ዋሕዲ ተሳትፎ ደ/ኣንስትዮን መንእሰያትን፡ ስለምንታይ የሰክፈና?
2016-06-10 07:43:54 Written by ናኦድ ኣሮን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2090 timesዋኒነይ ኢልና ክንዕዘቦ እንከለና ኣብዚ እዋንዚ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ብብዙሓት ዘይንቡር ተረእዮታት ዝተሰነየ እዩ። ካብ ህዝቢ ውጺኡ፡ ብቃልሲ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ዝደየበ “መንግስቲ እየ” ዝብል እንተኾነ መንግስቲ ክኸውን ብዙሕ ዝተርፎ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ገዛእቲ ብዘይፍለ ጸረ-ህዝቢ ክኸውን እንከሎ ንቡር ኣይኮነን። እዚ ኣብ ኣስመራ ዝዓረደ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ፡ ብውሽጣዊ ትሕዝቶኡ ኮነ በቲ ኣንጻሩ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ እንዳ ማህመነ ክኸይድ እንከሎ፡ እቲ ንለውጢ ዝቃለስ ሓይሊ ተቓውሞ ኣብ ክንዲ ብኣንጻሩ ዝያዳ እንዳ ሰሰነ ዝኸይድ ማዕሪኡ ምዝሕታሉ’ውን ልሙድ ኣይኮነን። ኣብ መስርዕ ቃልሲ ተቓውሞ ንነዊሕ እዋን ዝጸነሓ ሓይሊ እንዳረብረበ ክኸይድ እንከሎ፡ እቲ መንእሰይ ጻውዒቱ ሰሚዑ “ተካኢ” ኮይንካ ናይ ምቕራብ ናህሩ ከምቲ ዝድለ ዘይምዃኑ እውን ኣብ ዘይንቡር ተረኽቦ ዝስራዕ እዩ። ኮታ ብዙሕ ዘይንቡር ተረኽቦታት ምዝርዛር ይከኣል።
እቲ ካብዚ ስኽፍታ ንምውጻእ ንገብሮ ዕምቆት ናይ ቃልሲ ዝፈላለ ኮይኑ፡ ኩልና ለውጢ እንብህግን ምእንታኡ እንቃለስን፡ ወገናት ውሱንነት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ኣብ ቃልሲ የሰክፈና እዩ። ስኽፍታና መሰረታዊ እዩ። መኽንያቱ ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ሕብረተሰብ ስለ ዝኾና ናታተን ብኩራት ንቃልስና ካብ ሓደ ምሉእ ናብ ዝጐደሎ ፍርቂ ስለ ዘውርዶ። መንእሰይ ንዝሓለፈን መጻእን ዘራኽብ ናይቲ ነዊሕ መስርሕ መራኸቢ ድንድል እዩ። ናቱ ብኩራት ከኣ ድንድል ተሰይሩ ክራኸቡ ዝግበኦም ኣካላት መራኸቢ ከም ምስኣኖም ስለ ዝውሰድ። መራኸቢ እንተቋሪጹ ከኣ ህልውና እውን ሓቢሩ ስለ ዘኸትም ናይ መንሰይ ግደ ብደረጃ ምህላውን ዘይምህላውን እዩ ዝረአ።
ነቲ ዝረአ ዘሎ ናይ ተሳትፎ ሃጓፍ መሊእካ እዞም ኣካላት ንቡር ግደኦም ከም ዘበርክቱ ኣብ ምኽኣል እቶም ቀጥታዊ ግደ ዘለዎም ኣካላት ብዙሓት እዮም። እቶም ቀንዲ ወሰንቲ ግና ባዕላቶም ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን እዮም። ኣብ መስርዕ ቃልሲ ዘለዉ ውድባትን መራሕቶም እውን ኣሳታፊ ኩነታት ናይ ምጥጣሕ ግደኦም ዕዙዝ እዩ። ኣብዚ ክንዝንግዖ ዘየብልና እዚ መስርሕ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኮነ መንእሰያት ብባህሪኡ ኮነ ትሕዝቶኡ ፖለቲካዊ እምበር ግብረሰናያዊ ኣይኮነን። በዚ መሰረት ግብራውነቱ ኣብ ጽቡቕ ድሌት ሓደ ኣካል ጥራይ ዝድረት ዘይኮነስ ናይ ቃልሲ ባህሪ ኣለዎ። ደቂ ኣንስትዮ ንተሳትፎአን በቲ ወዲ ተባዕታይ ቅሩብነት እንተዘየለ እውን ካብ ምእማኑ ጀሚርካ ክሳብ ምግዳዱ ዝዝርጋሕ ቃልሲ ከካይዳ ናይ ግድን እዩ። መንእሰያት ንተሳትፈኦም ኣብ ቃልሲ እቲ ቅድሚኦም ኣብ ቃልሲ ዝጸነሓ ገዲም ቅሩብ እንተዘይኮነ’ውን ካብ ምእማኑ ጀሚርካ ክሳብ ምግዳዱ ዝምጠጥ ግብራዊ ቃልሲ ከካይዱ ናይ ግድን እዩ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ክልቲኦም ኣሳታፍን ተሳታፍን፡ ኣብ ክንዲ አእጃሞም ፈጺሞም ኣብ ማእከላይ ቦታ ተራኺቦም ነቲ ተሳትፎ ምሉእ ባህርያዊ መልክዕ ዘትሕዝዎ፡ ጨጫፎም ሒዞም፡ ተመዓድዮም እቲ ሓደ “ኣየሳተፍካንን” እቲ ሓደ ድማ “ነዓ’ባ ተሳተፍ” ክበሃሃሉ ግዜን ጉልበት ምህላኽ ፋይዳ የብሉን። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ድኽመት ንኹሎም ብማዕረ ኣማቒልናዮም ጥራይ ንሓልፎ ኣይመስለንን። ቀሪብና መንዩ ናብቲ ኣውንታ ኮነ ኣሉታ ዝያዳ ዝቐረበ ክንርኢ ክንግደድ ኢና። ኣየንኡ ይጐልሕ? “ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያት ኣብዚ ቃልሲ ክሳተፉ ማዕጾ ተኳሕኩሖም ዝኸፍተሎም ስኢኖም” ወይ “ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ኣብ ቃልሲ ክሳተፉ ማዕጾ ተኸፊትሎም ክነሱ ክኣትውዎ ቅሩባት ኣይኮኑን” ምባል። እዚ ብግቡእ ክምዘን ይግበኦ። ከምቲ ኣቐዲምና እዞም ኣብ ቀጻልነትን ዓወትን ቃልስና ወሳኒ ግደ ዘለዎ ኣካላት እቲ ናይ ቃልሲ ማዕጾ ጋሕ ኢሉ ተዘይትኸፍተ’ውን ናይ ምንውናዉ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ብሓሳብስ እዝንግዕዎ እዮም ዝብል ግምት የብለይን። ብግብሪኸ?
ብዛዕባ ንቡር ተሳትፎን ምቅብባልን ኣብ ቃልሲ ክንዛረብ እንከለና፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ግቡእ ኣፍልጦ ምሃብ ናይ ግድን እዩ። ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ምትሕልላይ እንትዘየልዩ ምድግጋፍ ኣይህሉን። ብዘይምድግጋፍን ኣፍልጦ ምውህሃብን ድማ እቲ ኣድማዒ ተሳትፎ ኣይረጋገጽን እዩ። ኣብ መንጎ መንእሰይን ገዲምን ምክብባርን ምድግጋፍን እንተዘየልዩ ከምኡ እቲ ምቅብባል ኣይረጋገጽን’ዩ። ብኣንጻሩ ሓደ ነቲ ሓደ “እዚ ዝኣደቦም እዚ ዝእደበን” ዝብህሃል እንተኽይኑ ኣብ ቁምነገር ኣይብጻሕን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ፖለቲካዊ ሜዳ በቲ ወጻዒ እዩ ዝበሓት። ኣብዚ ከኣ ኩሎም ኣካላት ደቂ ኣንስትዮ ኮነ መንእሰያት’ውን ተሓተቲ እዮም ዝኾኑ። እቲ ብውደቀት ዝሕተት እቲ ኣብቲ ቃልሲ ተሳቲፉ ዘየድመዐ ጥራይ ዘይኮነ ቀንዲ እቲ ክሳተፍ ዝግበኦ ዘይተሳተፈ እዩ’ሞ ኩልና ንሕሰበሉ። ንውልቃዊ ወኒንን ህዝባውን ሃገራውን ዕማምን ነናቶም ናይ ግዜን ጉልበትን ብጽሒት ከይንኸልኦም ሓደራ።
Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/item.php on line 290