ዓቕምን ኣበርክቶን ብውጽኢት’ዩ ዝምዘን

2017-07-08 06:15:56 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1751 times

ሰባት ዘመሳስሎም መምዘንታት ከም ዘለዎም ርዱእ ኮይኑ፡ ዝፈላለይሉ እውን ብዙሕ እዩ። ካብቲ ዝፈላለይሉ ገሊኡ ተፈጥሮኣዊ ክኸውን እንከሎ ባዕላቶም ዘማዕብልዎ’ውን ኣለዎም። ጾታን ካልኦት ዝኣመሰሉን ናይ መንነት መግለጽታት ተፈጥሮኣዊ እዮም። ትምህርቲ፡ ሃብቲ፡ ተመኩሮን ተሰማዕነትን ከኣ ብትምህርቲ ወይ ብተመኩሮ ዝጥረዩ እዮም። ሰባት በቲ ዘለዎም  ዝድህሰስ ኮነ ዘይድህሰስ ዓቕሚ ክነየቱን ክሕበኑን ዝተለምደ እዩ። እንተኾነ እቲ ሓቀኛ ዘሕብንስ ነቲ ዓቕሚ ምውናኑ ዘይኮነ ብኣኡ ተሓጊዝካ ብዝምዝገብ ውጽኢት እዩ።

እዚ  ሰባት ዝሕበንሉ ዓቕሚ ኣብ ሓድነት፡ ምጽውዋር፡ ህዝባዊ ልግስን ምክብባር ክውዕል እንከሎ ሃናጺ እዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ምብትታን፡ ዘይምኽኑይ ኒሕን ትምክሕትን ክውዕል እንከሎ ኣፍራሲ እዩ። ኣብ ባህልና ሓደ ዝወነንካዮ ዓቕሚ ኣብ ጠቓሚ መዓላ ምውዓሉ እንተዘይክኢልካ “ኣይእ ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ” ብዝብል ውሕሉል ላዛ እዩ ዝንቀፍ። ሰባት ነዚ ዝተጠቕሰ ዓቕሚ ብግቡእ ምሓዞምን ዘይምሓዞምን ናይ መጀመርያ መምዘኒ ጸቢብ ኣነነት ወይ ዕጉስ ንሕናነት እዩ። ንኣብነት ሃብቲ ዘለዎም ወገናት ብሃብቶም ተመኪሖም ነቲ ክንዲ ናቶም ሃብቲ ዘይውንን ከነኣእስዎ እንከለዉ ናይ ውድቀቶም ምልክት እዩ። ኣነ ብዓቕመይ ንሱ’ውን ብዓቕሙ ዝብሉ ግና መንገዲ ሓቂ ዝሓዙ እዮም። ዝተማህሩ ኮኑ ዝተመኮሩ ከኣ ኣብ ኩሉ መዳያት “ኣነ ጥራይ እየ ገባርን ሓዳግን” ብዝብል ትዕቢት ተሰንዲሖም ብዘይካይ ካልእ ዘድምዕ የለን ክብሉ እንተጀሚሮም እዚ’ውን ካልእ ናይ ውድቀቶም መባእታ እዩ።

ኣብ ባህልና ከምዚ ዓይነት ትምክሕቲ ቅቡል ኣይኮነን። ወለድና ዘንጊ ሓቅን ቀያሪ ዓቕምን ኣብ ኢድ ምሁራትን ሰብ ካልእ ዓቕምን ጥራይ ከምዘይትርከብ ክገልጹ እንከለዉ “ካብ ምህሮ ኣእምሮ” ይብሉ ነይሮም። እዚ ኣበሃህላዚ “ትምህርቲ ኣየድልን” ናብ ዝብል ከቕንዕ እንከሎ ጐዳእን ክእረም ዝግበኦን እዩ። ኣብቲ ዘይተማህረ ኣካል  እውን ሓቂ፡ ሓቅን ልቦናን ኣሎ ዝብል ሓሳብ ክሓዝል እንከሎ ግና ቅኑዕ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቶም ንዋትን ትምህርትን ኣለና ኢሎም ዝስንድሑ እንተተቐቢለምዎ ዓብይ ትምህርቲ እዩ። ሃገር ኮነ ካልእ ፖለቲካዊ ውዳበ ናይ ኩሎም ተዋሳእቱ ኣካላት እምበር ናይ ውሱናት “መን ከማና” በሃልቲ ኣይኮኑን። ብፍላይ ኣብ ከምዚ ንሕና ንርከበሉ ዘለና ቃልሲ ንፍትሕን ግዝኣተ ሕግን እቲ ቅድሚት ክመጽእ ዝግበኦ “መን እዩ?” ዘይኮነ “ዕምቆት ኣተሓሳስባኡ ክሳብ ክንደይ ሕጋውን ፍትሓውን እዩ?” ዝብል እዩ ክጐልሕ ዝግበኦ። ምኽንያቱ ናይ ሎሚ ኣተሓሳስባ ንናይ ጽባሕ መተካእታ መሰረት ስለ ዝኾነ።

ሓደ መስተውዓሊ፡ ትምህርቲ በይኑ ብቕዓት ከምዘይኮነ ክገልጹ እንከለዉ “ዲግርን ዲፕሎማን ናይ ሰነፋት ዋልታ እዩ” ክብሉ ዝሰማዕኩሉ ኣጋጣሚ ኣሎኒ። እቶም ከምኡ ዝበሉ ብትምህርቶም ዶክቶር እዮም። ንኣድላይነት ትምህርቲ ዘይኣምንሉ ነይሮም እንተዝኾኑ ኣብዚ ደረጃዚ ኣይመበጽሑን። ስለዚ መልእኽቶም ትምህርቲ “ምሁር እየ” እንዳበልካ ትምከሓሉን ተሽካዕልለሉን ወይ ድማ፡  ንገርሀኛታት ናብ መንገዲ ዕንወት እትመርሓሉን ዘይኮነ፡ ብተግባር ኣርኢኻ ውጽኢት እትሓፍሰሉ እዩ ክብሉ ስለ ዝደለዩ እዮም። ዝያዳ ንምብራህ ከኣ፡ መንግዲ ሓቂ፡ ፍትሕን ሓልዮትን ምስ ሓዝካ እዚ ብዛዕባኡ ንዛረበሉ ዘለና ዝድህሰስ ኮነ ዘይድህሰስ ዓቕሚ ኣድማዒ ግደ ከም ዝህልዎ ዝሰሓት ኣይኮነን።

ኣብ ከምዚ ነካይዶ ዘለና “ውዳበ ሓይሊ እዩ” ብዝብል ብሂል ዝጽሎ ቃልሲ እትውንኖ ዓቕሚ ቀያሪ ክኸውን ዝኽእል ክውደብ እንከሎ እዩ። ምውዳብ ከኣ ናይ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ኣባል ምዃን ማለት ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ኣባሉ ዝኾንካሉ ትካል ዝምረሓሉ ኩሉ ሕግታትን ቀጥዕታትን ምኽባርን ብኣኡ ምምእዛዝን እዩ። እዚ እትዋሰኣሉ ውዳበ፡ ሕግታቱ ኣብ እተኽብረሉ ዓቕምን ክብደትን ይውስኸልካ እዩ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ሳላቲ ዝዋስእሉ ውዳበ ዝረኽብዎ ዓቕምን ተሰማዕነትን ናቶም ብሕታዊ ዝናን ካብቲ ውዳበ እንተወጹ እውን ምስኣቶም ለቒቑ ዝኸይድን ይመስሎም እዩ። ካብዚ ግጉይ ግንዛበ እንዳነቐሉ ከኣ “ዝበልኩኹም እንተዘይገርኩም ከምዚ ክገብር እየ፡ ከምዚ ክፈጥር እየ” እንዳበሉን ዘይቆርጽ ሴፍ እዳመዘዙን ከፈራርሑ ይፍትኑ። እዚ ሓቂ መሲልዎም ነዞም ባዶ ትዕቢተኛታት ዘቀባጥርሎም ወገናት’ውን ኣይስኣኑን። እዞም ትዕቢተኛታት እቲ ሓቂ ዝርድእዎ እምበኣር ሕማቕ መዓልቲ ውዒሎም ካብቲ ሓይልን ዝናን ኮይንዎም ዝጸንሐ ውዳበ ክወጹ እንከለዉ እዩ። ንሳቶም ጥራዮም እዮም ዝኸዱ። ናይቲ ውዳበ ዓቕምን ኣርማን ምስ ምሉእ ክብደቱን ክብሩን  ኣብቲ ቦታኡ እዩ ዝተርፍ። ካለኦት ነቲ ኣርማ ኣልዒሎም ከኣ ይቕጽልዎ። እቲ መስርሕ ከምኡ ኢሉ ክሳብ ዓወት ይቕጽል። እታ በትሪ ሓቂ ከኣ እንተገደደስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን እያ።

Last modified on Saturday, 08 July 2017 08:21