ኣብነታዊ ተበግሶ፡ ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ

2018-09-05 06:21:00 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2367 times

(ገበር መጽሓፍ ካብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ)

ወዮ ብሰንኪ ዘይግሉጽ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ እንዳተሓብአ እምበር፡ ኣብ ኤርትራ ዝምዕብል ዘሎ ክቱር ህዝባዊ ምረት ዝደረኾ ናይ ለውጢ ኣታሓሳስባታት ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን በዚ መጸ ዘይበሃል፡ ዘንባል ዝምድና ክረአ ምጅማሩ ብዙሓት ኣብ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ዘይግደስሉ ዝነበሩ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት ክኾኑ ተገዲዶም ኣለዉ። ናብዚ ክኣትዉ ዘገደዶም ከኣ ኣብዚ ብሃታሃታ ዝኸይድ ዘሎ ኣድብዩ ዝጸንሐ ዝይግሉጽ መስርሕ ስግኣትን ጥርጣረን ስለ ዝሓደሮም እዩ። ዜጋታት ከባቢኦም ናይ ስግኣት ክኸውን እንከሎ ብዛዕባኡ ክዛረቡ ይግደዱ። ብኡ ኣቢሎም ድማ ፖለቲከኛታት ይኾኑ። ብዛዕባ ዝኾነ ምዕባለ ከጸናጽኑ ከኣ ይግደዱ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ሓድሽን ናብ ውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ ዘድሃበን ወረ ተፈጢሩ ኣሎ። ነባር ተጋዳላይ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ “ሃገረይ ኤርትራ” ዘርእስታን ኣብ ዙርያ ጸይቂ ተግባራት መራሒ ገዛኢ ጉጅለ ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም እተተኩር ዝዝረበላ መጽሓፍ የሕትም ከም ዘሎ ተወርዩ። ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ 1975 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ፡ ብሞያኡ ኣብ ብዙሕ ቁጠባዊ ትካላት ዝሰርሐን ደሓር ከኣ ሚኒስተር ፋይናንስ ኮይኑ ዘገልገለ ምሁር እዩ። ደሓር ግና ኣብ ምትእትታው ስሩዕ ገንዘባዊ በጀትን ኣገዳስነት ምቁጽጻር ኣታውን ወጻእን ከምኡ እውን ኣብ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ካብ ማዕድን ወርቂ ዝርከብ ገንዘብን ምስቲ ኣብ ህግደፍ ተሓቢኡ ገንዘባዊ ሕቖ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝድግፍ ሓጐስ ገብረህይወት (ክሻ) ኣብ ዘይምርድዳእ ምስ በጸሓ ብወለንታኡ ስልጣኑ ዝለቐቐ እዩ።

ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብዚ እዋንዚ ጥዕና ከምዘየብሉን ብቐወምቲ ሕማማት ከም ዝሳቐን ኣገልገልቲ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝሰረቕዎ ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ክስንድሑእንከለዉ፡ መድሓን ህይወት ገንዘብ ዝተነፍጎ ምዃኑ ናይ ቀረባ ፈለጥቱ ይገልጹ ኣለዉ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሕምብርቲ ኤርትራ ኣስመራ ኮይኑ ዝደረሳ መጽሓፍ ኣብ ወጻኢ ትሕተም ከምዘላን ኣብ ቀረባ ግዜ ከም እትዝርጋሕን ነቲ ኩነታት ብቐረባ ናይ ዝከታተሉ ወገናት እምነት እዩ። ሚኒስተር ብርሃነ ንኣቶ ኢሳይያስ ብ”ንፋስ ዘራጊቶ” (ህቦቡላ) መሲልዎ ከም ዘሎ ናይታ መጽሓፍ ልግዐ ዝበጸሖም ወገናት ይምስክሩ ኣለዉ። ብትኽክል ከኣ ብፍላይ ምስቲ ኣብዚ እዋንዚ ዘርእዮ ዘሎ ፈኾስኮስን ሃልፈጽፈጽን ንኣቶ ኢሳይያስ “ዘራጊቶ” እንተ ኢልዎ ናቱ ሂብዎ ኣሎ። እዚ ናይ ሚኒስተር በርሃነ ኣብርሀ ተግባር፡ መቐጸልታ፡ ተበግሶ ጉጅለ 15፡ ስርሒት ውዲዓሊ፡ ተቓውሞ ሸኽ ሙሳን ድርሰት ዶ/ር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርግስን እዩ። ብጠቕላላ ከኣ ናይቶም ጌና ካብ ቅድሚ ነጻነት ኤርትራ ጀሚሮም ኣካይዳኡ መዚኖም ንኢሳያስን ጉጅለኡን ክቃወምዎ ዝጸንሑን ዘለዉን ወገናት ጻዕሪ መቐጸልታ። እንተኾነ ናይዚ ብዛዕባቲ ትብዓቱ ንዛረብ ዘለና ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ ናይ ምቅላዕ ተበግሶ ብልጫ ኣለዎ። ቅድሚ ኩሉ ኣብ ጥቓ ኢሳይያስ ኮይኑ እሞ ድማ ብስኑድ ኣገባብ ዝምክት ዘሎ ምዃኑ ሓደ ብልጫ’ዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብዚ ኢሳይያስ ብዙሕ ሓቢእዎ ዝጸንሐ ኣበሳታት ፈዘግዘግ ዝበለሉ ዘሎ ህሞት ምዃኑ እውናዊ’ዩ። ኮታ እዚ ተግባር ካብቲ ኢትዮጵያዊ ግኑን ደራሲ በዓሉ ግርማ “ኦሮማይ” ዘሕተመሉ ኩነታት ፈሊኻ ዘይረአ ትብዓት እዩ።

ዘራጊቶ ንኣቶ ኢሳይያስ እንተዘይውሒድዎ ከም ዘይበዝሖ ኩልና ንረዳደኣሉ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብዛ ዘይውርዙይ ዲክታቶር ኢሳይያስ ከም ናይ ብሕቱ ንብረት ምስ ህዝባ ዝሻቑጣ ዘሎ ኤርትራ ኮይንካ፡ ከምዚ ዓይነት ተባዕ ስጉምቲ ምውሳድ ከኣ እቲ ዝለዓለ መስዋእትነት ምኽፋል እዩ። ሚኒስተር ብርሃነ ወረ እዛ መጽሓፍ ምስተሰምዐ ድሮ ተኣሲሩ እዩ ዝብሉ ወገናት ኣለዉ። እንተኾነ ፈትዩ ዝኣተዎ ስለ ዝኾነ ምእሳሩ ኣይኮነንዶ ንዓኡ ንዓና እውን ኣይገርመናን። ናይ ልቡ ስለ ዝገበረ ከኣ ከምዘይጠዓስ ርግጸኛታት ኢና። ኣብ መዋእል ህግደፍ እቲ ዘገርም እንተዘይእሰር እዩ። ምእሳር ጥራይ ኣይኮነን ድሕሪ ሕጂ ከምቲ “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ” ዝበሃል፡ ራህዋ ኣይክጽበን እዩ። ነቲ ክንዳኡ ኮይኑ ድምጹ ዘስመዓሉ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ዕዳ ይገድፈሉ ከምዘሎ ግና ክንዝንግዖ ዘይግበኣና እዩ። ከምቲ “ንሓጺን ብርስኑ” ዝበሃል ነቲ ባዕሉ ዝበሰለ ክነሱ ኣብ ርእሲኡ ድማ ሚኒስተር ብርሃነ ብድፍረት ከፊትዎ ዘሎ ሓድሽ ዲክታተርን ዲክታተርነትን ናይ ምቅላዕ ምዕራፍ እንተዘይስዒብናዮ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዕድላት ዝመኸነ እዚ እውን ክሃጉግ እዩ። እቶም ተሓተቲ ከኣ ሚኒስተር ብርሃነን ካለኦት ቅድሚኡ ዘዝሓዝዎ ኣንጻር ህግደፍ ዝደርበዩን ዘይኮኑስ ንሕና ኢና ክንከውን።

ከምቲ ወለድና “ ዝወዓለ ይንገርካ ዝሰሓተ ይምከርካ” ዝብልዎ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ሚኒስተር ኮይኑ ምስ ኢሳይያስ ኣብቲ ተሃዋሲ ዛዕባ ዝሰርሐ እዩ። እሞ ድማ ኣብቲ ኢሳይያስ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቢኡ ዘቆማጥዖ መዳይ። መጽሓፍ ኣቶ ብርሃነ “ሃገረይ ኤርትራ” እትህቦ ሓበሬታ ናብቲ ሓቀኛ ዝተበላሸወ መንነት ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣዝዩ ዝቐረበ ክኸውን እዩ። ካብ ሓቂ ንምህዳም እንተዘይኮይኑ ነቲ ካብታ መጽሓፍ ዝርከብ ሓበሬታ ምቕባሉን ከም ናይ ቃልሲ መባኹዕቲ ምውሳዱን መተካእታ ኣይህልዎን። ኢሳይያስ ክሳብ ክንደይ ገበነኛን ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራን ምዃኑ ብቐረባ ካብ ዝፈልጥዎ ኢና ክንርዳእ እንኽእል። ንሓበሬታ ናይቶም ብቐረባ ዝፈልጥዎ ምስምሳት ፈጢርካ ሸለል ኢልካ፡ ባዕሉ “ከምዚ ዓይነት ገበን ፈጺመ እየ” ኢሉ ክሳብ ዝእመነልና ንጽበ እንተኮይና “ኢሱ ንበረልና” ንብሎ ኣለና ማለት እዩ። እዚ ማለት ግና ንእንረኽቦ ሓበሬታ ኣይነመሳኽሮ ኣየስምዕን’ዩ።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ንናይ ከም ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ ዝኣመሰለ ኣብ ለልቡ ንዘሎ ሓሳብ ዝውክል ተበግሶ ከም መወከሲ ወሲዱ በብጽሒቱ ክገብር እንተዘይተላዒሉ ነቲ ብዙሕ ዝርዝር ዝሓቖፈ ጭቆና ህግደፍ ርዒምዎ ኣሎ እዩ ከስምዕ። ተበግሶ ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተበግሶታት ከም ክርቢት እዩ ክውሰድ። ናብ ዘይምሕር ስፊሕ ናይ ለውጢ ባርዕ ናይ ምቕያሩ ሓላፍነት ከኣ ናይ ኩልና ደለይቲ ራህዋን ፍትሕን ኤርትራውያን እዩ።

Last modified on Wednesday, 05 September 2018 08:28