ርሑስ በዓል ትንሳኤ ይግበረልና !!
2020-04-18 19:11:49 Written by ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2290 timesብምኽንያት በዓል ፋሲካ (ትንሳኤ)፣ ንኹሎም ኤርትራውያን ኣመንቲ ክርስትና ብፍላይ፣ ንኣመንቲ ክርስትና ኣብ ዓለም ድማ ብሓፈሻ፣ እንቋዕ ጾመ ልጓም ፈታሓልኩም ብምባል፣ ርሑስ ብዓል ትንሳኤ ክኾነልና ልባዊ ምንዮትና ንገልጽ። ዝመጽእ በዓልታትና፣ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ይኹን ዞናናን መላእ ዓለምን፣ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ዝሰፈነሉ ኩነታት ምስ እንፈትዎም ቤተ ሰብናን ፈተውትናን ክነብዕሎ ተስፋ ንገብር። ከምኡ’ውን ኣብ ዓለም ተዘርጊሑ ካብ ዘሎ ለበዳ ክሮና ንህዝብናን ኣህዛብ ዓለምን፣ ልዑል ፈጣሪ ክሕልወና ንልምኖ።
ርሑስ በዓል ትንሳኤ !!
ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
18ሚያዝያ 2020