ካብ መደባት ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2017

2017-07-10 10:12:10 Written by  ኣሳናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2210 times

ኣሳናዳኢ ሽማግለ ናይቲ ሓቢርና ንቃለስ፡ ምልኪ ክድምሰስ ኣብትሕቲ ዝብል ጭርሖ፡ ካብ ዕለት 04 ክሳብ 06 ነሓሰ 2017 ኣብ ፍራንክፎርት ንኽካየድ ኣብ ምድላው ዘሎ ፈስቲቫል/ሰፊሕ በዓል ኤርትራ ብዕለት 07.07.2017 ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ። ዕላማ ናይቲ ኣኼባ መስርሕ ምድላው ንምግምጋም ኮይኑ፡ ብክፍለ ስራሓት ፈስቲቫል ንዝቐረበ ምሉእ ሓበሬታዊ ጸብጻብ ሰሚዑ። በዚ ድማ ተክኒካውን ምምሕዳራውን ዕማማት ፈስቲቫል ኣብ ፍጻመ በጺሑ ምህላዉ ርእዩ። ኣብ መስርሕ ምምላእ ንዘለዉ ዕማማት ድማ ኣብዝሓጸረ መዓልታት ክከናወኑ ዝኽእሉ ናእስቱ ጉዳያት ምህላዎም ተገንዚቡ።

ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2017፡ ካብ ጀርመናውያን ሰልፍታት Mrs. Angela Hanisch ተወካሊት ሓምለይ ሰልፊ BÜNDNIS 90/DIE GRÜNEN Mitglied der Stadtverordnetenversammlung; Vorsitzende des Ausschusses für Umwelt und Sport.

ካብ FDP ሊበራላዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፍ Mr. Stefan von Wangenheim stellvertretender Fraktions vorsitzender so wie bildungs; integrations; und kulturpolitischer Sprecher der FDP-  ክሳተፍዎ ከምዝኮኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

 ብዘይካዚ፡ ኣቦ-መንበር መድረኽ ሃገራዊ ዘተ፡ ምንቅስቓሶም ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2017 ክሳተፍ ከምዝኮነ እውን ኣፍሊጦም ኣለዉ።

መደብ ፈስቲቫል 2017፡ ዓርቢ ዕለት 04.08.2017 ሰዓት 12፡30 ከምዝጅምርን ብፍላይ ድማ ሕብስቲ ዲሞክራሲ/ዲሞክራሲ ብተግግባር ዘርእስቱ ንመቐረትን ብጽሒትን ዲሞክራሲ ኣብ ዜጋታት ዘመልከተ ኣስተምህሮ ካብ ሰዓት 15፡00 ክሳብ 18፡00 ክልተ መማህራን ክቕርብዎ ተዳልዮም ምህላዎም ተተሊሙ ኣሎ። ናይዚ መደብ ኣስተምህሮ ብደረጃ ህዝብና ቀንዲ ተጠቃሚ ኩሎም ዜጋታት ከምዝኾኑ ርዱእ ኮይኑ፡ መንእሰያት ብፍላይ ክሳተፍዎ ድማ ብዝላዓለ ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2017፡ ምትእስሳር መንእሰያት ሰዲህኤ ዘዳለዉዎ ንህልዊ ኩነታት መንእሰያትን፡ ትጽቢት ደምበ ተቓውሞን፡ ፍታሓቱን ዘመልከተ ድራማታትን ተዋስኦን ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ከምዘቕርቡን፡ ወጽዓ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብሓፈሻ፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ብፍላይ ድማ ኣብ ሊብያ ካብዘጋጥሙ ብድሆታት ዝገልጽ ኣብ ፈስቲቫል ዝቐርብ ምህላዉ እውን ተረጋጊጹ ኣሎ።

ዝርዝር መደባት ፈስቲቫል ኣብዚ ቀረባ ግዝያት ኣከታቲልና ከነቕርብ ኢና።

ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2017፡ ፈስቲቫል መላእ ደለይቲ ለውጢ ኣብ ምግባሩ ተሳትፎ ናይ ኩሉ ግዱስን ግድስትን ዜጋታት ዝሓትት ስለዝኮነ ኣብ ዝካየድ መኣዲ ዘተን ልዝብን ብሓባር ንምስታፍ ደጊምና ንዕድም።

ኣሳናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል

Last modified on Monday, 10 July 2017 12:16