ጨንፈር ሰዲህኤ ሃገር ሽወደን 5ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2018-05-09 17:29:45 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3344 times

ጨንፈር ሰዲህኤ ቁ.2 ብዕለት 05/05/2018 ብኤለትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሓን 5ይ ስሩዕ ኣኼባ ናይ ምሉኣት ኣባላት ኣካይዱ። ኣቦ ወንበር ጨንፈር ብሰላምታ ከፊቱ ዝቀረባ ኣጀንዳ ኣርጊኡ፡ ሙሉእ ሃለዋት ኣባላትን ዕዉት ዉፍይ ጥፈታቶኦም ብዝርዝር ሓቢሩ። ቀጺሊ ተሓዝ ገንዘብ ጨንፈር ብምልኣት ናይ ኣባላት ፡ ኣብ ወርሓዊ ክፍሊት፡ ልግሲ ልደት፡ ንዕዉት ዑደት 2 ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ንእስራኤል ዝኣተወ ገንዘብ ብንጹር ጽፉፉ ጸብጻብ ኣቅሪቡ። ሲዒቡ ኣባል ናይ ስርርዕ ምምሕዳርን ኣባላት ዞባ ኤውሮጳን ዘሎ ኣዎንታዊ ምዕባሌታት ሓቢሮም። ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ኣብ ጉዳይ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ዝኣወጆ እማመ መሰረት ተሰማዕነት እናረኸበ ይመጽእ ብምህላው ብዕቱብ ክቕጽሎን መሪሕ ግደ ንሓድነት ክህልዎን መሪሕነት ሰልፊ ቀዳምነት ሂቡ ንምዕዋቱ ክጽዕር ምሉኣት ኣባላት ኣስሚሮምሉ። ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ዘሎ ንጡፍ ሽወደናዊ ኤርትራዊ ባህላዊ ምሕዝነት ማሕበር (ኤርትራ ኣብ ልብና !!! ) ኣብ ፈነዋ ራዲዮ ብትግርኛን ዓረብን ፡ ንሓደስቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብነጻ ዝህቦ ኣገልግሎትን ተሓቢሩ፡ ሓድሽ መራኸቢ ቦታ ከም ዝተዋህበ ከኣ ተሓቢሩ። ኣብ መደምደምታ መሪሕነት ሰልፊ ዘካይዶ ዘሎ ዉሕሉ መደባቱን ቅዋማዊ ኣሳርራርሓኡን ኣድኒቁ ብቀጻሊ ኣብ ጉድኑ ከም ዘሎ ኣስሚሮምሉ። ንናይ ቲ ዓመት ዓመት ዝካየድ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ኣሳናዳኢ ሽማገለ ድሮ ምድላዋታ ከተካይድ ጀሚራ ምህላዋ ተሓቢሩ ፡ ኣባላት ከኣ ንምዕዋቱ ዕጥቆም ክድርቡ ምኳኖም ቃል ኣትዮም ኣኼባኦም ዛዚሞም።

Last modified on Wednesday, 09 May 2018 19:37