ፈላላዪ ፖለቲካዊ ጸወታ ስርዓት ኢሰያስ

2019-12-19 08:58:32 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1742 times

ኤርትራ ሃገርና ኣብ ክሳዳዊ ቦታ ብምርካባ ብብዙሓት ሃገራት ክትጥመት ናይ ግድን እዩ። እዚ ብፍላይ መንግስቲ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዛ ነቲ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ጸጥታውን ስለያውን ረብሓኣ ንኽትገልገለሉ ብዘውሕስ ኣገባብ እያ ተተሓሒዛቶ። ነዚ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ንኸተእቱ ድማ ዝያዳ ዝምድናኣ ምስ ኢትዮጵያ ንምድልዳል ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከምትቑረን ፈሓሰት፡፡ እዚ ጠንቂ ናይ እቲ ንሰላሳ ዓመታት ዝወሰደ ደማዊ ውግእ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት እውን እንተኾነ እቲ ጠንቁ እንታይ ምዃኑ ዘይተፈልጠ ኣብ መንጎ ብወያነ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ መንጎ ስርዓት ኢሰያስን  ህይወት ብዙሓት ሰባት ዘጥፈአ ዳግማይ ውግእ ተኻይዱ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ኣብ ኣልጀርያ ቀያድን ይግባይ ዘይበሃሎ  ዝተኸተመ ናይ ሰላም ውዕል ክሳብ ሕጂ ኣብ ግብሪ ኣይተተርጎመን።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ኣብ ቀይሒ ባሕሪ ዘለዋን፡ ኩለን ኣብዚ ዞና እዚ ረብሓ ዘለወን ሃገራት፡  ሰላምን ርግኣትን ክህሉ፥ ይድግፋን ዝምድና ክፈጥራን ኢየን ሒዂ ዝብላ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ መንጎ እተን ንጥቕመን ክብላ ውጥም ውጥም ዝብላ ሃገራት፡  ውድድር ክፍጠር ናይ ግድን እዩ፡፡ እዚ ዝምድናታት እዚ እምበኣር፡ ከከም እቲ  ዝኽተለኦ ስርዓታት ነዚ ዞናዚ ብኣሉታ ይኹን ብኣወንታ ክጸሉ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ሎሚ፥ ኣብዚ ዞና እዚ መርገጺ እግሪ ክህልወን፡ ላዕልን ታሕትን ዝብላ ሃገራት፡ ከም ቱርኪ፥ ኢራን፥ ቐጠር፥ ስዑዲ-ዓረብ፥ ሕቡራት ኣገራት ኢመረት፥ ሩሱያ፥ ፈረንሳ፥ ቻይና፡ ኣመሪካን ካልኦትን እየን። እዘን ሃገራት እዚኤን ግን፡ ነገዛእ ርእሰን ኣብ ክልተ ወይ ሰለስተ ጉጅለታት ዝተኸፍላ ኢየን።  ኩለን ድማ ነቲ  ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ናይ ዝኾነት ትኹን ሃገር ክድግፋን ወፍሪ-ማል ከካይዳን ይጽዕራ።  እዚ ጻዕሪ እዚ ወይ እውን ዝፈስስ ገንዘብ ብዘይ ሓደ ረብሓ ዝፈስስ ኣይኮነን።

እቲ ኣብ መንጎአን ዝካየድ ውድድር ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል፥ ኣብ መንጎ ቐጠርን ኣብ መንጎ ብርከት ዝበላ ሃገራት ዓረብን ብሰንኪ ንሕዋት እስላም (muslim brotherhood) ከምኡ እውን ንኣልሸባብ ተዕጥቕ ኣላ ብምባል  ዝምድንአን ምስ ቐጠር ከምዘቋረጻ ዝዝከር ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ኢራንን ቱርክን    ነናተን ጽልዋ ከስፋሕፍሓ  ከለዋ፥መሓዙት መንግስቲ ኣመሪካ ዝኾና ሕብረት ኢማራት ዓረብን ስዑዲ-ዓረብን፥ ክልቲኤን ድማ ሓንቲኤን ፈደራላዊ ፍጹም ንግስነትን  ፍፍም ንጉሳውነትን ዝኾና ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምድና ፈጢረን ኢየን። እዚ ከኣ ናይ ስዑዲ-ዓረብን ኢማራትን፡ ነቲ ኣብዚ ዞናዚ ናይ ኢራን ጽልዋ  ንምግታእን፥ ህላዌ ናይ ባሕሪ ሽፍትነት ነቲ ርግኣትን ቅሳነትን ጸጥታን ንምክልኻል ንረብሐአን ክብላ ክቆጻጸራ  ዝገብረኦ ዝምድና ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዕላመኤን ኢዩ። እዚ ክገብራ ድማ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ዝነበረ ኣይሰላም ኣይ ውግእ ብሰላም ንኽፍታሕ ክጽዕራን ክጽዕታን ቅድመ ተደላይነት ክህልዎ ናይ ግድን እዩ። ብሰንኪ እዚ ዝምድና እዚ እተን ክልተ ሃገራት ተቐራሪበን፥ ነቲ ጉዳይ ብሰላም ክፈትሐኦ ንምግባር ሓጋዚ ተራ ነይርወን። እንተዘይኮይኑ ንረብሓ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ህዝባዊ መንግስትን ንኽትከል ዘተባብዓ ከምዘይኮና ብሩህ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ብሰንኪ ፍትሒ ኣልቦን ቅኑዕ ምሕደራን እንተተሳቐየን ድከቱ እንተሰተየን ዝግድሰን ኣይኮነን። ከም ኣብነት መንግስቲ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ፡ ንኢሰያስ ምስ ኣልሸባብ ይተሓባበርን ኣጽዋር የስንቕን ኣሎ ብምባል ክሳብ እገዳ ገይራትሉ ዝነበረት፥ ምልስ ኢላ ንኣልሸባብ ከምዝተሓባበር መርትዖ ኣይረኽብናን ብማለት ናጻ ክተውጽኦ ከላ፡ ነቲ ንህዝቡ ዘበሳብሶን ዝጭቁኖን ዘሎ ግና ኣይገደሳን።

  

እዚ ናይ ሰላም ውዕል ክልቲኦም ኢሰያስን ዶክተር ኣቢይን፡ እቲ ውዕል ናይ ኣልጀርያ ኣብ ግብሪ  ከይተተግበረ እዮም ንሱዑዲ-ዓረብ ዝኸዱ። እዚ ኣውን ብዘይ ተሳትፎ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ሕቡራት ሃገራት መንግስታትን፡ ዝተሰማምዑሉ ነጥቢ ኣብ ዝኸትምሉ ውዕልን ኣብ ክሳዶም ናይ ወርቂ ማዕተብ ዝተገበርሎምን በጽሑ። ኣብዚ ክነስተብህሎ ዘግባእ ጉዳይ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ፡ ንጉዳይ ዶብ ዝምልከት ንካልኣይ ግዜ ህዝቢ ዘይፈልጦ ውዑላት ይፈራረም ኣሎ። እቲ ቀዳማይ ረፈረንዱም ወይ ህዝባዊ ወኸሳ ክገብር እንከሎ፥ ኣቐዲሙ ዶባተይ ኣፍልጡኒ  ወይ እውን ባድመ ኣብ ትሕቲ ወያኔ ስለዛላ መሬተይ ትልቀቕ ክብል ዝግበኦ ዝነበረ ኣይገበረን። እዚ ካልኣይ ድማ ነቲ ናይ ኣልጀርያ ውዕል ኣብ ግብሪ ይተርጎም እሞ፡ ደሓር ነቲ ንኽልቲኤን ሃገራት ዘርብሕ ስምምዓት ክንክትም እውን ክብል ኣይደለየን። ስርዓት ኢሰያስ እምበኣር፡ በቲ ንሱ ዝደልዮ ፖለቲካዊ ጸወታ ክጻወት እንከሎ፡ ነታ ስልጣኑ እትፍሑቚ ኣፍደገ ፈጺሙ ክኸፈት ኣይደልን ኢዩ። እዚ ስለዝኾነ ሓንሳብ ምስ ኢራን፥ ሓንሳብ ምስ ቱርኪ፥ ሓንሳብ ምስ ሩስያ፥ ሓንሳብ ምስ ኣመሪካ፥ ሓንሳብ ምስ ግብጺ ንኽመሓዞ ሓሻኻ ላዕልን ታሕትን ክብል ንርእዮ ነርናን ኣሎናን።  እዚ ሓንስብ ምስ እዚ፥ ሓንሳብ ድማ ምስ’ቲ ካልእ ዝገብሮ ዓቕሊ ጽበታዊ ምሕዝነታት፡ ንረብሓ ኤርትራ ኢሉ ዝኣትዎ ምሕዝነት ይኹን ስምምዓት ዋላ ሓንቲ የለን። በዚ ምኽንያት ሕልና ኢሰያስ  ኣብ ስልጣኑ ምክልኻል ጥራይ ዝግደስ  ምዃኑን እታ ሃገር ኣብ ምንታይ ደልሃመት ክትሽመም እያ ፋዕራ የብሉን።  እቲ ዝምድና በቲ ግቡእ ኣገባብ ሃገራት  ብመንግስታት ዝፍጽም ርክብን ዝምድናን እኳ  ቅኑዕ እንተኾነ፥ እቲ ናይ ኢሰያስ ዝምድና ግን፡ ንሓደ ኣቕሪብካ ነቲ ካልእ ብምርሓቕ ዝገብሮ ርክባት ካብ ተንኮል ዝነቐለ ስለዝኾነ፥ ጉዳይ ዶብ ፍታሕ ንኸይረክብ መሊሱ ክሸናኽር ዘለዎ ድሌት ኢዩ ዝእምት።

ብመጀምርያ እዚ ናይ ዶብ ፍታሕ እንተተረኺቡ እታ እንኮ ተሪፋ ዘላ መሕብኢቱ  መመኽነይታ ኣይክህልዎን እዩ። ካልኣይ፡ ኢሰያስ ንህዝብን ሃገረ ኤርትራን ዝሓልን ንሰላሙን ድሕነቱን ዝሓስብ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ነዛ ሃገር ካብቲ ቅድሚ መግዛእቲ ጣልያን ዝነበረቶ እዋን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ኣውሪዱ ስልጣኑ ንምድልዳልን ነቲ ሕቡእ ኣጀንዳኡ ንምትግባር እዩ ሕልሙ። እነሆ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንርእዮን ንድህስሶን ኣሎና። እዚ ኹሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈስስ ዘሎ ወፍሪ ርእሰ ማል ኣብ ኤርትራ ክፈስስ ዝግበኦ ብኣግኡ ዝተሓረሞ ቀንዲ መንቀሊኡ እኳ ንህዝቢ ኤርትራ ጠሪሹ ከባድሞ ስለዝሓሰበ ኢዩ። ሎሚ፡ በዚ ኣብ መንጎ ዶክተር ኣቢይን ዶከተር ደብረጽዮንን ዘሎ ፍልልያትን፥ ግርጭታትን ፖለቲካዊ ቁርቁሳትን መዕለቢ ክግበረሉ እንተዘይተኻኢሉ፡ ጉዳይ ዶብ ክፍታሕ ይኹን ስምምዕ ክርከብ ማለት ዘበት ኢዩ። ስለዚ፡ እዚ ናይ ኢሰያስ  ሓንሳብ ድማ ምስ ኣምሓራ ወይ ኦሮሞ ዝገብሮ ምቅርራብ፥ ናይ ክፍኣትን ትንኮልን ማእለማ ገዲፉ፥ ናይ ሰላም ሃዋርያ ክኸውን ባህርያቱ ስለዘይኮነ፥ ነቲ ናይ ሰላም ውዕል ኣብ ዝኸፍአ ኩነት እዩ ከእትዎ። በዚ ንሓደን ኣቕሪብካ ነቲ ካልእን ብምርሓቕ ዝግበር ፍሹል ፖለቲካዊ ጸወታ እንተቐጺሉ፡ እቲ ናይ ክልቲኦም ዶክቶራት ዝፈጥሮ ህልኻት፡ ኣሉታዊ ግደ ክህልዎ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ እንተዘይተረኺቡን፥ እዚ ኢሰያስ ዝገብሮ ዘሎ ደው እንተዘይኣቢልዎን፥ ጉዳይ ዶብ ዘላቒ ፍታሕ ከይረኸበ ከምዛ ናይ ምዕራባዊ ሳሃራ ተንጠልጢሉ ከይተርፍ ኣዝዩ ዘስግእ ኢዩ።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ፥  ናይቲ ስርዓት ደጋፍን ተቓዋምን ብሓበራ፥ ነዚ ጉዳይ እዚ ከሎ ገና ክነቕሓሉን፥ ነቲ ብርሱን ሓጺን እንልብለበሉ ዘለና ኩነታት ተዓዚብና፥ ንኹልና ዘቕስን ሓባራዊ ርድኢት ክህልወና ክንሓስብ ይግባእ። ካብ ኩሉ ኣዝዩ ዘሻቕል ድማ ነዚ  ብደገፍትን ተቓወምትን ዝውለድ ወለዶ ይኹን ቅድሚኡ ዝተወልደ፥ ኣብ ረስኑ ዘይወደአ ረመጽ ንኸይንሸኽል፡ ጥጡሕ ናይ ሰላምን ቅሳነትን ርግኣትን ባይታ መድሚድና ክነረክቦ ንጥለብ። እንተዘይኮነ እዛ ሃገር ካብ ኩልና ክትመልቆና እያ።

Last modified on Thursday, 19 December 2019 10:00