ወደብ ጂቡቲ ዶ ወደባት ኤርትራ?

2019-02-27 08:16:31 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1961 times

ዝሓለፉ ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ፥ ቀንዲ ድልየቶምን ዕላማኦምን ወደባት ኤርትራ ንምቁጽጻር ነይሩ።  ኤርትራ ናጽነታ ምስተጎናጸፈት ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ከምዝሰኣነት ኩሉ ዝፈልጦ ኢዩ። በዚ ምኽንያት ወገሐ ጸብሐ  ኢትዮጵያ ብዘይ  ኣፍደገ ባሕሪ ተሪፍና ኢሎም ዘማርሩ ወገናት ኣለዉ።

ኣብ ዓለም ብዘይፍደገ ባሕሪ ዝነብራ ሃገራት ኣለዋ። ምስታ መተሓላለፊ እትኾነን ሃገር ብምስምማዕን ልኡላውነታ ብምኽባርን  ኣፍደገ ባሕሪ ምጥቃም ኣይተጽገማን። ንኣብነት ሃገረ ቦሊቭያ ኣብቲ  ናይ ሰማያዊ ውቅያኖስ  ውግእ ድሕሪ ምኽሳራ፥ ገማግም ባሕራ ናብ  ቺለ ከምዝኸደ ኣብ 1884ን 1904ን ዝተኸተመ ውዑላት  ተቐቢላቶ። ድሕሪ እዚ ቦሊቭያ ናይ ይግበኣኒ  ዝብል ሓሳብ ከየልዓለት ንልኡላውነት ቺለ ኣኽቢራ፥ እቲ ናይ መጠረስታ ውዕል  ናይ  መሳለጢታትን መኽዘኒ ወደብን ካብን ናብን ቦሊቭያ ብወደባትን ግዝኣትን ቺለ ኣቢላ ናይ ንብረት ምትሕልላፍ  ዘፍቅድ ፍሉይ ስምምዓት ተሰማመዐት። ከምቲ ሕቡራት መንግስታት ብGA Res 46/212 ኣብ 20 ታሕሳስ 1991 (Malaczuk ,1993) ናይ ካብን ናብን ኣፍደገ ባሕሪ ምጥቃምን ከምኡ እውን ናጽነት ናይ ምትሕልላፍን መሰል ደጊሙ ዘረጋግጾ፥ እቲ መተሓላለፊ ግን ንሰላምን ስነ ስርዓትን ወይ ድሕነት ናይታ ገማግም ባሕሪ ዘለዋ ሃገር ዝሃሲ ወይ ዝጎድእ ክኸውን የብሉን ዝብል ዓንቀጽ 19(1) ኣለዎ። ነዚ ንምትግባር ግና ናይታ ወሃቢት ኣገልግሎትን ተቐባሊትን ሃገር ሕጋዊ ዝምምዕ የድሊ።

ኢትዮጵያ ድሕሪ እቲ ናይ ሰላሳ ዓመት ደማዊ ውግእ ኣፍደገ ባሕሪ ምስኣና በቲ ናይ 1993 ህዝባዊ ወኸሳ ናጽነት ኤርትራ ኣሚና ክተብቅዕ ንጂቡቲ ገዲፋ ንወደባት ኤርትራዶ ምተቛመተት? ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ልኡላዊት ሃገረ ኤርትራ ምዃኑኸ ብርግጽ ትቕበሎ ዲያ? እንተ ትኣምን ነይራ ደኣ ስለምንታይ እያ ኢትዮጵያ ሃገረ ጂቡቲ ቀረባኣ እንከላን መራኸቢ መስመራት ባቡርን ጽርግያን እንከሎ፥ ብኣሽሓት ኪሎሜትራት ርሒቐን ንዝርከባ ወደባት ኤርትራዶ  መጠመተት።? ዝብል ሕቶታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ሕቶ ከልዕል ዝኽእል ኢዩ።

ድሕሪ’ቲ ብሰንኪ ናይ ዶብ ምስምስ ዝተወለዐ ኲናት ዝተኸተመ ውዕል ኣልጀርስ ከይተተግበረ ንወደባትና ናይ ምጥቃም ድሌት በቲ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ክትግበርዶ ይኽእል? እዚ ስምምዕ ውዕል ናይ ኣልጀርያ  ኣብ ግብሪ ዘይምውዓልከ ነቲ ብግልጺ ዘይሕበር ስምምዓት ነመጻኢ  እንታይ መዘዝ ከስዕብ ይኽእል? ዝብል ሕቶታት ኩልና ብሃገርና እንግደስ ኤርትራውያን  ክንሓስበሉ ዝግባእ ኢዩ። መን ይፈልጥ ጽባሕ ኣብ ዘይንፈልጦ ዓዘቕቲ ምስ ኣቶና ክንበራበር እንተዀንና፡ ናብ ናይ ጥፍኣት ጎደና ንምርሽ ምህላውና ካብ ብሕጂ ክንፈልጥ ኣሎና። ልክዕ ኢዩ፥ ኢትዮጵያ መሰል ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ንምጥቃም ዘኽእላ ዓለም ለኻዊ ስምምዕ ዘሎ እኳ እንተኾነ፥ ነቲ ናብ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ምጥቃም ዘብጽሕ ስምምዕ  ዶብ ናይ ምሕንጻጽ መስርሕ ብዘይቅድመ ኩነት ምስዝትግበር ኢዩ።  እቲ ብውዑል ኣልጀርስ ዝተበጽሐ ቀያድን ናይ መወዳእታን ስምምዕ ኣብ ማይ ዝሓቐቐ ሽኮር እናኾነ ይኸይድ ዘሎ ይመስል። ነዚ ዘረጋግጽ ኣብቲ ናይ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዝኾነ ባይቶኦም ናይ ኣሉታ ስምዕታ ወስ ዘበልዎ ብጭብጢ ዝቐረበ ሰነድ ይሕብር። ንሱ ድማ እቲ ብናይ ኢትዮጵያ ኣቆጻጽራ  ብዕለት 14 ለካቲት 2011 ኣፈ ባይቶ ኣቶ ታገሰ ጫፎ ዝበልዎ መስተንክር ዘረባ ኢዩ። እቲ ንሶም ዝሃብዎ ቃል ቀዳድ በርሚል ማይ ኣይሕዝን ዘብል እዩ። ኣፈ ጉባኤ  ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ  ኣቶ ታገሰ ጫፎ፡ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዝኾነ ውዕል ከም ዘይፈረመት ይገልጹ። ውዕል ክፍረም እንተኾይኑ፡ ባይቶ ተኻቲዑ ምስ ዘጽድቖ ጥራይ እዩ ሕጋዊ ዝተፈረመ ውዕል ዝኸወን እምበር ናብ ባይቶና ዝመጸን ዘጽደቕናዮን ስምምዓት የለን ይብል። ብተወሳኺ ኣቶ ጫፎ “እቲ  መንግስቲ ነቲ መስርሕ ሰላም ጥራሕ ኢዩ ኣትኲሮኡ፥ እቲ ምስ ዶብ ዘተሓሕዝ  ቀንዲ ኣጀንዳና ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ እዩ፥ ብደም ዝተኣሳሰሩ ሰባት ኢዮም፥ ካብ ዶብ ንላዕሊ ህዝቢ ዝለዓለ ኢዩ። ስለዚ ንህዝቢ ነራኽቦ፥ ፍቕሪ የተኣሳስረና፥ ብሓድነት ዘሎና ነገር ተኻፊልና ንብላዕ፥ ሓቢርና ንንበር።” ዝብሉ እዚ ኢዩ ትርጉሙ ክትብሎ ዘይትኽእል ቅኔ ዝመስል ኣበሃህላ እዩ።

እዚ ዝሕብሮ ብቕኑዕ ዘይተጀመረ ጉዳይ ውጽኢቱ ብኣሉታ  ዝድምደም ምዃኑ እዩ። ኣቶ ጫፎ ብሓጺሩ ነቲ ጉዳይ ካብ ዶብ ህዝቢ ኢዩ ዝለዓለ ክብሉ እንከለዉ፥ ነቲ ስምምዕ ውዕል ኣልጀርስ ኣይንቕበሎን ክሳብ ምባል  ዝእምት እዩ ዝመስል። እዚ ማለት እቲ “መንግስቲ ነቲ ናይ ሰላም መስርሕ ጥራይ ኢዩ ኣትኲሩሉ ዘሎ፥ እቲ ምስ ዶብ ዝተሓሓዝ  ቀንዲ ኣጀንዳና ኣይኮነን” ክብሉ እንከለዉ ንኣጠቓቕማ ኣፍደገ ባሕሪ ከምቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዘጽደቖ፥ ማለት ናይታ መተሓላለፊት ሃገር ኣብ ገዛእ መሬታ ስልጣን ከምዘለዋን ክልተኣዊ ስምምዕ ከምዘድልን ንዝብል ክጓስይዎ ድዮም ዝሕልኑ ዘለዉ?  ቀጺሉ ኣቶ ጫፎ ነቲ መስርሕ ናይ ዶብ ምሕንጻጽ ኣጀንዳኡ ከምዘይኮነ ክዛረብ እንከሎ፡ ትርጉሙ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ኣልጀርስ ከምዘለዎ ብዘይቅድመ ኩነት ከምዝቕበሎን ከምዝትግብሮን ዝኣተዎ ቃል ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ’ውን ይመስል። ነዚ ዘራጉድ ድማ እቲ”ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን ሓደ ህዝቢ ኢዮም፥ ብደም ዝተኣሳሰሩ ሰባት ኢዮም፥ ካብ ዶብ ህዝቢ ኢዩ ዝለዓለ፥  ዘሎና  ነገር ብሓድነት ተኻፊልና ንብላዕ፥ ሓቢርና ንንበር” ክብል ከሎስ ነታ ክልተ ሃገራት እትብል ጎስዩ ምሕላፉስ እንታይ ክእምት ደልዩ ኮን ይኸውን።? ኣብዚ ጉዳይ  ንሕና ኤርትራውያን ከም ጎረባብቲ መጠን፥ በቲ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝፈቕዶ መሰረት ልኡላውነት ክልተ ዘተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ተኸቢሩ ክንተሓባበር፥ ዘሎና ጸጋታት ክንካፈል ብሰላም ክንነብርን ዘጸግም ኣይኮነን። እቲ ዋና ዝኾነ ህዝብና ብቕምጡ ሓደ ኮይና ዝበሃል ግና ተቐባልነት የብሉን።

ኢትዮጵያ፥ ወደብ ጅቡቲ ዝቐርባ ክነሱ ናብ ወደባት ኤርትራ ጠመተኣ ምዕዛዙ ሕቶ ዘልዕል እምበኣር ኣብዚ ኩነታት እዩ። ስለዚ ደሓር “ሓልሓል እንከሎካ ጽሩይ መሬት ሰናድር እንከሎካ ጽሩይ ብረት እንታይ ኣእተወካ ኣብ ሰንሰለት” ከይከውን፥ ከሎ ጌና ንሕና ኤርትራውያን ሓደ ኢድን ሓደ ድምጽን ክንከውን ንጥለብ ኣሎና። ብኣንጻሩ ወግሐ ጸብሐ ተረሓሒቕና ዓንገረር እንተበልና  ንህዝብና ክንጎድኦ እምበር ከነርህወሉ ኣይኮናን።

Last modified on Wednesday, 27 February 2019 09:19