ኤርትራ ናይ ኩልና ሃገር እትኾነሉ ንሕሰብ

2017-07-07 21:52:05 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2347 times

ወዲ ሰብ ካብ ጸሓይ ዘጽልለሉ፥ ካብ ዝናብ ዘዕቅለሉ ክምህዝን ክበላሓትን ህርድግ እዩ ዝብል። ምስቲ ዘጋጥሞ ኩነታት ክዋሳእን ዝረብሓሉ ፍታሕ ከናድን ድማ ናይ ግድን እዩ። ንኣብነት ቀደም ከምዚ ሎሚ ከይማዕበለ ወዲ ሰብ ኣብ በዓቲ ወይ ኣብ  ትሕቲ  ዕሙር ቁጽሊ ዘለዋ ዓብይ ኦም እዩ ካብ ጸሓይ ዘጽልልን ካብ ዝናብ ዘዕቅልን ዝነበረ። ከይዱ ከይዱ ግና ምስ ግዜ እናማዕበለ ኣብ ኣባይቲ ምስራሕ ገጹ ኣድሃበ። ቀጺሉ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኣብ ዝጐዓዘሉ ጽላል ዝበሃል መሃዘ። ስለዚ እዛ ሃገርና ኤርትራ ከምቲ ሓቢርና ብደምና ዘምጻእናያ ናይ ሓባር ጽላልን መዐቀሊትን ኮይና ክትቅጽል ንኹሉ ጸገማታ ክንብድህ ክንጽዕር ኣሎና።

ሃገርና ኤርትራ ደጊም ካብ ተኸታታሊ ሓይልታት መግዛእትን ጎበጣን ተላቒቓ እነሆ ህዝብና “ኤርትራዊ ኢየ” ኣብ ዝብለሉንን ብኤርትራዊ መንነቱ ዝሕበንን ኮይኑ ኣሎ። እንተኾነ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ነጻ ወጺኣ ክንሳ ህዝባ ግና ሓራ ኣይወጸን እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ይኹን እምበር መሮር ውዒሉ፥ ወይ ኣብ ስደት  ይኹን ኣርሒቑ ዝነበረ፥ ሃገር ኣላትኒ ክብል ዘሕፍሮ ነገር የለን። ሃገር ናይ ኩሉ ስለዝኾነት ከኣ ንኹልና ብማዕረ ከምትብጸሓና ክንገብራ ብዛዕባኣ ጻዕሪ፡ ምዕብልናን ፖልቲካዊ ልቦናን የድልየና።

ምስ’ዚ ተተሓሒዙ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ሕብረተሰብ ሓደ ዓሌት፥ ብሄር፥ ሃይማኖት፥ ቋንቋን ባህልን ዘለዎ ዘይኮነስ ብዝሑነታዊ እዩ። ስለዚ ነታ ሃገር ዝሕልው በበይኑ ዘይኮነ ናይ ዓሌት፥ ብሄር፥ ሃይማኖት፥ ባህልን ቋንቋን ብዝሑነቱ ተደማሚሩ እዩ። ነዚ በበይኑ ዝመስል ማሕበራዊ፥ ባህላዊ፥ ቁጠባውን ፖለቲካውን መሰላት ብግቡእን ምስ ዝህነጽ እቲ ሓባራዊ መንነት ዝስረተሉ ይኸውን። ንሱ ከኣ ኤርትራውነት እዩ። እቲ ኤርትራውነት ኣብ ዓሌት፥ ብሄርን ሃይማኖትን ተመርኲሱ ኣይኮነን ነቲ ሓባራዊ ሃገራዊ መንነት ዝምስርቶ። ብኣንጻሩ ኩሉ እቲ ዝተፈላለየ ናእሽቱ ስምዒታት ተደማሚሩ ኣብ ሓደ ብቅዋም፥ ትካላትን ሃገራዊ ምትእስሳር ወይ መላግቦ ዘለዎ ጥሙር ህዝቢ ይኸውን። እዚ ስሙር ህዝቢ እዩ ከኣ ብዝሰርሖ ታሪኽ፥ ማሕበራዊ ጉዳያትን፥ ዝምድናታትን ናይ ሓባር መንነት ክፈጥር ዝኽእል።

እቲ በበይኑ ሕብረተሰብ ካብቲ ናእሽቱ መንነታት ወጺኡ ኣብቲ ምስቲ ካልእ ሕብረትሰብ ዘተኣሳስሮ ቀንዲ ሃገራዊ ኣጀንዳ ዝተኮረ ክኸውን ይግባእ። እዚ ማለት ንመሰላት ናይ ኩለን ብሄራት ይኹን ሃይማኖታትን ባህልን ምክፍፋል ቁጠባን ምምቕራሕ ስልጣንን ብዘይሃሲ ንክኸውን ጻዕርን እምንቶን ኩሉ ዜጋ ክኸውን ኣለዎ። ነቲ ሃገራዊ መንነትናን ሃገራዊ ኣተሓሳስባናን ምስቲ ግላዊ ናእሽቱ መንነታት ክተኣሳሰርን ብኡ ክቕየድ ዘይኮነስ ንሱ ክኸብረሉ ብዝኽእል ቅዋም ምሕንጻጽን ኣገዳሲ እዩ።

ኣብዚ ብሓባር ዝምስረት ቅዋም ተመርኲስና ናይ ኤርትራዊ ሃገራውነት ኣተሓሳስባ ክንህንጽ እምበር  ብናይ ብሄር ወይ ሃይማኖት ወይ ቀቢላ ስምዒት ክንጸብብ ኣይግባእን። ነቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ንጎኒ ምግዳፍ ኣብ ንጅምረሉ እዋን  ካብቲ ዘቀራርበናን ንኹልና ዝተሓቛቚፍን ሃገራዊ መንነትና ዘትርር ኣጀንዳ ወጺእና ኣብ ዝፈላልዩናን ነቲ ሓባራዊ ሃገራዊ መንነትና ዝሃስን ዝጐድእን እዩ ክኸውን። ኣብ ከምዚ እዋን እዚ ከኣ እዩ እቲ ኣተሓሳስባና ዝዝረግ እሞ ብስም ናይ ብሄር፡ ዓሌት ወይ ሃይማኖት ኣቢልና ንስልጣን ይኹን ምምሕዳር ምጭባጥ ከም መሳርሒ ንጥቀም።  እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ምብትታን ገጽና ወይ እውን ነናይበይንና ኣተሓሳስባ ኣብ ምጥራይ ንወፍር።  

ሽዑ ካብዚ ነቒሉ እቲ ክስታናይዶ እስላማይ፥ መተሓትዶ ከበሳ፥ ብዝሒዶ ዋሕዲ ዝብል ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ገርና ኣብ ምጥቃም ገጽና ንኣቱ እሞ ካብ ሕጊ ወጻኢ ክንከይድ ንጅምር። ከምዚ ሕጂ ዘሎናዮ ዘይምትእምማን ከኣ ንቕድሚት ከምዘየሰጉምና ካብ ብሕጂ ተረዲኢና ልዕሊ ኩሉ ንሃገራዊ መንነትና ዘዕዝዝ ጠመተን ኣመለኻኽታን ክህልወና ግዴታ ምዃኑ ክንርዳእ የድሊ።  ስለዚ ካብቲ ንኹልና ዝጠምረና ሃገራዊ መንነት ንፍልልያትና ኣዕዚዝና ብምርኣይን ኣብኡ ምንባርን ኣወጊድና ነቲ ሃገራዊ መንነትና፡ ቅዋም፡ ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራሲያዊ መትከላትን ክትመሓደር እንደልያን እንብህጋን ሃገርና ኤርትራ ብሓድነትና ኣቢልና ንኹልና እተጽልለሉ ኩነታት ንምፍጣር ዝያዳ ክነተኲር የድልየና።

ካብዚ ተበጊስና እታ እነጽልለላ ናይ ሓባር ሃገር፡ ዲሞክራሲያዊ ባህሊ ብዝያዳ ኣብ ሕብረተሰብ ክሰፍንን ክንመሃሮን ክንጽዕር ኣሎና። ምስ’ዚ እቲ ናይ ጾታ፡ ሃይማኖትን ብሄርን መሰል ኣድልዎ ብዘይብሉ ማዕርነት ክሕሎ ኣለዎ። ነዚ ናይ ማዕርነት ኣተሓሳስባ ከኣ ብተግባር ክንፍጽሞን ክንከላኸለሉን ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ሓላፍነትን ግዴታን ምዃኑ ምእማን ከድልየና እዩ። ነዚ ፈሊጥና ኣብ ሓቅን ቅንዕናን ተመርኲስና ንሓባራዊ ሃገራዊ ራኢ ምእንቲ ከነጥሪ ክንጽዕር ይግበኣና። በዚ ኣቢልካ ዕብለላ፥ ውድድርን፥ ጥርጠራን ክውገድ ይከኣል እሞ እታ ሃገር ናይ ኩልና ክትከውን ትኽእል። ካብዚ ብምንቃል ኣብቲ ንኹልና ዘርብሕን ዘጽልልን ሃገር ክንመሓደረሉ እንኽእል ስርዓት ብቕንዕና ተበጊስና ተሓላቕነትና “ንመላእ ሃገረይን ህዝበይን” ዝብል ክኸውን ኣለዎ።

ስለዚ ንኹልና እተጽልለናን እትሓቊፈናን ሃገር ክንምስርት ወይ ክንሃንጽ እንከሎና ኣብ ውልቃዊ ረብሓታትን ስምዒታትን ምቅድዳም ዘይኮነስ፡ ንጠቕሚ መላእ ሕብረተሰብ ኢና ክንሓስብ ዘሎና። ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ በዓል ብርኪ ምዃኑ ኣሚንና ፍትሓዊ ዝኾነ ኣገባብ ሒዝና መንገድና ኩሉ ተጠቃሚ ዝኾነሉ ከም ዝኸውን ምሕሳብን ምትግባርን ማለት እዩ። እዚ ከኣ ዕርቂ ምስ ነፍስና ገርና ነዛ ሃገር ንምድሓንን ንምህናጽን ካብ ጽልእን ቅርሕንትን ናጻ ኮይና ኣብ ሓቀኛን ቅኑዕን መንገዲ ንሰለፍ።

Last modified on Friday, 07 July 2017 23:58