ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ሓደ ዝተወሃደ ፓርቲ ከምዝኸውንን ሽሙ ከምዝቕይርን ተገሊጹ

2019-02-26 10:12:35 Written by  ረድዮ ድምጺ ኣመሪካ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2021 times

ናይ ኢትዮጵያ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ቅድሚ ዝቕፅል ሃገራዊ ምርጫ ሓደ ዝተወሃደ ፓርቲ ከምዝኸውንን ሽሙ እውን ከምዝቕይርን ኣፍሊጡ።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ሓላፊ ማእኸል ህንፀት ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ኢህዴግን ኣቶ ብናልፍ ኣንዱአለም እቲ መፅናዕቲ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከሎ ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ናይ ኢህወዴግ ሽም ንመጀመሪያ ግዜ ክቕየር እዩ ኢሎም።

ኣዋርሕ ዝተረፎ ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምርጫ ኢህወዴግ ዝበሃል ውድብ ኣይህልውን።ኦዴፓ፣ኣዴፓ፣ዴህደንን ህውሓትን ዝብሃሉ ኣባል ውድባት ኣይህልዋን።ናይቲ ውድብ ኣቦ ወንበር ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንኩላትና ዝሓቖፈ ሓደ ኢትዮጵያዊ ውድብ ክንፈጥር ኢና ብምባል ናይ ኢህወዴግ ሓድሽ ኣወዳድባ ወግዓዊ ጌሮም።

እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ነዚ ወግዓዊ ዝገበሩ ኣጋር ውድባት ካብ ዝመርሕኦም ክልላት ዓፋር፣ሶማሌ፣ጋምቤላ፣ቤንሻንጉል ሃረሪን ዝመፁ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ምስ ዝመጹ ተወከልቲ ህዝቢ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትማሊ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን እዩ ።

ኢህወዴግ ክሳብ ሎሚ ብቐጥታ ዘመሓድረን ንክልላት ኦሮሚያ፣ኣምሓራ፣ደቡብን ትግራይን ጥራሕ እዩ።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ንተወከልቲ ከምዝገለፁዎ ኢህወዴግ ብኣጋር ውድባት ዝመሓደራ ክልላት ሓዊሱ ኩሎም ናይ ኢትዮጵያ ክፋላትን ኢትዮጵያዊያንን ብዝሓቁፍ ኣገባብ እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።

እቲ ገዛኢ ፓርቲ ሽሙ ከይተረፈ ንምልዋጥ ዘኽእሎ እዚ መፅናዕቲ ይዛዘም ምህላውን ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ሓላፊ ማእኸል ኣተሓባብሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ሓላፊ ቤት ሕፅፈት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግን ኣቶ ብናልፍ ኣንዱኣለም ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

“ቀዳማይ ረቂቕ ናይዚ መፅናዕቲ ናብ ምዝዛም ገፁ እዩ ዘሎ።ኣርባዕቲአን ኣባል ውድባት ኣብ ቀረባ ክዘራረባሉ ትፅቢት ይግብር።እቲ ናይ ውህደት ሕቶ ብኣባል ውድባት ኢህወዴግ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ መፅናዕቲ ብኣጋር ውድባት እውን ስለ ዝተሰርሐ እቲ ውህደት ንዕኦም እውን ዝሓውስ እዩ።”

ኣቶ ብናልፍ ወሲኾም ኣብ እዋን ምይይጥ ዝርከብ ግብኣት ተሓዊሱዎ ኩለን ፖለቲካዊ ውድባት ክውስንኦ ትፅቢት ከምዝግበርን በዚ ውሳነ መሰረት ድማ እቲ ፓርቲ ሓደ ዝተወሃደ ፓርቲ ከምዝኸውንን ኣብሪሆም።

ንሶም እቲ ሕጂ ዘሎ ኣወዳድባ ብቕርፅን ትሕዝቶን ስለዝልወጥ ግንባር ምዃኑ ተሪፉ ሓደ ውድብ ክኸውን እዩ ምስ ኢሎም።

“ሕጂ ዘለው ብሄራዊ ውድባት ናብዚ ሓዱሽ ፓርቲ ክጠቓለሉ’ዮም። ርእሶም ክኢሎም ዝተወደቡ ብሄራዊ ፓርትታት ክቕህሙ እየን።ከምቲ ዝነበርኦ ርእሰን ክኢለን ብደረጃ ውድብ ምስርሐን ከብቅዕ እዩ።”

ብብሄራዊ ደረጃ ዝተወደባ ከም ናይ ሶማሌ፣ናይ ዓፋር፣ቤንሻንጉል፣ከምኡ እውን ኣባል ውድባት ኦሮሞ፣ኣምሓራ፣ደቡብን ትግራይን ሽመንን ቅርፀንን ክሓድጋ እየም ኢሎም።ሓደ ፓርቲ ክኸውን ከሎ ኣብ ምርጫ ተወዳዲሩ እንተድኣ ስዒሩ ነተን ክልላት ዘመሓድር እቲ ሓድሽ ዝጣየሽ ውድብ ክምድበለን እዩ ኢሎም።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ርእይቶኦም ዝሃቡ ዳይረክተር ኢኒሼትቭ ኣፍሪቃ ናይ ቀደም ናይ ኣዲስ ኣበባን ናይ ኢትዮጵያን ኣብያተ ምኽሪ ንግዲ ፕረዚዳንት ዝነበሩን ኣቶ ክቡር ገና ኣብ ቀረባ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ዝተበሃለ ሓዱሽ ኣወዳድባ ኢህወዴግ ዝተወሰነ ርእዮተ ዓለማዊ ለውጢ ሒዙ ክመፅእ ይክእል’ዩ ዝብል ግምት ከምዘለዎም ሓቢሮም።

Source=https://tigrigna.voanews.com/a/ገዛኢ-ፓርቲ-ኢትዮጵያ-ቕምዲ-ዝቕጽል-ምርጫ-ታ-ሃገር-ሃደ-ዝተወሃደ-ፓርቲ-ከምዝኸውንን-ሽሙ-ከምዝቕይርን-ተገሊጹ/4803309.html

Last modified on Tuesday, 26 February 2019 11:15