ሓደ ህዝቢ ካብ ኮና፡ ስለምንታይ ደኣ ተዋጊእና?

2018-07-01 19:29:42 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2025 times

ህዝቢ ቆጽሊ ዘየውደቐሉ መራሒ ብጉዳይ ሽግር ህዝቢ ብዙሕ ኣይግደስን እዩ። ህዝቢ ይጥመ ይዕረቕ ይሕመም ከሉ ኣይንታዩን እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ግዜ ንሱ ዝደልዮ እምበር ህዝቢ ዝሓቶ ብቕኑዕ ከተግብር ድልዊ ስለዘይኮነ። ስለዚ እንተደለየ ሰላም ክብል እንተደለየ ሓዊ ክጽሕትር ብዙሕ ዘጸግሞ ኣይኮነን። እቲ ህዝቢ ናብታ ስልጣኑ ምእንቲ ከይመጾ በቶም ምስኡ ዝተኣሳሰሩን፥ ንሳቶም ዘፈጠርዎምን ገይሩ ጅሆ ክሕዝ ዘጸግሞ የብሉን። ንህዝቢ ምጽቃጥን ምቁጽጻርን ድማ ቀንዲ መሳሪሒኡ እዩ።

ስርዓት ኢሰያስ እምበኣር ሓደ ካብቶም ንህዝቡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኣክል ርህራሀን ሕያውነትን ዘይብሉ ኣርዮስ መራሒ እዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ ዕስራን ሸውዓተን ዓመታት ዓመት መጸ ዕስራን ሸውዓተን መደረታት ኣክዪዱ። ኩሉ ዝገበሮ መደረታት ድማ ሓሶት፥ ጥበራን፥ ኣምሰሉነትን እንተዘይኮይኑ ካልእ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዝገበሮ ከምዘይነበረ ባዕሉ ዝገልጾ እዩ።

ብዝኾነ ግን ግዜ ምስ ኣኸለ ዝኾነ ይኹን ምልካዊ ስርዓት ኣብቲ ዝሕሰሞ ዝነበረ ጉዳይ እዩ ዝኣቱ። እነሀ ድማ ብተግባር ንርእዮ ዘሎና እዩ። ማለት ኢሰያስ ዶብ ከይተሓንጸጸ ፈጺመ ንዘተ ኣይቀርብን እየ ክብል ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ኣደናጊሩን ኣመኽንዩ። መንእሰያት ኣብ ጎዳጉዲ ከምዝበልዩ ገይሩ። መወዳእትኡ ግና እታ ስልጣኑ ነቀይነቀይ ክትብል ምስ ጀመረት ነቲ ዝሕሰሞ ዝነበረ ናይ ሰላም መጸዋዕታ ቅድሚ ዶብ ምጥራር ልኡኹ ናብ ኢትዮጵያ ሰዲዱ። ልኡኹ ድማ ሓደ ህዝቢ ኢና፥ ዶብ ኣይክልክለናን፥ ሓደ እዩ ቋንቋና ኢሎም ክምድሩ ከለዉ ነቲ ትማሊ ዝብልዎ ዝነበሩ ይዝክርዎዶ ይኾኑ? ዘብል እዩ።

ሓደ ህዝቢ ካብ ኮና ደኣ ስለምንታይ ተዋጊእና? ኢሉ ህዝቢ ይሓትት ዶኾን ይኸውን። ብርግጽ ክሓትት ይግብኦ። ምኽንያቱ ደም ንጹሃት ደቁ ብኸንቱ ከም ዝፈሰሰ ስለ ዘጉህዮ። ሕጂ እውን እንተኾነ እታ ሰላም ናብ ጥቕሙ ዘይትውዕል እንተኾይና ንራህዋ ህዝቢ ከይሓለየ ገለ ምስምስ ኣምጺኡ ደው ከብላ ከምዝኽእል ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ምልካውያን ዒብ ኣይፈልጡን ኢዮም፥ ሎሚ ዝበልዎ ጽባሕ ክቕይርዎ ኣይሽገሩን ኢዮም።

ልክዕ እዩ ኣብ መንጎ ኤርትራን እትዮጵያን ሰላም ምስዝሰፍን ንኽልቲኡ ህዝብታት መስተርሆ ክኸውን እዩ። ማለት እቲ ህዝቢ ካብን ናብን ክንቀሳቐስን ክነግድን እዩ። ድራር እለቱ ትኸውን ንምርካብ ካብቲ ናይ ስርዓት ኢሰያስ እገዳ ምደሓነ። እንተኾነ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ እታ ስልጣኑ እምበር ድሕነት፡ ራህዋን ቅሳነትን ህዝቢ ስለዘይግድሶ ተመሊሱ ነቲ ህዝቢ ጂሆ ክሕዞ ይኽእል እዩ። እዛ ሰላም እንተተግቢራ ድማ ስርዓት ኢሰያስ ብዙሕ ዘሕትቶ ጉዳያት ስለ ዘለዎ ምናልባት ነታ ሰላም ብጎቦ ዓይኑ ክጥምታ ከምዝኽእል ክንግምት ኣሎና።

ሓደ ካብቲ ቀንዲ ብድሆታት “ወያኔ መሬትና ሒዛ እንከላ” እናበለ ንመንእሰይ መወዳእታ ብዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ድው ምስ ኣበለ፡ ንሰራዊት ከጣይስ ክግደድ እዩ። ኣብዚ እዩ ድማ እቲ ቀንዲ ሽግር ዝፍጠር። ምኽንያቱ እቲ ዝተጣየሰ ሰራዊት ስራሕ ኣልቦ ክኸውን ስለዝኽእል ኢሰይያስ ዓቕሉ ክጸቦ እዩ። ስራሕ ዝሰኣነ መንእሰይ ድማ እንተነፍዐ ህዝባዊ ናዕቢ የካይድ፥ እንተሓመቐ ድማ ዓዱ ራሕሪሑ ይኸይድ።

ብዙሕ ሰብ ኢሰይያስሲ ሰላም ኣይደልን እዩ ይብል። ልክዕ እዩ ምኽንያቱ መለኽቲ ኣብ ሰላም ኣይኮኑን ዝነብሩ። እንታይ ደኣ ህውከት፡ ራዕድን ሽበራን እዩ መሳርሒኦም። ይኹን እምበር ምልኪ እንተስ ብጸቕጢ እንተስ ብኻልእ ክወድቕ ኣብ ዝጅምር መዋጽኦ ክፍትሽ ነታ ዘይደልያ ሰላም ተገዲዱ ክኣትዋ ናይ ግድን እዩ። ሰላም ክበሃል እንከሎ ኢሰይያስ ምስ ተቓውምቲ ይቕረ ተበሃሂሉ ሰላም ከምዘየምጽእ ፍሉጥ እዩ። እታ ሰላም ምናልባት ነቲ ህዝብና ናይ ምንቅስቓስ ዕድል እንተረኺቡ ካብ ዓዱ ወጺኡ ክምለሰላ ዝኽእል ምስ ጎረባብቲ ክልተ ሃገራት እያ ትድለ ዘላ። ስለዚ እታ ሰላም ምስ ምንዋሕ ዕድመ ስልጣኑ ረብሓ ኣለዋዶ የብላን እንተጠሚትዋ’ሞ ዘይተዋጸኦ እንትኮይና ከምዘይቅበላ ርዱእ እዩ።

Last modified on Sunday, 01 July 2018 21:35