ጸብጻብ በዓል ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮን ዝኽሪ ተጎርባን
2016-03-21 11:52:18 Written by በይ አርያ - ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ (በአ-ኤደለ) Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2218 times
ወብ ሳይት - bayedc.org ኢ-መአይል - This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. ፈይስ ቡክ -www.facebook.com/bayedc)
ደለይቲ ፍትሒ ተቐማጦ በይ አርያን ከባቢኣን ፡ ኣብ ቀዳም 12 መጋቢት ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ብምእካብ ፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮን ዝኽሪ ተጎርባን ብስምረት ኣብዒሎም። እዚ ብበይ አርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተዳልወ መደብ ንተሳተፍቱ ኣዝዩ ዘሐጎሰን ኣድናቖት ዝተረፈን እዩ ኔሩ። ከምዝፍለጥ ምዕራብ ኣሜሪካ ፡ ብኤል ኒኞ ዝጽዋዕ ክስተት ኩነታት ኣየር ዘበገሶ ማይ ሓዘል ደበናታት ፡ ንኣዋርሕ ከየቋረጸ ይዘንም ኣሎ። ሽሕ እኳ ሙሉእ መዓልቲ ከየቋረጸ ማይ ይወቅዕ እንተነበረ እሞ ናይ መንገዲ ዕንቅፋታት እንተስዓበ ፡ ነቶም ካብ ዝተፈላላየ ከተማታት በይ አርያ ዘመጹ ግዱሳት ደለይቲ ፍትሒ ኣብዚ ኣገዳሲ መደብ ንኽሳተፉ ኣይገትኦምን። እቲ መደብ ዘይከምቲ ኣብ ደገ ዝነበረ ዛሕልን ጠልን ፡ ብሃገራዊ ወንን ሓድሕዳዊ ምፍቕቓርን ምክብባርን ዝሞቐን ዝተነቓቕሐን እዩ ኔሩ።
መደብ ብኣቦ መንበር በአ-ኤደለ ዝመርሖ ዝኽረ ጀጋኑን ብሉጻትን ሰማእታትናን ሌላ ምስ ሓደስቲ ኣባላት ቦርድን መደብ ስርሖምን እዩ ጀሚሩ። ከምዝፍለጥ ንበአ-ኤደለ ንኽልተ ዓመት ዝመርሕዋ ኣባላት ቦርድ ብደሞክራስያዊን ቅዋማዊ ኣገባብ ኣብ መጀመርታ ዓመት ድሕሪ ምምራጾም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ነባራት ቦርድ መዝነትን ዕማማትን ተርኪቦም ይነጥፉ ኣለው። ክእለቶምን ተወፋይነቶምን ሓድሕድ ምክብባሮምን ድማ ኣብዚ መደብ ብግልጺ ተራእዩን ፡ ብተሳተፍቲ ኣድናቖት ኣትሪፉን። ኣቦ መንበር መድረኽ ንምቕራብ ጹሑፋትን መደረታትን ምስ ኣረከቦ ፡ ነባራት ተቓለስቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝመርሕኦ ኣድናቖት ዘትረፈ መሃሪን ኣነቓቓሕን ጽሑፋት ቀሪቡ። ፈለማ ንኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ሰፊሕን መልእኽቲ ሓዘል ጽሑፍ ፡ ንኣበጋግሳን ዕላማን ተርኽቦን ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ካብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ እዚ እዋን ብሰፊሕ መግልጺ እዩ ቀሪቡ። ካብኡ ብምቕጻል ክኣ ፡ ንወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኤርትራን ኣብ ዓለምለኻዊ ደረጃን ብዘድነቕ ምግንዛባት ብኻልእ ኣቕራቢት ድሕሪ ምስዓቡ ፡ ክግበር ዝጸንሐን ክውሰድ ዘለዎ ስጉምትታት ተገሊጹ። ብድሕሪዚ ድማ ፡ ንታሪኻዊ ኣመዓባብላ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላልየ ክፋል ሃገርናን ህልዊ ኩነታትን ሰፊሕ መግለጺ ድሕሪ ምቕራቡ ፡ ደቂስካሉ ክሕደር ዘይግብኦ ከምዝኾነን ቁልጡፍ ስጉምንቲ ክውሰዶ ከምዝግባእን መዘኻኸሪ ቀሪቡ። ንዝርዝር ትሕዝቶ መግለጺታትን ኣብ ጥቢቆ እዚ ጽሑፍ ምውካስ ይከኣል።
ካብዚ ብምቕጻል ፡ ብሓሳብ ንድሕሪት ናብ ሱሳታት ዝመልስ መደረ እዩ ቀሪቡ ፡ ናብ ኣዝዩ ታሪኻዊ መዓልቲ! እዚ መዓልቲ እዚ ጀጋኑ ተጋደልቲ ሰውራና ምስ ጸላኢ ብውሑድ ዕጥቂን ስንቅን ምስ ኣዝዩ ግዙፍ ጸላኢ ፊተፊት ብምግጣም ንምእማኑ ዘጸግም ጅግንነት ትውፊትን ዘርአዩሉን ብክብረት ድማ ምእንቲ ህዝቦምን ዕላምኦምን ዝተወፈይሉን ፍልዩ ዕለት እዩ ኔሩ። እዚ ኣብ ተጎርባ ዝበሃል ኣብ ባርካ ዝርከብ ቦታ ዝተኻየደ ኩናት ንታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐለሰን ናብ ሓድሽ መድረኽ ዘሰጋገርን እዩ ኔሩ። እዚ ታሪኻዊ ግጥም ብዝኽሪ ተጎርባ ኣዝዩ ዝፍለጥ ክነሱ ፡ ስርዓት ህግደፍ ግን ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንውልቃዊ ጸቢብ ፖለቲካዊ ረብሕኡ ንምሕላው ጠቒስዎ ኣይፈልጥን። ነዚን ንርዝነት እዚ ኣገዳሲ መዓልቲ ኣብ ግምት ብምእታው ፡ በአ-ኤደለ ሓደ ካብቲ ስሩዕ ዓመታዊ በዓላቱ ከም ምዃኑ ኣብ ቅዋም ብምስፋር ፡ ካብ ዝምስረት ዓመታዊ ኣብዚ ዕለት የብዕሎ ኣሎ። ንዝርዝር ትሕዝቶ ጽሑፍ ኣቶ ተኪኤ ኣብ ጥቢቆ ምውካስ ይከኣል።
ኣብዚ ብቑጽሪ ብርክት ዝበሉ ተሳተፍቲ ዝተሳተፍዎ መደብ ፡ ደለይቲ ፍትሒ ደቂ ኣንስትዮ በይ-አርያ ፡ ነዚ ኣገዳሲ በዓል ባህላዊ ክዳንን ከምኒ ዙርያን ጥልፊን ተከዲነን ኣዝዩ መኣዛዊ ባህላዊ መግቢን መስተን ብምቕራብ ፡ ብዲ.ጀይ ሰለሙን ብባህላውን ዘመናውን ሙዚቃ ብምስናይ ፡ እየን ኣአንጊድነኦ። ተሳተፍቲ ብወገኖም ብኹሉ ኣገባብን ትሕዝቶን እዚ መደብ ብፍላይ ድማ ብብቕዓት ኣካየድቲ በአ-ኤደለ ኣድናቖቶም ገሊጾም። ንዝመጽእ መደባትን ንጥፈታትን ዘለዎም ድሌትን ተወፋይነትን ድሕሪ ምግላጽ ፡ ካብኣቶም ንዝድለ ዝኾነ ይኹን ጉልበታውን ገንዘባውን ሓገዛት ንምቕራብ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም። በአ-ኤደለ ንኹሎም ተሳተፍቲ እዚ መደብ ኩነታት ኣየር ከይገትኦም ኣብዚ መደብ ክሳተፉ ብምኽኣሎም ፡ ነቶም ኣብ ምድላው እዚ መደብ ዝነጠፉን ዝተሓጋገዙን ድማ ብፍላይ ፡ ብስም በአ-ኤደለን ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ኤርትራዊን ፡ ብልቢ ነመስግን። ኣብ ቀጻሊ ተሰሪዑ ዘሎ መደባት ድማ ልሙድ ተሳትፎኹምን ሕገዝኩምን ንኸይፍለየና ብኽብሪ ነዘኻኽር።
ፍትሕን ሰላምን ደሞክራስን ንህዝቢ ኤርትራ!
በይ አርያ - ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ (በአ-ኤደለ)
መጋቢት 2016