ውድቀት ህግደፍ፡ መንገዲ ምስ ወዲ ዓዲ

2016-06-10 02:59:10 Written by  ኣማን ተኽላይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2919 times

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብምኽንያት 25 እዮበል ናጽነት ኤርትራ መርበብ ኣሰና ዘኣንገዶ ናይ ኤርትራውያን ክኢላትት ዝብሃሉ ምግባእ ነይሩ። ካብተን ብዙሓት ኣርእስታት ዘልዓልወን ሓንቲ ኣብ መንጎ ነባራት ተቃወምትን (ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ዝነበሩ) ሓደሽቲ ተቃወምትን (ኣብ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝነበሩ) ዝርኤ ጸገማት እያ። ሓደ ካብቶም ተሳተፍቲ ነቲ ተራእዮ ከምዚ ገይሩ ገለጾ፡ 1) ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሽነኻት ምትእምማን የለን 2) እቶም ነባራት ተቃወምቲ ነቶም ሓደሽቲ ተቃወምቲ ናይ ስልጣን ቦታ ኣይህብዎምን እዮም በለ።

ኩሉ ሃገራዊ ንህልዊ ኵነታትና ፈቲሹ ገምጋሙ ከቀምጠሉ መሰሉ እዩ። ንዘየሎ ኵነት ግና ከም ሓቂ ኣምሲልካ ብፈጠራ ከተቅርቦ ግና ናይ ህግደፍ ጠባያት እዩ ዝለብስ። ኣብ መንጎ ተ.ሓ.ኤን. ህ.ግ.ኤን. ዝነበሩ ኣካላት ዘይምትእምማን ክርኤ ባህርያዊ እዩ። እዚ ናይ ግዜን ድሌትን ሕቶ እዩ እምበር መዓርፎ ክህልዎ እዩ። ንዓይ ዘገደሰትኒ ነጥቢ ግና እታ ካልኣይቲ ነጥቢ፡ ነባራት ተቃወምቲ ንሓደሽቲ ተቃወምቲ ናይ ስልጣን ቦታ ከሊኦሞም እትብል እያ። እዝስ ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ? መን እዩኸ ክመርሕ ኢሉ ዝተኸልኤ? ኣየናይ ውድብ እዩኸ ዝኸልኤ? እዞም ሕቶታት እዚኦም ምስታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጽሓፍኩዋ ኣርእስቲ፡ “ጽላሎት ህግደፍ ኣብ ከርሲ ተቃውሞ” እትብል ዝትሓሐዘ ስለ ዝኾነ ምምላሹ ኣገዳሲ ይኸውን።

ኣብ 2001 ኣብ ክሊ ብትረትን ምስጢራውነትን ዝግለጽ መርሕነት ህግደፍ ዝተራእየ ነቃዕ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ጮራ ተስፋ ኮይንዎ። እዚ ከኣ ካብ ባዶ ዝነቀለ ዘይኮነስ፡ መንገዲ ምስ ወዲ ዓዲ ካብ ዝብል እምነት እዩ። ናይ ብሓቂ ከኣ ህዝቢ ኢርትራ ብሓፈሻ ከኣ ደንበ ተቃውሞ ብፍላይ ዓቢት ትጽቢት ኣብ ሓደሽቲ ተቃውሞ ኣሕደረ። ብተሞክርኦምን ብታሪኾምን ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ወተሃደራውን ስለያውን መዳያት ህ.ግ./ህ.ግ.ደ.ፍን ስለ ዘገልገሉ ነቲ ስርዓት’ውን ውሽጡን ውሻጤኡን ስለ ዝፈልጥዎን ኣብ ምውዳቅ ህግደፍ ዝለዓለ ናይ መሪሕነት ተራ ክጻወቱ እዮም ዝብል እምነት ኣሕደረ። በዚ እምነት ከኣ ነባር ተቃዋማይ ናይ ገንዘባውን ሞራላውን ደገፋት ኣወፈየሎም። ሚድያ ከይተረፉ ከም በዓል ዓውተ ዶት ኮም ዝለዓለ ቆላሕታ ሃብዎም። እሞ እቲ ሓቂ ደኣ እንታይ እዩ?

ደርሆስ ብር እንተ በልኩስ ሕልሚ ኢላ ከምዝበሃል፡ እዞም ካብ ዓቅሞም ንላዕሊ ገጂፍ ስም ዝተዋህቦም ንተቃውሞ መሪሖም ሃገር ካብ ገሃንብ ህግደፍ ከናግፉ ዘይኮነስ፡ ነቲ ስርዓት ክዅንኑ ንህዝቢ ኤርትራውን በዲልናካ ኢና ክብሉ ዘይከኣሉ እዮም። እዚ መዳራይ ናይ ኣሰና ኮም’ከ እዞም ናይ ህግደፍ መራሕቲ ነበር ስልጣን እንኩም ምርሑና ምስተባህሉ እምቢ ኢሎም ከም ሰገን ርእሶም ኣብ ሕጻ ደፊኖም ከምዘሎዉ ይፈልጥድዩምበር?

ዘገርም እዩ፡ ተጽግብ ቅጫስ ኣብ መቅሎኣ ከላ ትፍለጥ ከምዝበሃል፡ ብኣጋኡ ብልቦም ኣግሂዶም ንህዝቢ ኤርትራ እንተዝዛረቡ፡ ሓሳቦምን መደቦምን እንተዝገልጹ ናይ ብሓቂ ሕልሚ ህዝቢ ኤርትራ ህያው ምኾነ። እዚኦም ካብ ዝመጹ ናይ ሓኽሊ ድሙ ባህርያት ይጥቀሙ ኣሎዉ። ገሊኦምሲ ወረ ፖለቲካዊ መንነቶም ኣይፍለጥን እዩ። እሞ እዚ ክሲ ንነባራት ተቃወምቲ ደኣ መንቀሊኡ ካበይ እዩ?

ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ እቲ ከሳሳይ ኣጕሊሕዎ ኣሎ። ኣብ ህዝቢ ምፍሕፋሕን ምፍላይን ክፈጥር ዝደሊ ህግደፍ ጥራሕ እዩ። ንዘየሎ ፈጠራ ፈጢርካ ሓቂ ከተምስሎ ምፍታን ንጥቅሚ ህግደፍ ጥራሕ ከኣ’ዩ ዘገልግል። ንጽላሎት ህግደፍ ምፍላጡን ምብድሁን ከኣ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ሓላፍነት እዩ።

ኣብ ህይወት ፖለቲካ ምውድዳር ስለ ዘሎ፡ ንሻቡ ምስ መዳራይ ክሰማማዕ እየ። ንህዝቢ ኣብ ጎድኖም ብምዕሳል ናቶም ሓያል ውድብ ዘይምስርቱ። ምስ ኣብ መንግስቲ ዘለዉ ናይ ሲብልን ወተሃደራት ሓለፍትን ተሰማሚዖም ንህዝቢ ካብዚ ገበል ዘየናግፍዎ። ሓቅነት ዘለዎ ክስሲ ከምዘይኮነ ከኣ’ዩ ዘብርሃልካ።

ሕጂ’ውን ምውዳቅ ህግደፍ ካብ ውሽጢ ኤርትራ እዩ ዝመጽእ። መንገዲ ምስ ወዲ ዓዲ ከምዝበኣል ከኣ እቶም ኣብ ህግደፍ ላዕለዋይ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝነበሮም ዝለዓለ ግደ ክጻወቱ ታሪኻዊ ሓላፍነቶም እዩ። እቶም ናይ ናይሮቢ ክውንነት ዝፈጠሩ ሞጎስ ይግብኦም ህዝቢውን ክስዕቦም ይግባእ። ኣብዚ ግዜዚ ቆልዑትን፡ ኣደታትን፡ መንእሰያትን ውቅያኖስን ምድረ-በዳን ክሸርበኦም ከለዋ ዓይንኻ ዓሚትካ ጓል-መንገዲ  እንዳ ፈጠርካ ካብ ሓላፍነት እግርኻ ምስሕብ፡ ድሌት ህግደፍ ምፍጻም ጥራሕ እዩ ዘስምዕ። ልክዕ ከኣ ነዞም ካብ ሓላፍነት  ዝሃድሙ ዘለዉ፡ ከምቲ ወይ ምሳና ወይ ምስ ጸላኢና ዝበሃል፡ ወይ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ወይ ድማ ምስ ህግደፍ ኩኑ እዮም ክብሃሉ ዘለዎም።

ውድቀት ህግደፍ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ጥራሕ እዩ ዝመጽእ!

ኣማን ተኽላይ