ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ኡፕሳላ ብሓባር ዘካየድኦ ህዝባዊ ኣኼባ

2019-12-16 13:49:00 Written by  ኤርትራዊ ማሕበር ንደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ኡፕሳላን ከባቢኡን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1666 times

ሰለስተ ካብ’ተን ቅድም ክብል ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ቅሉዕ ደብዳበ ብሓባር ጽሒፈን ዝነበራ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ማለት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስይዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ) ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ሓኤፍ) ዝተሳተፋሉ ህዝባዊ ኣኼባ ብዕለት 7 ታሕሳስ 2019 ኣብ ከተማ ኡፕሳላ (ሽወደን) ተኻይዱ ነይሩ።

ኣኼባ ብመእተዊ ቃል ኣቦ መንበር ናይ’ቲ ነቲ ኣኼባ ዝጸውዐ ኤርትራዊ ማሕበር ንደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ኡፕሳላን ከባቢኡን ዶር ተድሮስ ኣማኒኤል ኢዩ ተኸፊቱ። ዶር ተድሮስ ንተሳተፍቲ ኣኼባ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምቕራብ ብዛዕባ ሓቢርካ ምስራሕን ንመጻኢ ምጥማትን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ። ኣጀንዳ ናይ’ቲ ኣኼባ፡ ነቲ ቅሉዕ ደብዳቤ ንምጽሓፍ ዝደረኸ ምኽንያታትን ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ክግበር ዘለዎ ሓባራዊ ስርሓትን ንምብራህ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር መራሕቲ ኣኼባ ነነብሶም ከላልዩ ዕድል ሂቡ።

ብድሕር’ዚ ሓው ነጋሽ ዑስማን፡ ኣቦ መንበር ኤሃባደለ፥ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ ሰዲህኤ፥ ሓው ዓወት ኣብርሃ፡ ሓላፊ ሓኤፍ ጨንፈር ስቶክሆልም ነብሶም ድሕሪ ምልላይ ብዛዕባ እቲ ኣጀንዳ መግለጺ ኣቕሪቦም።

እቲ ዘቕረብዎ መግለጺታት ነንሓድሕዱ ዝማላላእ ኰይኑ ነቲ ቅሉዕ ደብዳበ ንምጽሓፍ ዝደረኾም ምኽንያታት በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ገሊጾሞ።

  1. ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ውዕል ነህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ንጹር ከምዘይኰነ፥
  2. ንብይን ውዕል ኣልጀርስን ውሳኔ ኮሚሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይ ቅድመ ኩነት ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ኢየ ኢሉ ከብቅዕ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ግብሪ ዘይምውዓሉ። ብኣንጻሩ ክልቲኦም መራሕቲ ንጉዳይ ዶብ ቀዳምነት ከም ዘይህብዎ ደጋጊሞም ምግላጾም፥
  3. ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ መመረቓታ ናይ’ቲ “መናፈሻ ሓድነት” (Unity Park) ዝብሃል ማእከላይ መደበር ገዛእቲ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ፡ ዘስምዖ መደረ ናይ ክልቲኦም መራሕቲ ቃል ምዃኑ ኣብ ቅድሚ 7 መራሕቲ መንግስታት ኣፍሪቃ ምግላጹን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ደረጃ ምውካል ምብጽሑ ዮሃና ምባሉ፥
  4. ንፍልስፍና ምድማር ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ በዚ ፍልስፍና’ዚ እተን ቀደም ካብ ኢትዮጵያ ዝተገንጸላ ክምለሳ ኢየን ምባሉ፥
  5. ኢሳያስ ኣፍወርቂ ዝሃቦ ኣይከሰርናን፡ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን 2 ህዝቢ ኢዩ ዝብል እንተልዩ ታሪኽ ዘይፈልጥ ኢዩ ምባሉን ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣርእይዎ ዘይፈልጥ ፍሽኽታ፥ ፍቕርን ሕግብግብን ንህዝቢ ኢትዮጵያን ምርኣዩ ዘሕደረልና ሻቕሎት ኣብ ልዑላውነት ሃገርናን ምዃኑን ኣብሪሆም።

ብዛዕባ እንታይ ይገበር ዝብል ጉዳይ ድማ፦

  1. ቀዳምነታትና ሰሪዕና ክንቃለስ ከምዘለና ብምእማት እቲ ናይ ሎሚ ኣጀንዳና ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ምዃኑ ብምስማር፥ ነቲ ናይ መጻኢ ወይ መሰጋገሪ መድረኽ ድማ ካብ ሕጂ ምድላዋትን መጽናዕትን ክንገብር ከምዝግብኣና ኣስሚሮምሉ፥
  2. ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን በተን ዝሰማምዑለን ነጥብታት ሓቢሮም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሮም፥
  3. ተመሳሳሊ መደብ ዕዮታት ዘለዎም ውድባት ክጸናበሩ፥ ፍልልያት ዘለዎም ድማ ኣብ ዝሰማምዕሉ ነጥብታት ዝተመርኰሱ ጽላል ወይ ጽላላት ከቑሙ።
  4. ኣብ ዲፕሎማስያዊ፡ ህዝባውን ዜናውን መዳያት ብሓባራዊ መደባትን ሓባራዊ ሽማግለታትን ክሰርሑ ከምዘድሊ፥
  5. ንሕሉፍ ከም መምሃሪ እምበር ኣብኡ ምንባር ከምዘየድሊ ድማ ኣስሚሮምሉ።

ኣብ መደምደምታ፡ ናይ ሕቶን መልስን ዕድል ተዋሂቡ። ሓው ተድሮስ ኣማኒኤል ድማ፡ ንኣኼበኛታትን ወከልቲ ውድባትን ብምምስጋን ኣኼባ ዓጽይዎ።

ኤርትራዊ ማሕበር ንደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ኡፕሳላን ከባቢኡን

ዕለት 16 ታሕሳስ 2019

Last modified on Monday, 16 December 2019 14:51