ህዝባዊ ዘተ! ህዝባዊ ምንቅስቃስ! ህዝባዊ ጽላል! ብተግባር‘ዩ ዝስራሕ

2017-07-12 19:08:47 Written by  ተስፋይ ባይረ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3888 times

ነቲ ቀንዲ ዘምጻኣኒ ሓሳብ ዝድግፍ ኣብነት ብምቕዳም ክጅምር፡  ሓደ ግዜ ኣብ ብራስል ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዚወዓልናሉ ሓደ ኣባል ፓርላማ ከምዚ በለና--------``ኣብ ኤውራጳ ክትዕወቱ እንተደሊኹም ኣብ ዘዘለኹምዎ ዓዲ ነቲ ህዝቢ ኣብ ጎንኹም ኪከውን ከተረድእዎን ክትከስብዎን ኣለኩም፡ ምኽንያቱ ኸኣ ዝኾነ ውሳኔ ብድምጺ ናይ ህዝቢ ስለዝኸውን ህዝቢ ኣብ ጎንኹም ኣምጽእዎ በለና። ---- `` ኣብ ጀርመን መን ኢዩ እቲ ህዝቢ ዝባሃል  ዘሎ እንተዳኣ ኢልና ጉዳይና ኤርትራዊ ስለዝኮነ፡ ኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮኑስ  ጀርመናውያን እውን፡ ኣብ ሽወደን ኣንተኮይኑ እውን ሽወደናውያን ወዘተ-- ክሶብዎን ኣብ ጎንኹም ክኾኑን ኣለዎም ማለቱ ኢዩ።  ስለዚ ብዓቢኡ ንኤርትራውያን ጥራሕ ኣይኮናን ከነረድእን ክንከስብን ዘሎና እቲ ንነብረሉ ዘሎና ህዝቢ እውን ኣብ ጎንና ከነምጽኦ ቃሊሲ ዝሓትት ኢዩ። ኣብ ኤውሮጳ ብዘይጥርኑፍ ኣገባብን ሳላ ግዱሳት ሲቪክ ማሕበራትን ውድባትን ውልቀሰባትን ብመጠኑ ተቃውሞና ገለ ዓወታት እውን ተመዝጊቡ ኢዩ፡ ግን እኹል ኣይኮነን።

 ኣብ ነፍስወከፍ ከተማ ኩሉ ዓይነት ህዝባዊ ምንቅስቃሳት ኣሎ፡ ኩለን ምንቃስቃሳትን ማሕበራትን መንግስታዊ ባጀት ኣለወን። ኣብዚ ምንቅስቃሳት ምክፋል ትመሃረሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ብግቡእ ኣንተደኣ ሰሪሕካሉ ዝተፈላለየ ሓገዛት እውን ትረኽበሉ ኢዩ። ናይ ተቃወምቲ ሽግር ግን ኣብ ክንዲ ተጠርኒፎም ዝቐርቡ፡ በበይኖም ስለ ዝቀርቡ ተቀባልነቶም እውን ኣዕጋቢ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ህግድፍ ተጠርኒፎም ብናይ ሓሶት ኣስማት ሕዝባውያን ማሕበራት ኣብ ኩሉ ኣለዉና ስለዝብሉ፡ ብስም ኩሉን ካብ ኩሉን ኸኣ ሓገዛት ይረኽቡ፡ ሕጋውነት ዝሓለወ ክመስለሎም ድማ ብምሁራት ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ዝዳሎን ኢዩ፡ ተወሳኺ ብህግድፍ ገንዘባዊ ምወላን ዘለዎ ኢዩ።

ህዝባዊ ዕላማ ንምዕዋት ካብኮነ ስራሕና እምበኣር፤ ፍርቂ ቃልሲ ዝባሃል ስለዘየአለን  ንህግድፍ ንምምካት እንተደኣ ኮይኑ ዋኒንናን መሊእካ ንምምካት ሃየ ንበራበር ንበገስ። 

እተን ብህግድፍን ዝምርሓ ህዝባዊ ምንቅስቃስ  ዝበሃላ ናይ ሓሶት  ምንቅስቃሳትን ኣገባብ ዝጎደለን  ተበግሶታትን ብሓቀኛ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ማሕበራት ከነቅውም ንሕጂ ጥራሕ ዘይኮነ ንጽባሕ እቲ ስርዓት ምስተኣልየ ከይተረፈ ክንቅጽሎ ዘሎና ኢዩ። ህግድፍ ኣብ ኩለን ከተማታት ናይ ሓንቲ ሃገር ሓገዝ ይረኽቡ።  እዚ ኸኣ ብናይ ሓሶት ጥርናፈ ዝበጽሑዎ ኢዩ።

ንመልከት ናይ ስራሕ ዕማማት፠፠፠.  ንነፍስወከፍ ከተማ-----ኣብ ቀጻሊ ኸኣ ብሃገር ደረጃ

1.ናይ ህግድፍ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ሃማድኤ  ኣብ ምሉእ ዓለም  ብሓንቲ ስም ይጎዓዛ  super ግን ናይ ሓሶት ማሕበር  ኢዩ---- ናይ ተቃወምቲኸ   ዘይጥርኑፍ  ማእለየ ዘይብለን ማሕበር ደቂ ኣንስትዮታት ዘለዎ ፍረ ኣየምጽእን  ስለዚ ብሓንቲ ስም ዝጽዋዓ ዓለምለኻዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ የድልየና ኣሎ

2. መንእሰየት ኣብዚ እውን እንተኾነ ህግድፍ ሃንቲ ጥምርቲ ናይ ሓሶት ማሕበር ኣላቶም። ደለይቲ ፍትሒኸ  ሓንቲ ዓለምለኻዊት  ማሕበር መንእሰያት የድልየና ኣሎ።  ትርጉምን  ዕማምን ናይ ማሕበር መንእሰያት ዘይርድ ኦም ውሑዳት ኣይኮኑን፡፡ ሕቶ መሰል ደቂ ኣንትዮን መሰል መንእሰያትን መሰል ተመሃሮን ወዘተ…..ብህዝቢ እምበር ብሰልፍታት ብውድባት ዝስራሕ ኣይኮነን።

3.Lobyisten  ቋንቋ ናይታ ሃገር ዝኽእሉ ን ዝተማህሩን ኣብ በተመንግስትን ዝተፈላለያ ቤት ጽሕፈታት  ከይዶም ንደለይቲ ፍትሒ ክውክሉ ዝኽእሉ ብሓደ ሽነኽ፡ ካልኣይ ከኣ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝዓበዩ  በቲ ዝርድ ኦም ቋንቋ ብወብ  (Website) ብጽሑፋትን ዘረድ ኡ ናይ ፖለቲካ ምሁራት የድልዩና ኣለው ኣብነት ናይ ጽላል ዓዲ እንግልዝ ምውሳድ ኣኻሊ ኢዩ። ህግድፍከ እወ ስራሕና ኢሎም ኣብ ዘዘልውዎ ከተማ ተለኣኣኽቲ ኣለውዎም። ነታ ባንዴራ መግለጺ ኪልተ ገጽ ዝኸውን ብኹሉ ቋንቋታት ኣለዎም ሃየ ንበራበር፡ ኩሉ ዓይነት ናይ ሓንጎል ምሕጻብ ወፈራታት እውን ይርከቦ።

4. ምሕበር ተማሃሮ እዚ እውን ካብ ኤናሰኤ ኢሉ ዝጀመረ ህግድፍ ክሳብ ሕጂ ብኻልእ መልክዕ ይቅጽልዎ ኣሎ ዉ ደለይቲ ፍትሒኸ
5. ጉዳይ ረድ ኤት እውን ኣብ ነፍስ ወከፍ ከተማ ኣሎ፡ ብኣጻብዕቲ ዝቁጸሩ ደለይቲ ፍትሒ ንኣብ ሱዳንን ኣብ ኢትዮጵያን ዘለዉ ዝተሓጋግዙ ምስጋና ይግብኦም  ኣብ ኩሉ ከተማታት እንተተጠርኒፍና ፡ ቁርሲ ቡን ምኣኸሎም፡ ኣብ ክንዲ እቶም ውሑዳት ግዱሳት ወግሐ ጸብሐ ኣብ ምልማን ዝኣትዉ፡ ካብ ኤርትራውያን ጥራሕ  ዘይኮነ ካብ ብዙሓት ገበርቲ ሰናይ እውን ሓገዝ ምስተረኽበ.---ህግድፍከ ኣበይ የውዕልዎ ይህልዉ፡ ወይስ መኽፈሊ ኣምባሳደራቶም  ወይ ከኣ መመወሊ ናይ Eri Blood!!!

6.ኣብ ሃገርና ቀንዲ ዝተረስዑ ጉዳይ ሽማግለታትከ   መሰሎም እንታይ ኢዩ ፡ ንኣብነት ኣብ ጀርመን ንሽማግለታት ንጥሮተኛታት ዝተመደበ ባጀት ክህሉ ኸሎ ናይ ሽማግለታት ጉዳይ ዝግደሱ ደለይቲ ፍትሒ ግን ኣይተራእዩን ስለዚ ናይ ሽማግለታት ማሕበር እውን ከድልየና ኢዩ። ምኽንያቱ ንመነባብራኦም ክንሕግዞም እንተዘይካኣልና‘ውን ተራኺቦም ዝዘናግዑሉን ሓሳባቶም ዝለዋወጥሉን ባይታን ቦታን የድልዮም እዩ።

7.ጉዳይ ቖልዑ---- ህግድፍ ከምህሮም ዘሎ ዓቅምታቱ  ክገብር እንከሎ፡  እታ ሃገር ዝበለጸትን ዝለምዔትን ገይሩ ከረድኦም  ንህግድፍ ከምልኽ ከሎ ካብሕጂ እቲ ሓቂ ከነፍልጦም እነተዘይፈቲትና ጽባሕ ንክመልሶም ክንሽገር ኢና ስለዚ ደቕና ከነምህር ዓቢ ዕማም ኢዩ

8.ጉዳይ ሰላማዊ ሰልፊ--------- እዚ እውን ጉያ ጉያ ኣይኮነን ሰብ ተረዳሉን ትኸስበሉን ፡ ነቲ ህዝቢ ናይቲ ዘለኻዮ ሃገር ህዝቢ ከይተረፈ ኣብ ጎንኻ ኣምጺእካ ምሳኻ ከምዝስለፉ ምግባር መጽናዕቲ ዘድልዮ፡ ናይሰላማዊ ሰልፊ ክኢላታት (Proffessionals)  ዝሓትት፡ ብዝተፈላላየ ጽሑፋት ዝስነ ፡ ሰብ ነቲ ጽሑፋት ኣንቢቡ ኣብ ጎንኻ ክመጽእ ከም ዝኽእል ዝገብር ኢዩ። ስለዚ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ስራሕ ዕማም ከተድሊ ኢያ። ሰላማዊ ሰልፊ ከመይ ይካየድ ብዙሕ ጽሑፋት ኣሎ ምውካስ ኣድላዪ ኢዩ። ጸርፊ ግን ኣካል ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ኣይኮነን።

9. ህዝባዊ ውክልና ኣለዎ ክበሃል እታ ቀዳመይቲ ክትግበር ዘለዋ ዝኾነ ምንቅስቃስ  ብትግርኛን ዓረብኛን ከምኡውን ናይቲ ንነብረሉ ሃገርን ምስ ዝኽውን  ምስ ዝኽውን ገለ ነቲ ኣቃውማ ሕብረተሰብና ዝገልጽ ኢዩ፡ ስለዚ ክርሳዕ ዘይብሉ ጉዳይ ኢዩ።

10.ኣብ ሕይወት ናይ ሓንቲ ሃገር ክትካፈል ናይ ስፖርትን ስነጥበባውያን ደረስትን ማሕበራት እውን ዝተፈላለየ ሓገዛት ስለዘለዎ ንመንፈስ ናይቲ መንእሰይ እውን ሞራል ስለዝኾነ ክርሳዕ ዘይብሉ ጉዳይ ኢዩ። እዚ ኸኣ ኢዩ ንህግድፍ ቀንዲ መስሪሒኦም።  ገለ ካብቲ ክንገብሮ ዝግባኣና ጠቂሰ ኣለኹ ለባማት ክውስኽሉ ኤማሕጽን።

ብኸምዚ ኣገባብ ከኣ ኢዩ ኣብ ህዝባዊ ዘተ ነዚ ዝተፈላላየ ዕማማት ዘካይዱ ደለይቲ ፍትሒ ተራኺቦም ገለ ፍረ ከምጽኡ ዝኽእሉ፡ ድሕሪ ዘተ ኸኣ ናይ ስራሕ መደባት ሒዞም ክምለሱ ዝኽእሉ። ኣብ ቀጻሊ ጉዕዞ ናይተን ጽላላት እቶም ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጥቅሱ ናይ ስራሕ ዕማምት ወከልቲ ተራኺቦም ፍረ ዘለዎ ዕማማት ክገብሩን ንህግድፍ ክምክትዎን ቀሊል ይኾነልና። እነተዘየሎ ተዛሪብካ እሞ እንታይ ኣምጺእካ ከይከውን ነገሩ። ኣይኮነን ተፈላሊናስ ተኣኪብናው  እውን እንተኽእልናዮ ኢዩ።

ኣብ ስራሕ እንተተጸሚድና ነቲ ዝፈላልየና ጊዜ ኣይክህልወናን ኢዩ፡  ናይቶም 16000 ደለይቲ ፍትሒ ናይ ጀኖቫ ምዝካር ጥራሕ ኣኻሊ ኢዩ። ዝተዛተናዮ ውሑድ ኣይኮነን ክሳብ ሕጂ ግን ዘረባ ጥራሕ ኮይኑ ኢዩ ተሪፉ።

ክንዕወት ኢና
ተስፋይ ባይረ
ሓምለ 2017

Last modified on Wednesday, 12 July 2017 21:19