ብእምነታውያን ተቊዋማት ዝመሓደራ ሸውዓተ ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ተሃጊረን

2019-09-05 10:31:16 Written by  Vatican News Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1494 times

መንግሥቲ ኤርትራ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዝጀመሮ ምህጋር ናይተን ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝውነናን ዝመሓደራን ዝነበራ ተቊዋማት ሕክምና ሎሚ ዕለት 3 መስከረም 2019 ዓምፈ ሰለስተ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክልተ ብተኸተልቲ እምነት ምስልምና ኤርትራ ሓንቲ ብኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ሓንቲ ከኣ ብፈይዝ ሚሽን ዝውነናን ዝካየዳን ዝነበራ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝሃገረ ተሓቢሩ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልቲ ሰሊኹ ዝወጸ ናብ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ክቡር ኣቶ ወልደሚካኤል ኣብርሃ ዝተጻሕፈ ትእዛዝ ከዝምዙይ ይብል። 'ጉዳዩ ምስግጋር ምሕደራ ኣብያተ ትምህርቲ ይምልከት። ኣዋጅ ኣዋጅ 73/1995 ምሕደራ ዓለማዊ ትምህርቲ ንሃይማኖታዊ ትካላት ፍቑድ ከይዘይኮነ ዝፍለጥ እዩ። ክንድ ዝኾነ ኣብ ትሕቲ ሃይማኖታዊ ትካላት ዝነጥፋ ዝነበራ ማሕበራዊ ትካላት በብመድረኹ ናብ መንግስታዊ ምሕደር ክሰጋገራ ጸኒሐን። ኣብ ዞባታት ማእከልን ደቡብን ዓንሰባን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ዝርከባ 7 ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ምስ ገለ ምስኣተን ኣብ ሓደ ቀጽሊ ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ ማእከላይን መባእታን ደረጀታት ናብ መንግሥታዊ ምሕደራ ክሰጋገራ ተወሲኑ ኣሎ። እዚ መደብ'ዚ ካብ ዕለት 03/09/2019 ጀሚሩ ኣብ ኩለን ዞባታት ኣብ ሓደ እዋን ክትግበር እዩ። ስለዚ ኣካል ሚኒስትሪኹም ዝኾኑ ምምሕዳራት ዞባታት ነዚ ተወጢኑ ዘሎ መደብ ክትግብሩ ሓበሬታን መምርሕን ከተመሓላልፉልና ብኣኽብሮ ንሓትት 'ይብል።

ሰማይ ሃገርኩም ን 28 ዓመት ብዘይ ቊዋም እትመሓደር ሃገርስ ቅድሚ 24 ኣዊጅና ብዝበልዎ እሞ ብተደጋጋሚ ብቃልስ ይኹን ብጽሑፍ ኣይፍላ ንረዳዳእ ብማለት ኣብየት ቢልካ ዘይተሰማዕካሉ ሎሚ ብከምዚ ክመጽእ ዘገርም እኳ እንተኾነ ኣቋም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን በብሓደ ንሕክምና ዝምልከትስ ይኹን ንትምህርቲ ንኩለንትናዊ ሰብኣዊ ምዕባሌ መሥራቲኣ ብሥጋን ብሥጋን ብሥጋን ይሃልዋ ኣይሃልዋ ቤት ሕክምና ይሃልዋ ኣይሃልዋ ወላ ከምቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ እውን ኣይሃልዋ ክትቅጽሎ ምዃና ፍሉጥ እኳ እንተኾነ እንታይ ዝወርድ ዘሎ ቢሉ ንዝሓትት ቅዱስ መጽሓ መልሲ ኣለዎ.

7 ኦሪት እስራኤላውያን ከመይ ኢሎም ኣብ ጸገም ይኣትው ከምዝነበሩ ካብ ዝገልጽ ብዙሕ ዛንታት ንኩነትና ትመሳሰል ኣብ መሳፍንቲ 9. 7-15 ' ንዮታም እዚ ምስ ነገርዎ ናብ ርእሲ ኸረን ጌሪዚም ከይዱ ኣብኡ ደው በለ ቃሉ ዓው ኣቢሉ ጨደረ እሞ በሎም ኣቱም ሰብ ሴኬም ኣምላኽ ኪሰምዓኩምሲ ስምዑኒ. ኣእዋም ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ኪቐብኡ ኸዱ እሞ ነውልዕ ኣብ ልዕሌና ንገስ በልዎ። እቲ ኣውልዕ ግና ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ ነቲ ኣምላኽን ሰባትን ኣባይ ዜኽብርዎ ዘይተይዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም። ሽዑ እቶም ኣእዋም ንበለስ ንስኻ ንዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ በልዎ። እቲ በለስ ግና ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ ነቲ ጣዕመይን ጽቡቕ ፍረይንዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም። እቶም ኣእዋም ንወይኒ ድማ ንስኻ ንዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ በልዎ። እቲ ወይኒ ኸኣ ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ ነቲ ንኣምላኽን ንሰባትን ዜሐጕስ ወይነይዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም። ሽዑ ዅሎም ኣእዋም ንእሾዅ ንስኻ ንዓ እሞ ኣብ እሾዅ ድማ ብሓቂ ንኣይ ቀቢእኩም ኣብ ልዕሌኹም ክተንግሱኒ እንተ ደሌኹምሲ ኣብ ጽላለይ ኣጽልሉ እንተ ዘይኰነስ ድማ ካብቲ እሾዅ ሓዊ ይውጻእ እሞ ነቲ ጽሕድታት ሊባኖስ ይብልዓዮ በሎም። ' ከምኡ እውን ኮነ ይብለና።

ሕዝቢ ኤርትራ ኣስተውዕል! ውግዘት ብፁዕን ቅዱስን ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ምርቃ ከይመስለካ! መርገም ፈላሲ እንትዘይቀተለ ጥራይ ዘይኮነ ከምቲ ኣምሓሩ ዝብልዎ የኣቡነ ዘበሰማያት ጦር ሲወጋ እንጂ ሲወረወር ኣይታይም እዩ ነገሩ። ኣስላምና ክርስትያና ከምዚ እስራኤላውያን ዝገበርዎ ጌጋ ጌርና ከይንህሉ እሞ ተማህሊልና ሓዊ ኣምጺእና ከይንኸውን ምስትውዓል ከድሊ እዩ። ኤህ ክብሉኻ ኣይጽቡቕን! ስለእግዚአብሔር ስለ ማርያም በቦኻን በደኻን ተለመን ክብሉኻ ዘይምስማዕ ኣይንኡድን። መራሕትና ተለመኑ ካብ ውግዘትን መከራን ሓውን ሃገርና ኣድሕኑ ምባል እንተዘይኮይኑ ካልእ ዝበሃል የልቦን።

ምውራስ ካቶሊካውያን ገዳማትን ኣብያተ ትምህርትን ካልእ ተቍዋማትን ንመጀመርያ ኣይኮነን። ብዝቀረበ ክንጅምር ንኣብነት! ብ1982 ሻልቃ ዳዊት ወልደገዮርጊስ ዝመርሖም ማርክሳውን ሌኒናውን ፍልስፍና ኢና እንኽተል በሃልቲ ፖሎቲከይናታት ሰበስልጣን ደርግ ገዳማትን ካቶሊካዊ ተቊዋማትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ብኢደ ዋኒኖም ወረሱ። በቲ እዋን'ቲ ብደርግ ዝተሃገሩ ገዳማት እዞም ዝስዕቡ እዮም።

1. ገዳም ማሕበር ካፑቺኒ (ቅዱስ እንጦንዮስ) ጎዳይፍ።

2. ገዳመ ሲታውያን መንበርን ክፍሊ ስነምዕበያን ቤትትምህርትን ሰፊሕ ሕርሻን።

3. ገዳም ኮምቦኒ ካህናት ብሉጽ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርትን መንበሪ ግዳምን ኮልጅ ኮምቦንን።

4. ማሕበረ ልኡኻን ላዛሪስት መንበሪ ግዳም (ድሕሪ ነዊሕ ቃልሲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ናብ ዋንነቱ ተመሊሱ።)

5. ማሕበር ደናግል ኮምቦኒ ሰፊሕ ቤትትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራን ማንበር ሳንታ ፋሚልያን ኮልጅ ሳንታ ፋሚልያ።

6. ኣሕዋት ዘላሳል ሰፊሕን ብሉጽን ቤትትምህርትን መንበሪ ገዳሞምን ኮልጅ ላሳል።

7. ማሕበር ደናግል ቅድስቲ ሃና ውሩይ ገዳምን ብሉጽ ቤትትምህርትን ኮለጅ ሳንታ ኣና እዮም።

ኣቡነ ኣብራሃ ነዚ ገዳማት ናብ ዋንነቶም ንምምላስ ብዙሕ መንገዲ ተበላሓቱን ተኸላኸሉን ንጉባኤ ሲኖዶስን ንሓለፍቲ ኢሰፓኣኮ ደብዳቤታት ጸሓፉ ካብቶም ዝጸሓፍዎም ኣደነቕቲ ደብዳቤታት እነሆ ፥

ንሕብረተ ሰብኣዊት ንግዝያዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣማኑኤል ዐምደሚካኤል ዋና ጸሓፊ ዝጸሓፍዋ ደብዳቤ

                                                  ኣስመራ የካቲት 27 ቀን 1974 ዓ.ም.ፈ.

                                                   ሳ.ፓስታ ቊ .244 ስልኪ ቊ .10206

ለሕብረተስብኣዊት ኢትዮጵያ ጊዜያዊ ወታደራዊ መንግስት

በኤርትራ ክ / ሃገር ሁለገብ ኣብዮታዊ ዘመቻ ጽሕፈት ቤት

ለክቡር ዋና ጸሓፊ ኣማኑኤል ዓምደሚካኤል ኣስመራ ፥

የሃገሪቱን ምሉ ጥረት የሚፈለግ ስለሆነ ሁለገብ ዘመቻው በክፍ ልሀገሩ የሰላምና ልማት ግቡን ይመታ ዘንድ በመንግስትና በቤተክርስትያን በካከል ኣለመግባባት እንዳይፈጠር ማድረግ እንደ መንፈሳዊ ግዴታዋ ነው የምትቆጥረው ቤትክርስትያን። ከየካቲት 25 ቀን 1974 ዓ.ም.ግ. ዛሬ ድረስ በዘመቻው መስክ ውስጥ ቤተክርስትያን ነክ ይሆኑት እርምጃዎች ተወስደዋል። ውይይት መግባባትን ያቅናናልና ጳጳሳቱ ሆነ ግዳማት ትወካዮቹ ወደ ጉለገብ ዘምቻ ዋና ጸሓፊ እንድንቀርብ እንዲፈቀድልን በትሕትና እልምናለሁ። ኣምላክ ኢትዮጵያ እግዚኣብሔር ይስጥልኝ። ኣቡነ ኣብራሃ

ትርጉም ፥ ኣብ መንጎ ቤተክርስትያንን መንግስትን ዘይምርድዳእ ከይፍጠርን ሁሉገብ ዘመቻ ኣብ ክፍለ ሃገሩ ሰላምን ልምዓት ዕላምኡ ምእንቲ ክወቅዕን ናይ ምሉእ ሃገር ጻውዒት የድሊ ኣሎ። ነዚ ከኣ ቤተክርስትያን ከም መንፈሳዊ ግቡኣ እያ ትቆጽሮ። ካብ የካቲት 25.1974 ዓ.ም.ግ. ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ብዘመቻ ምኽንያት ኣንጻር ቤተክርስትያን ዘየድልዩ ስጉምትታት ተወሲዶም ኣለዉ። ምምይያጥ ምርድዳእ ይፈጥር እዩ'ሞ ጳጳስ ኮነ ናይ ገዳም ተወከልቲ ናብ ሁሉገብ ዘመቻ ዋና ጸሓፊ ክንቀርብ ክፍቀደልና ብትሕትና እልምን ኣሎኹ።

ኣቡነ ኣብራሃ

Source=https://www.vaticannews.va/ti/church/news/2019-09/scuole-secondarie-nazionalizzate-dal-governo-eritreo.html#.XXBeU0bWkRY.whatsapp

Last modified on Thursday, 05 September 2019 12:35