ሰዲህኤ፡ግዝኣተ-ሕጊ ክነግስ ዝቃለስ ሰልፊ!

2019-09-05 13:06:30 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1786 times

ኣብ ዝተወሰነ ግዜ፡ ዝተወሰኑ ሰባት ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናቱ ርኢቶ ወኒኑ ዝቃለስ መትከላዊ ሰልፊ ዘይኮነ፡ ከም ካልኣይ ገጽ ናይ ስርዓት ኢሰያስ ገይሮም ዝግምትዎ ነይሮም። ሕሉፍ ሓሊፎም ብሱሩ ክጠፍእ እምበር ክዕምብብ ዘይደልይዎ’ውን ነይሮም። ስለምንታይ ክሳብ ክንድዚ ዘይምሕር ጸለም ኣብ ልዕሊዚ ሰፊ ይካየድ ነይሩ ግና ንጹር ኣይኮነን። ዋላ’ውን “ነፍሱ ይመሓር” ነፍሰ-ሄር መለስ ዜናዊ ከይተረፈ፡ ንሰልፍና “ትምክሕተኛታት እዮም ይብልኹም” እናበለ ርኢቶ ይድርቢ ነይሩ ዝብሉ ኣካላት ነይሮም። ከምኡ ማለቱ ድማ ምስቲ “ምስቲ 2ይ ገጽ ስርዓት ኢሳይያስ እዮም” ዝብል ባዶ ሕሜታ ዘሳኒ ይመስል። እቲ ዝገርም ድማ ከም ሎሚ ኩሉ ከይለበመ ገለ ወገናት ካብ ደምበ ተቓውሞ ከይተረፉ ነዚ ጸለመ ይነዝሕዎ ምንባሮም እዩ።

መጀመርያ እዚ ሰልፊ መሰረታዊ መትከላዊ መንቀሊኡ እቲ  ካብ ሃገራዊ ናብ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ሰውራ ንምስግጋር ኣብ ተሓኤ ዝካየድ ዝነበረ ዲሞክራሲያውያን ቃልሲ እዩ።  ኣብ 1971 ብቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተሓአ ዲሞክራሲያዊ ትካላትን ኣዕኑድ ዲሞክራስ ካብ ዝሓንጸጸሉ ኣትሒዙ ነቲ ቃልሲ ቀጺልዎ። መሰረታዊ ዕላማኡ ኣብ ኤርትራ ንኹሉ ዘሳትፍ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል ነይሩ። ሕጂ’ውን ብመንፈሱ ነቲ ብ1971 ዝተሓንጸጸ መትከል ኣብ ግብሪ ንምውዓል ጌና ዝቃለስ ዘሎ። እዚ ነገዛእ ርእሱ ነቶም ነዚ ሰልፊ እዚ ምስ ስርዓተ-ምልኪ ዝሓዋውስዎ ነቲ መትከል ዲዮም ጸሊኦም ወይ ነቶም ኣብኡ ዝዋስኡ ንውልቀ-ሰባት ኣጸጋሚ ኢዩ።

ሰውራዊ ባይቶ ብቲ ካብ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ  ኣትሒዙ ዘጸደቖ መትከል ተቐይዱ    ደጋዊ፡ ውሽጣውን ከባቢያውን ማሕለኻታት ጠሓሒሱ ነዊሕ ተጓዒዙ እዩ። ኣብ መስርሕ ከኣ፡ ናብ  ሰልፊ ማዕቢሉ ብጽንዓት ምእንቲ ዲሞክራስን ፍትሕን ግዝኣተ-ሕግ ክነግስ ይቃለስ ኣሎ። እዚ ሰልፊ ጸኒዑ ተቓሊሱናብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ ክበጽሕ ዘኽኣሎ፡ ኣዕኑድ ዲሞክራሲ ብምኽታሉ እዩ። ካብቲ መትከላት ዝኾነ ይኹን ካልኣዊ ግርጭት ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ፡ሕጉግ ናይ ግዜ ገደብ ክህልዎ፡ ንኣብነት ኣቦመንበር ንክልተ ግዜ ጥራይ ክምረጽ ዝብሉ ይርከብዎ። ሰልፍና ነዚ ዝኽተል ኣብ መጻኢት ኤርትራ እውን እቲ ስልጣን ዝህብ ወይ ዝኸልእ ህዝቢ ብምዃኑ ንልኡላውነት ህዝቢ ኣሚኑ ዝቃለስን  ብድምጺ ብዙሓት ዝግዛእ ሰልፊ ንክኸውን ባይታ ንምጻፍ ኢዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ፖለቲካን ሃይማኖትን ርእሱ ዝኸኣለ ብምዃኑ ኣብ ንሓድሕዱ ጣልቃ ብዘየተኣታቱ ክመሓደር፥ ሃይማኖት ካብ ፖለቲካ፥ ፖለቲካ ድማ ካብ ሃይማኖት ነጻነቱ ሓልዩ ክጎዓዝ፡ ኣብ ሕድሕዶም ዝህሉ ርክብ ከኣ ኣብ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝ ዝተሰረተ ክኸውን።  ስርዓት ኣብዝሓ ሰልፍታት ህያው ዝኾነላ ሃገር ምፍጣርን፥ ነዚ ብዘይጻረር ከኣ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ሓድነታን ተዓቚቡ  ኩለን ምምሕዳራዊ ኣውራጃታት ብዘይምእኩል ምሕደራ ክመሓደር ኢሉ ዝኣምንን ምእንታኡ ዝቃለስን ሰልፊ ኢዩ። ካብዚ ሓሊፉ መሬት ናብ ዋንኡ ህዝቢ ክምለስ ዝብል መትከላዊ እምነቱ ኮይኑ፡ ነዚ ንምትግባር ምስ ሃገራዊ ቅዋም ዘይጻረር ሕጊ ክወጸሉ ዝኣምን ሰልፊ’ዩ። ምስ ኩሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይልታት ብሕድገታትን እንካን ሃብን ኣቢሉ፡  ኣብ ፍርቂ መንገዲ ንምርኻብ ዝብል ኣተሓሳስ  ዝወነነ ሰልፊ እዩ። ኩሉ ኤርትራዊ  ኣብ ዓሌት፥  ብሄራዊ መቦቆል ወይ ሃይማኖትን ጾታን መሰረት ዝገበረ ኣድልዎ ዘይብሉ ማዕረ መሰል ከምዝህልዎ ዝኣምንን ዝቃለስን ኢዩ።

ቅድሚ ናይ ሎሚ ሰዲህኤ፡ ሰህኤ ማለት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ቀጺሉ ምስ ክልተ ህዝባዊ ግንባር ዝድሕረ-ባይተአን ውድባት ሰሚሩ። ድሕሪቲ ምስ ህዝባዊ ግንባር ዝድሕረባይተኦም ኣብ ደንበ ለውጢ ዝተሰለፉ ኤርትራውያን ምስማሩ እቲ ጸለመ መሊሱ ሓይሉ ምንባሩ ዝከር እዩ።  ብፍላይ እተን ኣብ ቻርተር ምህዝነት ዝነበራ ዓንቀጻት 3ን 4ን ግዜአን ዘይሓለዋ ስለ ዝኾና፡ ክወጻ ይግበአን ስለዝበለ ጥራይ መዓት ወሪድዎ። ኣብ ኪዳን ውን እንተኾነ ሰውራዊ ባይቶ  በታ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ምምራጹ ጥራይ ከም ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ዘይሓልን ወጻዒ ስርዓት ህግዲፍ ክለግስ ዘይደልን ጸጋን ተቖጺሩ ህዝብን መንእሰያት ንክርሕቅዎ ብዙሕ ተባሂሉ’ዩ። ይኹን እምበር ኣብ ሃገራውነቱን መትከላዊ እምነቱን ጸኒዑ ሳላ ዝተቓለሰ እነሆ ሎሚ እቲ ንሱ እንከሎ እቲ ካብ ቅድም ካብ ብሱል ገምጋሙ ነቒሉ  ደጊም ብረታዊ ቃልሲ ኣብቂዑ፥ ሓድሕድ ውግእ ይኣክል ኢሉ፥ ንሓርነታዊ ቃልሲ ተወዲብካ ፖለቲካዊ ቃልሲ ምክያድ ዝብል ብተግባር ዝኣወጆ ናይ ብዙሓት ወገናት ቀልቢ ይስሕብ ኣሎ።

ንህላወ ሰልፍታት ስለዝኣምን፡ ኣማራጺ ራኢ ዘለዎም ሰልፍታት ይብዝሑ ይውሓዱ ብዘየገድስ ክምስረቱን ክስሱኑን እምነቱ ኢዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ካብ ብዙሑት ሰልፍታት ዝረኽቦ ንዓኡ ጎሊሁን የርብሓንን እዩ ኢሉ ከስተማቕሮ ዝኽእል ለውጢ ንኸመጽእ ዝሓሓ መስመር  ንኽመርጽን ፖለቲካዊ ምዕብልናን ስልጣኔን ክኻዕብትን ዕድል ስለ ዝረክብ። ስለዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ዝኾነ ይኹን ምልዕዓልን ምትእኽኻብን ይኹን ውደባ ኣይኮነን። ኣብቲ መስርሕ እዚ ይጠቅም እቲ ኣይጠቅምን ኣብ ዝብሉ ርእይትኡ ክህብ መሰሉን ግቡኡን ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘየብሉ እዩ። ሰዲህኤ እምበኣር ንዝተጠርነፈ ክፍንጥሕ፡ ወይ ንበይኑ ዓብሊሉ ክወጽእ ኢሉ ዝጽዕት ሰልፊ ኣይኮነን።

 

Last modified on Thursday, 05 September 2019 15:08