“ድሕሪ ሞት፡ ጥዕና ቅበጽ”

2019-12-19 09:01:08 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1527 times

“ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዮም ዝብሉ፡ ነቲ ታሪኽን ሓቅን ዘይፈልጡ ወገናት እዮም” (ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያ)

“ኣብዚ እዋንዚ ጉዳይቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘልዕሉ ኣካላት ነቲ ምስ ኢትዮጵያ በጺሕናዮ ዘለና ሰላም ክስምሙ ዝደልዩ እዮም” (ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ናቱ ቲቪ)

ነዚ ኣብ ላዕሊ ሰፊሩ ዘሎ ጥቕስታት ብብዙሓት ወገናት ዝተፈላለዩ ትርጉማት ይወሃቦ ይኸውን። እቲ ሓቀኛ ትርጉሙ ግና ደጊም ብዛዕባ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክለዓል እንከሎ ክልተ ሃገር ኮነ ክልተ ህዝቢ ዝበሃል የለን ማለት ምዃኑ ዘዳዲ የብሉን። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ወዮ ብዙሕ ዝተዘርበሉ፡ ናብ ናይ ዓለም ቤት ፍርዲ ተወሲዱ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዝተዋህበሉ፡ ዝያዳ ኩሉ ድማ ናይ ኣሸሓት ክቡር ህይወት ዝተኸፍለሉን ብዙሕ ዕንወትን ምምዝባልን ዘብጸሐን ጉዳይ ዶብ ደጊም ኣይተልዕልዎ ዝብል ቃና ከም ዘለዎ’ውን ብብሩህ ዝረአ እዩ።

ኢሳይያስ ነዚ ቃላትዚ ክመርጽ እንከሎ፡ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ከም ዘዋደቖን፡ ነቲ ንኤርትራዊ  ልኡላውነት ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋ ከም ዝጠለሞን ዘመልክት እዩ። እዚ ካብ ኮነ እቲ ዶብ ኣመሳሚስካ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየድ ደማዊ ውግእ፡ ኮነ ኢልካ ኤርትራዊ ዓቕሚ ንምድኻም ዝተኣልመ ውዲት እዩ ነይሩ ምባል ዘይከኣለሉ ምኽንያት የለን። ኢሳይያስ ንኤርትራዊ ኒሕ፡ ሓቦን መንነትን ካብ ኣዳኸመ፡ ንበዓባያ ኤርትራ፡ እንተሰሊጥዎ ንመን ክምጥዋ ይደሊ ከም ዘሎ ምግማት ዘጸግም ኣይኮነን። ነዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘድበንብን ዘሎ ኩነታት ተዓዚቦም፡ ታሪኽ ኣብ ጉዳይና እውን ነብሱ ደጊሙ፡ ከምቲ ናይ መጀመርያ 60ታት፡ ናይ ህዝብና ድሌት፡ ቅሩብነትን ባህግን ተዘንጊዑ፡ ዳግማይ ናይ ኢትዮጵያ ዘኽታማት ደኣ ከይትኸውን ኢሎም ዝሰግኡ ኤርትራውያን ይበዝሑ ኣለዉ። እዚ ዘይከኣል’ኳ እንተኾነ ዘየስግእ ግና ኣይኮነን። ካብ ቀደም ጀሚሩ፡ ኣብ ኤርትራ ግዳማዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝልለይሉ ቀንዲ ምኽንያት ብዛዕባ ሃገርና ክመዝኑን ክውስኑን እንከለዉ፡ ሓቀኛ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዘንጊዕካ ፊን ከም ዘበለካ ምኻድ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ መሰል ርእሰ-ውሳነኡ ክውሓሰሉ እንዳሓተተን ምእንታኡ እንዳ ተቓለሰን፡ ብዘያፍልጦኡ፡ ውልቀሰባት ብምስላል፡ ምስ ኢትዮጵያ ብሸፈጣዊ ፈደረሽን ከም ትቑረን ዝተገብረሉ ኣጋጣሚ ነዚ እዩ ዘዘኻኽረና። ሎሚኸ ናይዚ ኣብ መእተዊዚ ጽሑፍ ዘስፈርናዮ ኣበሃህላ ዲክታቶር ኢሳይያስ ምስዚ ተፈቲኒ፡ ደሓር ግና ዝበለዐ ምስ በለዐ ዝመኸነ ተመኩሮዶ ኣይመሳሰልን?

 ወዮ ኣብ ልኡላዊት ኤርትራ፡ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ከተኣታቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዝመረጾም ኣካላትን ይኹነኒ ብዝበሎ ስርዓትን ትካላትን ዝመሓደረሉ ኩነታት ከጣጥሕ፡ ልዕልና ሕጊ ከውሕስ፡ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ብነጻ ምንጽብራቕን ውሑስ ክገብር፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝመረጽዎ እምነት ከምልኹ፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ክዕቅብ………. ወዘተ ዝጥለብ ዘሎ ዘይቅርዑይ ምምሕዳር ህግዲፍ፡ ንወያ ብቀንዳ ልኡላዊት ኤርትራ ይዋገየላ ከይህሉ ክነስተብህል ኣብ እንግደድ ወሳኒ ግዜ ኢና ንርከብ ዘለና’ሞ ነመዛዝን። ኣብ ናእሽቱ ጉዳያት እንዳተዋጠጥና ዓበይቲ ጉዳያት ነጥፍእ ከይንህሉ ንሕሰብ። ኢሳይያስ ነዚ መርዛም መንገዲ ምህሳስ ኤርትራዊ ሃገርነት፡ ሎሚ ዝጀመሮ ዘይኮነ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኩነታት እንዳ መዘነ ከውርዶን ከደይቦን ዝጸንሐ ምዃኑ ነባራት ቀረቡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ንሓንሳብ ብቐጥታ ንሓንሳብ ብተዘዋዋሪ ከተንብህዎ ዝጸንሑ እዩ።

ዲክታቶር ኢሳይያስ፡ ደጊም ኤርትራዊ ኒሕ ኣዳኺሙን መንእሰዩ በቲኑን ኤርትራዊ ክብርን ልኡላውነትን ኣብ ዕዳጋ ንምውራድ ንድሕሪት ኣብ ዘይምለሰሉ ደረጃ እዩ ዘሎ። ምናልባት እዛ ሕጂ “ንሕና ንዓኺ ንስኺ ንዓና” ንብላ ዘለናን ኣብ መጻኢ’ውን በጃ እንሓልፈላ ኤርትራ “ንድሕሪት ኣይትመለስን እያ” ዝብል ናይ መብዛሕትና ኤርትራውያን እምነት እዩ። እንተኾነ ከምቲ ወለድና “ ሓያል ብድሕሪ ኣዴኻ ኣይደቅ” ዝብልዎ እዚ በብኹርንዑ ኣንጻር ልኡላውነትና ኣንጠልጢሉ ዘሎ ሓደጋ፡ ኣብ ክንዲ “ኣይከውንን እዩ” ኢልና ነራጥጥ ከሎ ጋና ክንቃለሶ እዩ ዝግበኣና። ትዝክሩዶ? ኢሳይያስ እቲ ናይ 1998-2000 ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ቅድሚ ምጅማሩ’ውን “ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዶብ ትርጉም ናብ ዘየብሉ ክንቅይሮ ኢና” ኢሉ ነይሩ። ፈደረሽንዶ ኮንፈደረሽን ዝብሉ ሓረጋት ምኩምሳዕ’ውን ጀሚሩ ነይሩ። እዚ ኩሉ ሃተፍተፍ ከምዚ ንምባል ዘኽእል ሕገ-መንግስታዊ ውክልና ከይረኸበ እዩ። ሕጂ እውን ኣብቲ ዘይሕጋዊ ኮረሻ እዩ ተወጢሑ ዘሎ።

እዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ናቱ ወደኽደኽን ናይ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ዓይንኻ ብጨው ተሓጺብካ መራሒ ኤርትራ መሲልካ ክትቀርብ ምድንዳንን መቐጸልታ ናይቲ ኣድብዩ ዝጸንሐ ነዊሕ ዝሱሩን ብዙሓት ዝዋስእሉን ኣተሓሳስባ እምበር፡ ሕጂ ዝበቁል ዘሎ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ኣይመስልን። ንሕና ናይቲ ምእንቲ ልኡላዊት ኤርትራ ዝኸፈልናዮ መስዋእትነት ክብደት፡ ዝወሰድናዮ ነዊሕን መሪርን ግዜ ጸብጺብና፡ ኣብ ሕጋውነት ኣሚንና፡ ዝተባህለ እንተተባህለ ልኡላውነትና ንድሕሪት ኣይምለስን እዩ፡ ኢልና እነራጥጥ ብዙሓት ኢና። እንተኾነ “ሓይሊ እንከሎ ፍትሒ እንታይ ይዓብስ” ዝብል ኣተሓሳስባ ኣይንረስዕ። ቀደም እውን “ሓይሊ ሕጊ እዩ” ብዝብል ናይ ጉልበተኛታት ኢና ሃገርና ተመንዚዕናን ንምምላሳ ኣእላፍ ዘወፈናን። ሎሚ ከኣ ሓይሊ መልክዑ ቀይሩን ድምጹ ኣጥፊኡን ኣብ ዝመጸሉ ግዜ ኢና ዘለና።

ዲክታቶር ኢሳይያስ ብገርሂ ዘይኮነ ብጉርሒ፡ ሃገር ኣብ ናይ ምድኻም ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ናይ ምጥፋኣ  ተግባርዩ ዝሃልኽ ዘሎ። በብእዋኑ ብቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ብዝምልከት ኣብ ዘይጉዳይካ ናይ ምእታው ድፍረት፡ ንሓቀኛ መራሒ ኤርትራ መቖጥዖ። ኢሳይያስ ግና ብኣንጻሩ ብድሕሪ ናይቲ እቶም ቀዳማይ ሚንስተር በብግዜኡ ዘርእይዎ ድፍረትን ንዕቀትን ከምዘሎ እዩ ዘመልክት። እዚ ኣዝዩ ዝተጠናነገ ጉርሕን ምድህላላን  ካብ ኢሳይያስን ኣብይን ጥራይ ዝምለስ ዘይኮነስ፡ ብድሕሪት ዝኹብኩብዎ ናይ ገንዘብን መዳልያን ህጣራታት ከም ዝህልዉዎ ኣይንኣውጅ እምበር ክንግምትስ ዝግበኣና እዩ።  ከምቲ “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ” ዝበሃል፡ ድሕሪ ሕጂ “እቲ ሰብኣይ”  ኤርትራዊ ክብርን ልኡላውነትን ክሕልወልና ክንቀብጾ እምበር ክንጽበዮ ኣይግበኣናን። ወዮ ሓደ እዋን ብዙሓት ኣብ ጉዳይ ሃገር  ከም “ ዘይጥወ ሃገራዊ” ዝግምትዎ ዝነበሩ ሰብኣይ፡ ሎሚ መሳርሒ ናይ ርሑቕ ሓያላት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይዚ ከባቢ’ውን ተለኣኣኺ ኮይኑ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። ድሕሪዚ ንሱ ልኡላውነት ኤርትራ ክሕልወልና ንጽበ እንተሊና እቲ ጌጋ ኣብኡ ጥራይ ዘይኮነ ኣባና’ውን ከምዘሎ ተኣሚና፡ ንበራበር።

Last modified on Thursday, 19 December 2019 10:03