እስኪ ናብ ቀንዲ ጉዳይ ተመሊስና ሃሰስ ንበል!

2018-08-28 18:21:12 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1850 times

ካብ መጀመርታ ወርሒ ሰነ 2018 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ናይ “ኣይሰላም ኣይውግእ ኩነታት” ሓድሽ ምልክታት ኣርእዩ። ብዙሕ ከይደንጐየ ድማ ዝተፈላለዩ ዘደንጽዉ ምዕባለታት ተዓዚብና። ካብቲ ቀንዲ ዘደንጸወ ድማ እቲ “ዶብና ከይተሓንጸጸ ዝምድናና ምስ ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ቦታኡ ተመልሰ ማለት ሕልሚ’ዩ” ክብል ዝጸንሐ መራሒ ህግደፍ ንኹሉ ክብሎ ዝጸንሐ ጠንጢኑ ካብ ንቡር ናይ መንግስታት ርክብ ዝወጸ ዳንኬራ ምጅማሩ ነይሩ። እዚ ሰብኣይ ካብ ናይ ሓደ መራሒ እየ ዝብል ዘይኮነስ፡ ካብ ናይ ሓደ ተራ ሰብ ስብእና ወጻኢ ሕንኩ ቀንጢጡ ንሓንሳብ ከኽመስምስ ንሓንሳብ ኣፍልልቡ ቢዱ ደጊፉ ካብኡ ሓሊፉ፡ ኢዱ እንዳሰዓመ ታሕጕሱ ክገልጽ እንከሎ ተዓዚቦም ምእማን ዝሰኣኑ ሓደ ኤርትራዊ ዓብይ ዓዲ ንዓኡ ፈዂሱስ ንዓና እውን ኣንዒቑና ድሕሪ ምባሎም፡ ንህዝቢ ኤርትራ እምበር ንኢሳይያስ ደኣ እንታይ ከፊእዎ፡ ዝብል መልእኽቲ ንከተሓላልፉ “ዓሻ ደሓን ኣሎ ዘመድ ዓሻ ግና ከፊእዎ’ሎ” ዝበልዎ ከኣ ንብዙሓት ዝውክል እዩ።

እቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ መሰረታዊ ናይ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ሕቶታት ከሓትት ዝጸንሐን ዘሎን ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ሃንደበታውን ብናይ ግዳም ሓልታት ዝተዋደደን ዝምድና ምሕዳስ እንታይ ከም ዝረኸበ ምድህሳስ ከድልየና እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣስመራ ክበጽሕ እንከሎ ዘርኣዮ ታሕጓስ ብዙሕ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ ነይሩ። እቲ ቀንዲ መልእኽቱ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ራህዋን ካብ ኢሳይያስ ዘይኮነስ ካብ ካልእ ሓይሊ እዩ ዝመጽእ ዝብል እምነት ከም ዘሕደረ ዘመልክት እዩ። ኣብ ካልእ ሓይሊ እምነት ከሕድር እንከሎ ካብ ኢሳይያስን ጉጅለኡን ተስፋ ከም ዝቖረጸ ዘመልክት ምዃኑ ርዱእ እዩ።

ሓደ ካብቲ ድሕሪ ናይ ኣቶ ኢሳይያስን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓልን ካብን ናብን ምብጽጻሕ ዝተራእየ ምዕባለ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን መገጐዓዝያ ኣየር ምኽፋቱ እዩ። ብሳላዚ ምኽፋቱ ተፈላልዮም ዝጸንሑ ወገናት ክራኸቡ ምኽኣሎም ዝድገፍን ዝሕጉስን እዩ። ነቶም ንኢሳይያስ ገኒሖምን ኣዕንጊሎምን ናብዚ ዘብቅዕዎ ሰብ ዋልታ ከኣ ንመሰረታዊ ጉዳያት ህዝቢ ኤርትራን ውሳነ ዶብን ሸለል ምባሎም’ኳ ዘተዓዛዝብ እንተኾነ፡ ልቢዝልብና ነመስግኖም። እዚ ተረኽቦ ኢሳይያስ ጉጅለኡን ኣብ ዝወዓልዎ ዘይሓድሩን ደድሕሪ ጉጅላዊ ረብሓ ዘብዘብ ዝብሉ ምዃኖም ዝተቓልዓሉ እዩ። በቲ ካልእ ወገን እዚ እዚ ተኸፊቱ ዘሎ ካብን ናብን ሓድሽን ንሕቶ ህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ መልሲ ዝህብን ዘይኮነስ ብመንገድታት፡ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ኡጋንዳ፡ ኬንያ ቅድም እውን ብየመን ኣቢልካ ዝግበር ዝነበረ ጉዕዞ ምዃኑ ክንዝንጋዕ ኣይግበእን። ምናልባት ዝወስዶ ዝነበረ ግዜን ወጻኢታትን ነክዩ እዩ። እንተኾነ ብገንዘብን ግዜን ዘይትመን መሰረታዊ መሰላት ጓሲኻ ዝፍጠር ዘሎ ሸፈጥ ስለ ዝኾነ፥ ምናልባት ክነኣድ እምበር ከም ናይ መወዳእታ ሸቶ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጌርካ ክውሰድ ዘይግበኦ እዩ።

እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓድሽ ግን መሰረታዊ ዘይኮነ ምዕራፍ ካብ ዝኽፈት ዳርጋ ክልተ ውርሒ ኮይኑ ኣሎ። እስኪ ምልስ ኢልና ንኤርትራና ንርኣያ። እቶም ንኤርትራ በጺሖም ዝተመልሱ ኢትዮጵያውያን ዝህብዎ ዘለዉ ርኢቶ እውን ነስተማቕሮ። ኤርትራ ከምታ ቀደማ ሕገምንግስቲ የብላን፡ ልዕልና ፍትሒ የለን፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን የለን፡ መሰል ዝኣመንካዮ ሃይማኖት ምስዓብ የለን፥ መሰል ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ምቕራብ የለን፡ ናጻ ፕረስ የለን፡ ግዱድ ዕስክርና ኣይተቛረጸን፡ እቲ ብደረጃ ሕቡራት ሃገራት ገበን ምዃኑ ዝተኣምነሉ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ኣይጐደለን፥ ዕልቕልቕ ኣብያተ መእሰርቲ ኣይጐደለን፡ .. ወዘተ ኮታ ናይቲ ዘይተቐየረ ዝርዝር ነዊሕ እዩ። በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኣውንታዊ ጭልምልም ኣይንተሓጐስ ኣይበሃልን። ብኣኡ ከይንዕሾን ካብ ቃልሲ ከይንበኩርን ግና ክንጥንቀቕ ከድልየና እዩ። እቲ ተረኺቡ ዘሎ ትንፋስ ክርከብ ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ ከምቲ “ጐራሕ ህጻንሲ ዝተዋህቦ ሒዙ ይበኪ” ዝበሃል ነታ ዝርካባ ሒዝና ናብቲ መሰረታዊ መፍትሒ ዘምጽእ ቃልስና ካብ ምቁማት ዓዲ ክንውዕል ኣይግበኣናን።

ገለገለ ወገናት ብዛዕባቲ ጌና ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይተፈትሐ መሰረታዊ ጉዳያትን ቀጻሊ ቃልስን ከተልዕለሎም እንከለኻ፡ ምሒር ሓቲትካ መልሲ ብዘይምርካ ስለ ዝረብረቡን ዝሰክሑን ሕጉሳት ኣይኮኑን። ንህግደፍ ከማኻንይሉን ፍታሕ ከምጽእ ጭንን ዝብሉን ዝብልሉን’ውን ትረክብ። እንተኾነ ከምቲ “ዘይተርፈካ ጋሻስ ተዊቕካ ሰዓሞ” ዝበሃል እቲ ዝወርድ ዘሎ በደል ኣብ እንግደዓና ካብ ኮነ ንከነወግዶ ክንቃለሶ ከኣ ናይ ግድን ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ሓደ ሰብ ከም ዘዕለለኒ ኣብቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝበጸሓሉ እዋን ዝምድና ምሕዳስን መንገዲ ኣየር ምኽፋትን ጥራይ ዘኮይኮነ፡ እንተላይ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩለመዳያዊ መሰረታዊ ሕቶታት መልሲ ጽዒኑ ዝመጽአ ዝመሰሎም’ውን ነይሮም ይበሃል።

መራሕቲ ኤርትራ ከምቲ ቅድም ዝገመትናዮም ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ዘለዉ ዝምድና ከም መሕደሲ ምስሊ ክጥቀምሉ እምበር ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ክገብሩ ድሉዋት ከምዘይኮኑ ርዱእ ነይሩ። ኣብዚ እዋንዚ ንሓንሳብ ብቐጥታ ንሓንሳብ ድማ ብስዉር ዝህብዎ ዘለዉ ሓናኽ መግለጽታት እውን ነዚ ዘመልክት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ምምሕዳራት ከተማ ኣስመራ ኣብ ዘካይድዎ ዘይተወዓውዐ ኣኼባታት “ኣብ ኢትዮጵያ ከምዚ ይግበር ከምዚ ይስራሕ ኣሎ ኢልኩም ኣይተውርዩ። ንሕና ኣብ ውሽጥና ምምሕዳርና ከም ቀደሙ እዩ” ከም ዝበሉ ኣብቲ ኣኼባ ዝወዓሉ ግና ከምኡ ኣይትበሉ ዝተባህሉ ይገልጹ ኣለዉ። ህዝብና ብዛዕባ ጉዳዩ ከይሻቐልን መፍትሒ ክረክብ ዳምዳም ንከይብል ንምጉዳዩ፡ ባሕቲ መስከረም ሓዲኣ ኣላ፥ ከምዚ ክበሃልዩ ከምቲባ ክእወጅ እዩ ዝብሉ ወረታት ከኣ ህዝብና ንምድህላል ህግደፍ ባዕሉ ዝዘርኦ ዘሎ መርዚ እምበር ህግደፍ ፈትዩ ዝህቦ ፍታሕ ከምዘየለ ከኣ ነስተብህለሉ። ስለዚ ሕጂ’ው ናብ ነብስና ተመሊስና ሃሰስ እንተበልና፡ ኣብኡ ኣብቲ መወዳድርቲ ዘየብሉ ወጽዓ ህግደፍ ኢና ዘለና።

Last modified on Tuesday, 28 August 2018 20:25