በደል ዋና የብላን

2016-06-10 09:02:20 Written by  ግርማይ ተኽለ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2089 times

 እዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ዓንቀጽ፡ ካብ’ቲ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ መበል 25 ብሩራዊ ኢዮበልዩ ዘስምዖ ቃል ዝተወስደ ዓንቀጽ ኰይኑ ነቲ “በደል ዋና የብላን” ዝብል ምስላ ኣበው ዘራጕድ ኰይኑ ስለ ዝረኸብክዎ ኢየ ነዚ ሓተታ ክጽሕፍ መሪጸ።

 

“. . . ድሕሪ ምኽታም ዝሑል ኲናትን፡ ክስተት ሓድሽ መዋእልን፡ ሓደ ካብቲ ንዝተፈላለየ ምዕባለታት ዞባና ሓያል ኣሉታዊ ጽልዋ ዝገበረ ዘሕዝን ተርእዮ፡ ምስ ምብትታን ሕብረት-ሶቭየት ነበር፡ ስርዓት ኣሜሪካ ዝመርሖ ቀጽሪ፡ ነቲ ክስተት ከምታሪኻዊ ኣጋጣሚ ንዕብለላ ክምዝምዞ ስለዝሰስዐ፡ ብዝንቡዕ ኣናብባ፡ ደጊም ዓለም ናትና! ተባሂሉ፡ . . . ጸጋታትን ሃብቲን ዓለም ብሒትካ ንምግባት፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝዳረግ ዝኾነ ከይትስእ፡ . . . ተወዳደርቲ ኪኾኑ ንዝኽእሉ (potential) ምቕያድ፡ . . . ልዑል ቴክኖሎጂን፡ ማእከላት ፍልጠትን ባህሊን ፡መዘርግሕ-ሓበሬታን፡ መራኸቢ ብዙሃንን ምቁጽጻር፡ . . . ዓለም ኣብ ዞባታት ከፋፊልካ፡ ብኩላት ብመልሕቓት ወይ መጋበርያ ምምሕዳር፡ . . . ሕጊን፡ ልዕልና ኣህጉራዊ ሕጊን ረጊጽካ፡ ዓለማዊን ዞባዊን ውድባት፡ ናብ ላቔባን መጋበርያን ትካላት ምቕያር፡ . . . ዝዓይነቱ፡ ናብ ዕብዳን ዝቐረበ፡ ዓንዳሪ ስነሓሳብ ዝመርሖ ፖሊሲታትን ስጉምቲታትን ስለዘንቀሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ ኣብ ዞባናን ካልእ ዞባታት ዓለምን፡ ነውጺን ህውከትን ሽበራን ዘሪኦም፡ ቅልውላዋትን ዕንወትን ህልቂትን ኣንጊሶም ኣለዉ። ናይ ርብዒ ዘመን ክዉንነት ብድሆታትን ተጻብኦታትን ናጽነትና ከኣ፡ ምስኡ ብወድዓዊ ተዛማድነት ዝርአዩ. . . ።

 

ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ዓይኑ ዘሎ ጕንዲ ምርኣይ ኣብ ዓይኒ ካልኦት ዘሎ በሰር ምርኣይ ስለዝሰልጦ፡ ንውድቀት ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ መዝሚዙ፡ “ኤርትራ ናተይ ኢያ” . . . “ደጊም ሓሸውየ ናይ ውድባት የለን” . . . ከምዘይበለ፤ ንኣመሪካ፡ ውድቀት ናይ ሶቭየት ሕብረት ከም ኣጋጣሚ ተጠቒማ ንዓለም ናተይ ኢያ ክትብል፡ ክትብሕትን ክትዕብልልን ፈቲና ክብል ከይሓፈረ ክኸስስ ምስምዐይ ኣዝዩ ገሪሙኒ።

 

ኢሳያስ፡ ስለምንታይ ንተቓወምቲ ሓይልታት ብናጽነት ክዋስኡ ዘይተፍቅዱ ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን፡ “ብዘይካ ህዝባዊ ግንባር ካልእ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣሎ ኢሉ ዝኣምን ሰብ እንተልዩ፡ ኣብ ካልኦት ዓለማት (Planets) ከይዱ ክፍትሽ ኣለዎ” ዝብል ብዱዕ መልሲ ምሃቡ ድሮ ዝረስዖ ኢዩ ዝመስል። ካብ ኵሉ ዘገርም ከኣ፡ “ጽንብላሊዕ መዓኮራ ዘይከደነትስ መሬት ከደነት” ከምዝብሃል፡ ኢሳያስ ዓቕሚ ዘይብሉ ክነሱ ጐብለል ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክኸውን ምድላዩ ኢዩ።

ስርዓት ኢሳያስ፡ ተወዳደርቱ ክዀኑ ንዝኽእሉ ኣብ ቀይዲ ምእታው፡ ንመራኸቢ ብዙሓን ብምቍጽጻር ካብ ናቱ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ንዝለዎም ሓይልታት ይኹኑ ውልቀሰባት ምዕፋን ዕለታዊ ተግባሩን መለለይኡን ኰይኑ ምጽናሑን ምህላውን ንጹር ወይ ብሩህ  ክነሱ፡ ኮር ተገልበጥ፡ ንኣመሪካ በዚ ክኸስስ ምስማዕና ዘስደምም ኢዩ። ምእሳር ጕጅለ 15፡ ጋዜጠኛታት፡ ዓበይቲ ዓድን ደገፍቲ ምንቅስቓስ 21 ጥሪን (ፎርቶ)፤ ምርሻን ኣካለ-ጽጉማንን ንስግረ-ዶብ ዘምርሑ ንጽሃት ዜጋታትን ካብ መን ኢዩ ክሓብኦ ዝፍትን ዘሎ?!!! ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣብያተ-ማእሰርቲ ካብ ኣብያተ-ትምህርቲ ከምዝበዝሕ መስኩሩለይ ዘየድልዮ ጽሓይ ዝወቕዖ ሓቂ’ዶ ኣይኰነን?!!!

 

ኢሳያስ ንኣመሪካ ብጥሕሰት ሕግን ልዕልና ኣህጕራዊ ሕግታትን ክኸስስ እንከሎ፡ ንሱ ባዕሉ ንቅዋም ናይ 1997 ምጥሓሱ፡ ካብ’ቲ ብሓይሊ ዝሓዞ መሬት ባድመ ክወጽእ ብዝተፈላለዩ መንግስታትን ትካላትን ዓለም ንዝተገብረሉ ምሕጽንታ ዕጭ ሓንፈፍኩ ብምባል “ካብ ባድመ ወጻእኩ ማለት፡ ጽሓይ ከይበረቐት ክትተርፍ ይቐልል” ዝብል ምስ ባህርያዊ ሕጋታት ዝገራጮ መደረ ከስምዕ ኣይተሰምዐን ድዩ?።

 

ንማእቶት ኢሉ ዝወሰዶም መንእሰያት ናብ ውግእ ዝጠብስ፤ ንዓመትን መንፈቕን ሃገራዊ ኣገልግሎት ክትገብሩ ኢኹም ዝብል ሕጊ ኣውጺኡ ንዓሰርተታት ዓመታት ንመንእሰያት ኣብ ውትህድርና ዘብሊ ስርዓት ብዛዕባ ሕግን ሕጋውነትን እንታይ ኣፍለጦ!!! ክንደይ ናይ ህዝቢ ገንዘብ፡ ንብረትን ፕሮጀክትን ብጕጅለ ኢሳያስ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ብህግዲፍ ኣይተመንዝዐን ድዩ?!! ስርዓት ህግደፍን ሕግን ሕቆን ከብድን ምዃኖም ዓለም ብዓለማ ትፈልጦን ትምስክሮን ሓቂ ምዃኑ ካብ መን ኢዩ ክኽውሎ ዝፍትን ዘሎ?

 

ብሰንኪ ዓንዳሪ ፖሊሲታትን ኢድ ኣእታውነትን ስርዓት ኢሳያስ፡ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ዝዀነ ቅልውላው ከምዝተሸሙ ንምርዳእ ዘጸግም ኣይኰነን። ምስ ኵሎም ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ብረታዊ ጐነጽ ኣቲና፡ ካብ ዞባናን ዓለምን ተነጺልና፡ መንእሰያትና መጻኢ ዕድሎም ጸልማት ኰይኑ ስለ እተራእዮም ናብ ስደት ክውሕዙ ይርኣዩ ኣለዉ። ነዚ ሓቂ’ዚ ገዲፍካ፡ ንኣመሪካ’ዶ ኢትዮጵያ ምኽሳስ እንታይ ኣምጽኦ? ባዕልኻ ዝፈጠርካዮ መዘዝ ንኻልኦት ምስካም ሎሚ ፋሽን ኰይኑ ምህላዉ ኵላትና እንሰማምዓሉ ጕዳይ ኢዩ። ተበዲለ እምበር በዲለ ዝብል ሓይሊ ይኹን ውልቀሰብ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሜዳ ምርካብ ኣሸጋሪ እናዀነ ምኻዱ፡ ነቲ “በደል ዋና የብላን” ዝብል ምስላ ኣበው ዘራጕድ ወይ ዘረጋግጽ ሓቂ ኢዩ።

 

ግርማይ ተኽለ


Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/item.php on line 290
Last modified on Friday, 10 June 2016 23:25