ሓሰኻ ደምበ ናብ ዝለምለመሉ- ኣብ እንዳ ህግዲፍ ኩሉ ልሙድ እዩ!

2017-07-09 20:28:58 Written by  ፍስሃየ ኪዳነ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1784 times

ኣብ ኤርትራ ንሓደስቲ ምዕባሌታት ዝምልከት ብመንግስቲ ዝድረስ ኣገደስቲ ፖሊስታት ምስ እንምልከት፡ ኤርትራ ሃገር ዘይኮነት ናይ ሓደ ሰብ ድኳን`ያ ክትብላ ብኹሉ መለክዒታት ርትዓዊ እዩ። ኣብ ዲሞክራስያውያን ስርዓታት መራሕቲ ወከልቲ ህዝቢ ብምዃኖም፡ ዝወስድዎ ውሳኔ ይኹን ሓድሽ ፖሊሲ ንግዙፍ ክፋል ህዝባዊ ድልየት ዘንጸባርቕ ክኸውን ኣለዎ። መስፈሪ ፖሊሲታት ምልካውያን ስርዓታት ግን ብኣንጻሩ፡ ረብሓ ናይቶም ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ውሑዳን ወይ ውን ቀጻልነት ናይቲ ስርዓት ምርግጋጽ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ምቕራጽ ፖሊሲታት ኣብ ምልካውያን ስርዓታት፡ ውረድ-ደይብ ዘይብሉ ልሙጽ መስርሕ እዩ። ኣብ ወተሃደራዊ ምልካዊ ስርዓት ከምኡ ውን ሓደ ሰልፋዊ ስርዓታት፡ እቲ ወተሃደራዊ ትካል ኣብቲ ቐዳማይ፡ እቲ ሰልፊ ኸኣ ኣብቲ ካልኣይ ኣብቲ መስርሕ ክሳተፍ ስለዝኽእል እቲ ፖሊሲታት ብተዛማዲ ስፍሕ ዝበለ ተሳትፎ ክህልዎ ይኽእል። ኣብ ውልቃዊ ምልካዊ-ስርዓት (personalist dictatorship) ከም ስርዓት ኢሰያስ ግን፡ ሃገራዊ ፖሊሲ ሓደ ሰብ ዝደራሲኡ መጽሓፍ`ዩ።

ኣብ መንጎ ሃገራት ዝግበር ዝምድናታት ምስ እንዕዘብ፡ ኣብተን ረብሓ-ህዝቢ ማእከል ዝገብራ ዲሞክራስያውያን ሃገራት፡ ቀልጢፍካ ዝድምናታት ምብታኽን ወይ ውን ኣብ መንጎ ዝተገራጨዉቲ ወገናት ቀልጢፍካ ምስ ሓደ ምውጋን ልሙድ ነገር ኣይኮነን። ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ መንጎ ሃገራት ዓረብ ድሕሪ ዘጋጠመ ዲምፕሎማስያዊ ምስሕሓብ፡ ገለ ሃገራት ነቶም ወገናት ነቲ ሽግር ብልዝብ ክፈትሕዎ ክላበዋ እንከለዋ፡ ካልኦት ሃገራት ግን ወገን ክወስዳን ንሓደ ክዂናን እየን ተራእየን። መንግስቲ ኤርትራ ውን ህቦብላ ናይቲ ቅልውላው ኣጸቢቑ ከይዓረፈ እንከሎ፡ ምስ ስዑድያ ምውጋኑ`ዩ ገሊጹ። መንግስቲ ቐጠር ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሮ ዘምድና ኣዝዩ ጥቡቕ እዩ ኔሩ። ተደጋጋሚ ዑደት ኢሳያስ ናብ ቐጠር ብስራሕ ይኹን ብሕክምና፡ ቐጠር መንጎኛ ናይቲ ምስ ጅቡቲ ዘጋጠመ ሽግር ክትከውን ምቕባልን ካልእን ገለ ካብቶም ምልክታት ጥቡቕ ዝምድናታት ክልቲአን ሃገራት እዩ ኔሩ። ቅድሚ 2015፡ ኤርትራ ምስ ኢራን ኣዝያ ጥቡቕ ዝምድናታት መስሪታ ብምንባራ ዝድምናታት ኤርትራን ስዑድያን ዝሕቱል እዩ ኔሩ። ስዑዲ ጥቡቕ ዝምድናታት ስርዓት ኢሰያስ ምስ ኢራን ኣይተዋሕጠላን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኤርትራ ንተቓወምቲ ሑቲ ናይ የመን ትድግፍ ውን ኢላ ወቒሳ ኔራ እያ። ኤርትራ ሑቲ ምድጋፍ ደው ከተብሎ፡ ኢራን ነቶም እትድግፎም ናይ ሑቲ ተቓለስቲ ንምድጋፍ ንኤርትራ ከም ባይታ ከይትጥቀመላን ካብ ዝብል እምበኣር፡ ስዑዲ-ዓረብ ዝርርብ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ግድነት ኮና።

 ኢሳያስ ናብ ስዑዲ ከይዱ ምስ ንጉስ ሰልማን ክራኸብ  እንከሎ ብማዕከናት ዜና ተኸታቲልናዮ። ነዊሕ ከይጸንሐ ከኣ፡ እቲ ንሑቲ ይድገፍ ኣሎ ተባሂሉ ዝውቀስ ዝነበረ መንግስቲ  ኤርትራ፡  መሬቱ ናብ መደበር ናይቲ ብስዑድያ ዝምራሕ ልፍንቲ ኣንጻር ሑቲ ቀየሮ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣንጻር ሑቲ ሰራዊት ሰዲዱ ተባሂሉ ክሕመ ውን ሰሚዕና። ኢሳይያስ  ኢራንን ሑትን ኣፋንዩ ምስ ስዑድያን ኢማራትን ተላፈነ። ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ከም ሕብርዎ፡ እዘን ሃገራት ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ መደበራት ክሰርሓን፡ ነቲ ስርዓት ከኣ ብገንዘብ፡ ነዳድን ካልእ ናይ ህንጸትን ወፍርን መብጽዓታት ኣትየናሉ ይርከባ። ስዑድያን ኢማራትን፡ ዝለመሰ የእጋር ናይቲ ስርዓት ከሕውያ ዝኽእላ’ኳ እንተዘይኮና፡ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ መዓሙቕ ተነጽሎ ናብ ቁሩብ ንፋስ ዘለዎ ቦታ ክወጽእ ግን ምርኩስ ኮይነንኦ እየን ማለት ኣይኮነን። መንግስቲ ኤርትራ ምስ ስዑዲ ወጊኑ፡ ንቐጠር ክጓኒ ምውሳኑ፡ እዘን ሃገራት ተኺለናሉ ዘለዋ ኢንፍጅን ማዕረ ክንደይ ንቐጻልነቱ (ንግዚኡ ይኹን) ኣገዳሲ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ።

ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፡ ንዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ከም ምጡጥ ጂኦግራፊካዊ  ኣካለን እየን ዝእየኦ። ኣብቲ ዞባ ዘጋጥም ነገር ክጸልወን ስለ ዝኽእል፡ እቲ ዞባ ሰላም ሰፊንዎ ክርእያ ድልየተን እዩ። እቲ ቐንዲ ዓንዲ-ሕቆ ቑጠብአን ዝኾነ ነዳዲአን በዚ ዞባ እዩ ዝሓልፍ። ኣብቲ ዞባ ዝገብርኦ ምትእትታው ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ነዳዲ ተረኺቡ ናብ ዕዳጋታት ዓለም ክሽየጥ ድሕሪ ምጅማሩ ኣገዳስነት ቀርኒ-ኣፍሪቓ ነዘን ሃገራት ክብደት ወሲኹ እዩ። በብወገነን እምበኣር፡ ብፍላይ እተን ዓበይቲ ሸየጥቲ ነዳዲ ዝኾና ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ከም ስዑዲ-ዓረብ፡ ነቶም ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ዝርከቡ ሓይልታት ወይ ሃገራት ገንዘባዊ ድጋፍን ኣጽዋርን እንዳሃባ ጽልውአን ክዕርፋ ይፍትና ኔረንን ኣለዋን። እቲ ኣብ ስግር ናይዚ ዞባ ኣብ እትርከብ ሃገረ የመን ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው፡ነቲ ዛሕቲሉ ዝነበረ ርክብ ናይዘን ሃገራት ኣብቲ ዞባ ኣነጣጥፊዎ እዩ። ስዑድያ ኣብታ መዳውብታ ዝኾነት ቀይሕ-ባሕራዊት ሃገረ የመን ንታሪኻዊ መጻልእታ ዝመስል ሺዓ ዝእምነቱ ብኢራን ዝድገፍ መንግስቲ ክትከል፡ ብፍጹም እትጻወሮ ነገር ኣይኮነን።

እዚ ዘባህርር ሲናርዮ ከይገሃድ እምበኣር፡ ስዑድያ ኩሉ የእማን ክትፍንቅል ግድነት እዩ። ኤርትራ ተቋዳሲት ጸጋታት ስዑዲ-ዓረብን ኢማራትን ክትከውን ዝገበራ ጅኦግራፊካዊ ቅርበታ ናብ የመን እዩ። ሑቲ ተሳዒሮም ኣብ የመን ብሱና ዝምራሕ መሓዛ ስዑዲ-ዓረብ ዝኾነ መንግስቲ ድሕሪ ምምስራቱ ግን ኣገዳስነት ኤርትራ ከምዚ ሕጂ ዘለዎ ኣይክኸውንን እዩ። ልክዕ እዘን ሃገራት ብቐይሕ ባሕሪ ዝመላለሳ ናይ ንግዲ መራኽበን ካብ ሸፋቱ ባሕሪ ንምሕላው ኣብቲ ከባቢ ወተሃደራዊ መደበር የድልየን እኳ እንተኾነ፡ እቲ መደበር ኣብ ሶማል ወይ ውን ጅቡቲ ክገብረኦ ይኽእላ እየን። ተገላባጢ መርገጺ መንግስቲ ኤርትራ’ውን ንኤርትራ ንኸይመርጽኣ ክገብር ይኽእል እዩ። ኩነታት ሶማል ተረጋጊኡ፡ ሽፍትነት-ባሕሪ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣቱ ወይ ውን እዘን ሃገራት መራኽበን ብኻልኦት ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ወተሃደራዊ መደበራት ክሕለዋ ምግባር ውን ካልእ ኣማራጺ እዩ።

ረብሓ ውሑዳት ዝማእከሉ መንግስቲ ክሳብ ዝሃለወ፡ ስርዓት ኢሳያስ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ንኤርትራ ሎሚ ብኢራን፡ ጽባሕ ብቐጠር ድሕሪኡ ስዑዲ፡ ብድሕሪኡ ውን ብኻልእ ዘርከበ ዘርብሕ ወገን እትሕረስ ግራት-ፈረቓ ክገብራ ባህርያዊ እዩ። ኣብቲ ዞባ ሰላምን ርግኣትን እንተዝሰፍን ግን፡ ነቲ ብተነጽሎ ዝሳቐ ዘሎ ስርዓት ኢሰያስ መገላበጢ ባይታ ኸሊኡ፡ ንፍታሓዊት ኤርትራ ዝግበር ቃልሲ ውን ኣቃላጣፊ ባሩድ ምኾኖ ኔሩ።

Last modified on Sunday, 09 July 2017 22:34