8 መጋቢት ኣህጉራዊ በዓል ደቀንስትዮን ኵናት ተጎርባን፣ ብኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ብድምቀት ከቢሩ።

2019-03-17 20:30:41 Written by  ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-አርያ፣ ካሊፎርንያ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1684 times

ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ካብ ሳንፍራንሲስኮ፣ ሳንሆዘ፣ ሳንታሮዛን ካልኦት ከተማታትን ተጓዒዞም ዝተሳተፍዎ ድርብ በዓል ብ9 መጋቢት 2019 ዓ.ም.ፈ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ብኽብሪ ተዘኪሩ ኣምስዩ። እቲ በዓል ብሓልዮት እቲ ንዅሎም ኤርትራውያን ዘጽልል “ማሕበር በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ” ተዳልዩ፣ ኣብቲ ሓድሽ መአከቢ ቤት ጽሕፈቱ እዩ ተኻይዱ።  ኣብዚ በዓል’ዚ ዝተሳተፉ ድማ ንኤርትራዊ ፖሊቲካውን ማሕበራውን ብዙሕነት ዝወከሉ ብምንባሮም ዝያዳ ድምቀት ዘንጸባረቐ ነይሩ። 

ኣቦ መንበር ኣካያዲ ቦርድ ማሕበር ኣቶ ማእከለ እምባየ ንተሳተፍቲ እንቋዕ ነዚ ድርብ በዓል ብሓደ እዋን ብሓባር ክንዝክርን ከነብዕልን ኣብቅዓና ብምባል መድረኽ ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ቅደም ተኸተል ናይ ዝተዳለወ መደብ ብዝርዝር ሓቢሩ።  ኣቶ ማእከለ ኣብ መግለጺኡ፤ ንታሪኻዊ ቃልስታት ደቀንስትዮ ዓለም ብሓፈሻ፣ ንቓልስታት ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ድማ ብፍላይ ኣባል ቦርድ ዝዀነት ወይዘሮ ፍረወይኒ ገብረገርጊስ ኣብ ክንዲ ቦርድ ቃል ከተቕርበልና እያ ኢሉ። ካብኣ ቀጺሉ ድማ ኣቶ ፍስሃየ ሓጎስ ብዛዕባ ታሪኻዊ ኵናት ተጎርባ መግለጺ ክህበና እዩ። ብምቕጻል ሓባራዊ ምይይጥ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ማሕበረ-ኮምናን ሃገርናን’ውን ክቕጽል’ዩ ብምባል ሓበሬታኡ ዛዚሙ።

ንዝኽሪ 8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቀ-ኣንስትዮ፣ ብወይዘሮ ፍረወይኒ ገብረገርጊስ ዝቐረበ መግለጺ፡

March 8 International Womens Day and Tegoruba celebration

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ተሳተፍቲ ድርብ በዓል፡

እዚ ንዝኽሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮን፡ ንዝኽሪ ኲናት ቶጎሩባን እነካይዶ ዘሎና በዓል ምኽንያት ብምግባር፡ ንዅሉ ክህልወኩም ዝኽእል ስራሕ ኣወንዚፍኩም፡ ንድምቀት እዚ ዕለት'ዚ ምፍዋይኩም፡ እናመስገንኩ፡ ኣብዚ ዕለት'ዚ ቃል ክህብ ንዝተዋህበኒ ዕድል ኣመልኪተ ልዑል ኣኽብሮትን ምስጋናን ከመሓላልፍ እፈቱ።

ርግጽ፤ እዚ ዕለት'ዚ ክቡር ዕለት'ዩ ከብሎ ዝኽእል ድርብ ምኽንያታት ኣለዎ። ብሓደ ሸነኽ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ እዩ። ብፍላይ ንዓና ከም ኤርትራውያን፡ ደቀ ኣንስትዮና፡ ስለ ጾታውን ፖሊቲካውን ወጽዓኤን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ንምንጋፍ፡ ሰፍ ዘይብል ሓላፍነት ተሰኪመን፡ ከም መላእ ህዝበን ናይ ኤርትራ ሃገራዊ ናጽነት ምርግጋጽ ዘብቅዓ ምዃነን እዩ። ከምቲ ኣብ እዋን ሰውራ ንጭርሖ ዝነበርና፡ "ብዘይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕወት ቃልሲ የልቦን"። ብርግጽ’ውን ብዘይከአን ናጽነት ኣይምተረጋገጸን፡ ብዘይከአን ድማ ናይ ሕጂ ቃልሲ ንምዕዋት ዲሞክራስን ፍትሕን ክዕወት ኣይክእልን እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብቲ ውሽጣዊ ቃልሲ እውን እንተዀነ፡ ንጾታዊ ፍትሒን ማዕርነትን፡ ንመሰል ምውዳብ፡ ንኣቓልቦ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ ተቓሊሰን፡ ኣብ ሰራዊት ከቢድን ፈኲስን መሳርያታት ዓጢቐን ኣብ ቅድመ ግንባር፣ ኣብ ከተማዊ ደባይ ስርሒት ቅያታት ኣርእየን፡ ኣብ ኲናት ሰንኪለን ልዕሊ ኩሉ ድማ ሂወተን ብምሃብ እቲ ዝለዓለ ክፍሊት መስዋእቲ ከፊለን፡ ኰታ ኣብ ክሉ ጽፍሕታት ሕብረተሰብና፡ መንነተን ኰነ ብቕዓተን ኣረጋጊጸን ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ሓራ፡ ልዑላዊት ሃገር ንኽትከውን ኣብቂዐን እየን።

ምስ'ዚ ኩሉ ጅግንነት ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ እቲ ንመላእ ህዝብና ዝበጽሖ ጽንኩር ፈተነታት ንዓኣተን’ውን በጺሕወን እዩ። እወ፤ ናጽነት ሃገር ተረጋጊጹ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ጻማ ቃልሰን ዝፍደያሉ መድረኽ ኣቲና ኣሎና ተባሂሉ እዩ። ከም ሰበን፡ ደጊም ናብ ራህዋን ሰላምን ከነማዕዱ ኢና ዝብል ትጽቢት ሰፊኑ እዩ። የግዳስ፡ እቲ ትጽቢት ተጣሒሱ፡ እቲ ተስፋታት ተሃሪሙ ሕልምታትን መብጽዓታት ሰውራን እውን በብመድረኹ ክጥለም ተራእዩ እዩ።  ሕልምታት ምስ ተጠልመ፡ ዓዲ ናብ ሰፋሕ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተቐየረትከ? መጀመርያ ዝተጐድኣ ደቂ ኣንስትዮ እየን።   ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒነን፡ ናይ ሞት ጽዋእ ዝተፈድያ’ውን ውሑዳት ኣይኰናን።

ድሕረትን ድኽነትን ዘስዓቦ ጥሜትን ዕርቃንን፣ ህዝብና ብተስፋ  ተጸሚሙ ክሰግሮ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን ኣብ ውሽጢ 27 ዓመታት ብስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ክካየድ ዝጸንሐ ኰነ ኢሉ ንብርሰትን ምብትታንን ሃገርና ዝዓለመ ሽርሓዊ ተግባራት፣ ንዓለም ዘስካሕክሐን መዛረቢ ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ጥራይ ምዓስ ኰይኑ፣ ንልዑላውነት ሃገርና ዝፈታተን ውዲታትን ዘይግሉጽ ስምምዓትን ምስ ወጻእተኛታት ዝገብሮ ዘሎ ጥልመት ኣንጸላልዩ፣ ንህዝብና ኣብ ስግኣትን ሻቕሎትን ኣኣትዩዎ ይርከብ።

 እዚ ዕለት'ዚ እምበእር፡ ነቲ ኩልና እውን ጌና ሓራ ዘይወጸናሉ፡ ካብ ባህልን ማሕበራዊ ክውንነትን ዝተወርሰ ኣሉታትና ሰጊርና፡ ከብሪ ደቂ ኣንስትዮና፡ እንዝክረሉን፡ ጉዳይ መላእ ሕብረተሰብ ብምዃኑ፣ ብሓድሽ ንያት ንሓድሽ ዕማም እንዋፈሩሉ ዓቢ ዕለት እዩ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ፣ በዓል 8 መጋቢት ክትዝከር ትንበር!!!!!!!

ቀጺሉ፡ ዝኽሪ በዓል መዓልቲ ሰራዊት ሓርነት “ኵናት ተጎርባ” ብኣቶ ፍስሃየ ሓጎስ ዝቐረበ  መግለጺ:

March 8 International Womens Day and Tegoruba celebration 2

ነዚ ድርብ በዓል፡ ንምዝካርን ምኽባርን እንቋዕ ኣብቀዓና። ነዚ ክቡር መደብ ዘዳለወ ኣካያዲ ቦርድ ናይ በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ድማ ምስጋና ይብጽሓዮ።

ተጎርባ ኣብ ጐላጕል ታሕታይ ባርካ ዝርከብ ጎቦታት ምቹእ መዛግብ (ድፋዕ) መከላኸሊ ዘለዎ ከባቢ እዩ። ሰራዊት ሓርነት ከም መዝገቡ ዝመረጸሉ ምኽንያት’ውን ኣብኡ ዓሪዱ ካብ መጥቃዕቲ መግዛእታዊ ሰራዊት ክከላኸል ስለዘኽእሎ እዩ ነይሩ።  ታሪኻውን ብዕሊ ክዝከርን ዘንብሮ ድማ በቲ ኣብ 15 መጋቢት 1964 ሎሚ መበል 55 ዓመቱ፣ ዝተኻየደ ዕዉት ሓርነታዊ ምክልኻል ኵናት እዩ።

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ስለምንታይ እያ ን15 መጋቢት 1964 ኲናት ተጎሩባ፣ ከም መዓልቲ ሰራዊት ኤርትራ ከተብዕላ ዝመረጸት? ቅድሚኡ ይኹን ድሕሪኡ ዝተኻየደ ንኣሽቱ ይኹን ዓበይቲ ዓወታትን ዝተኸፍለ ግዙፍ መስዋእትን የለዉን’ድዮም ዝብሉ ሕቶታት ክላዓሉ ከምዝኽእሉ ፍሉጥ ኢዩ። ናይዚ መልሲ ድማ “እወ! ኣለዉ እምበር!“፡ ካብ ጫፍ ደንካልያ ክሳብ ዶብ ሱዳን፡ ካብ ጫፍ ሳሕል ክሳብ ዶብ ናይ መረብን ዛላምበሳን ዘሎ ሰናጭሮን፡ ኩርባታትን ሜዳን ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ዋና ከተማታት መግዛእታዊ ሰራዊት ኣትዩ ዝፈጸሞም ስርሒታትን ዓወታትን ኣብ መዛግብ ታሪኽ ዝሰፈሩን ክሰፍሩ ዝግብኦምን ኣለዉ።

ናይ 15 መጋቢት 1964 ኵናት ቶጎሩባ ሓለፋ ግን፡ መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ “ሃገርና ሰላም እዩ ዘሎ፡ ውግእ ዝበሃል የብልናን፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኣዲኡ ኢትዮጵያ ብሓደ ሓቢሩ ክነብር መሪጽዎን ተቐቢልዎን እዩ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብገመድ ኣሲርና እነምጽኦም ውሑዳት ወንበዴታት (ሸፋቱ) እንተዘይኰይኖም ተቓውሞ ዝበሃል የለን፡“ እንዳበለ ንደገን ንውሽጥን ክምድር እንከሎ፡ ንሰውራና ብዕሸሉ ንምቝጻይ ከኣ ብዝተፈላለየ ኣስማት ዝፍለጥ ሰራዊት ኣዋፊሩ ፍሽለታትን ሕፍረትን ተኸዲኑ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ ናይ ደባይ ውግእ እዋናት እዩ ኵናት ቶጎሩባ ተኻይዱ።

ሰራዊት መግዛእቲ ስርዓት ሃይለስላሴ በዚ ኣገባብ እዚ ነጭ-ለባሽ፣ ባንዳ-ብጨርቁን ፊልድ-ፎርስን ኣዋፊሩ ንሰውራ ኤርትራ ከሰንፎ ከምዘይክእል ስለዝተገንዘበ ድማ እዩ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንሰራዊት ሓርነት ካብ ገጽ መሬት ንምድምሳስ ኣብ ዕለት 15 መጋቢት 1964 ዓ.ም ንመጀመርያ ግዜ ካብቲ እቲ ስርዓት ዝምክሓሉ ዝነበረ ሓይሊ ጦር ሰራዊት ብብዙሓት ታንክታትን፡ መዳፍዕን፡ ካልእ ከበድቲ ኣጽዋር ውግእን ተሰንዩ እንዳፈከረ ናብ ቶጎሩባ ወፈረ። ነዚ ብዱዕ ወፍሪ ዝፈለጡ ገለ ካብ ጋንታታት ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ከኣ ኣብ ቶጎሩባ ኣድብዮም ብምጽናሕ ነቲ ብትምክሕቲ ተላዕጢጡ ንተጋደልቲ ኣሲሩ ንኽምለስ ገመድ ከይተረፈ ሒዙ ዝወፈረ ሓይሊ ጦር ሰራዊት ንመጀመርታ ግዜ ፊትን ግንባርን ገጢሞም፡ ብናይ ሓርነት ሃልሃልታ ለብሊቦም ኣደዳ ሞትን መቝሰልትን ኰይኑ፣ ንብረቱ ግዳይ ምርኮን ዛሕዛሕን ኰይኑ ናብ ዝተበገሰሉ ቦታ ሃዲሙ ንኽምለስ ዝተገደደሉ ቦዅሪ ዓወት ካብ ስርሒታት ሰራዊት ሓርነት ዝተረጋገጸላ መዓልቲ ነይራ።

ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ነዚ ዓወት እዚ ከመዝግብ እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ሰውራኡ ዝነበሮ ምትእስሳር ድሩት፡ ዕጥቂ ተጋደልትና ኣዝዩ ኣረጊትን ውሑድን፡ ዕቤት ሰራዊትና ምስ ሰራዊት ስርዓት ሃይለስላሰ ፈጺሙ ኣብ ዘይዳረገሉ ዝነበረ እዋን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓወት ክፍጸም ዘኽእሎ ቀንዲ ምስጢር እምበኣር፡ ብዘይካ ጽኑዕ ዕላማ ሓርነት፣ ተወፋይነትን ጽንዓትን ካልእ ኣይነበሮን።

ኣብዚ ቦዅሪ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ዘበሰረ ኵናት፡ 87 ካብ ወተሃደራት መግዛእታዊ ስርዓት ክሞቱ እንከለዉ፡ ሒዞሞ ካብ ዝወፈሩ ኣጽዋር ውግእ ብርክት ዝበለ መትርየስን ጠበናጁን ተማሪኹ ንብረት ሰውራ ኰይኑ፡፡ ዓወት ብዘይ መስዋእቲ ክረጋገጽ ስለዘይክእል ድማ 17 ተጋደልቲ ብጅግንነት በጃ ዝፈትዉዋ ሃገሮምን ህዝቦምን ሓሊፎም። ድሕሪ ዓወት ኵናት ቶጎሩባ መቓልሕ ሰውራ ኤርትራ ኣብ መላእ ህዝብና ተባጽሐ፡ ህዝቢ ምስ ሰውራኡ ርኡይ ምትእስሳር ክገብር ጀመረ፡፡ ኣብ ግዳም እውን ብዛዕባ ሰውራ ኤርትራ ክጸሓፍን ክዝርጋሕን ጀመረ። እዚ ብስራት እዚ ድማ እዩ ንሞራል መግዛእታውያን ሓይልታት ሰባቢሩ ሰውራና ብገመድ ተኣሲሮም ክመጹ ናይ ዘለዎም ውሑዳት ሸፋቱ ዘይኮነስ ህዝባዊ ቃልሲ ምዃኑ፡ ይንዋሕ ይሕጸር ናጽነት ኤርትራ ከምዘይተርፍ ዘመስከረ ስርሒት ብምንባሩ ድማ እዩ ኵናት ቶጎሩባ ሓንቲ ካብ መዓልታት ሰራዊት ኤርትራ ኰይና ንኽትብዕል ዝተመርጸት። ንሓደ ተረኽቦ ከም ሃገራዊ ኮነ ውድባዊ በዓል ኰይኑ ንኽኸይድ ዝምረጸሉ ምኽንያታት ድማ እተፈጸመሉ ኵነታትን መድረኽን ኣብ ህዝቢ ዘሕድሮ ጽልዋን ተቐባልነትን እዩ ዝዕቀን።

ድሕሪ ዓወት ቶጎሩባ ዝተኻየዱ ዓበይትን ንኣሽቱን ስርሒታትን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መግዛእታውያን ስርዓታት ዘስዓብዎ ምድኻማትን ስዕረትን እኩብ ድምር ናይቲ ን30 ዓመታት ዝተኻየደ መሪር ሓባራዊ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብና፡ ብረት ዓጠቕ ተጋዳላይ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፣ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፣ ሲቪል ኣዴታት፣ ኣቦታት፣ ኣሓትን ኣሕዋትን ብዘይኣፈላላይ፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ናይ ኤርትራ ከተማታትን ገጠራትን፡ ዝተፈጸመ ዓበይትን ንኣሽቱን ዓወታትን፡ ብዝኸፈልዎ መስዋእትን ስንክልናን፡ ዝፈሰሰ ደምን ዝተኸስከሰ ኣዕጽምትን፡ ዘስዓቦ ብርሰትን ንድየትን ድማ እያ ኤርትራና፡ ኣብ 1991 ዓ.ም ምሉእ ናጽነታ ክተረጋግጽ ዝኸኣለት። 

ብሕጽር ዝበለ፣ ኵናት ተጎርባ ኣብ መስርሕ ብረታዊ ተጋድሎና ኣገዳሲ ምዕራፍ ካብ ታሪኽና ዝሕዘት ብምዃና፡ እታ መዓልቲ ኵናት 15 መጋቢት 1964 ዓመታዊ ክትዝከርን ክትከብርን ተመሪጻ። ምኽንያቱ ድማ፡

  1. ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ ንኽድምስስ ተሃንዲዱ ዝመጸ መግዛእታዊ ሰራዊት፣ ብጅግንነት ገጢሞም ስለዝሰዓርዎ
  2. እቲ ዓወት ንገድሊ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ተፈላጥነትን ዕላማ ሓርነትን ኣቃሊሑ ህዝባውነት ብምንጽብራቑ
  3. ንሰውራ ኤርትራ ካብ ደረጃ ደባይ ተዋጋኢ፣ ማለት ኣጥቂዕካ ምዝላቕ፣ ናብ ደረጃ ኣትኪልካ ምውጋእ (transformed the struggle from hit and run to conventional mode of fighting) ስለዘሰጋገረ
  4. ንያትን ዓቕምን ሰውራ እናደየበ ክኸይድ ከሎ፣ ንያት መግዛእታዊ ሓይሊ ግን ብራዕዲ እናንቆልቆለን እናተነጸለን ብምኻዱ፣ ኵናት ተጎሩባ ፍልይትን ባና ናጽነት ዝወልዐትን ኰይና ትዝከርን ትኸብርን።

ኣብዚ ኣጋጣሚ’ዚ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ምንታይ ኵነታት ከምዘሎ ምርኣይ’ውን ዘገድሰና እዩ።

  • ኤርትራ ብመስዋእቲ ደቃ ልዑላውነታ ካብ ትጓናጸፍ 27 ዓመታት ሓሊፉ።
  • ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ግን ህዝብና ኣደዳ ስደት፣ ማእሰርትን ሞትን፣ ደረት ኣልቦ ኣገልግሎት፣ ድሕረትን ጭቆናን ይነብር ኣሎ።
  • ኣብ ሃገርና ቅዋም፣ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝቖመን ዝሰርሕን ባይቶን ስርዓት ፍትሕን የልቦን
  • ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ዝኸይድ ዘሎ ውዲት ግሉጽ ኣይኰነን፡ እቲ ኢሳያስን ልኡኻቱን ዝበልዎን ዝብልዎ ዘለዉን ዘሕፍር ጥራይ ዘይኰነ፣ ናይ ጥልመትን ክድዓትን ሓደጋ ኣብ ልዑላውነት ሃገርና ኣንጠልጢሉ ምህላዉ፣ ህዝብና ይሻቐልን ይቃወምን ኣሎ።
  • እንታይ ይገበር ዝብል ሕቶ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ይርከብ፡ ዓበይትና፣ መንእሰያትና፣ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ድማ ናይ ምምላሱ ሓላፍነት ብሓባር ንሰከም።

ክብርን ዝኽርን ን8 መጋቢት መዓልቲ ደቀ-ኣንስትዮ ዓለም

ክብርን ማዕርነትን ንደቀ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን

ክብርን ዝኽርን ንመዓልቲ ሰራዊት ሓርነት - ኵናት ተጎሩባ

ኤርትራ ብልዑላውነታ ንዘልኣለም ትንበር

ሓቀኛ ፍትሕን ደሞክራስን ኣብ ኤርትራ ክትከልዩ!!!!

9 መጋቢት, 2019

Last modified on Sunday, 17 March 2019 21:40