ደሃይ ዝሓለፉ ሕታማትና

2020-10-16 08:42:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1286 times

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንዝነፈጎም መሰላት ከምዝጭበጡ ምግባር

(መጽሐት ዲሞክራስያዊት ኤርትራቁጽሪ 73፡ 2006)

ኣብ’ቲ ምእንቲ ናጽነት ዘካየድናዮ ቃልሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ፡ በብዓቕሙ ንምዕዋት ናይ ብረታዊ ተጋድሎና ዘበርከቶ ግደ ከምዝነበሮ ዝእመን’ዩ። እቲ ዝዓበየ ጾርን ዝኸበደ ዕማምን ግን፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኤርትራውያን መንእሰያት ከም ዝተሰከምዎ ኣሉ ክበሃል ዘይከኣል ሓቂ ኢዩ። ግደ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ብቓላት ምግላጹ’ኳ ዘይከኣል እንተዀነ፤ ዓቐብን ቍልቍለትን፡ ጥሜትን ጽምእን፡ መውጋእትን መስዋእትን ከየሰነፎ ብረቱ ተሓንጊጡ ክሳብ ናጽነት ክምህ ከይበለ ዝተቓለሰን፤ ናጽነት ኤርትራ ጋህዲ ዝገበረን ክፋል ናይ ሕብረተ-ሰብና ምዃኑ ግን፡ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ።

እዚ ወለዶ’ዚ፡ ሓላፍነቱን ግቡኡን ፈጺሙ፡ ንድሕሪኡ ዝመጸ ወለዶ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ዝዀነት ሃገር ኣረኪቡ ይሓልፍ ኣሎ። ናይ ሕጂ መንእሰይ ወለዶ ድማ፡ ነዚ ሕድሪ’ዚ ኣጽኒዑ፥ ንድሕሪኡ ዝመጽእ ወለዶታት፡ ሰላምን ፍትሕን ዲሞክራስን ዝሰፈና፥ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽበረላ ብልጽግትን ምዕብልትን ሃገር ከረክብ ሓላፍነቱ ምዃኑ ክግንዘብ ይግብኦ። ስለዝዀነ ድማ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ኣብ’ዚ ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝካየድ ዘሎ ቃልስታት ኣብ ቅድመ-ግንባር ኢዩ ክስለፍ ዘለዎ።

ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ፡-

ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ዓለም፡ ድሕሪ ንፍርቂ ክፍለ-ዘመን ዝቐጸለ፡ መስዋእትን ስንክልናን ህልቂትን ምዝንባልን ስደትን ድኽነትን ዝሰፈኖ መዋእል እተረኽበ ናጽነት፡ ሰላምን ርግኣትን ብልጽግናን ዝረጋገጸሉ ሓድሽ መድረኽ ክኸውን’ዩ ዝብል ትጽቢትን ሕልምታትን ኢዩ ነይርዎ። ካብ’ዚ ተስፋ’ዚ ተበጊሱ ከኣ’ዩ ህዝብና ክሳብ ናጽነት ዝተረጋገጸሉ ዕለት ክምህ ከይበለ ዝተቓለሰ። እንተዀነ ግን፡ ሕማቕ ዕድሉ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ዝጨበጠ ጕጅለ፡ ንደምን ርሃጽን ቃልስን ህዝቢ ኤርትራ ጨውዩ፡ ኣብ ብሕታውን ውልቃውን ረብሓታቱ ከውዕሎ ስለዝተረኽበ፡ ህዝብና “መለሳ ቆሎስ ጥጥቖ” ኰይንዎ ጌና ብናይ ስቅያት ሓለንጊ ክግረፍ ይርከብ ኣሎ።

ኣብ ትሕቲ’ዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ቀሲኑ ክመሃርን ክሰርሕን ኰነ፡ ተመርዕዩ ወሊዱን ከቢዱን ክነብር ኣይከኣለን። ብኣንጻሩ፡ መንእሰይ ኤርትራ፡ ኣብ’ቲ እቲ ስርዓት ወግሐ-ጸብሐ ዝውልዖ ውግኣት እናኣተወ ክሃልቕን ክስንክልን፤ ንዝፈትዎ ህዝብን ሃገርን ራሕሪሑ ናብ ስደት ከምርሕን፤ ኣብ ምድረ-በዳታት ብጽምን ጥምየትን ህይወቱ ክሓልፍን ድራር እንስሳታት መሮርን ዓሳታት ባሕርን ክኸውን ኢዩ ዝርአ ዘሎ። እቲ ካብ’ዚ ዕጫ’ዚ ዝደሓነ ከኣ፡ ኣብ ናይ “ልምዓት መደባት” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ባርነት ወፍሪ ተጸሚዱ፡ ንረብሓ ብኣጻብዕቲ ዝቝጸሩ ሰበ-ስልጣን ከገልግልን፤ ኣብ መዐለሚ መደበራትን ኣብያተ-ማእሰርትን ተዳጕኑ ዕሸል ዕድሚኡ ብኸንቱ ከሕልፍን ኢዩ ዝርከብ ዘሎ።

ስርዓት ኢሳያስ፡ ዘቖሞ ማሕበር ተምሃሮን መንእሰያትን ኤርትራ፡ ስርሑ ነቲ ስርዓት ምምጓስን፥ ንግናይ ገጻቱ ምምልካዕን፥ ንጌጋታቱ ምሽፋንን እንተዘይኰይኑ፥ ብዛዕባ ንመንእሰያትናን ተመሃሮናን ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ክግለጽ ኰነ፤ ንመሰላቶም ክጣበቕ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ሓለፍቲ ናይ’ዚ ማሕበር’ዚ እሙናት ኣገልገልትን ኣካላት ናይ’ቲ ስርዓት እምበር፡ መንእሰያትን ተመሃሮን ዘገልግሉና ኢዮም ኢሎም ብናጽነትን ኣብ ትሕቲ ዲሞክራስያዊ ሃዋህዉን ዝመረጽዎም መራሕቲ ኣይኰኑን። እቶም ንሓቀኛ ንጥቕሚ ናይ’ቲ ማሕበር ዝሰርሑ ዝነበሩ መንእሰያትን ተመሃሮን ከኣ፡ ገሊኦም ተሰዲዶም ዓዲ ጓና ተዓቚቦም፡ ገሊኦም ከኣ ኣብ ማእሰርቲ ይበልዩ ኣለዉ። ናይ ትምህርቲ ናጻ ዕድል ኣብ ወጻኢ ዝረኸቡ ወይ ድማ ንስፖርታዊ ውድድራት ዕድል ረኺቦም ካብ ሃገሮም ዝወጹ መንእሰያት፡ በብዝኸድዎ ዑቝባ ክሓቱ ኢዮም ዝርኣዩ ዘለዉ።

ራእይ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ መንእሰያት፡ ሞተር ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ምዃኖም ኢዩ ዝርኢ። ብዘይ መንእሰያት፡ ብሩህ መጻኢ ዕድል ዘለዎ ሕብረተ-ሰብ ይኹን ብልጽግትን ዲሞክራስያዊትን ሃገር ምህናጽ ከምዘይከኣል ድማ ይኣምን። ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ብትምህርቲ ተዀስኲሱ ክዓቢ፡ ኣብ ኪነታውን ስፖርታውን መዳያት ብምንጣፍ ጥዑይ ኣእሙሮን ጥዑይ ኣካልን ክውንን፡ ካብ መስተን ካልእ ሕማቕ ልማዳትን ክርሕቕን ናይ ሃገርን ህዝብን ሓላፍነት ክስከምን ዝኽእል መንእሰይ ንምህናጽ ኢዩ ዝቃለስ።

ነዚ ራእይ’ዚ ክውን ንምግባር ግን፡ ህዝብን መንግስትን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ሓቢሮም ዝሰርሕሉ ንሰብኣዊ መሰላት ዘኽብር ዲሞክራስያዊ ስርዓትን፤ ሰላም ዝሰፈኖ ሃገርን ዞናን ክህሉ ከምዘድሊ ዘካትዕ ኣይኰነን። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ራእይና፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ንመንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዝነፈጎም ናይ ሰላም፡ ማዕርነት፡ ትምህርቲ፡ ናጻ ማሕበር ናይ ምምስራት መሰላት ብቓልሶም ከምዝጭብጡ ምግባር ኢዩ።

ውሳኔ 6ይ ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣብ’ቲ ካብ ዕለት 23-27 ሓምለ ዘካየዶ 6ይ ጠቕላል ሃገራዊ ጕባኤኡ፡ ንጕዳይ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን፥ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማትን ብዕምቈት ተመልከቶ። ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ኣብ ውድባዊ ቅርጻኡ፡ ንጕዳይ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ክህሉ ወሰነ።

እዚ ቤት ጽሕፈት’ዚ፡ ኣቦ መንበርን ምኽትሉን ሓላፊት ጕዳያት ደቂ ኣንስትዮን ዘለዉዎ ኣካል ኰይኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝርከቡ መንእሰያት ንምርኻብ ዘኽእሎ ትካላት ውን ክህልውዎ ኢዮም። ዕላማ፡ ናይ’ዚ ቤት ጽሕፈት’ዚ ከኣ፡-

  1. መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ናጻ ማሕበራቶም ክምስርቱ ምትብባዕን፤ ኣብ ዘዘለውዎ ሃገር ንዘጋጥሞም ጸገማት ኣብ ምቅላል ምትሕብባርን፤
  2. መንእሰያት፡ ብናይ ልዝብ ባህልን ናይ ሕድሕድ ምክብባርን ከም ዝዓብዩ ምግባርን፤ ሃገራውን ዲሞክራስያውን ንቕሓት ምስራጽን፤
  3. ስፖርታውን ስነ-ኪነታዊ ንጥፈታት ምትብባዕ፤
  4. ንመንእሰያት ዝኸውን ትምህርታውን ናይ ሞያ ስልጠናን ዕድላትን ምድህሳስ፤
  5. ሃገር ንምምራሕ ዝኽእሉ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ምፍራይ።
  6. ኣብ’ቲ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝካየድ ቃልስታት፡ ግደ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ከምዝዓቢ ንምግባር ምጽዓርን ዘጠቓለለ ኢዩ። ኣብቲ ብ2019 ዝተቓነዐ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤ እውን ጉዳያት መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ፈጻሚ ሽማግለ ነናቶም ኣብያተ-ጽሕፈት ንክህልዎም እዩ ወሲኑ።
Last modified on Friday, 16 October 2020 10:47