ምቕጻል፡ ካብ ምጅማር፡ ከም ዝኸብድ

2019-09-04 06:41:35 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1762 times

ቀደም ኣብ ግዜ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ፡ “ተጋዳላይ ምዃን ቀሊል እዩ፡ ተጋዳላይ ኮይንካ ምቕጻል ግና ከቢድ እዩ” እትብል ጥቕሲ ቻይናዊ መራሒ ማኦ ጸቱንግ ግንንቲ ምንባራ እዝከረኒ። ብሓቂ ከኣ ምቕጻል ካብ ምጅማር ከም ዝኸብድ ተመኩሮና ብዙሕ ኣብነታት ኣርእዩና እዩ። ናይ ሓደ ንቕሎ ውጽኢት ኣብ መወዳእታ ስለ ዝረአ ከኣ ብምቕጻል ዘይተሰነየ ንቕሎ ትርጉም ከም ዘየብሉ ፍሉጥ እዩ። ወለድና’ኳ ብዛዕባ ሓደ ጽቡቕ ምጅማር ክሕበሩ እንከለዉ፡ “መወዳእትኡ የርእየና” እዮም ዝብሉ።

ንሕና ከም ኤርትራውያን ኣብዚ ተጀሚሩ ጌና ዘየኸተመ ዘሎ ዝተናውሐ ቃልስና ብዙሓት ብሰንኪ ተጀሚሮም ዘይምቕጻሎም ኣብ ፍረ ዘይበጽሑ ተበግሶታት ኣመዝጊብና ኢና። ናይዚ ኣብነት ከነምጽእ ናብ ቅድሚ 58 ዓመታት ዝነበረ ኩነታትና ከይተመለስና፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ ምዕራፍ ቃልስና ምእንቲ ዲሞክራስን ፍትሕን’ኳ ክንደይ ጀሚርካ ብሰንኪ ዘይምቕጻል ዘበርዓነ ተበግሶታት ኣሕሊፍና ኢና። ሓደ ተበግሶ ተጀሚሩ ንዘይምቕጻል ብዙሓት ምኽንያታት ኣለዉዎ። ብዛዕባ ሎሚ ክትሓስብ እንከለኻ ንጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ኣብ ግምት ዘይምእታ ሓደ ካብቲ ምኽንያት እዩ። ክትጅምር እንከለኻ ዘቐጽል ዓቕሚ ኣለካዶ የብልካን? ዘይምፍላጥ እውን ከምኡ። እቲ ዝያዳ ብግብሪ ዝረኣናዮ ከኣ ሓደ መስርሕ መስ ጀመርካ ኣብቲ ጉዕዞ ዘይተጸበኻዮ ብደሆ ከጋጥመካ እንከሎ ጸዋርን ተበላሓትን ዘይምዃን ጀሚርካ ናይ ዘይምቕጻል ጠንቂ ምዃኑ እዩ።

ኣብዚ ሓጺር ግዜ ካብቲ ዝከኣል ክነሱ ክሳብ ሎሚ ዘይከኣልናዮ፡ ሓቢርካ ናይ ዘይምቅላስ ጸገም ክንወጽእ፡ ምሕዝነተ ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን ካለኦት ካእባዊ ተበግሶታትን ካብቶም ክጅመሩ እንከለዉ ኣዝዮም ዕሙራት ዝነበሩ ክንሶም  በቲ ዝጀመርዎ ናህሪ ኣብ ምቕጻል ግና ነቲ ፈተና ክሓልፍዎ ዘይከኣሉ እዮም። እዞም ንቕሎታት ብወድዓዊ ዓይኒ፡ ንህግዲፍ መኪትካ ህዝባዊ ልዕልና ንምውሓስ ኣገደስትን መድረኻውያንን ነይሮም። እቶም ኣብቲ መስርሕ ዝነበሩ ተዋሳእቲ ግና ብሰንኪ በዓልቤታዊ ድኽመታትን ናይ ዓቕሚ ውሱንነትን ክቕጽልዎ ኣይከኣሉን። ሓደ ጉዳይ ጀሚርካ ዘይምቕጻሉ ሳዕቤናቱ ብዙሕ ኮይኑ፡ ፍናንን ተስፋን ናይቲ ናይቲ ስለኡ እትቃለስ ህዝቢ ዝሃሲ እዩ። ናይ ህዝቢ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይትስፉው ኩነታት ምውዳቕ ከኣ፡ ዓብይ ኮላፊ ተረኽቦ እዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ እምነትን ተስፋን ኣብ ዘየንበረሉ መስርሕ ለውጢ ምጉዓዝ ወይ ኣይከኣልን እንተተፈተነ እውን ውጽኢት ከምዘየብሉ ካብ ናትና ኤርትራዊ ተመኩሮ እነረጋግጾ እዩ።

ሓደ ንቕሎ ብዘይምኽንያት ኣይለዓልን እዩ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንክባራዕ’ኳ ጠንቁ ቅድም ባዕዳዊ መግዛእቲ ሎሚ ድማ ክቱርን መሪርን ዘቤታዊዊ ጭቆና እዩ። እንተኾነ ከምቲ “እቲ ሰይጣን ኣብቲ ዝርዝር እዩ ዘሎ” ዝበሃል፡ ኣብ ተመኩሮና ድማ እቲ ጸገም ኣብ ምጅማር ዘይኮነ፡ ኣብ በቲ ዝጀመርካዮ ምቕጻልን ዘይምቕጻልን እዩ። ሓደ ጉዳይ ብናይ ጽቡቕ መጻኢ ሕሳብን ተስፋን ንጅምሮ እሞ፡ ኣብቲ መስርሕ ዋጋ ከፊልና ክንሰግሮ ዝግበኣና፡ ዘይተጸበናዮ ብደሆ የጋጥመና። ነዚ ብደሂዚ ዘመክት ቅሩብነትን ጹረትን እንተዘየልዩና ከኣ ወዮ ጀሚርካ ናይዘይምቕጻል ሕማቕ ሳዕቤን የጋጥም።

ቅድሚ 21 ዓመታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ “ናይዚ ዘመና ትርጉም ዘየብሉ ኣዕናዊ ኲናት” ዝተባህለ ውግእ ምስተባረዐ ሰፊሕ ናይ “ዓገብ” ማዕበል ተለዒሉ፡ እንተኾነ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣይቀጸለን። ኣብ 2001 ጉጅለ ህግዲፍ ሰፊሕን እዉጅን ናይ ኣልማማ ማእሰርቲ ወፈራ ምስ ኣካየደ እውን ዝተወሰነ ናይ “ስለምንታይ ከምኡ ይግበር” ስምዒታት ኣጋጢሙ። እንተኾነ ነቲ እከይ ተግባር ህግዲፍ ብዝዓጽፍ ደረጃ ኣይቀጸለን። ድሕሪኡ ናይ ዘጋጠመ ተመኩሮ ህልቂት ላፓዱሳን ካለኦትን ተኸቲሎም ዝተቀልቀሉ ማዕበላት እውን ዕድሎም ካብዚ ጀሚርካ ናይ ዘይምቕጻል ዝተፈልየ ኣይነበረን። እነሆ ከኣ ሕጂ እውን ኣብ ናይ  “ይኣክል” እዋን በጺሕና ኣለና። “ይኣክል”ከ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጀሚርካ፡ በቲ ዝጀመርካዮ ናህሪ ናይ ዘይምቕጻል ተመኩሮ ክመሃር ድዩ ወይስ ነቲ ዘየዕወተ ተመኩሮ ከም ዘለዎ ርዒሙ ክቑጸ እዩ? ኣብ ቅድሜና እንርእዮ እዩ። ትጽቢትናን ትምኒትናን ግና ንምቕጻል እውን ካብቲ ዝሓለፈ ሃብታም ተመኩሮ ተማሂሩ  “ክኽእሎ እዩ” ዝብል እዩ።

ዓሚ ከምዚ ቅነ ንርሰዖ ኣይመስለንን። ኢሳይያስ ነቲ ብዛዕባ ኤርትራዊ ልኡላውነትን፡ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበሮ ናይ “ካብ ክሳድ ንላዕሊ” ፈኸራ ራሕሪሑ፡ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ብዙሕን ውሑድን ተዛሪቡ። መን ከም ዝጠወቖ እንድዒ ከኣ ነቲ “ወዮ ተቓሊስናስ ተዋዲቕና” ዝብል ኣበሃህላ ዘንጊዑ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ተወራሪትን ወራሪትን ሃገራት ኮይነት ተዋጌን፡ ድሕሪ ምውግአን ከኣ ንድሕሪት ከምዘይምለስ ብኣፍልጦ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ዝተሰነደ ኤርትራዊ ልኡላውነት ንድሕሪት ንክመልስ ብዙሕ ዓዘፍዘፍ ኢሉ። “ኤርትራ ሃገር እያ። እንተኾነ ኢትዮጵያ እተበሃል ሕስምቲ ጐረቤት ኣጋጢማታ” ኢሉ ከምዘይሰበኸ፡ “ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ጐረባብቲ ህዝቢ’ዩ” ንእንብልን ንኤርትራዊ ልኡላውነትና ከም ናይ  ዓይንና ብሌን  ንእነኽብር ኤርትራውያን ከኣ ብዘይምፍላጥ ሓቅን ንታሪኽን ከሲሱና። ንመስዋእቲ ጐዮም ዘይጸገቡ መንእስያትን ድርምመን ዘይተፈትሐ ኣደታቶምን ክሒዱ ከኣ “ኣይከሰርናን” ኢልዎ። ከምዚ ዝብል ዘሎ ተጋግዩ ወይ ብስምዒት ተደፋፊኡ ከም ዘይኮነ ንምርግጋጽ ከኣ “ናይ ስምዒት ዘይኮነ ናይ ልበይ እየ ዝብለኩም ዘለኹ” ወሲኽሉ። እዚ ደፋር ክሕደት ኢሳይያስ ማዕበል “ይኣክል” ንክውለድ ካብ ዝደረኹ ጣንቅታት ሓደ እዩ። እንተኾነ ይኣክል ከም ኣጀማምራኡ ክቕጽል ድዩ ወይስ ከምቶም ናይ ቅድሚ ሕጂ ንቕሎታት “ንጀምሮ’ሞ ኣይነጸብቆ” ክኸውን እዩ፡ ኣብ ቅድሜና ኣብ ቅድሚ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዋናታቱ ዘሎ ብደሆ እዩ። ከም ዝኾነ ተመኩሮ ምቕጻሉ ዝያዳ ምጅማሩ ዋጋ ከምዘኽፍል ከኣ ርዱእ እዩ

Last modified on Wednesday, 04 September 2019 08:43