መን ንመን ወጊዱ’ዩ፡  ዓወት ዝጎናጸፍ

2020-04-16 07:35:50 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1634 times

ኤርትራን ህዝባን ካብዚ ንነዊሕ ዓመታት ጥሒሎሞ ዘለዉ ሰልሚ  ብምውጻእ፡ ጌና እፎይ ኢሎም ዝቐስንሉ ግዜ ኣይረኸቡን። እምበርዶ ካብዚ ረገረግ’ዚ ወጺእና ንዝሓለፈ ኣልዒልና ካብ  ምስትንታን ንመጻኢ ኣማዕዲና ንፋቐረሉን ንሳነየሉን ዘበን ይመጽእ ይኸውን?  እናበሉ ለይቲ ምስ መዓልቲ እዮም ዝሓስቡ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ’ኳ እንተተላቐቐ፥ መወዳእትኡስ ናብ ዝገደደ ሓዊ ደኣ ተጠብሰ እምበር፥ ካብ መከራ፡ ሽግር፡ መስዋእቲ፡ ምፍንቓላት፡ ጭቆናን ግፍዕን ወጺኡ፥ ዝኣምነሉ ሕገ-መንግስትን ስርዓትን ጌና ኣይተኸለን። እነሆ ድማ ካብ ኣማኢት ዓመታት ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ ሓቢሩ ሃገሩ ዝሃንጸሉ  ሰላማዊ ባይታ ገና ኣይፈጠረን።

ኣብ ሓንቲ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት ሃገር፡ ኣብ ትሕቲ ተኸታታሊ መግዛእታዊ ስርዓት ዝመሓደር ዝነበረ ህዝቢ፡ ምስቲ ብዙሕነት ሃይማኖት፡ ቀቢላ፡ (ዓሌት) ቋንቋን ባህልን ተደማሚሩ፡ ኣብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ምውህሃድ ዝፈጥሮ ጸገማት ቀሊል ኣይኮነን። እዚ እቲ ከፋፊልካ ግዛእ፡ መግዛእታውን መላኽን ስርዓታት  ተወሲኽዎ ክሕከኽ ዘጸግም ምጥርጣራትን ዘይምውህሃድን ኣበሪኹ፥ ነቲ ከም ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ዝኣሳስር ታሪኽ ከም ዘላሕልሖ ርዱእ እዩ።

ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ሽግራት ናይቲ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበረ ህዝቢ፥ ካብ መግዛእቲ ብዝወረሶ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ከም ዝጽሎ ፍሉጥ እዩ። እቲ ህዝቢ ካብቲ  መግዛእታዊ  ጽልዋ ወጺኡ፡ ሓባራውን ንኹሉ ብማዕረ ዝጥምትን ኣተሓሳስባ ንኽውንን ብዙሕ ጻዕሪ የድሊ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ትሕቲ መግዛእታዊ  ኣርዑት ተቘሪኑ ዝነበረ ህዝቢ፡ ክኢላ ይኹን ምሁር ወይ ዘይተማህረ፥ ካብ ናይ መን ዓብለለ ኣተሓሳስባ፥ናይ ሓይሊ ሚዛን  ንምዕኳዂ ዝግበር ወፍሪ ናጻ ኣይኮነን።  ስለዚ ሃሙን ቀልቡን፡ ብዝያዳ  ኣብ ብሄረይ፥ ቋንቋይ፥ ሃይማኖተይን ባህለይን  ልዕሊ ኩሉ ምስ ዝኸውን ኢዩ ድሌተይ ክማላእ ዝኽእል ኢሉ  እዩ ዝሓስብ።

በዚ መስረት ነቲ ብዝተፈላለየ ሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ዓሌትን ባህልን መንነታት ዝተሃንጸ ሕብረተሰብ ዘለዎ ሽግራት፥ ሓባራዊ ምዃኑ ይዝንግዕ እሞ፥ ኣብ ምፍትሑ ዘለዎ ተኽእሎ ድሩት ይኸውን። ወዮ ደኣ ሓቂ ዘይንደሊ ኰይና  እምበር፡ ሓደ ካብቲ ክሳብ ሎሚ ዘሳቕየናን  ዝፈናጭለናን ዘሎኮ ከምዚ ዓይነት ጸቢብ ስምዒት እዩ። ምኽንያቱ እቲ  ቁርቁስ ከይዱ ከይዱ ኣብ ናይ ስልጣን ሕቶ ስለዝኣቱ፥ ነዚ ስልጣን እዚ ንምሓዝ ድማ ኣብ ጐንኻ  ዝስለፍ ብዘይካ ወዲ ሃይማኖትካ፡ ዓሌትካ፡ ቋንቋኻን ባህኻን ካልእ ክህሉ ኣይኽእልን ካብ ዝብል ሕልና  ስለዘይውጽእ። እቲ ናይ መን ይዕብልል ሓሳብ ክቕልቀል ናይ ግድን ኢዩ። ምኽንያቱ  በቲ ኣምር ናይ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ናይ ምቕባልን ምትእንጋድን ስለ ዘይቅየድ፡፡

ስለዚ ነቲ ናይ ብዙሕነት ሚዛን ብዘይሕሉ፥ ሓንቲ ካብተን ናይ ቋንቋ፥ ዓሌት፥ ሃይማኖት ወይ ባህሊ፡ ዓብላልነት ዝረጋገጽ ሃገራውነት ኣይዓኲኽን። ንሽግራት ኣብ ምእላይ ውን ኣየተኣማምንን።  ክምኡ እውን ንኹሉ ቁጠባዊ ጸጋታት  ሃገርን ናይ ስልጣን ሕቶን ምምቕራሕ፥  ናይ ብዙሕነት ክብርን ሓልዮትን ብዝጎድሎ ጉዕዞ፥ ንሽግራት ፈቲሕካ መን ይምራሕ ብዘየገድስ ናብ ዓወት  ንኽበጻሕ ዓቢ ቃልሲ ዝሓትት ኢዩ። ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ኣእምሮ ደቂ ሰባት ናይ ነፍስኻ ምልዋጥ፡ ንናይ ኩሉ ዓሌታት፥ ሃይማኖታት፥ ቋንቋታትን፥ባህልታትን ብማዕረ ዝጥመተሉ ሕልና  እንተዘይማዕቢሉ፥ ካብ ዓብላልነት ናጻ ኮይኑ፥ ንኹሉ ብዘሳትፍን መሰል ኩሉ ዝሕሉን ክሓስብ ኣይበቅዕን እዩ።

እዚ ጉዳይ እዚ ንዓና ንኤርትራውያን ዘሸግረና ዘሎዶኾን ይኸውን።? ግደ ሓቂ ምዝራብ እቲ መልሱ ብርግጽ ንሱ እዩ። ካልእ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን። ኣብ ኤርትራ  ቋንቋታት፡ ትግረ፡ ትግርኛ፡ ዐረብኛ፥ ኩናማ፥ ናራ፥ብዳውየት(ሕዳረብ) ብሊን፥ ሳሆ፥ ደንከል (ዓፋር) ኣለዋ። ነዘን  ቋንቋታት፥ ሃይማኖታትን ዓሌታትን  ናይ ልዕልነት ርክብ ወይ ዝምድና እንተነጊሱ፥ ነቲ ጥሙር  ሃገራዊ ስምዒት ኣላሕሊሑ፥ ነዚ ንርእዮ ዘሎና ናይ በበይንኻ ጉዕዞ ዝፈጥር እዩ ክኸውን። ሎሚ፥  ናብ ልብና ተመሊስና ካብ ሕሉፍ ተመኩሮና ተማሂርና ክሳብ መዓስ ኢና እናተበታተና ክንነብር? ዝብል ሕቶ ክንምልስ ናይ ግድን እዩ። ሽግራትናን ስቅያትናን ሓደ ካብ ኮነ፥  ነቲ ንኹልና  ዘሕጉስ ግብሪኸ ሓደ ከይንኸውን እንታይ ይጋርደና።

ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ስም ብምቅይያር ጥራይ፡  ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ኣልጊሰን ናብቲ ንኹልና ዘሕጉስ ክንበጽሓ ኣየኽእለናን እዩ።  እወ! ኩሉ አእጃሙ የበርክት ኣሎ። እዚ ናይ ነፍሲ ወከፍ እጃም ግና ክሳብ ሕጂ ነቲ እከይ ተግባራት ናይቲ  ስርዓት ኣብ  ምግላጽ እምበር፡ ኣብ ነፍስና ተመሊስና  ጉድለታትና ኣሪምና፥ ዝኸድናዮ ገምጊምና  እንተንተሓባበር፥ እቲ ናብ  ዓወት ዘብጽሕ ኣድማዒ እጃም መኻዕበትና። ንጽባሕ እንሃንጾ ምዕሩይ ናይ ስልጣን ዝምድና ዝህልዎ ቅርጻ፡ ሎሚ  ብናይ ነፍሲ ወከፍና ዓሌት፡ ባህሊ፡ ሃይማኖትን ቋንቋን ብዝውክል ሕሳባት እንተተጓዒዝና፥ ንዓብላልነት እምበር፡ ነቲ ኩልናኮ ማዕር  ኢና  ዝብል ከብጸሓና ኣይኽእልን እዩ። ነቲ ህዝብና ዝውጽዕ ዘሎ ስርዓት ድማ ካብ ናይ ምቅላዕ ተግባራት ሓሊፍና ንኹልና ዘዕውት ፍኖተ-ካርታ (መርሃ-ገበይ) ኣብ ምድህሳስ፥ ጽባሕ ውን እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ዝወድቀሉ እቲ ሽግርና ኣብ ምፍታሕ እዚ ደምበ ተቓውሞ በዚ ሕጂ ዘለዎ እዩ ክኸውን።

ስለዚ ገና ንኹልና ገፋፊጡ ዝወስደና ውሒጅ ከይመጸ ከሎ፥  ደጊም ይኣክል፥ ንኹልና ብዘይ እፈላላይ ዘሳንን ዝዳንን ስርዓተ-ሕግን መንግስትን እንምስርተሉ ኣቕጣጫን ሓሳብን ክንሕዝ ይግባእ። ነዚ ኣቕጣጫዚ ንኽንሕዝ ድማ ብተናጸል በበይንኻ ጓይላ ምትካል  ዘይኮነ፥ ሰላም፡ ራህዋን ፍትሕን  ንምምጻእ፥ ሓቢርካን ተወሃሂድካን ኣብ ምስራሕ ዘሎና ሓቀኛ  ድሌትና ወዓል ሕደር ዘይብሉ ዝጭበጥ ተግባር ምርኣይ የድሊ። ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ምንቅስቓሳትን ማሕበራት ነናተን ሰነሓሳብን፥ ራኢን ጥራይ ኢየን ዝውክላ። ንሃገራዊ ረብሓ ይኹን ንዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ብመንጽር መትከል ኣብዝሓ ሰልፍታት ዋላ ሓንቲ ዘረሓሕቐና የለን። ስለዚ ኩልና ደለይቲ  ለውጢ፡  ብምኽንያት መሰረታዊ ፍልልይ ዘይብሉ ጸቢብ ፖለቲካዊ ረብሓታትን  ንነኣሽቱ ጉዳያትን ካብ ንተሃላለኽ፥  ግዜናን ጉልበትናን   ነቲ ኣብ መንጎና ዘሎ  ፍልልይ ብሃናጽን ንኹሉ  ዘሳንን ኣገባብ ንምፍታሕ ክነውዕሎ ይግባእ።

Last modified on Thursday, 16 April 2020 09:40