መልእኽቲ በይ-አርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ምልኪ የብቅዕ፣ ስልጣን ኣብ ኢድ ህዝቢ ይረከብ

2019-03-17 20:08:24 Written by  ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-አርያ፣ ካሊፎርንያ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1640 times

ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-አርያ ካሊፎርንያ፤ ድርብ በዓላት 8 መጋቢት ዓለም-ለኸ መዓልቲ ደቀ-ኣንስትዮን ዝኽሪ ኵናት ተጎሩባን ከኽብሩ ብ9 መጋቢት 2019 ኣብ ቤት ጽሕፈት ማሕበር፣ ከተማ ኦክላንድ ሰፊሕ ኣኼባ ብምክያድ ንህልዊ ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣልዒሎም ዕቱብን ዓሚቝን ምይይጥ ኣካይዶም።  ኣብ ኣኼባ ዝተረኽቡ ንፖሊቲካውን ማሕበራውን ብዙሕነት ኤርትራ ዝወከሉ፡ መብዝሕትኦም'ውን ኣብ ፖሊቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ ንናጽነትን ሓርነትን እጃሞም ዘበርከቱን ገና'ውን ሃገሮም ልዑላውነታ ተኸቢሩ ክነብር ብልዑል ሃገራዊ ሕልና ዝቃለሱ እዮም።

ጽማቕ ኣብ ኣኼባ ካብ ዝተኻየደ ምይይጥ፡

ህዝቢ ኤርትራ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ከፊሉ ሃገራዊ ናጽነቱ መንዚዑ፡ ብረፈረንደም 99.9% “እወ ንናጽነት” ኢሉ ብምድማጽ'ውን ልዑላውነቱ ኣረጋጊጹ። ባህጉን ትጽቢቱን ድማ ስልጣን ናይ ህዝቢ ዝረጋገጸላ፥ ብፍትሕን ማዕርነትን እትመሓደር፥ ፖለቲካውን ማሕበራውን መሰላትን መሰረታዊ ሰብኣዊ ሓርነታትን ናይ ህዝባ ዝረጋገጸላ ብልጽግቲ ሃገር ንምህናጽ እዩ ነይሩ። ነዚ ዘብቅዓ ዕቑር ጸጋን ዓቕምን ድማ ነይርዋን ኣለዋን።

Women Tegoruba Celebration 2019 1 1 2

ን27 ዓመታት ስልጣን ብኢሳያስ ተጨውዩ፡ ናይ ህዝብና መነባብሮ ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ተቐይሩ፡ መንእሰያት ኣዋልድናን ኣወዳትናን ኣደዳ ግዱድ ባርነታዊ ደረት ኣልቦ ኣገልግሎት፡ ኣደዳ ስደትን ህልቀት ኣብ ምድረበዳን ባሕርን፡ ግዳይ ማእሰርትን ቅትለትን፡ ድሕረትን ውርደትን ተሳጢሑ ጸኒሑን ይቕጽል ኣሎን። ኢሳያስ ብጸረ-ህዝቢ ተግባራቱ፣ ዓቕሚ ህዝቢ ኣዳኺሙ ናብቲ ምቹእ እዋን ዝጽበየሉ ዝነበረ ደጕልዎ ዝጸንሐ ከዳዕ ዕላማታቱ ንምትርጓም ምዃኑ በዚ ኣብዚ እዋን’ዚ በይኑ ምስ ውሑዳት ልኡኻቱ ላዕልን ታሕትን ዝብሎ ዘሎ ምንቅስቓሳት ተጋሂዱ እነሆ። ኢሳያስ ካብ ዝሓለፈ ገበናቱ ዘይተማህረ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ነታ ብመስዋእቲ ደቃ ዝተረኽበት ልዑላዊት ሃገር፡ ናብቶም ብቓልሲ ዝሰዓርናዮም ተረፍ መረፍ ጎበጥቲ ትምክሕተኛ ሓይልታት ሃይለስላሴን ደርግን ኣሕሊፉ ክህባ ላዕልን ታሕትን ዝብለሉ ዘሎ ወቕቲ እዩ። ነዚ ዘረጋግጽ ጭብጥታት ድማ እቲ ኣብ ኣስመራ፡ ኣዲስኣበባ፡ ጎንደር፡ ባህርዳርን ኣዋሳን ዝበሎ፡ “ዶብ ምሕንጻጽ ኣየድልን፣ ኣይከሰርናን፣ ክልተ ህዝቢ ዘይኰናስ ሓደ ህዝቢ ኢና፣ ክልተ ህዝቢ ኢና ዝብል እንተሎ ግን ናይ ታሪኽ ሓቅታት ዘይፈልጥ’ዩ፣ ዶክተር ኣቢይ ክትመርሓና ምሉእ ስልጣን ሂበካ ኣለኹ፣ ዝብሎ ዘለኹ ድማ ንቐልዓለም ዘይኰነ፣ ካብ ልበይ እዩ፡” እንዳበለ ኣፍልቡ እንዳሃረመ ብዘሕፍር ደርጕሕዎ እዩ።

ሃገርና ብልዕልና ሕጊ ዘይኮነ፡ ብዊንታ ውልቀ-መላኺ እያ ትሕመስ ዘላ። ሎሚ ኣብ ሃገርና ቅዋም፡ ሓጋጊ ባይቶ፡ ፈራዲ፡ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ትካላዊ መንግስቲ የለን።

ምስ ውጻእተኛታት ዝኣትዎ ዘይግሉጽ ናይ ሕሹኽሹኽ ውዲታዊ ውዕላት፡ ንልዑላውነት ሃገርና ናብ ሓደጋ ዘሳጥሕ ብምዃኑ፡ ህዝብና ይሻቐልን ይነዓዓብን ኣሎ።

ካብ ሕጂ ንንዮ እሱራት ፍታሕ፣ ዶብ ሓንጽጽ፣ ቅዋም ተግብር ኢልና ንዘይገብሮ ኣይክንሓቶን ኢና። ከምቲ ምስላ ኣበው ዝብሎ “ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል” ስለዝዀነ፡ ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ ኤርያ ኣብ ኣጋጣሚ ድርብ በዓላት መዓልቲ ደቀንስትዮን ተጎርባን፡ ብምሉእ ድምጺ “ኢሳያስ ካብ ስልጣኑ ተማሕዩ የልግስ፡ ስልጣን ድማ ህዝቢ ኤርትራ ይረከቦ” ክብል ጻውዒቱ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ የመሓላልፍ። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሓባር ዝተቓለሰ፣ ባህጉን ዕላምኡን’ውን ሓደ ስለዝዀነ ደጊምና ብሓባር ንኸነዐውቶ ጻውዒትና ነቕርብ።

Women Tegoruba Celebration 2019 1 2 2

ኤርትራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ናይ ውልቀ-መላኽን ጠላምን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣይኰነትን። በዚ መሰረት ንልዑላውነት ሃገር ዝደፍር፣ ንረብሓ ህዝቢ ዝሃሲ፡ ብስርዓት ኢሳያስ ዝግበር ውዲተኛ ስምምዓት ኰነ ውዕላት፡ ዘይቅቡል፣ ዘይቀያድን ዘይሕጋውን ምዃኑ ነረጋግጽ። ንፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራን ንዅሎም ከባብያውን ኣህጉራውን ሓይልታት ድማ ንድሌትን ዕላማን ህዝቢ ኤርትራ ከኽብሩን ክከላኸሉን ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኤርትራ ኢድ ካብ ምእታው ክቝጠቡ ንላቦ።

ኤርትራ ብልዑላውነታ ንዘልኣለም ትንበር !!!

ክንዕወት ኢና !!!

ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-አርያ፣ ካሊፎርንያ

9 መጋቢት 2019

Last modified on Sunday, 17 March 2019 21:30