ስለምንታይ`ያ ቐጠር ሰራዊታ ካብ ዶብ ኤርትራን ጅቡትን ስሒባ?

2017-07-06 07:04:17 Written by  ሱልጣን በረካትን ሳንሶም ሚልቶንን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2597 times

ትርጉም ቤ/ጽ ዜና ሰዲህኤ

ሃገረ ቐጠር ሰራዊታ ካብ ዶብ ኤርትራን ጅቡትን ክትስሕብ ድሕሪ ምውሳና፡ መራኸቢ-ብዙሃን ብቑልጡፍ እየን ነቲ ውሳኔ ምስቲ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ከተሓሕዝኦ ዝተሰምዓ። ነቲ ኣብ ወሽመጥ-ዓረብ ዘጋጠመ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ብዝምልከት ኤርትራን ጂቡትን ምስ ስዑዲ-ዓረብ ድሕሪ ምውጋነን ገለ መዓልታት ጸኒሓ`ያ ቐጠር ሰራዊታ ክትስሕብ ዝወሰነት። ካብዚ ተበጊሰን ከኣ`የን መራኸቢ-ብዙሃን ንውሳኔ ቐጠር ምስቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ወሽመጥ ዓረብ ከተሓሕዝኦ ዝተራእያ።

ምስሓብ ሰራዊት ቐጠር፡ ብሓርፋፍ ከም ውጽኢት ናይቲ ቅልውላው ጌርካ ክርአ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ እቲ ቅልውላው ካብ ዝጅምር ቐጠር ንነገራ ብኸመይ ክትኣልዮም ከም ዝጸንሐት ምስ እንምልከት ግን እቲ ሓቂ ብኣንጻሩ እዩ ዝኸውን። እቲ ቅልውላው ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ቐጠር ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ብስዑዲ-ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝዘነበ ናይ ዘመተን ጸለምን ወፍሪ ክትምልሰሉ ኣይተራእየትን። ከም የርዳኖስ ዝኣመሰላ ሃገራት ምስ ቐጠር ዘለወን ዝምድና ከዛሕትላ እንከለዋ፡ ቐጠር ከም ግብረ-መስሊ ነቶም ብኣሽሓት ዝቊጸሩ ኣብ መሬታ ዝርከቡ ወጻእተኛታት ሰራሕትኛታት ከም ዜጋታት ዮርዳኖስ፡ ጸበባ ዝፈጥረሎም ስጉምቲ ክትወስድ ኣይተራእየትን።

ኣብ ኣቡ-ዘቢ ዝርከብ መንገዲ-ኣየር ቐጠር ክዕጾ እንከሎን፡ ላዕለዎት ሰራሕተኛታት ናይቲ መንገዲ-ኣየር ንምግልታዕ ክቃልዑ እንከለዉን`ውን ቐጠር ዝኾነ ግብረ-መልሳዊ ስጉምቲ ክትወስድ ኣይተራእየተን። ስዑዲ ንኢማራትን፡ ነቲ ብዶበን ኣቢሉ ዝሓልፍ ናይቲ ናብ ቐጠር ዝኣቱ መግቢ መስመር ክዓጽውኦ እንከለዋ፡ ቐጠር ብኣንጻሩ ነዘን ሃገራት መዓልታዊ ኣስታት 57 ሚልዮን ክዩብ ጋዝ ምዕዳል ኣየቋረጸትን። ሃገረ ቐጠር ኣብ እዋን ቅልውላው ዝመረጸቶ ስልቲ፡ ናይ ነዊሕ ሽቶታት ዝሃርም ፖለቲካዊ-ገበጣ ንምጽዋት ዝዓለመ ኮይኑ፡ ኣብቲ ቅልውላው ልዕል ዝበለ ሞራላዊ ሓላፍነት ዝወሰደት ወገን ኮይና ክትርአ እኽኢልዋ`ዩ። እዚ ኸኣ`ዩ እቲ ብሕቡራት ኢማራትን ስዑዲ-ዓረብን ንቐጠር ጸለሎ ንምቕባእ ዝካየድ ዘሎ ዘመተ፡ ዲፕሎማስያዊ ድጋፍ ናይ ካልኦት ሃገራት ክረክብ ዘየኽኣሎ።

ኣብቲ ዋን ቅልውላው ሃገረ ቐጠር ዝወሰደቶ መርገጽ መሰረት ብምግባር፡ ምስሓብ ሰራዊት ቐጠር ካብ ዶብ ኤርትራን ጅቡትን እቲ ቅልውላው ዝወለዶ`ዩ ክትብል ኣጸጋሚ ይኸውን። ኤርትራን ጅቡትን ምስ ስዑዲ-ዓረብ ብምውጋነን፡ ቐጠር ምስዘን ሃገራት ዘለዋ ዝምድና ብምድስካሉ ከም ዓራቒትን ዓቃቢት-ሰላምን ኮይና እትቕጽለሉ ኩነታት ኣጸጋሚ እዩ። ምስ ዝተጋራጨዉ ወገናት ልሕሉሕ ርኽክባት ዘለዎ ዓራቒ ናይ ምዕራቕ ዕዮ-ገዝኡ ከሳልጥ ከቢድ እዩ። ዝኾነኾይኑ፡ እቲ ሰራዊት ናይ ምስሓብ ውሳኔ ከም ግብረ-መልሲ ናይቲ ዘጋጠመ ቅልውላው ጌርካ ክትርድኦ ጌጋ እዩ። ሰራዊት ቐጠር ካብ ዶብ ኤርትራን ጅቡትን ንምስሓብ ቅድሚ`ቲ ቅልውላው ክሕሰበሉ ዝጸንሐ ጉዳይ`ዩ። ብወገን ቐጠር ነቲ ሰራዊት ተልእኾኡ ክቅጽል ኣለዎ ዝብል ውሳኔ ዝሓላልኹ ሰለስተ ምኽንያታት እዮም።

1/ ቅድም-ቀዳድም፡ ሓደ ካብ መሰረታዊ መትከላት ሽምግልና ግጭት፡ እቶም ዝተገራጨዉ ወገናት ግጭቶም ኣብ መዕለቢ ንምብጻሕ፡ ቅሩብነት ምስዘየርእዩ፡ እቲ ሸምጋሊ ሳልሳይ ኣካል ካብቲ ናይ ሽምግልና መስርሕ ክስሕብ ይኽእል ዝብል እዩ። ሰራዊት ቐጠር፡ ንትግባረ ናይቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ኣብ ሰነ 2010 ዝተበጽሐ ምቊራጽ ተጻብኦታት ንምዕዛብ ኣብቲ ዶራን ኣጻምእ ዶብ ናይ ክልቲአን ሃገራት ካብ ዝምደብ 7 ዓመታት ሓሊፉ።

ነቲ ውዕል ምቊራጽ ተጻብኦ ናብ ዛዛሚ ስምምዕ ሰላም ንምቕያር ብዙሕ ጻዕሪታት እኳ እንተተገብረ፡ ኣብ ባይታ ግን ዘዕግብ ውጽኢት ክህብ ኣይከኣለን። ብተዛማዲ ደሓን ዝኾነ ምዕባሌ ኣብ 2016 ተራእዩ ኔሩ። ብመንጎኝነት ቐጠር፡  ኤርትራ 4 ኣብ 2008 ዝተማረኹ ወተሃደራት ጅቡቲ ለቒቓ። ኣብ ሕዳር 2016፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝወሰኖ ናይ ኣጽዋር- እገዳ ኣናዊሑ፡ ኩሎም እሱራት ክትፈትሕ ተቆጻጸርቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኤርትራ ክኣትዉ ክፍቐደሎም ጸዊዑ። ብድሕሪ`ዚ ከኣ`ዩ እቲ ኣብ ስምምዕ ሰላም ዝሳተፍ ዝነበረ ልኡኽ ኤርትራ ካብቲ መስርሕ ክስሕብ ዝተራእየ።

ክልቲአን ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ ኤርትራ፡ ነቲ ዶብ ንምሕንጻጽ ዝዓለመ ጻውዒታት እዝኒ ኣይሃብኦን። ጉዳይ ምሕንጻጽ  ዶብ’ውን ከም ኣገዳሲ ነገር ኣይረኣይኦን። ክልቲአን ሃገራት እምበኣር፡ ምስቲ ህላዌ ሰራዊት ቐጠር ዝፈጠረለን ኩነታት (ስታቱስ-ኮ) ተመሳሲለን ክቕጽላ ተራእየን።

Last modified on Friday, 07 July 2017 09:09