መግለጺ ብምክንያት 8 መጋቢት ዓለምለካዊ ማዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ
2016-03-21 12:21:45 Written by በይ- ኤርያ ኤርትራውያን ንዲምክራስያዊ ለውጢ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2118 timesኣብ ነብሲ ወክፍ ዓመት ብክብሪ ክትዝከር ዝገብራ ታሪካዊ ምክንያት ደቂ ኣንስትዮ ዓለምና ነቲ ኣብ ልዕሊኤን ዝወርድ ዝነብረ ድርብ ወጸዓን ኣድልዎ ንምውጋድን ኣብ ፖለቲካው፣ ማሕበራዊን ቁጠባውን መድይ ማዕርነታዊ መሰለን ንክረጋገጽ መሪር ቃልሲ ዝስካየዳላን ክሳብ ናይ ሂወት መስዋእቲ ዝከፈላላን ታሪካዊት ዕለት ብምኻና’ዩ። እዚ መሪር ቓልሲ’ዚ ድማዩ ሎሚ ኣብ ዓለምና ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ሕቶ ሕብረተ-ሰብ መኻኑ ንምእማን ዓቢይ ኣፍደገ ከፊቱ ዝርከብ።
ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ’ውን ኣካል ናይ’ዚ ቃልሲዚ ብምካን ነቲ ኣብ ልዕሊኤን ዝበጽሕ ዝነበረ ድሑር መስፍናዊ ባህላዊ ተጽዕኖታትን ኣድልዎን ሰንሰሰለት ብምብታክ ንድርብ ወጽዓ ድርብ ቃልሲ ዝብል ጭርሖ ብምልዓል ንኣደራዕ መግዛእትን መሪር በስላታቱን ንምብዳህ መግዛእታዊ ሕሰም ጠቕሊሉ ንከብቕዕን ንዘለወን ባህርያዊ ተፎጥሮኣዊ ጸገማት ብምጽዋር ኣብ መሳርዕ ብረታዊ ቃልሲብምውሓዝ ኣብ ጎኒ የሕዋተን ብምስላፍ ካብ ተራ ሰራዊት ክሳብ ዝለዓለ ናይ ሓላፍነት ጽፍሒ ብምስጋር ተዋጊኤን ኣዋጊኤን’ዮን እተን ኣብ ከተማ ይኹን ኣብ ገጠር ዝነበራ ደቂ-ኣንስትዮ’ውን እንተኾና ካብ ከተማ ንገጠር ካብ ገጠር ንከተማ መልእክትን ሐበሬታትን ምምሕልላፍ፣ፈዳይን ኣብ ምሓብሓብ ንባዕላተን ከም ፈዳይን ኾይነን ብምስራሕ ክሳብ ሰብኣዊ ክብረን ብምሻጥ ምስ ሰበስልጣናት ኢትዮጵያ ብምዝማድ ቅሉጡፍ ውሽጣዊ ሓበሬታት ንሰውረኤን ብምምሕልላፍን ውጥናት ጸላኢ ኣብ ምፍሻል ዘይእመን ቐያ ሰሪሐን’የን። እተን ኣብ ስደት ዝነበራ’ውን እንተኾና ከዲመን ዝኣከበኦ ጥራሕ ዘይኾነስ ግርማ ናተን ዝኮነ ስልማተን ኣወፍዩን’ ኤርትራዊት ጛለ-ኣነሰተይቲ ማንም ወላዲት ዘይትገብሮ ጠኒሳ ዝወለደቶምን ሓቕፋ ዝጥበወቶምን ዘዕበየቶምን ደቃ መሪቃ ገንሸል ንነጻነት ሃገር ዘወፈየት ኣብ ዓለም መወዳድርቲ ዘይብሉ ቅያ ጅግንነት ዝሰርሐት ኣደ’ያ።
እዚ ቅያን ጅግንነትን’ዚ ዝተከፍሎ መሪር መስዋእትን ሎሚ በቲ ሕሱርን ኣረሜንናውን ስርዓት ህግደፍ ሞሳኡ ጠፊኡ ጥራሕ ዝይኮነስ ካብ ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብዝከፍኤ ሕሰምን መከራን ደቢስዎ ይርከብ። ስርዓት ህግደፍ ንጅግንነትን ቅያን ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንናይ ደቂ- ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ኣብ መጋባእያታት ዓለም ክዝምረሉን ክምድረሉን ይውዕል ኣሎ። እዚ ብቃንዛ ህዝቡ ዝሕጎስ ኣፉን ተግባሩን ዘይሳነ ስርዓት እታ ቀሽን ሸክን ሙሁርን ጅግናን መራሕን እትወልድ ኣብ ልዕሊ’ቲ ባህርያዊ ተፈጥሮ ዝዓደላ ጸጋ ኣብ መዛግብቲ ታሪክ ንዘልአለም ተሰኒዱ ዝነበር ታሪካዊ ጅግንነት ሰሪሓ’ያ ኣደ ከምቲ ንሱ ዝዝምረሉ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ዘይኾነስ ባኣንጻሩ ዘይዛሪ ንብዓት ተሰኪማ ታኬላ ሕዘን ብምኻን ጠዋሪ ስኢና ኣብ ባህሊ ሕብረተ-ሰብና ኣብ ግዜ መግዛእቲ እኻ ዘይተራእየ ኣብ ቃልዕ ወጺኣ ክትልምን ትርኤ ኣለ። እዚ ሕሱር ስርዓት’ዚ እታ ንዓኣቶም ክይተረፈ ዝወልደት ማህጸን ንሳ ክትነብዕ ንሳቶም ዝስሕቁ ንሳ ክትሓዝን ንሳቶም ዝስዕስዑ ጨካናት ስጋሰብ ለበስ ኣረሜናውያን ተኻሉ’ዮም። መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮና’ውን እንትኾነ ተማሂረን ከይምዕብላን ብባህለንን ሃይማኖታዊ እምነተንን ወግዒ ሓዳር ለቢሰን ከይወልዳን ከይዝምዳን ንገሊኤን መጋየጺ ናታቶም ንዝተረፋ ድማ ዕደመ ምውላደን ክሳብ ዝሐልፍ ኣብ በረኻታት ክንከራተታ ብምግባር ዘይወጽእ ሰነ-ኣእምሮኣዊ ሕማማት ምስኻምን ካብዚ ሐሊፉ’ውን ኣብ ዘይተደላይ ሐደገ ጉዕዞ ክጋዓዛን ኣደዳ ሞትን ሰቃይን ክኾና መዓልታዊ ዜናና ኾይኑ ኣሎ። ተቃሊሰን ናጽነት ዘምጽአ ጀጋኑ ግደፍዶ ወዲ ሃገርስ ባዕዳዊ ገዛእውን ዘይገብሮ ዓሰርተታት ዓመት ኣብ እስርቤት ክበልያን ከምቶም ከምእተን ተሓይሮም ዕጫ ሞትን መክራን ዝበጽሖም ዘሎ የሕዋተን ንዓዓተን ከም ደቂ-ኣንስትዮ ዕጽፊ ስቃይን ሞትን እስርቤት ህግደፍ ይበጽሐን ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ንሃገን ህዝብን ኤርትራ ከጽንት ዝተበገሰ ሰርዓት ሰለዝኾነ ኩሉ’ቲ ንወዲ-ሰብ ዘድልዮ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ህዝብና ብምሕራም ኩሉ ዜጋ ንዝፈትዋን ዘፈቅራን ሃገሩ ገዲፉ ሃጽ ኢሎም ክጠፉእን መንእሰያትና ክጸንቱን ዘይርሳዕ ጸሊም ታሪክ ዝፍጽም ዘሎ ስርዓት’ዩ።
ስለዚ 8 መጋቢት ከነብዕል ከሎና ንስለ ዝይኾነስ ሃገርና ከቢድ ናይ ጽንትት ሐደጋ ኣንጸላሊዩላ ኣብ ዘሎ ሰዓት ክብ ጥፋታ ንምድሓን ዝጽበዩና ዘለዉ ዕማማት ክንርእን ንምትግባሮም ብሕልናን ብተወፋይነትን ክንሰርሕ ቃል እናትወሉ መዓልቲ’ዩ። ኣብ ልዕሊ መቃብር ‘ዚ ጨካን ዲክታተራዊ ስርዓት ብሕግን ቅዋምን እትመሐደር ሃገር ክትህልወና ኩሉ ባህሉን ልምዱን ጠፊእዎ ዘሎን መሰል ሃይማኖታቱ ትጋሂሱ ዘሎ ህዝብና ምዕሩይን ምእኩልን ምሕደራ ረኪቡ ብስላምን ቅሳነትን ዝነብረላ ሃገር ክትህልዎ እንተኾይና ቀዳምነት ክንገብሮም ዝግባኣና ኩሎም እቶም ንሓድነትና ዝፈታተኑን ሐቢርና ከይንቃለስ ተቃሊስና ከይንዕወትን ዝገብሩና ድሕረት፣ጽበት፣ ትምክሕትን ኣውራጃዊ ፍልልያትን ሐዊስካ ዝግበሩ ጎስጋሳትን ብትሪ ምቅላስ:: ምክንያቱ ድማ እዞም ሓደገኛታታ ነጋራት እዚኣቶም ፈልሲ ናይቲ ስርዓትን ንዕኡ ዘገልግሉን ኣብ ስልጣን ኾረሽኡ ክጸንሕን ዝተረፈ ህዝብና ከጽንትን ዓቢይ ተራ ሰለዘለዎም። ጎኒ-ጎኒ ናይዚ ድማ ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ማእክላይ ሕቶ ሕብረተሰብ ምካኑ ብምእማን ንምሰልን ማዕርነትን ደቂ-ኣንስትዮ ብጽንዓት ምቅላስ ከመይሲ ሕቶኤን ሕቶ ዲሞክራሲ ሰለ ዝኾን ምሰልን ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ምምላስ ማለት ድማ ሕቶ ሕብረ-ተሰብ ምምላስ ማለት ስለዝውን። ስለምንታይ’ሲ ደቂ- ኣንስትዮ ፍርቂ ኣካል ሕብረ-ተሰብን መሰረት ናይ ሐንቲ ስድራን ስለዝኾና:: ሰለዚ ጸላኢና ሐደ ካብ ኾነ ዘለና ፍልልያት ብምጽባብ ብሐባር እንሰርሓሉን ህዝብና ካብ ደበና ጥፍኣት እነድሕነሉን ሰዓቱ ሕጂዩ’ሞ ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ማእከል ብምግባር ብሐድነት ንመሰረታዊ ለውጢ ንበገስ!!
ዕድመ 8 መጋቢት ብዘይ ተሳትፎ ደቂ -ኣንስትዮ ዝዕወት ቃልሲ የለን!!
በይ- ኤርያ ኤርትራውያን ንዲምክራስያዊ ለውጢ
8/3/2016