ሓባራዊ መግለጺ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል  

2019-12-18 09:26:45 Written by  ኤርትራውያን ፖሎቲካውያን ሓይልታትን ማሕበራትን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2388 times

ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ጀሚሩ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ኤርትራውያን ነበርቲ ሃገረ እስራል ክኸይድ ዝጸንሐ ደም ምፍሳስ  ንኹሉ ኤርትራዊ ዘሰንብደን ዘጉሃየን እዩ። እዚ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝባኣሰ ዝዓርግ ዘሎ ደም ምፍሳስ፡ ካብ ኤርትራዊ ባህልን ስነምግባርን ዝረሓቐ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፥ ኣብ ልዕሊ ማንም ፍጡር ወዲ ሰብ ክፍጸም ዘይግብኦ ጨካንን ኣረሜናዊን ተግባር እዩ። ከምዚ ዓይነት ሰብኣዉነት ዝጎደሎ ተግባር ድማ፡ ብመንን ኣብ ልዕሊ መንን ተፈጺሙ ብዘየገድስ ክኹነን ይግባእ።

በዚ መሰረት ድማ እዞም ኣስማትና ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ኤርትራውያን ፖሎቲካውያን ሓይልታትን ማሕበራትን ነዚ ኣብ ሃገረ እስራኤል ከጋጥም ዝጽንሐ ባርባራዊ ፍጻሜታት  ኣጥቢቕና ንኹንን። ነዚ ተግባር ዝፈጸሙ ባእታት ድማ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቀርቡን ጉቡእ ፍርዲ ክዋሃቦምን ንጽዉዕ። መንግስቲ እስራኤል ከኣ፡ ንድሕነት ናይ’ቶም ኣብ ትሕቲኣ ኣጽሊሎም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዕቱብነት ክትምልከቶን ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ተደጋጋሚ ገበናት ሓንሳብን ንሓዋሩን  ደው ከተብሎን ከነዘኻኽር ንፈቱ።

ኣብዚ ኣብ ዝተፍላለየ ቦታን ግዜን ዘጋጠመ ጭካኔ ዝዓብለሎ ኣነዋሪ ተግባራት ድማ ዝተፈላለዩ ኣሕዋት ደቂ ሃገር ሂወቶም ስኢኖምን ኣደዳ ከቢድ  ኣካላዊ ማህሰይቲ ኮይኖምን እዮም። በዚ ኣጋጣሚ ንመወቲ መንግስተ ሰማይ የዋርሶም ንቤተሰብ ድማ ጽንዓት ይሃብ፡ ከምኡዉን ነቶም ዝተፈላለየ ናይ ኣካላት ማህሰይትን መቁሰልትን ዘጋጠሞም ድማ ምሕረት የውርድ ንብል።

 ካብዚ ምፍሳስ ደም ናይ ኣሕዋት ዝረብሕ ኣካል እንተ ሃልዩ ስርዓት ህግደፍ ጥራሕ እዩ።  ስርዓት ህግደፍ ከም ህዝብን ሃገርን መጻኢና ንኽጽልምት: ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትበቆላ ዝዓይነቱ መደብ ሓንጺጹ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ምትፍናን ብምፋጣር ናብ ዘይዓርፍ ደም ምፍሳስ ኣብ ሞንጎ ኣሓትን ኣሕዋትን ኤርትራውያን ንኽሽምመና ለይትን መዓልትን ይሰርሕ ኣሎ። ኩልና ኤርትራውያን ደቂ ሃገር ድማ፡ ነዚ እከይ ዕላማ ናይ ስርዓት ህግደፍ ኣለሊና ክንምክቶን፡ ብሓባርን ብሰላምን ኣብ ሃገርና ከንብረና ዝኽእል መንገዲ ክንሕዝን ሓላፍነትና ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ። ስርዓታት ይመጹን ይኸዱን እዮም ህዝቢ ግን ነባሪ እዩ።

ኣብ ዝተፈላልዩ መራኸቢ ብዙሓን ነዚ ኩኑን ዝኾነ ፍጻመ  ዘይኣንፈቱ ንምትሓዝን ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ኤርትራ ፍልልይ ንምፍጣርን ዝግበር ዘሎ ዘይሓላፍነታውን ኣነዋሪን ፈተነታት፡ ህዝቢ  ክነቅሓሉን ክኹንኖን ይግባእ። ኤርትራ ናይ ኩልና፡ ኩልና ድማ ናይ ኤርትራ ኢና።

ደጊምና ነዚ ኢሰብኣዊ ዝኾነ ፍጻመ ብምኹናን፣ እዚ ካብ ኤርትራዊ  ስነምግባር ዝርሓቐን፡ ጭካነ ዝዓብለሎ ጎንጺ ኣብ መንጎ ደቂ ሃገር ብቕጽበት ደዉ ንኽብልን ኣብ መጻኢ ዳግማይ ንኸየጋጥምን ንጽዉዕ። ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነት ብዕርቂ ንምዕራፉ ተበጊሶም ዘለዉ ግዱሳት ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን ደገፍና እናገለጽና፡ ኩልና ኤርትራውያን ግቡእ ሓላፍነትና ንኽንስከም ኣጥቢቕና ንምሕጸን።

ዓወትን ንህዝቢ ኤርትራ!

  • ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ)
  • ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)
  • ዉድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ሓኤፍ)
  • ዉድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ሓዲለ)

17/12/2019

Last modified on Wednesday, 18 December 2019 10:29