ተዘክሮታት ኲናት ቁሩሑ 1965

2016-03-20 09:05:46 Written by  ክብሮም ግረነት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2756 times

ኣብ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ክሳብ 70ታት እተን ክልተ ብርክት ዝበሉ ተጋደልቲ ዝተሰውኡለን ኲናት ቁሩሑን ሓልሓልን እየን። ክልቲአን ከኣ ኣብ ኣውራጃ ሰንሒት ይርከባ ። ኲናት ቁሩሑ ብ21 ብመስክረም 1965 ክካየድ እንከሎ ፣ ኲናት ሓልሓል ከኣ ብ6 መስከረም 1968 ተኻይዱ። ንሎሚ ከም ቴማ ክወስዶ ዝመረጽኩ ብዛዕባ ኲናት ቁሩሑ ክኸውን እዩ። ምኽንያቱ ብሓደ ግዜ ክንድዚ ዝኣክል መስዋእትነት ክኽፈል ስለ ምንታይ ክኽውን ክኢሉ ዝብል እንተታትን ገምጋምን ክኽውን እዩ። ብዛዕባ ኲናት ሓልሓል ከኣ እቶም ኣፍልጦ ናይቲ ቅድመ ኲናት ዝነበረ ምቅርራባት እትዝክሩ ተራኹም ሓሊኹም ከተቕርቡልና ይጽውዕ ።

ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ክፍልታት ክምቀለሉ ዝተደልየ ኣብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም 1965 ነይሩ።  ምክንያቱ ኣብቲ ግዜ እቲ ሰውራ ኣልጀርያ ብከምኡ ዝተዋደደ እስትራተጂ፡ ዓወት ስለ እተጓናጸፈ ከም ሞደል ተቐዲሑ ተወስደ ። እቶም ሓይልታት ኣብ ከባቢ ኩር ተኣኪቦም ኣብ 4 ክፍልታት ከም ዝምቀሉ ተገብረ ። ድሕሪ ኣብ ክፍልታት ምምቃል ፣ እታ ንሰምሃር እተመደበት ራባዓይቲ ክፍሊ ብዑማሮ እትምራሕ ጉዑዞ ትጅምር ። እንተኾነ ኣብ ክንዲ ንገማግም ቀይሕ ባሕሪ ገጻ ተምርሕ ፤ ንከበሳ ገጽ ኣንፈታ ጠወያ ተጓዓዘት ። ኣብ ገለብ ዝብሃል ዓዲ ከኣ በጸሐት ። ከምቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ናይ ጽላኢ መምርሒ፣ መግቢ ንሸፋቱ እንተ ኣቀቢልኩም ብቁልጡፍ ንመንግስቲ ኣመልክቱ ዝበሃል ዝነብረ ፤ ኣቶም ከንቲባ ዓዲ ፣ መግቢ ከም ዘቕርቡ ድሕሪ ምሕባር ፣ ብተዛማዲ ከኣ ሰብ ንዒላበርድ ንመንግስቲ ዝነግር ከም ዝገብሩ ሓበርዎም ። ኣብቲ ግዜ እቲ ጽርግያ ካብ ዒላበርዕድ ክሳብ ድብረሲና ይበጽሕ ስለ ዝነበረ ካብ ደብረሲና ንገለብ ብእገሪ ዳርጋ 3 ሰዓት ኣቢሉ ዝወስድ ርሕቅት ይኽውን።   እቶም ተጋደልቲ እቲ ከባቢ ናብ ጸላኢ ቅርበት ከም ዝነበሮ ብፍጹም ክርድእዎ ኣይከኣሉን። ስለዚ ከኣ እዮም ኣበው ክምስሉ እንከለዉ “ መገድስ ምስ ወዲ ዓዲ “ ዝበሉ ።

ኣብ ምሕላብ ቤት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ነይሩ ፣ ቁምስናኣ ከኣ ማርያም ጽዮን ትብሃል ። እግረ መንገደይ ፣ እታ ታቦት ማርያም ጽዮን ንገለብ መንሳዕ ደቂ ኣብርሄ ተባሂላ ምስ መጸት ፣ እቶም ዓዲ ኣይንድልያን ስለ ዝበሉ ክትምለስ ምስ ተባህለ፣  ከንቲባ መንሳዕ ደቂ ሻሕቀን ዝነበሩ መሓመድ ሓሳማ ዝበሃሉ ኣማኒ ምስልምና ንክወስድዋ ሓተቱ። በዚ ከኣ እቲ ቁምስና ምሕላብ ቆይሙ ። እዚ ከኣ ሕዝብና ክሳብ ክንደይ፣ ተጻዋርነትን ሕውነትን ኣብ እምነታቱ ከም ዝነበሮ ዝሕብር ህያው መረዳእቲ እዩ። ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ከም ልማድ ሰንበት ሰንበት ኣብቲ ከባቢታት ናብ ዘለዋ ዓድታትን፣ ግርማ ዘለዎም ሰማይ ጠቀስ ባላሕቲ ጎቦታት ፓሳጆ ወይ ዙረት  ምኻድ ልምዲ ነበረ።

ስለዚ ኣብ 16 መስከርም 1965 ኣባ ብድሆ ዝብሃሉ ካህን መሪሖምና ንግሆ ንገለብ ንብገስ ፡ ድሕሪ 3 ሰዓት ኣቢሉ ጉዑዞ ኣብ ገለብ ንኣቱ። እዚ ማለት ንሰሜን ምብራቕ ሳሕል ገጽና ማለት እዩ። ኣብ ማእከል ዓዲ ኣብቲ ሕጻ ኣብ ትሕቲ እቲ ዓበይቲ ኣግራብ ከኣ ቦታ መዋዕሊ ሓዝና። ምጽእ ምስ በልና ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ክልተ ተጋደልቲ መጺኦም ሓተቱና። ንተወሳኺ ሓበሬታ ከኣ ነቶም ካህን ወሰድዎም። እቲ ዝሃቡና ኣስተምህሮ እቲ ቓልሲ ጀመርቱ እምበር ወዳእቱ ከምዘይኮኑ ንሳቶም ሓለፍቲ ምኻኖም ድሕሪ ምግላጽ፣ ንሱን ከምኡ ዝኣመሰሉን ተመሃሮ ኣብ በይሩት ክምዝነበሩን ክቓለሱ ክም ዝመረጹን ኣብሪሁልና። እቲ ስስተምህሮ ዝሃበና መንእሰይ ብዓረበኛ ይዛረብ ነበረ። እቲ ካልኣዩ ከኣ ብትግርኛ ይቱርጉመልና ነይሩ ።ኣብቲ ከባቢ ምህላው ጅብሃ ፍሉጥ ስለ ዝነበረ፣ ዝተሰመዓና ፍርሒ ኣይነበረን። እቶም ተጋድልቲ ምስ ከዱ ኣብቲ ጥቓ ዓዲ ዝነበረት ኩጆት ቁሊሕ እንተ በልና፣ ንመጀመርያ ግዜ እታ ሰማያዊት ባንዴራና ክተንበልብል ተዓዘብና ። እቶም ተጋደልቲ ነቶም ካህን ጉዳዮም ድሕሪ ምጽራይ ንክምለሱና ገበሩ ። መግብና ሒዝና ስለ ዝተጓዓዝና ኣብቲ ቦታ ተመሲሕና። ክሳብ ሰዓት 3 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ከኣ ኣብ ገለብ ጸናሕና። ኣብ ጫፍ ናይቲ ዓዲ ዝነበረ ሰፊሕ ናይ ኣቶ ክብረኣብ ብርሃነ ጀርዲን ከኣ በጽሓና ። ገለብ ካብተን ኣብ ኣውራጃ ሰንሒት ኣብ ጽቡቕ ጎደና ምዕባለ ትርከብ ዝነበረት ዓዲ ነይራ። እቶም ተጋደልቲ ድሕሪ ናይ ገለብ ውዕሎ ኣብ ከንዲ ንሺዕብ ንቀይሕ ባሕሪ ገጾም ዘምርሑ ዝገደደ ንምሕላብ ገጾም ኣምርሑ።

ንሕና  እውን ዽሕሪ ቀትሪ፣ ንዓድና ክንምለስ ተበገስና። ኣብ ባብሓራይሽ ዝብሃል ካብ ምሕላብ ሓደ ሰዓት ምስተረፈና ዓይኒ ኣብ ዝሓዘሉ ግዜ ወዮም ተጋደልቲ ኣብ ማእከል መንገዲ ብብዝሒ ክንርእዮም ዝኸኣልና ግዜ ነይሩ ። ዝበዝሑ መንእሰያት ነይሮም፣ ብግምት ክሳብ 150 ይግመቱ ነይሮም። ዕጥቆምን ክዳውንቶምን ሓደስቲ ካብ መዓስከራት ዝወጹ ይምስሉ ነይሮም። እቶም መራሕቶም 7 ሱዊድናውያን በጻሕቲ ንገለብ እናኽዱ ካብ በልታ ዝብሃል ቦታ ወሲዶም ይሓትዎም ነይሮም።  ኣብ ማእከል መንገዲ ስለ ዝነበሩ ንዓና እውን ደው ኣቢሎም ሓተቱና ፣ ምስሓበርናዮም ከኣ ክንክይድ ፈቒደሙልና። እቶም ምሳና ዝነበሩ ካህን ነቶም ተጋድልቲ፡ ነቶም ሱዊድናውያን ባጻሕቲ ጉዳዮም ምስ ወድኡ ንመሕደሪ ናብቲ ገዳም ከምጽኡሎም ሓተቱ። እቶም ተጋደልቲ ከኣ ሕቶኦም ምስ ወድኡ ፣ ሰዓት  11 ናይ ለይቲ ኣብቲ ገዳም ክሓድሩ ኣረከብዎም። እቶም ኣጋይሽ ኣብኡ ሓዲሮም ንጽባሒቱ ከኣ ብሰላም ንገለብ ክይዶም ።

 እቶም ተጋደልቲ ምሸት ምሕላብ ኣትዮም። መግቢ ክእዝዙ ከኣ ናብ እንዳ ከንቲባ ኣፍታይ መጹ ። ከንቲባ  ኣፍታይ እውን እዚ ቦታ ካብ ከረን ብመኪና ስለ ዝእቶ፣ ካብቲ ከባቢ ክርሕቑ ተማሕጸንዎም። ወዮም ተጋድልቲ ዕጅብ ኣይበሎምን። ክምዚ ክብሉ ከኣ ነቶም ከንቲባ መለስሎም  “ሓደ ቆልዓስ መሸኒቱ ኣውጺኡ፣ ነዲኡ ሑሕ በላ፣ ንሳ ከኣ ነዚ እንተ ዝፍርህስ ንዓኻ ኣይምወልድኩኻን” በለቶ። ንሕና ከኣ መንግስቲ እንተ ንፈርሕ ኣብዚ ኣይምመጻእናን ክብሉ መለስሉ። ከንቲባ ኣፍታይ ዓበይቲ ዓዲ ጸዊዑ ድራር ኣዘዘ። ከምቲ መንግስቲ ዝሓቶ ከኣ ሓበሬታ ዝህብ፣ ሰብ ንዒላበርዕድ ሰደደ።  እቶም ተጋደልቲ ተደሪሮም ካብቲ ከባቢ ዓዲ እንከለዉ፣ ንግሆ 75 ዝኾኑ ኮማንዶስ፣ ሓንቲ ዓባይ ሰበይቲ ሞይተን ስለ ዝነበራ ሓድ ክፋል ናይቲ ዓዲ ኣብ መቓብር እንከሎና ሓለፉና። ገለ ካብ ሓለፍቶም ከኣ እቶም ተጋደልቲ ዘለውዎ ሓበሬታ ሓተቱ። እቶም ብግቡእ ቁጽሪ  ናይቶም ተጋድልቲ ዝፈለጡ ከኣ፣ ነቶም ኮማንዶስ ከምዘይክእሉዎም ኣጠንቀቕዎም። ስለዚ ኮማንዶስ ተወሳኺ ሓይሊ ክመጾም ክጽበዩ ኲናት ከይኣተዉ ቀነዩ። ንጽባሒቱ  እቶም ተጋድልቲ ካብቲ ከባቢ ዓዲ ናብ ቁሩሑ ዝብሃል ቦታ ኣዝለቑ። ቁሩሑ ሓደ ዓቢይ ሩባ ማዩ ንሽዕብ/ንገድገድ ዝፈስስ ኮይኑ ብጎቦታት ዝተኸበ ዓሚቝ ቦታ እዩ። ሕጂ እውን እቶም ተጋድልቲ ናብ ሓደገኛ ዝኾነ ቦታ ከም ዘምርሑ ይፈልጡ ኣይነበሩን ወይ ከኣ ሚዛን ሓይሊ ጸላኢ ኣይነበሮምን ክኽውን ኣለዎ። ምኽንያቱ እቶም ዓዲ ወተሃደራት ጸላኢ መጺኦም ኣለዉ ምስ በሉዎም  “ፖሊስ ድዮም ወይስ ጦርሰራዊት” ክብሉ ሓቲቶም ነይሮም። ብኻልእ ወገን እውን  ቁሩሑ ካብ ደቀምሓረ ድምበዝን ብዋራ ኢራ ኣቢልካ እንተ በዝሔ 4 ሰዓት ዝወስድ ርሕቀት እዩ ነይሩ።

እቶም ተጋድልቲ ዓሪዶምሉ ዝነብሩ ሩባ ቁሩሑ ካብ ምሕላብ ብክልተ መገዲ ይኽየድ። ሓደ ሩባ ሩባ መንገዲ ኣጋር፣ እቲ ሓደ ከኣ እቛራጭ  ሰብ እምበር ጽዕነት ዘይኸዶ  መንገዲ ኣለዎ። እቶም ኮምንዶስ ኣብ ምሕላብ ምስ ኣተው፡ ዳርጋ ንሰለስተ መዓልቲ ኩነታት ክከታተሉን ተወሳኺ ሓይሊ ክጽበዮ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ረቡዕ 22 መስክረም 1965 ኲናት ክገብሩ ትእዛዝ ተዋህቦም። እቲ ኩናት ሰዓት 1 ድሕሪ ቀትሪ ተጀሚሩ ኣብ ከባቢ ሰዓት 4 ድምጺ ናይ ተኹሲ እናጠፍአ ከደ። ኲናት ቁሩሑ ናይ መጀመርያ ኮማንዶስ ምስ ጀብሃ ዝገጠሙሉ ነይሩ ። ንጽባሒቱ እቶም ኮማንዶስ 21 እተሰውኡ ተጋደልቲ ኣብ መኻይን ጺዒኖም ንምሕላብ ተመልሱ። ተውጊኦም ዘንሰሓቡ እውን ዝተሰውኡ ምንባሮም ይንገር። እቶም ኮማንዶስ ንምሸቱ ከኣ ንከረን ተጓዕዙ። እቶም ዝተረፉ ተጋደልቲ ንባሕሪ ገጾም ኣንሰሓቡ፣ ኣብ ረበል ዝብሃል ቦታ ክተኣኻኸቡ ኣብ ዝፈተንሉ ጽላኢ ካብ ግንዳዕ ካሊእ ሓይሊ ሰዲዱ እንደገና ኲናት ከፈተ። ኣብዚ ኲናት እዚ ብዛዕባ ዝተረኽበ ክሳራ ግና ሓበሬታ የብለይን ።

ድሕሪ እቲ ኲናት ንቀዳም 25 መስከረም 1965 ምስቶም ካህን እንደገና ነቲ ኲናት ዝተገብሮ ቦታ ክንበጽሕ ተተሓሒዝና ከድና። እቲ ቦታ ኲናት ከምዝተኻየዶ እውን ዝሕበር መረዳእታታት ኣይነበረን። ማለት ኣብ ባይታ ገለ ምድላዋት ናይ ድፋዓት ኣይነበረን። ቁሩብ ኣእማን ኣብታ ዕላዊ ዋርድያ ዝነበሩዋ ኩጀት ናብቲ ሩባ ገጸ እትጥምት ጥራሕ ተዓዚብና። እቶም ኣብቲ ሩባ ዝነበሩ ክምልጡ ዝኽእልሉ ዕድል ጸቢብ ነይሩ። ብዝኾነ እቲ ዝተኽፍለ መስዋእትነት ብቀሊል ዝግመት ኣይነብረን ።  

ኣብ ሰብዓታት ጀብሃ ነቶም ንኮማንዶስ ወተሃደራዊ ምኽሪ ዝለገሰ ዜጋ ድሕሪ ምሓዝ፡  ብርቱዕ መግረፍቲ ኣውሪዶምሉ ግን ከኣ ህዝቢ ናይቲ ዓዲ ክምሕሩዎ ስለ ዝለመኖም ጀብሃ ምሒሮም ነጻ ኽከይድ  ኣፋንየምዎ። እዚ ከኣ መንነትን ሓልዮትን ናይቲ ዝነበረ ጀብሃዊ ኤርትራውነት ዝገልጽ እዩ ። ማለት ህዝቢ ክልምን እንከሎ ፣ ሰማዒ ምርካብ እውን ነይሩ እዩ።

ብድሕሪ እዚ ኣብ 1975 ኣብ ቁጽሪ 10 ምስ ተመደብኩ ኣብ ከባቢ ዓዲ ቀይሕ ምስ ተጋዳላይ ሱሌማን ዲኒ ሓላፊ ቁጠባዊ ቤት ጽሕፈት ዝነበረን ሓደ ካብቶም ኣብ ኲናት ቁሩሑ ዝተሳተፈ ተራኺበ ብዛዕባ እቲ ኩናታት ተወኪሰዮ ነይረ። ንሱ ከምዝበሎ “ኣቃማምጣ መሬት ይኹን፡ ናይ ጸላኢ ሓይሊ ዓቕሚ እኹል መረዳእታ  ኣይነበረናን” ይብል። ኣስዒቡ “ፖሊስ እምበር ኮማንዶስ ዝበሀሉ ሓደስቲ ዝሰልጠኑ ይመጹና ዝብል ሓሳብ ኣይነበረናን” ምስ በለ ። “ድሕሪ ኲናት ቁሩሑ ናብ ረበል ዝብሃል ቦታ እንደገና ክንራኸብ ፈቲንና። ኣብኡ እውን ምስ ሃረሙና ፋሕ ብትን ኣትዩና፣ እንደገና ክንራኸብ 6 ወርሒ ወሱዱልና” ኢሉ ። እቲ ኩነታት ክሳብ እቲ ግዜ ከም ዝሕዝኖ ገሊጹለይ ። ተጋዳላይ ሱሌማን ዲኒ ነቶም 1977 ብወገን ደንከል ክኣትዉ ዝፈተኑ ብየሚን ዝፍለጡ፣ ካብ የመን ዝሰደድዎ ስንቅን ዕጥቅን ተቀቢልካ ትኽዝን ጸንሒኻ ተባሂሉ ተኸሲሱ ናብ ባርካ ምስ ተወስደ ፣ ኣብ ጸጥታ ህይወቱ ከምዝሓለፈት ይፍለጥ ።

ለበዋን መተሓሳሰብን

ኩሉ ግዜ ኣብ ዝኾነ ወብሳይትን ጋዜጣን  እዞም 21 ስዉኣት ቁሩሑ ኣብ ዋርሻ ከተማ ክረን ተሰቒሎም እንከለዉ ንርኢ ወይ ንዕዘብ ። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ኣስማቶም ኣሰኒዩ ዘውጸአ ወገን የለን። እዞም ስዉኣት ብወለዶም ዝተዋህቦም ኣስማት ኣለዎም። ወለድን ቤተሰብን  እውን ኣለዎም። ኣብቲ ቅድም ግዜ ፍርሒ ካብ ጸላኢ ስለ ዝነበረ ሓደጋ ከየስዒብ ፍርሒ ነይሩ ይኸውን። ሕጂ ግን ዝርዝር ኣስማቶም ክንፈልጥ ኣገዳሲ ይመስለኒ። ስለዚ እቶም መዛግብቲ ጀብሃ እትውንኑን፣ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ በዚ  ጉዳይ እዚ እትገደሱን፣ ታሪኻዊ ሓላፍነት ክትወስዱ የማሕጽን። ልክዕ እዩ ኣሸሓት ተሰዊኦም ኣለው ፣ ግን ሓደ ስእሊ እንተ ሰቂልካዮ እቲ ሕቶ ዝመጽእ ብዓል መን እዮም ኢና ንብል ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣነ ናተይ ተዘክሮታት ኣቕሪበ ኣለኹ። እዚ ፍጻሜ እዚ 51 ዓመታት ዝሓለፎ ስለ ዝኾነ፣ ዝኾነ ዜጋ ክእረም ኣለዎ ዝብሎ እንተሎ እርማት ክሕበር የተባብዕ። ዝኾነ ፍጻሜ ብግቡእ ተሰኒዱ ንወለዶታት ክሰጋገር ተራ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ብሃገሩ ዝግደስ እዩ ። 

ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ክብሮም ግረነት

  

Last modified on Sunday, 20 March 2016 10:12