ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ) ብዛዕባ ዕዉት ዑደት ሰልፊ ናብ እስራኤል ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ

2018-05-09 03:21:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ድ.ህ.ኤ. Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2486 times

ቀዳም 6 ጉንበት 2018 ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሓፈሻዊ ናይ ኣባላት ኣኼባ ኣካይዱ።

ቀንዲ ኣጀንዳ ኣኼባ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ልኡኽ ሰልፊ ናብ እስራኤል ብምኻድ ናይ ዝገበሮ ዕዉት ዑደት ዝርዝር ሓበሬታ ንኣባላት ንምክፋል እዩ ነይሩ። ብክልተ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ፡ ሓው ትኩእ ተስፋይን ሓውቲ ፌቨን ጊደዎንን ዝቖመ ልኡኽ ሰልፊ ንክልተ ሰሙን ኣብ እስራኤል ዘካየዶ ንጥፈታትን ዘመዝገቦ ዓወታትን ንእባላት ብሓው ትኩእ ብዝርዝር ተገሊጹ።

ልኡኽ ሰልፊ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ምስ ብዙሓት መንእሰያት ኤርትራውያን ተራኺቡ ብምምይያጥ ህዝብና ኣብ እስራኤል ዝሓልፎ ዘሎ መሪር ሂወት ክርዳእ ክኢሉ። ህዝብና ካብ ስደትን ውርደትን ክድሕን እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ኣብ ሃገርና ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ፈሪሱ ብፍትሓዊ ስርዓት ክትካእ ምዃኑ ገሊጹን ራኢን መንነትን ሰልፍና ኣላልዩ። ፍርያት ጻዕሩ ድማ ልዕሊ 75 መንእሰያት ብመትከላት ሰልፊ ዓጊቦም ኣባላት ኮይኖም ኣብ ፍትሓዊ ቃልስና እጃሞም ከበርክቱ ወሲኖም። እኖሆ ድማ ኣብ እስራኤል ናይ ሰልፍና ጨናፍር ቆይመን ብግዝያዊት ዞባ መሪሕነት ድሮ ስርሐን ጀሚረን።

ብዘይካ’ዚ ልኡኽ ሰልፊ ምስ ዝተፈላለያ ናይ ኤርትራውያን ማሕበራትን ምስ እስራኤላውያን ገበርቲ ሰናይን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ተራኺቡ።

መግለጺ ሓው ትኩእ ብጽሞና ድሕሪ ምስማዕ ኣኼባ ንሕቶን መልስን ተኸፊቱ። ሓው ትኩእ ንኹሉ ዝቐረበሉ ሕቶታት ኣዕጋቢ መልስታት ሂቡሉ።

ኣባላት፡ ልኡኽ ሰልፊ ንዘርእዮ ተወፋይነትን ዘካየዶ ጽፉፍ ስራሕን ዘመዝገቦ ዓወታትን ብልቢ ኣመስጊኖም። ሰልፊ ኣብ ኩሉ ስደተኛ ህዝብና ብብዝሒ ዝርከቦ ቦታታት ተመሳሳሊ ዑደታት ከካይድ ተላብዮም። “ምንጪ ሓይሊ ሰልፍና ንሕና ኢና” ካብ ዝብል ተረድኦ ነዚ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝተመዝገበ ዓቢ ዓወታት ብምድናቕ ብስም ስዉእትናን ኣብ ማእሰርቲ ምልኪ ኤርትራ ዝሳቐዩ ዘለዉ ብጾትናን ንድራር እዞም ክልተ መደብ ሰልፍና ዘዐወቱ ብጾትና ሓው ትኩእ ተስፋይን ሓውቲ ፈቨን ጊደዎንን ናብ ሳጹን ሰልፊ ዝኣቱ ብተበግሶ ኣባላት ናይ ገንዘብ ውጽኢት ወፈራ ክካየድ ተወሲኑ። ድሮ ድማ ብዙሓት ኣባላት ኣወፍዮም። እቲ ወፈያ ንኽቅጽል ድማ ሽማግለ ቆይማ።

ኣብ መደምደምታ መስርሕ ሓባራዊ ጉዕዞ ተቓወምቲ ሓይልታት ንምዕዋት ሰልፍና ዘካይዶ ዘሎ ጻዕርታትን ዘተታት በጺሑዎ ዘሎ ምዕባሌታትን ብዝምልከት ሓው ተስፋይ ደጊጋ ጽማቝ መግለጺ ሂቡ።

ኣባላት ብዝተዋህቦም መግለጺ ኣዝዮም ሕጉሳት ምዃኖምን ብሓፈሽኡ ኣብ ሰልፍና ብፍላይ ድማ ኣብ ካናዳ ዝርአ ዘሎ ምዕብልና ንኢዶም። ኣኼባ ፍናን ኣባላት ሓፍ ዘበለ ኮይኑ ተዛዚሙ።

  

ክንዕወት ኢና!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት! ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣትና!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ድ.ህ.ኤ.

6 ጉንበት 2018

Last modified on Wednesday, 09 May 2018 05:26