ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ ጽባሕ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ'ዩ

2018-06-25 20:55:06 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2018 times

 

  •  
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ Image copyright MOI ERITREA

ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ጽባሕ ንጉሆ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣቱ ሚኒስቴር ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ንምዕዛብ ጉጅለ ልኡኽ ከምዝልእኽ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዝቲ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ጽባሕ ከምዝልእኽ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ይገልጻ።

ፈጻሚት ስራሕ ኢህወደግ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ስምምዕ ኣልጀርስን ዉሳነ ኮሚሽን ዶብን ብዘይ ቅድመ ኹነት ተቐቢሉ ንምትግባር ከምዝተሰማምዐ ምግላጹ ዝዝከር"ዩ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/44604952

Last modified on Monday, 25 June 2018 23:03