ብህግደፈ-ኢሳይያስ፡ ከይንድህለል!

2018-09-09 07:55:46 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2049 times

ንሕና ኤርትራውያን፡ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ጽላላት፡ ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ንጡፋት ተንቀሳቐስቲ፡ ምሁራትን ናይ ዜና ማዕከናትን ኮታ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ጨቛኒ ጉጅለ ህግደፍ መሰረታዊ ሕቶ ከም ዘለና ስምዕታን ተቓውሞን ካብ እነቕርብ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ገሌናስ ጌና ቅድሚ ናጽነት ሃገርና እውን ናይ ሎሚ ጉጅለ ህግድፍ ኣካይዳ ባህ ስለ ዘይበለና ከነተንብህ ዝጸንሕና’ውን ኣለና። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ እውን ንዝተወሰነ ግዜ ምስ ተዓዘብናዮ ከምቲ “ክሳብ እትኣመን ኪድ ካብ ዘይተኣምን ግና ተመለስ” ዝበሃል ኣብ መስርሕ እዚ ጉጅለ ጸረ ልዕልና ሕግን ኩሉ መሰላትን ምዃኑ ምልክታት ምስ ረኣና ራሕሪሕናዮ ኣብ መስርዕ ደንበ ተቓውሞ ተሰሊፍና ንቃለሶ ዘለና ውሑዳት ኣይኮናን።

ሕቶታትና ናብ ህግደፍ ብሩሃትን ተደጋጊሞም ክቐርቡ ዝጸንሑን እዮም። እዞም ሕቶታት ኣይኮነንዶ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ደለይቲ ፍትሒ፡ ሰላምን ዕቤትን ሕብረተሰብ ዓለም እውን ፍሉጣት እዮም። እንተኾነ እቲ ክምልሶም ዝግበኦ ኣካል፡ ባህርያቱ ስለ ዘይፈቕደሉ ኣይመለሶምን። ክሳብ ዘይተመለሱ ደጋጊምና ከቐርቦም ከኣ ንቡር እዩ። እነሆ ከኣ ክሳብ ዝምለሱ ቃልስና ቀጻሊ እዩ። ናይቶም ህዝቢ ኤርትራ ናብ ህግደፍ ዘቕርቦም ሕቶትታት ዝርዝር ነዊሕ እዩ። ኣብዚ ኣጋጣሚ ንኣብነት ኢና ክንጠቅስ እንኽእል።

ሕቶና ሕቶ ምውሓስ ልኡላውነት ኤርትራ ብዘየዳግም ዓለም ለኽእዊ ተቐባልንት ብዘለዎ ውሳነ እዩ፡ ሕቶና ሕቶ ብዲሞክራሲያዊ ተሳትፎ መላእ ህዝቢ ተነዲፉ ብዝጸደቐ ሕገመንግስቲ ምምሕዳር እዩ፡ ሕቶና ሕቶ ምዕቃብ ኩለመዳያዊ ብዙሕነት ኤርትራ እዩ፡ ሕቶና ሕቶ ምርግጋጽ ኩሉ መሰረታዊ መሰላት ህዝብና እዩ፡ ሕቶና ሕቶ መሰል ምውዳብ፡ ሓሳብካ ምግላጽን ዝኣመንካሉ ሃይማኖት ምኽታልን እዩ፡ ሕቶና ሕቶ ብህዝቢ ተመሪጹ ብህዝቢ ዝወርድ መሪሕነት ምርካብ እዩ፡ ሕቶና ሕቶ ፍልሰት መንእሰያት ተጠው ክብልን ቅድሚ ሕጂ ዝተሰዱ ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ኩነታት ምፍጣርን እዩ፡ ሕቶና ሕቶ ካብን ናብን ኤርትራ ብናጻ ምንቅስቓስ እዩ፡ ሕቶና ሕቶ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዘትከለ ኣብ ናይ ሕድንሕድ ጉዳይ ምሽጣዊ ምትእትታም ዘየፍቅድ ጉርብትና ምድንፋዕ እዩ። ከምቲ ዝተባህለ ዝርዝር ሕቶታትና ብዙሕ እዩ እሞ ንኣብነት ዝኣክል ኣብዚ ከብቅዕ።

ትርጉም ተቛውሞና ኣንጻር ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወቅን ንሱ ዝመርሖ ስም ጥራይ ሒዙ ዝተረፈ ህግደፍን እምበኣር ንጹር እዩ። ጠለብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገር ይሃሉ ኣብ ወጻኢ፡ እዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ በዂሮም ዘለዉ መሰረታዊ ሕቶታት ክምለስሉ እዩ። እዚ ሕቶታት’ዚ ንናይ እንዳ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻልን ዘይምቕጻልን ፖለቲካዊ ሕሳብ ዝትንክፉ ስለ ዝኾኑ፡ ህግደፍ ፈትዩን ረድዩን’ኳ እንተዘይመለሶም ኣየሻቕልዎን ማለት ኣይኮነን። ወረ መሰረታውን ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ስለ ዝኾነ ብዛዕባኡ ድምጺ ከስምዕ ናይ ግድን እዩ። እንተኾነ እዚ ሕቶታት ብጽቡቕ ድሌት ህግደፍ እንተዘየለ’ውን ከይተመለሰ ከምዘይነብር ፍሉጥ እዩ። ቀጻልነት ናይ ለውጢ ቃልስና ናይ ግድን ዝኸውን ከኣ ምእንቲ’ዚ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ “ኤህ ዕድመኻ የሕጽሮ” ይብሎ ከምዘሎ ተረዲኡ ምስ ረዓደን ናይ ግዳም ተጽዕኖን ግነዖትን ምስ ኣህረፎን፡ እነሆ ካብዚ መጻብቦ የውጸኣኒ ኣብ ዝበሎ ሓድሽ ዝመስል ግና ድማ ዝኣረገሉ ተዋሰኦ ኣትዩ የኹድድ። ምስቲ ዝደህሰስ ኣብ ባይታ ዘሎ ናይ መሰል ሕቶ ዘቕረበሉ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ሓንቢሱ ለውጢ ከምጽእ ዘኽእል ዓቕምን ጽሮትን ስለ ዝሓጽሮ፡ ዘቤታዊ ገበናቱ ሓቢኡ ምስ በዓል ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ከኽመስምስ ይውዕል ኣሎ። እዚ ክበሃል እንከሎ ቀንድን መሰረታውን ቀዳምነትና ኣይኮነን ንምባል እንተዘይኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ምስ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካለኦት ጐረባብቲ ሃገራትን፡ ብፋላይ ከኣ ምስቲ ብጀኦግራፍያዊ ኣቀማምጣን ካለኦት ባህላውን ማሕበራውን መምዘንታት ዝቐርቦ ህዝቢ ትግራይ ክህልዎ ዝግባእ ዝምድና ንድግፎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክንቃለሰሉ ዝጸናሕና ስለ ዝኾነ እነተባብዖ እዩ። እዚ ዞባዊ ምትሕብባር ተጎልቢቡ ዝመጽእ ዘሎ ጉርብትናዊ ዛዕባ ካብቲ ቀንዲ ኤርትራዊ ጉዳይና ከየልግሰና ግና ንጠንቀቕ። ጉጅለ ህግደፍ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባን ኤርትራዊ ሃልዮትን ንዘለዎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ጸረ ሰላምን ጸረ ጽቡቕ ጉርብትናን ኣምሲሉ ከቕርቦም ዝፍትኖ ከኣ ርሑቕ ከይከደ ዝርኹመሽ ሓሶት እዩ።

ብእምንቶይ፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መሰረታዊ ናይ ለውጢ ሕቶታት ነቶም ህግደፍ ብተግባር ኣርእዩ ዘይኮነስ ኣርዒዱን ብዘይትግበር መብጸዓታት ሰሊቡን ደገፍቱ ኣምሲልዎም ዘሎ ኤርትራውያን ከይተርፈ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት እዩ። ናይቲ መሰረታዊ ሕቶታትና መሰረታውን ዘተኣማምንን መልሲ ንምርካብ ከኣ፡ ኩልና ናይቲ ብቓልስና ዝመጽእ ለውጢ ተጠቀምቲ ኤርትራውያን፡ ጉጅለ ህግደፍ መሰረታዊ ዘይኮኑ ብዙሕነትና ዝወለዶም ፍልልያትና ኣባሊሑ ግዳይ ጭቆናኡ ንክገብረና ዕድል ክንህቦ ኣይግበኣናን። ህዝቢ ኤርትራ ኣስኒቑ፡ ኣዕጢቑን ደቁ መሪቑ ብምሃብን ኣብ ዓወት ዘብጸሖም ኢሳይያስን ውሑዳት መዳኽርቱን ብጎቦ ዓይኖም እንተረኣይዎ፡ ክቃለሶም እምበር ኣስቆርቊሩ ካብ ቃልሲ ክዝሕትል ኣይግበኦን።

ጉጅለ ህግደፍ ናይ ገሌና ኤርትራውያን ፈታዊ ናይ ገሌና ድማ ጸላኢ መሲሉ ክቐርብ ከም ዝፍትን ኣብ ተመኩሮ ተዓዚብናዮ ኣለና። እንተኾነ ህግደፍ ብባህሪኡ ጸረ-ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ እቶም ሎሚ ፈተውቱ ኣምሲሉ ዘቕርቦም ወገናት’ውን ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ጸላኢኦም ከም ዝኾነ ክርድኡ ይግበኦም። ህግደፍ ፈታውን ጸላእን ወይ ተቓዋምን ደጋፍን ኣምሲሉ ከቕርበና ክፍትን እንከሎ በዚ ከይተዳህለልና ኩልና “ናይ ኩልና ጸላእን ገፋፊ መሰላትናን ኢኻ” ክንብሎ ሓደራ። ኣብ ሎሚ በጺሖም፡ ብናይ ጉጅለ ህግደፍ ሓድሽ ዝመስል ሓድሽ ዘይኮነ ተዋስኦ ተሰሊቦም ምእዙዛቱ ክኾኑ ዝፍትኑ ወገናትና ከኣ ብመሰረታዊ መሰሎም ይዋገዩ ምህላዎም ክግንዘቡ ይግበኦም። በዚ እጋጣሚ ካብ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ብዝውሕዝ ናእዳ ምስሊ “ኢሱ” ናይ ምስናዕ ምስምስ ካብቲ ቅኑዕ መንገድና ከይተኣለና፡ ኢሳይያስን ዕስለኡን ሎሚ፡ ትማልን ጽባሕን ዓመጽቲ ምዃኖም ንገንዘብ። “ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል” ከምዝበሃል ካብ ኢሳይያስ ድምጺ ህዝብና ዝሰምዕ ለውጢ ክርከብዩ’ሞ ግዜ ንሃቦ ዝብል ብሂል ከኣ መደንዘዚ’ዩ እሞ ብኣኡ ከይንድህለል።

Last modified on Sunday, 09 September 2018 09:58