ወፈያ ንመደበር ውጉኣት ሓርነት ከሰላን ቤት ትምህርቲ ወድ-ሽሪፎይን

2018-08-24 19:15:23 Written by  Neguse Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1873 times

መጽሓፍ “ተሞክሮ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንሃገራዊ ናጽነትን ማሕበራዊ ፍትሕን፡ Eritrean Liberation Front (ELF) . Its Struggle For Freedom and Social Justice (1961 – 1982 ) ተሓቲማ ናብ ህዝቢ ካብ እትዝርጋሕ ልክዕ ክልተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ትሕዝቶ መጽሓፍ ንተመኩሮ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብኸፊል ዘንጸባርቕ ክኸውን ከሎ፡ ብዙሓት ሓርበኛታት ተቓለስቲ ንዝዋዓልዎን ዝተሳተፍዎን ተዘክሮታት ኣጠቓሊላ ብምህላዋ መበገስን መወከስን ክትከውን ከምትኽእል እምነት ደረስታ ጥራሕ ዘይክነስ፡ እምነት ኣንበብታን ዘርጋሕታን ከምዝኮነውን ካብቲ ዝበጻሓና መልእኽትታት ክንርድኦ ክኢልና ኣለና።

እቲ መጽሓፍ ተመኮሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ንዕላማ ተጋድሎና ኣብምርግጋጽ ብዝተሰውኡን ዝሰንከሉን፡ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉን ዜጋታት ንዝተፈጸመ ታሪኻዊ ስርሒታት ዘንጸባርቕ ብምዃኑ፡ ብውጻኢት ናይዚ ተጠቀምቲ ክኮኑ ዘለዎም ድማ እቶም ሓድጊ ታሪኽ ሰውራናን ግዳይ ዘይተወድኤ ጸገማቱን ኮይኖም ዘለዉ ህጻውንትን እዮም።

ካብዚ እምነትዚ ብምብጋስ ድማ እዮም፣ ደረስቲ መጽሓፍ፣ ሽያጥ መጻሕፍቲ ኣብ ኣገልግሎት ውጉኣት ሓርነትን ነቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ንኽማሃሩ ንልዕሊ 30 ዓመታት ከይተሓለሎ ዝሰርሕ ዘሎ ቤት ትምህርቲ ወዲ-ሽሪፎይን ክውዕል ዝወሰኑ።

በዚ መሰረት፡ ደረስቲ መጽሓፍ ኣብቲ ብዕለት 04.08.2018 ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኤውሮጳን ዝተሰላሰለ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ተረኪቦም፡ ቀዳማይ ክፍል ሓገዞም፣

  1. ሓገዝ ንፕሮጀክት ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ $2.500,00 (ክልተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዶላር ኣመሪካ)
  2. ሓገዝ ንቤት ትምህርቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ወዲ-ሸሪፎይ €3.000,00-ኤውሮ (ሰለስተ ሽሕ ኤውሮ) ከምዘወፈዩ ንህዝቢ ዝገለጹ።

ምስዚ፡ ንኩሎም’ቶም ዕላማ ናይቲ መጽሓፍን ውጽኢቱን ተገንዚቦም ኣብምዝርጋሕ ልዑል ተወፋይነት ዝገበሩን ዝገበራን ኣሕዋትን ኣሓትን ብምምስጋን፡ ብሳላ ዘይሕለል ጻዕርታቶም ዕዉት ዕማም ከምዝተመዝገበ ዘኪሮም፡ ውኢቱ ድኻሞም ድማ ኣብ ጠቕሚ ጽጉማት ኣሓቶምን ደቆምን ምውዓሉ ክሕበኑ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሮም። ደረስቲ መጽሓፍ፣ ገና እቲ ዝስዕብ ኣብ ምእካብ ዘሎ ሽያጥ መጻሕፍቲ ኣብዝተዋህለለሉ ግዜ ድማ ከምእድላይነቱ ኣብ ኣገልግሎት ዜጋታት ናይዚ ትካላት እዚ ክውዕል ምዃኑ ደጊሞም ቃል ኣትዮም።

ድራር መንታይ

ንጉሰ ጸጋይ

ፍሳሃየ ሓግስ

Last modified on Friday, 24 August 2018 21:23