ዘይቐንእ ኣይወለድ ዶ ኣየብልን!

2018-08-29 18:38:39 Written by  ኣዱሊስ ሴም Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1983 times

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝተፈላለዩ ናይ ኢትዮጵያ ልኡኻት ካብ ኣዲስ ኣበባን ዝተፈላለያ ክልላዊ መንግስታት ናይታ ሃገርን ናብ ኣስመራ ክመላለሱ ቀንዮም። ብኣቶ ለማ መገርስ ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ዝምራሕ ልኡኽ፡ ብኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ናይ ክልል ኣምሓራ ሓላፊ ርክባት ዝምራሕ ናይቲ ክልል ልኡኽ ከምኡ ከኣ ብዳይረክተር ሃገራዊ ጸጥታ ኢትዮጵያ ጀነራል ኣደም ኣሕመድ ዝምራሕ ልኡኽ ናብ ኣስመራ ከይዶም። ናይዞም ልኡኻት ዕላማ ከኣ ብቕደም ሰዓብ፡ ምስቲ ብዶ/ር ዳውድ ኢብሳ ዝምራሕ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)፡ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራን ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይን ብዛዕባ ሓቢርካ ምስራሕ ንምዝርራብ ነይሩ። ናይዞም እዞም ልኡኻት መገሻ ንዝምድና ክልላውን ማእከላውን መንግስታት ብዛዕባ ዘለዎ ጽልዋ ኣዘራራብነቱ ንዝምልከቶ ዝግደፍ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝገበርዎ ዘተታት ከም ዝተሰማምዑ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብዚ ርክባት ዲክታቶር ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቀንዲ ኣጋፋርን ኣሳሳይን ከም ዝነበረ ከኣ ብሩህ እዩ።

ኣቶ ኢሳይያስ ናይ ገዛእ ርእሱ ዕዮ ገዛ ኣቐሚጡን ኣሳሪ፡ ጸዋግ፡ ጸቢብ፡ ብጠቕላላ መላኺ ባህሪኡ ሓቢኡ ዓራቓይ ክኸውን ዝተዓዘቡ ወገናት ከኣ ብዘይካቲ “ምስ ነብሱ ዘይተዓረቐ ናይ ካልኦት ኣታዓራቒ ክኸውን ከምዘይክእል ጦብላሕታ ምሕዳሮም፡ ነቲ ተግባር “የራስዋን እያረራት የሌላውን ታማስላለች (ናታ ንዳሓረረስ ናይ ካልኦት ተካውስ)” ብዝብል ናይ ኣምሓርኛ ምሳልያዊ ኣበሃህላ ይገልጽዎ። ካብ ክሳብ ናይ ሕጂ ተመኩሮ ከም እንዕዘቦ ኣቶ ኢሳይያስ ዝጥቀመሉ ናይ ሓሳባት ፍልልይ ኣተሓሕዛ፡ ነቲ ካብ ናትካ ርኢቶ ዝተፈልየ ሓሳብ ዝሓዘ ኣካል፡ ርኢቶኡ ቅኑዕ ይኹን ግጉይ ብዘየገድስ፡ ምእሳሩ፡ ምስዋሩን ወይ ንህልውናኡ ኣፍልጦ ዘይምሃብ እዩ። ኣብ ልዕሊ ካብ ናቱ ርኢቶ ዝተፈልየ ምናልባት’ውን ዝሓሸ መዋጸኦ ንዘቕረቡ ናይ ነዊሕ ግዜ መቓልስቱ ብ2001 ዝወሰዶ ናይ ማእሰርትን መጭወይትን ወራር ነዚ ዘመልክት እዩ። ነቲ ምስ ኩሉ ጸገማቱ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ሕብረተሰብ ዓለምን ህያው ዝኾነ ደንበ ተቓውሞናን ተጽዕኖ ፈጣሪ ናይ ለውጢ ውዳበታትን ኤርትራ ፍልጦ ንዘይምሃብ ዝገብሮ ሸርሕታት ከኣ ነዚ ዘመልከት እዩ። እንተኾነ ከምቲ “ሓባእ ቁስሉስ ሓባእ ፈውሱ” ዝበሃል ንገዛእ ርእሱ ኣብ ትዕዝብቲ ክወድቖን ዝቐትሎን እምበር፡ ነቲ ዝረአ ክሓብእስ ኣይክኽእልን እዩ።

ኣብ ህዝብና ናይ ዝተፈላለዩ ወገናት ናይ ሕድሕድ ምጽልላው ከም ዘሎ ርዱእ ስለ ዝኾነ፡ ሓደ ኣካል ኣብቲ ምስ ናትካ ዝመሳሰል ጉዳይ ኣውንታዊ ኣተሓሕዛ ከዘውትር እንከሎ ብኣኡ ተመሲጥካ ናብ ረብሓኻ ከተውዕሎ እንከለኻ ንምንኣዱ “ዘይቐንእ ኣይወለድ” እዩ ዝበሃል። ኣብዚ ግና ነቲ ቅዱስን ኣውንታውን ቅንኢ እምበር፡ ነቲ ብቕንኢ ተደሪኽካ ኣብ ልዕሊ ጽቡቕ ተመኩሮን ተግበርቱን ዝውሰድ ዘይቅዱስ ተግባር ኣይኮናን ነተባብዕ ዘለና። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣቶ ኢሳይያስ ንዘይቅዱስ እምበር ንቕዱስ ቅንኢ ዘይተዓደለ ምዃኑ ዝሓለፎ ተመኩሮ ከም ዝምስክሮ ምጥቃሱ የድሊ።

ኣቶ ኢሳይያስ ቕዱስ ቅንኢ ዘብቁል ሕልናኡ ካብ ምብዳም ሓሊፉ ናብ ምድረ-በዳ ስለ ዝተቐየረ፡ ካብቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ኢትዮጵያውያን ናይ ምክእኣልን ምክብባርን ዘተታት ክቐንእ ማለት ዘበት እዩ። እቲ ቅዱስ ቅንኢ ከሕድር ዝግበኦ እምበኣር ኣቶ ኢሳይያስ ኣይኮነን። ንሱስ ቅዱስ ቅንኢ ተዘሪኡ ናብ ዘየፍሪ ምድረ-በዳ ተቐይሩ እዩ ኢልናዮ ኣለና። እቲ ካብ ቅዱስ ናይ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ሃገሩ ቅንኢ ዝጥቀም ህዝቢ ኤርትራኸ ስለምንታይ ዘይቀንእ’ሞ ናይ ለውጢ ድምጺ ዘየስምዕ። ብመሰረቱ’ውን ቆላሕታና ናብቲ ዝተቐብጸ ጉጅለ ዘይኮነ ናብ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ብሕቡእ “ኣብይ ወዲ ሽዋ ንኢሱ ሸዊድዋ” እንዳተባህለ ይድረፍ ከምዘሎ ይንገር። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ኣስመራ ኣብ ኣባይትኻ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣሳእል ምስቃል ንቡር ኮይኑ ኣሎ። እዚ ተርእዮ ንዝርደኦ ረዚን መልእኽቲ ኣለዎ። ሓደ ስብኣይ ኣብ ኣስመራ ዝበልዎ ተባሂሉ ዝዕለል ኣሎ። ኣብ ገዝኦም ዲክታቶር ኢሳይያስን ዶ/ር ኣብይን ብሓባር ዝተሳእልዎ ስእሊ ሰቒሎም። ዓርኮም ከኣ ነየንኦምከ ትፈቱ ኢሎም ይሓትዎም። እቶም ሰብኣይ ከኣ ንኢሳይያስስ ኣይመደለኹዎን እንተዝደልዮ ቀደም ዘይሰቕሎ፡ እንተኾነ እቲ ናይ ኢትዮጵያ መራሒ በይኑ ዝተሳእሎ ስእሊ ስለ ዝሰኣንኩ እየ ነዚ ግናይ ናትና ሰብኣይ ኣጸጊዐዮ ዘለኹ ኢለሞም ይበሃል።

ኣቶ ኢሳይያስ በቲ ህላወኡ ተንጠልጢልሉ ዘሎ ናይ ስለያ መርበብ ኣቢሉ ነዚንዓኡ ዝጸልእ ናይ ህዝቢ ስምዒት ከም ዝበጽሖ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እንተኾነ ሓንሳብን ንሓዋሩን ናይ ህዝቢ ስምዒትን ድሌትን ጓስዩ ፊን ከምዘበሎ ክኸይድ ስለ ዝወሰነ ብዘይካ ካብ ናይ ምግንዛብ ዓለም ወጺኡ፡ ብጐደና “ንኺድ ጥራይ” ክጐዓዝ ካልእ መተካእታ የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ግና ደጊም ገዛኻ ዓጺኻ ምሕማይን ከንፈርካ ምርምጣጥን ይኣክል ክብል ይግበኦ። ነቲ ኣብ ጐረቤቱ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ናይ ለውጢ ንፋስ ምስቲ ምኩርን ሕጉግን ባህሉ ኣወሃሂዱ ንኤርትራን ህዝባን ክምጥን ብዝኽእል ኣገባብ ክሰርሓሉ ግዜኡ ሎሚ እዩ። ደጊም ነቲ ኢሳይያስ ንግላዊ ስልጣኑን ንረብሓ ዓንገልቱን ዝተቐየሶ መንገዲ ንኺድ ክብሎ እንከሎ፡ ናበይ? ምስ መን? ስለምንታይ? ክሳብ መዓስ? ብዝብሉ ሕቶታት ክውጥሮ ኣለዎ። ከምኡ እንተዘይገይሩ ህዝቢ እውን “ዘይቐንእ ኣይወለድ” ክበሃል እዩ። ደጊም ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ክገብር ከም ዝግበኦ ነቲ “በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ እግርኻ” ዝብል ኣበሃህላ ወለድና ከስተብህለሉ ይግባእ። እዚ ዲክታተር ከምቲ “ጭጓር ከልብስ ኣሎ እንዳበልዎ ይመውት” ዝበሃል ኣቶ ኢሳይያስ ውሽጡ ከይፍለጥ ብምሕባእ ዝነብር እምበር፡ ኣተሓሳስባኡ ዕድሚኡ ኣኺሉ ከም ዝቡኽቡኽ ኦም ከም ዝሞተ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ መገሻኡ ክጣራዕ ተራእዩ እዩ። ዶ/ር ኣብይ ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ገኒና ብዘይትፍለጥ “ኢሱ” እትብል ናይ ቅብጥሮት ስም ክጽወዖ እንከሎ ዘርእዮ ዝነበረ ሸንዳሕዳሕ ከኣ ተዓዛዚርዎ ከምዘኦ ዘረድእ’ዩ።

Last modified on Wednesday, 29 August 2018 20:40