸወዐ፡ ናብኣተን ፈቓድ ከይሓተትካ ከም ድላይካ ክትገይሽ  ትኽእል ኢኻ’ውን  ኢልዎ።

ኣቐድም ኣቢሉ “ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ንየማነ ገብረኣብ ኣኸቲሉ ኣብቲ ንመጀመርያ ግዜ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸድሉ፡ ንዶር ኣብይ “ዕድለኛታት ኮይና፡ ምቕሉል መራሒ ረኺብና ኣለና” ኢሉዎ ነይሩ። ነዚ ኣበሃህላኡ ዝሰምዑ ኣእምርኦም ስለ ዝሰሓቱ ባዕላቶም ምግንዛብ ዘዋደቕዎ ቁንጣሮ ኣዳኸርቲ ጉጅለ ህግዲፍ “ትግርኛ ቋንቋ ኣዲኡ ስለ ዘይኮነ እምበር፡ ኢትዮጵያ ምቕሉል መራሒ ረኺባ ማለቱ’ዩ ነይሩ” ብዝብል፡ ከጸባብቕሉ ፈቲኖም። ድሕሪ ሰሙን ወዮ ኣብ ቋንቋ  ትግርኛ  ክመጻረን ቃላት ክመርጽን ዝህቅን ብኣተሓሳስባ ዘይርጉእ ኢሳያስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣሸሓት ሰባት ባዕሉ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ምስ ዳሕደሖ፡ ወዮም መመሳምስቲ መልሓሶም ሓይኾም ኣጽቂጦም። “እዝስ ዓገብ’ዩ” ምባል ጸድፍን ቀላይን ኮይኑ ስለ ዝተራእዮም፡ ክሳብ ሕጂ ከመኻንይሉ ዝፍትኑ’ውን ኣለዉ።

 እቶም ዑስማን ሳልሕ ብጌጋ ኢልዎ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ከም ሕሱም መተገንሐ፡ ምናልባት እውን ናብቲ እንዳ ብዙሓት ኮይኑ ዘሎ ጐዳጉዲ ዒራዒሮ መኣተወ፡ ስለዚ ተቐይሱ ዝተዋህቦ እዩ፡  ክብሉ ዝጸንሑ ኤርትራዊ ወገናት ግና፡ ናይ ኢሳያስ ኣብ ውሽጡ ክሕቆን ዝጸንሐ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ግና ዱቦላ ዝኾኖ ኣበሃህላ ምስ ሰምዑ “ኣይበልናንዶ” ኢሎም። ኢሳያስ ከኣ ሓንሳብ ኣብ ኤርትራዊ ልኡላውነት ዕጥቁ ስለ ዝፈትሐ፡ ወዮ ህዝቢ ኤርትራ ክርእይ እንከሎ ዝጽወግ ገጹን ዘይክፈት ኣፉን ኣብ ኣዋሳ ምስ ከደ ብሓጐስን ስሓቕን ደሚቑ። ኣብ መሬት ኣሳፊሑ ብዓበይቲ ዓዲ ብሄረሰብ ሲዳማ ማይ ደግሚ ተነጺግዎስ፡ ነቲ ዓበድበድ መሊሱ ወሲኽሉ መስሓቕ ሸራፋት ኮይኑ።

ኢሳያስ ድሕሪ ናጽነት ሃገር ዘምርሕ ትዕግስቲ፡ ጹረትን ምክእኣልን ከም ዝረሓቖን ክሳብ ሕጂ እውን ከምዘየብሉን ብብዙሕ ግብራዊ ስጉምትታት ኣመስኪሩ እዩ። ኣብ 20 ሰነ 1991 ተጠሊዑ “ድሕሪ ሕጂ ብውድባት ሓሸውየ የለን” ምባሉ፡ ቁሩብ ጽንሕ ኢሉ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ መሰረታዊ መሰሎም ስለ ዝሓተቱ  ጥራይ  ክፋል ኣካሎም ንሃገርን ህዝብን ዘወፈዩ ሓርበኛታት፡ ብኣፍልጦኡ ኣብ ማይ ሓባር ንዝተወስደ ናይ ቅትለት ስጉምቲ ከይሓፈረ ነቶም ግዳያት፡ “ሕንቂቖም እዮም ሕራይ ኮኑ” ኢልዎም። ካብ ሽዑ ንደሓር መስመሩ ከም ዝሰሓተ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ዝያዳ ብሩህ ኮይኑ። እቲ ድሕሪኡ ካብኡ ጽቡቕ ንምርኣይን ንምስማዕን ዝነበረ ትጽቢት ባዶ ምንባሩ ተነጺሩ “ከንቱ ውእቱ” ኮይኑ። ሕጂ እውን ንቁልቁል ገጹ’ዩ ዝጸድፍ ዘሎ።

ፖለቲካዊ ተመኩሮ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብግብሪ ኮነ፡ እቶም ብቐረባ ዝፈልጥዎ ብዝህብዎ ምስክርነት ክምዘን እንከሎ፡ ካብ መጀመርያ ክሳብ ሎሚ “ትጋገ ኣለኻ” ንዝብሎ ዝጸውር ትዕግስቲ  ዘየብሉን ብናይ “ወይ ነዓይ ወይ ንዓኻ” ኣግላሊ ስምዒት ፈሊሑ ዝገረረን እዩ። እቲ ካብ ቀደም  ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ዕባራ ምኽንያታት እንዳፈጠረ፡ ሓርበኛታት ዘጥፈኣሉ ስጉምትታት እቲ ቀንዲ ሕመረቱ “ሒዝካዮ ዘለኻ መንገዲ ግጉይ’ዩ” ስለ ዝበልዎ እዩ። እቲ ኣብ ጽምዋ በረኸታት ዝተገብረ ተዲፊኑ ዘይተርፍ ስንክሳራት’ሞ ይጽነሓልና፡ ጉጅለ 15፡ ሰዓብቶምን ጋዜጠኛታትን ኣብ ዘይፍለጥ ቦታታት ዝሓቅሉ ዘለዉ ምኽንያት፡ ብዘይካ “ሒዝካዮ ዘለኻ መንገዲ ንህዝብና ዘርብሕን ንዝኸፈልናዮ ክቡር ዋጋ ዝምጥንን ኣይኮነን እሞ ካብ መንገዲ ጥልመትን ዓመጽን ተመለስ” ካብ ምባል ሓሊፎም ካልእ ገበን የብሎምን።

ኢሳያስ ብኽንዲዚ ዝተጠቕሰ ደረጃ “ነቲ ሒዝካዮ ዘለኻ ሓላፍነት ኣይበቓዕካዮን፡ ደጊም ካብ ናይ ሜዳ ህጹጹነት ዝዓብለሎ ምምሕዳር ወጺእና፡ ሕገመንግስታዊ መልክዕ ንሓዝ” ንዝበሉ ኤርትራውያን፡ ክቐትል፡ ክስውርን ክኣስርን ጸኒሑን ኣሎን። ምስዚ ኩሉ ግና ንሱ ድዩ ኣሚንዎም ወይስ ንሳቶም እዮም ጉዳይ ህዝቦም ስለ ዘይዓጠጦም “ንኺድ ጥራይ” ኢለምዎ፡ ከም የማናይ ኢዱ  ዝውሰዱ ውሑዳት ወተሃደራውን ሲቪላውን ምእዙዛት ተሰከምቲ ዳዊት ኣለዉዎ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን፡ ኢሳያስ ኣብ ክንዲ፡ “ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ የማነ ገብረኣብ፡ ዑስማን ሳልሕ፡ የማነ ገብረመስቀል፡ ወይ ካልእ ካብቶም እሙናቱ ዝበሃሉ ሓደ ይምረሓና” ምባል፡ ንዓኣቶም’ውን ፈንፊኑን ንዒቑን፡ “ድሕሪ ሕጂ ኢትዮጵያዊ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ እዩ ዝመርሓና” ኢሉ። ካብኡ ኣይትሕለፉ ብዝብል፡ ነቲ ጠልመቱ ንከራጉድ ከኣ “ከምዚ ዝብል ዘለኹ ብስምዒት ከይመስለኩም ብልበይ እየ  ። ኣነ ከኣ ምስኡ ኣለኹ” ምባሉ ምስ ምንታይ እዩ ክቑጸር። እቶም ነዚ ኣበሃህላኡ “ናይ ስኽራን፡ ናይ ታህዋኽ ወይ ስምዒት እዩ” ኢሎም ከመኻንዩ ዝፍትኑ፡ እቶም ዝሰኸሩን ሕመቖም ክኽውሉ ዝደልዩን ንሳቶም ምዃኖም ክእመኑ ይግበኦም። እቲ ቀንዲ ትርጉም ናይዚ ኣበሃህላኡስ ኢትዮጵያዊ ወራስ ዓራት ስለ ዝደለየ እዩ። እቲ ዝዓመቈ ትርጉሙ ከኣ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ከም ገጸ-በረኸት ንኢትዮጵያ ምርካብ እዩ።

እዞም ክልተ ሰባት ኢሳያስን ኣብይን ኣብ ዘይጽኑዕ መሰረት፡ ኣብ ዘየለ ትካላዊ ኣሰራርሓን ዝይግሉጽ ሃዋህውን ዝኸተምዎ ናብ ህዝቢ ሱሩ ዘይሰደደ ስምምዕ እዩ። እዚ ስምምዕ ውጽኢቱ ትሕቲ ትጽቢት ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመንጽር ረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት፡ ጠቕሊሉ ከም ዝሃጐጐ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ እዩ። ናይ ምምካኑ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ እቲ ስምምዕ ናብ ህዝቢ ዘይወረደን ትካላዊ መልክዕ ዘይሓዘን፡ ጽባሕ ምትኳሱ ዘይተርፍ ነታጒ ዝሓቖፈን ብምዃኑ እዩ። ሃገራውን ህዝባውን ዕዮ ገዝኡ ዘይዓመመ መራሒ ኮነ መንግስቲ፡ ኣብቲ ምስ ካለኦት ኣካላት ዝሃርፎ ሓድነት ኮነ ሓቢርካ ምስራሕ ከድሚ ኣይክእልን እዩ። ብመንጽርዚ ምስቲ “ህዝበይ” ዝብሎ ወገን ዘይተዓርቀ፡ ብኣንጻሩ ሃገር ኣፍሪሱ ህዝቢ ከብርስ ከይደቀሰ ዝሓድር ዲክታተር ኢሳያስ ምስ ጐረባብቲ ኮነ ምስ ከባቢ ኣፍራስን ኣዕናውን እንተዘይኮይኑ ሃናጽን ሓቋፍን ብጽሒት ክህልዎ ማለት ዘበት እዩ።

Last modified on Tuesday, 20 October 2020 11:14