ብደበና ሰላም ተኸዊሉ ዘሎ ቀራና መንገዲ ኢትዮ ኤርትራ

2018-07-05 05:59:15 Written by  ሰለሙን ገብረእየሱስ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1899 times

                   (ቀዳማይ_ክፋል)

ሰላም ኩላቶም ህዝብታት ዓለም እንተበሃግዋ፡ ጠቢባን ብሙኡዝ ዜማታቶም እንተቓነይዋ፡ ቀባእቲ ብምስሊታት እንተወቀጥዋ፣ ገጠምቲ ቃላት እንተሰኩዑላ፣ መራሕቲ ሃይማኖታት ብቓላቶም እንተቐደሱላን ዱዓ እንተገበሩላን፣ ዓበይቲ ዓዲ እንተተምነይዋ ካብ ምብሃጋ ሓሊፎምሲ ክቆጻጸርዋ ፍጹም ኣይከኣሉን። እቶም ነዛ ሰላም ተቖጻጺሮም ከም ተኽሊ ጽገሬዳ ናብ ኣፍንጫና ኣጸግዕ ኣቢሎም መኣዝአ ዘሸቱትና ወይ ምንዝዕ ኣቢሎም ባዶ ዘትርፉናስ፤ እቶም ኣብ ዙፋን ህዝቢ ተወጢሖም ስልጣን ሃገር ዝሓዙ መራሕቲ መንግስቲ እዮም። እዞም መራሕቲ እዚኣቶም ደስ እንተበሎም ኣብ ረፋድ ኵናት ይእውጁ ሰላም ህዝቢ ይዘርጉ ብሰንኮም ኣሽሓት ደቂ ሰባት ከም ቆጽሊ ይረግፉ። ብየማን እንድሕር ተሲኦም ወይ ፊን እንተቢሉዎም ከኣ ከይሓፈሩ ነቲ ዘህለቕዎ ኣእላፍ ህይወት ደቂ ሰባት ዕጅብ ከይበሎም ይቕረታ’ውን ከይሓተቱ ብፍሽኽታ ተሰንዮም ኣስናኖም ጫሕ እንዳበሉ ንስለ ሰላምን ፍቕርን ኢሎም ሻምፓኝ ተኵሶም ሰቲ ነስኒሶም ጸምብልዎ ይብሉና።

እቶም ምንም ጽልእን ቅርሕንትን ዘይብልና ህዝብታት ንምንታይ ትማሊ ኣብ ኵናት የእቲኹም ከተብቅዑ ሕጂ ተገልቢጥኩም ሰላም ትብሉና፤ ቀደሙ እኮ ንሕና ከም ህዝቢ እንታይ ጽልኢ ኔሩና ዘይንስካትኩም ኢኹም ዘተሃናኾትኩምና ኢሉ ኣክንዲ ዝሓትት፤ በንጻሩ ሰላም ሰላም ኢሉ ምስቶም ዘረግቲ ሰላም ይሰራሰር። ዝያዳ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ሰላም ዝተሓረሞ ክፋል ቀርኒ ኣፍሪቃ ምንባሩ ምንጋር ዘድልዮ ኣይመስለንን። ቀቢላዊ ኵናት ሓድሕድ ሶማልያውያን፡ ኵናት ንናጽነት ዝቃለሱ ዝነበሩ ደቡብ ሱዳንያውንን መንግስቲ ካርቱምን፡ ድሕሪ ናጽነት ደቡብ ሱዳን ዓሌት ዝሕመረቱ ኵናት ኣብ መንጎ ደገፍቲ ሳልቫ ኼርን ሪክ ማቻርን፤ ኵናት ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ጎበጣ ስርዓታት ኢትዮጵያ፡ ኵናት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ተቓወምቲ ጉጅለታትን ስርዓት ደርግን፡ ኵናት ኣብ መንጎ መንግስቲ ኡጋንዳን ተቓወምቲ ሓይልታትን፡ ዶባዊ ኩናት መንግስቲ ኤርትራን መንግስቲ ኢትዮጵያን ወዘተ…። በቃ ዞባና ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ሰክታርያን ወይ ወገናዊ ፖለቲካ ዝሕመረቱ ኵናት ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን፤ ኩላቶም መንግስታትን ተቓወምትን ድማ ካብዚ ወገናዊ ወይ ሰክታርያን ፖለቲካ ናጻ ኮይኖም ኣይፈልጡን። ብሰንኪ እዚ ዱሑር ኣተሓሳስባ ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዲሞክራስያዊ ባህሊ ኣየማዕበለን። ከም ውጽኢቱ ንሰላም እንትርፎ ብእዝኑ ክሰምዓ ብዓይኑ ንሰላም ክርእያ ኣይተዓደለን።

ህዝባዊ ማዕበል ዘበራበሮ መዝሙር ሰላም

ድሕሪ ነዊሕ ቁሩቁስ ኣብ መንጎ ብህወሓት ዝምእከልን ዝዝወርን ልፍንታዊ ገዛኢ ሰልፊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፤ እቶም ዘርኣዊ ጭቆናን ዕብለላን ትግራዎት ይኣኽለና ዝበሉ ህዝብታት ኦሮሞን ኣምሓራን ሓድሽ ፖለቲካዊ ባርዕ ኣብ ኢትዮጵያ ምውልዑ ይዝከር። ነቲ ዝተወልዔ ህዝባዊ ናዕቢ ተጠቂሞም እቶም ምስ ህወሓት ተላፊኖም ዝነበሩ ውድባት ኦሮሞን ኣምሓራን (ኦ.ህ.ዴ.ድ ን ብ.ኣ.ዴ.ን) ዘይዕላዊ ስምረት ኣንጻር ዕብለላ ህወሓት ፈጢሮም ህዝባዊ ሓይሊ ደሪዖም ፖለቲካዊ በትረ ስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ቁጽጽሮም ኣእትዮሞ ንረኽቦም። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለ ግና ህወሓት ምሉእ ንሙልእ ሞይቱ እዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ፈጺሙ ክወስደና የብሉን። ህወሓት ዋላ’ኳ ብፖለቲካ ወይ ብድምጺ ኣባላት ናይቲ ልፍንታዊ ገዛኢ ሰልፊ ተዓብሊሉ እንተሃለወ ካብ ወተሃደራውን ጸጥታውን መሓውራቱ ብቐሊሉ ከልግስ እዩ ዝብል ግምታት ብስለት ዘይተላበሰ መደምደምታ እዩ ክኸውን። እምበኣርከስ ኩነታት ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ስለ ዝጸልወናን ዘገድሰናን ኣሕጽር ኣቢልና ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ህልዊ ፖለቲካ ንምዕዛብ መታን ክሕግዘና ነቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ብኸምዚ ዝስዕብ ክኸፍሎም ክፍትን እየ፡

  1. ብቀ/ሚ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ኣብ ውሽጢ ልፍንቲ ዘሎ ዘይዕላዊ ልፍንቲ
  2. ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን
  3. ኣብ ውሽጥን ደገን ዘለው ተቓወምቲ ሓይልታት
  4. ህዝቢ ኢትዮጵያ

1. ብቀ/ሚ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ኣብ ውሽጢ ልፍንቲ ዘሎ ዘይዕላዊ ልፍንቲ

ቀ/ሚ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብሓገዝን ሙሉእ ደገፍን ፕረሲደንት ክልል ኦሮሚያ ለማ መገርሳን ፕረሲደንት ክልል ኣምሓራ ገዱ ኣንዳርጋቸው ነቲ ኣንጻር ህወሓት ዝተላዕለ ህዝባዊ ተቓውሞ ናብ ረብሕኦም ከምዘውዓልዎ ይፍለጥ። ነዚ ንኽገብሩ ዝተጻወትዎ ብልሓት ነቲ መላፍንቶም ዝኾነን ንዓመታት ብዓንቀሮም ሒዝዎም ዝነበረን ሰልፊ ህወሓት ኣሕሊፎም ክህብዎ ኔርዎም። ዓይኖም ከይሓሰዩ ድማ ነቲ ዕድል ተጠቂሞም ንህወሓትን ተደናገጽቶምን ኣብ መንቀራቕሮ ኣእትዮም፤ ነቲ ህዝባዊ ማዕበል ኣብ ቅድሚት ኮይኖም ይመርሕዎ ኣለው። ቀ/ሚ ዶ/ር ኣብይ ዋላ’ኳ ኣብ ዝተናውሔ እዋን ሓያል ብድሆን ስራሕን ዝጽበዮ እንተኾነ፤ ነዚ ሓጺር እዋን ዝኸውን ፖለቲካዊ መሰጋገሪ ግና ጽቡቕ ጌሩ ዝተረድኦ እዩ ዝመስል። ነቶም ብመሪሕነት ህወሓት ተኣሲሮም ዝነበሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት ማለት መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት፡ ጋዜጠኛታትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ናጻ ክልቀቑ ድሕሪ ምግባሩ ቀ/ሚ ኣብይ ተወሳኺ ህቡብነት፡ ተቐባልነትን ህዝባዊ ደገፍን ክውስኸሉ እንከሎ፤ በንጻሩ ንህወሓትን መሪሕቱን ፖለቲካዊ ወጥሪ የእትይዎም ይርከብ።

ቀ/ሚ ኣብይን ብጾቱን ካብ ተምክሮ ሕሉፍ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝተማህሩ እዮም ዝመስሉ ካብቲ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ኢህኣዴግን መሰናኽላት ህወሓት ብጉልባብ ግሉጽነት ዘሊሎም ብምውጻእ ናብቲ ሓፋሽ ህዝቢ እዮም ኣጽሊሎም መታን ዘራይ ክረኽቡን ንህወሓት ከዳኽሙን። ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያውያን ሳዕሪሩ ዝነበረ ክቱር ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ህወሓትን ተጋሩን እቲ ውጥኖም ብቐሊሉ ክሰርሕ ክኢሉ እዩ። ቀ/ሚ ኣብይ በዚ ከየብቅዔ ምስ ኤርትራ ዘሎ ዶባዊ ሕልኽላኽ ክፈትሖ ድሉው ምዃኑ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ተወሳኺ ሸቶ ከመዝግብ ኣኽኢልዎ እዩ ዋላ’ኳ እዚ ዝወሰዶ ተበግሶ ብቕንዕና እዩ ናይ ዝብሉን ፖለቲካዊ ጸወታ ኢሎም ጥርጣረታቶም ናይ ዘቐምጡን ተራጻሚ ትንታኔ ክፈጥር እንተኸኣለ። በቲ ኢሉ በቲ ግና ንሰላም ዝዘመረ መራሒ ነቲ ህልዊ ኩነታት ናይ ምኽሳብ ዝዓበየ ዕድል ከምዘለዎ ከስምረሉ ይደልይ።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ብናይ ፖለቲካዊ ህዝባዊ ርክባት (Political Public Relations) ብቕዓቱ ዝምስገን ኮይኑ እተን ኣብ መደረታቱ ዘዘውትረን ቃላት ማለት ፍቕሪ፡ ዕርቂ፡ ይቕረን ሰላምን ኣብ ፖለቲካን ምሕደራ ሃገርን ህዝብን እንታይ ክወልዳ እየን ጊዜ ክምልሶ እዩ። ኣብ ዓለም ብሰናይ ቃላት ዝተመሓደራ ኣብያተ ክርስትያን፡ መሳጊድ፡ ግብረ ሰናይ ትካላት ርእይና ኢና እሞ እንድሕር ተበግሶ ቀ/ሚ ኣብይ ሰሪሑ ኢትዮጵያ እታ ናይ መጀመርታ ሃገር ብሰናይ ቃላት ሰናይ ምሕደራ ዝተግበረት ሃገር ክትከውን እያ። ካልእ እንደመር ትብል ሰባብ ዝኾነት ቃል ቀ/ሚ ኣብይ ኣብ ልዕሊ 105 ሚልዮን ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈላለየ ትርጉም ተሓንጊጣ ንገለ ተስፋ ንገለ ኸኣ ሰንፈላልን ሻቕሎትን ፈጢራ ትርከብ። እምበኣርከስ እዛ እንደመር ብወገን ኢትዮጵያውያን ክንርእያ እሞ ኣብ ዝቐጽል ክፋል ጽሑፈይ ንደመር ብወገን ኤርትራውያን ክንርእያ ክንፍትን።  

እንደመር - ኢትዮጵያ

እንደመር ካብ ኣፍ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ተደጋጊማ እትወጽእ ነታ “ኣማርኛ እንዳበጁሽ ትበጃለሽ” ማለት ኣምሓርኛ ናብ ዝሰኩዑኺ ኢኺ ትስኩዒ እትብል ምስላ እተራጉድ ቃል ኮይና ንረኽባ። ቀ/ሚ ኣብይ ተደሚርና ድኽነት ክንስዕር ምባሉ መን ይጸልኦ እንትርፎ ሰላም ዘይደልይ ኣካል። ቀደሙ እውን እቶም ተስፋ ተነቢሩሎም ዝነበሩ ድሒሮም ዝፈሸሉ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን መለስ ዜናዊን ኢሰያስ አፈወርቅን ንመዛንኦም መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ አፍሪቃ ኣሰንዮም ዝጀመርዎ ኢጋድ (IGAD) እኮ ዕላምኡ ትሕተ ቅርጺ ዞባና ክመሓየሽ፣ ናጻ ዕዳጋ ክፍጠር፣ ምህርትን ጥረ ነገራትን ካብን ናብን ብዘይ ጸገም ክጎዓዓዝ፣ ከም ውጽኢቱ ድማ ድኽነት ካብ ዞባና ሓግሒግካ ንምጥፋእ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ እንድሕር እዚ ሕጂ ዝጋዋሕ ዘሎ ምድማር ብዘይ ለጠፍን ስውር ተንኮልን ኣብ ቁጠባዊ ትሕዝቶ ዘድሃበ ኮይኑ፤ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝተሓልመ እሞ ብሰንኪ ኵናትን ወረ ኵናትን ብዘይ ፍረ ቀንፈዘው ዝብል ዘሎ ጅማሮ ዝፍለ ኣይኮነን። እዚ ቁጠባዊ ምድማር ውዒሉ ሓዲሩ ዘይተርፍ ህዝባውያን መንግስታት ብመንገዲ ንረብሓ ህዝቢ ዝተመርጹ መራሕቲ ዘተግብርዎ፤ ብተሳትፎ ክኢላታት ሰብ ሞያን ኣውፈርትን ዝዕወት ቀንድን ኣገዳስን ቁጠባዊ ምዕባለ (Economic Development) ዞባና እዩ።

እዚ ቁጠባዊ ምድማር ግና ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ሰናይ ድልየትን ትምኒትን ቀ/ሚ ኣብይ ሓሊፉ ተግባራዊ ክኸውን ክንደይ መሰናኽላት ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሮም ይርከቡ። ዓሌታዊ ፖለቲካዊ ግርጭት ናይቶም ደገፍቲ ሳልቫ ኬር ዝኾኑ ቀቢላታት ዲንካን ተደናገጽቲ ሪክ ማቻር ዝኾኑ ቀቢላ ኑዌርን መዓልቦ ከይረኸበ፤ ዝነበረ በሰላ ሓውዩ መስርሕ ሰላምን ምርግጋእን ሶማልያውያን ከይተዛዘመ፤ ደገፍ ህዝቢ ዘይብሎም ጨፍለቕቲ ውልቀ መለኽቲ ኤርትራን ሱዳንን ሒዝካ ዝፍጠር ቁጠባዊ ምድማር ግብራዊ ናይ ምዃን ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። ኣብ ዞባና ቀርኒ ኣፍሪቃ ሃብታማት መራሕቲ መንግስትን ውድባትን ካብኡ ሓሊፉ ናይ ብልሽውና መሻርኽቶም ኣብ ዝብሕትዎ ቁጣባ፤ ንናጻ ዕዳጋ ማዕጾታቶም ክኸፍቱ እዮም ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ጥራይ እዩ ዝኸውን። ሓንቲ ኢድ በይና ከተጣቕዕ ስለ ዘይትኽእል ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ ከምቲ ኣብ ውሽጢ ምስ ናይ ቀትሪ ኣዛብእ ክስራሕ ኣይከኣልን እዩ ዝበሎ፤ ምስ ከም በዓል ኢሰያስ ናይ ቀትርን ለይትን ክልተ ሽፍት ኣዛብእ ክሰርሕ ካብ ምፍታን ነቲ ንኢትዮጵያ ኣዘቕቢብዋ ዘሎ ሸቕሊ ኣልቦነት (Unemployment) ምቅላስ ዶ ኣይምሓሾን?      

እንደመር ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ግና ካብ ቁጠባዊ ባህጊ ሓሊፋ ፖለቲካዊ መልክዓት’ውን ክትሕዝ ትረኣይ እያ። ከመይሲ ቀ/ሚ ኣብይ ኣብ መደረታቱ እዚ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝኸፋፍል ዶብ፤ ኤውሮጳውያን ገዛእቲ (Colonizers) ዘተኣታተውዎ ዘይግብራዊ ሕንጻጽ’ዩ ምባሉ ምድንጋራት ክፈጥር ናይ ግድን ይኸውን። ነዚ ሓሳባት ንምርጓድ ተባሂሉ ብቀ/ሚ ኣብይ ዝቐረበ ደሞግራፊካዊ ምትእስሳር ህዝብታት ቦሮና፣ ዓፋር፣ ሶማልያ፣ ኩናማ ወዘተ ግደ ሓቂ ግብራውነት ሕጊ ዓለምናን ዓለማውነትን ዝጥሕስ ናብ መንፈሳዊ ትሕዝቶ ዝኣንፈተ መዓር ቃል ተባሂሉ ክሕለፍ ይከኣል። ዶባት ሃገራት ግደፎ ንዓና ነዞም ብስልጣኔ ድሕሪት ተሪፍና ዘለና ነቶም ብስልጣኔን ሃብትን ገዲፎምና ተመርቂፎም ዘለው ምዕራባውያን ሃገራት እውን እንተኾነ አዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ክኾነና ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ እንተወሲድና ብቑጠባ ተደሚሮም ብዶባቶም ተኸባቢሮም እዮም ዝኸዱ ዘለው። ስለዚ ብቀ/ሚ ኣብይ ዝቐርብ ትንተና ናይ ዶብ ግብራዊ ወይ (Pragmatic) ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ ዓድኻን ቤትካን ዘሎ ሕቶ ናይ ዋንነት መሬትን ሕቶ መንነትን ወልቃይት ጸገዴን ራያን ከይፈታሕካ ብዛዕባ ኣህጉራዊ ዶብ ምምርማር ንቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ እንተዝጸንሓሉ ይሓይሽ ዝብል ምኽሪ ክልገሰሉ ይግባእ።

እንደመር ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ካልእ ዝተሓላለኸ ስሚዒታት እውን ዘይፈጠረት ኣይኮነትን። እንደመር ነቶም መስፍናዊ ሃጸያዊ ሕልምታት ዘለዎም ተወላዶ ኣምሓራ፡ ነቶም ብቀይ ሽብርን ነጭ ሽብርን ህዝቢ ዝጨፍጨፉ ደርጋውያንን፡ ንኹሎም ተቓወምትን ዋላ ገበነኛታትን ኢዳ ዘርጊሓ ክትቅበል እንከላ፤ ነቶም ምስ ኩሉ ሕጽረታቶም ንዲሞክራሲ ረዚን ዋጋ ዝኸፈሉ ተጋሩን ህወሓትን ግና ብጥበብ እንዳቐንጸልካ ዝመጽእ ምድማር ጊዜያዊ እምበር ቀጻልነት ክህልዎ ኣይክእልን። ብርግጽ መራሕቲ ህወሓት ብብልሽውና ተማራሲሖም ሃብቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ዝዘረፉ ፉሉጥ እኳ እንተኾነ እተን ዕርቅን ሕድገትን ዝብላ ቃላት ነዞም ጎድኒ ጎድኒ ብልሽውና ንኢትዮጵያ ኣብዚ በጺሓቶ ዘላ ምዕባለ ክትበጽሕ ዝገበሩ ትሕተ ቅርጺ ዝሃነጹ፡ ብህዳሴ ግድብ ኣባይ ዝደፈሩ ቅዋማዊ መንግስቲ ዝተኸሉ ተጋሩ የቀን ጅቦች እንዳበልካ ህዝቢ ኣንጻሮም እንዳለዓዓልካስ ምድማር ዶስ ምጉዳል። እዝን ወዲ ኸምዝን ኣደይብካ ኣውሪድካ እዛ እንደመር እትብል ቃል ካብ ዓመት ንላዕሊ መቐረታ ዓቂባ ክትከይድ ዘሎዋ ተኽእሎ ዝማህመነን ዝተሓላለኸን እዩ።

መደምደምታ ንምግባር ቀ/ሚ ኣብይ ተስፋ ዘለዎ በዓል ራእይ ነቶም ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክንተክል ዋጋ ዝኸፈልና ኤርትራውያን ተምሳሌት ሕልምናን ባህግናን ኢለ ክገልጾ ይኽእል። ብዝወስዶም ዘሎ ተባዓት ስጉምትታትን ንሰላምን ፍቕርን ዘለዎ ሰናይ ትምኒትን ክድነቕ ይግባእ። ቀ/ሚ ኣብይ ስሚዒታውያን ትምኒታት ከየብዝሐ ግብራውያን ሸቶታት ከድህብን ከቐድምን ይግባእ። ነዚ ንደመር ዝብል ቃል ምስ ኤርትራ ንሕበር ዝመሰሎም ኢትዮጵያውያን እቲ ናይ ቀደም ድንበራችን ቀይ ባህራችን ዝብል ናይ ኣቦታቶም ጃና ከይደገሶም ከሎ ግልጺ እንተዝዛረብ ንሶም ኣይመቦሃቑን ንሕና’ውን ጉዳይ ኢሰያስና ምገበርና።

(ይቕጽል)

ሰለሙን ገብረእየሱስ

ኦክላንድ ካሊፎርንያ

ONE NATION ERITREA

ህወሓት ማለት ብርግጽ ህዝቢ ትግራይ ማለት ኣይኮነን። የግዳስ ህወሓት ሰፊሕ ደገፍ ዘለዎ መሪሕ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። ንህወሓት ፈሊኻ ምውቃዕ ድማ ፈጺሙ ዘይሕሰብ እዩ።                

  

Last modified on Thursday, 05 July 2018 08:10