ኤርትራ፡ ሶማልን ኢትዮጵያን ስሉሳዊ ስምምዕ ከቲመን

2018-09-06 10:25:58 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2325 times

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ አፈወርቂ ከምኡውን ፕረዚደንቲ ሪፓብሊክ ሶማል፡ ሞሓሞድ ኣብዱላሂ

ትማሊ ኣብ ኣስመራ ዝተራኸቡ መራሕቲ ሰለስቲኣን ሃገራት፡ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት አመልኪቶም ምስዘተዩ ሓቢሮም ንምስራሕ ኣብ ዘኽእል ስሉሳዊ ስምምዕ ምብጽሖም ተሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ አፈወርቂ ከምኡውን ፕረዚደንቲ ሪፓብሊክ ሶማል፡ ሞሓሞድ ኣብዱላሂ ዝተፈራረሙዎ ስምምዕ፤ ጂኦግራፍያዊ ፡ ታሪኻዊ፡ ባህላውን ሃይማኖታውን ሓባራዊ ረብሓታት ሰለስቲአን ሃገራት ዘማእኸለ ከምዝኾነ እቲ ናይ ሓባር መግለጺ የመልክት።

በዚ መሰረት፡ እቲ ስምምዕ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ባህላውን ክሓብራን፡ ዞባዊ ጸጥታን ደሕነትን ሕልው ንምግባር ሓቢረን ክሰርሓን ዝጥምት እዩ።

ከምኡ ድማ ነዚ ስምምዕ ዝትግብርን ብሓላፍነት ዝቆፃፀርን ካብ ሰለስቲአን ሃገራት ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝተኻተቱዎ ፡ ሓበራዊ ላዕለዋይ ኮሚተ ቆይሙ።

እዚ ዝተኸተመ ስምምዕ ፡ ሕድሕድ ናጽነት፡ ልዑላውነትን ዶባዊ መትከላትን ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ብምኽባር ዝተገብረ ምዃኑ እቲ መግለጺ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኤርትራ ምስ ኢትዯጵያን ምስ ሶማልን ሰላማዊ ርክባ ዝጀመረት ኣብ ቀረባ ግዘ ምዃኑ ዝዝከር እዩ።

ብፍላይ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፤ ቀደማይ ሚኒስትር ኮይኖም ድሕሪ ምሻሞም ስዒቡ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናብ ኣስመራ ዑደት ዝተገብሩ እንትኸውን፡ ንዝተጀመረ ዕርቀ ሰለም መሰረት ዝኸውን ክልተኣዊ ስምምዓት ምስ ፕሬዚደንት ኢሳይያስ አፈወርቂ ምኽታሞም ዝዝከር እዩ።

Sporce=https://www.bbc.com/tigrinya/news-45427613

Last modified on Thursday, 06 September 2018 12:29